መበል 32 መዓልቲ፡ ዓሪቐ ከደንኩምኒ

ኣስተንትኖ 43 መዓልትታት ጾመ-ታሕሳስ

ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብ የማኑ ንዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት፡ ንዑ፡ እቲ ካብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ። ጠምየ ነበርኩ እሞ ኣብላዕኩምኒ፡ ጸሚአ ኣስተኹምኒ፡ ገይሸ ተቐበልኩምኒ፡ ዓሪቐ ከደንኩምኒ” (ማቴ25.34-35)።

ዕርቃንካ ምውጻእን ጥራይካ ምዃንን ይፈላለ’ዩ። ኣዳምን ሄዋንን ቅድሚ ውድቀት፡ ጥራዮም እዮም ዝነበሩ፣ ልቡሳነ ጸጋ ስለ ዝነበሩ ግና፡ ዕርቃኖም ኣይነበሩን። ስለዚ ድማ ኣይተሓፋፈሩን ነበሩ (ዘፍ2.25)።

ዕርቃኑ ዝወጸ መንፈሳውነት ኣብ ዝዓብለሎ ዘመን ንነብር ኣለና። ኣዳምን ሄዋንን ጸጋኦም ተቐንጢጡ ምስ ተገፈ፡ ቈጽሊ በለስ ኣለጋጊቦም፡ ዕርቃኖም ክሽፍኑ ተጋደሉ። ኣምላኽ ግና መሓሪ እዩ’ሞ፡ ደበሎ ጌሩ ከደኖም (ዘፍ3.21)። ደበሎ ማለት፡ ቈርበት እንስሳ ማለት’ዩ።

ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ምንም እኳ ልቡሳት እንተ ዀንና፡ ዕሩቓት ኴንና ኸይንርከብ” ዝብል መልእኽቲ ጽሒፉ’ሎ (2ቈረ5.2)። እዚ ኸኣ ከምቲ ንሰብ ገላትያ ዝበሎም ”ብክርስቶስ እተጠመቕኩም ዘበልኩም፡ ንክርስቶስ ለበስኩምዎ” ንዝብል ሓቂ’ዩ ዘግህድ (ገላ3.26)። ደጊም እቲ መንፈሳዊ ልብስና፡ ንሱ ክርስቶስ ኢየሱስ ምዃኑ ፈሊጥና ኣለና። ንዑኡ ዘይለበሰ ዘበለ ኵሉ ድማ ዕሩቕ’ዩ። ኣብ ከባቢኹም ክንደይ ዕሩቓት ይርኣዩኹም ኣለዉ፧ እምበኣርከስ፡ ነቲ፡ ”ዓሪቐ ከደንኩምኒ” ዝብል መልእኽቲ፡  ደጊምና ንንበቦ እሞ፡ ንስምዓዮ ድማ!

ዝንበብ ክፍሊ፡-

ማቴ 25.31-46

ንጸሊ፡-

ቅዱስ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ኣብቲ ቕዱስ ቃልካ፡ እቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ልበሱ” ዝብል ተጻሒፉ’ሎ፡ (ኤፌ4.24)። ኣብ ካልእ ስፍራ’ውን ”ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ” ተባሂሉ’ሎ’ሞ፡ ዝለበስኩ መሲሉኒ ዕሩቕ ኰይነ ከይርከብ ርድኣኒ፡ (ኤፌ6.12)። ብዘይካ’ዚ፡ እቲ ቕዱስ ቃልካ፡” ኸም ሕሩያት ኣምላኽን ቅዱሳንን ፍቁራትን ኴንኩም፡ ምሕረት ልቢ፡ ለውሃት፡ ትሕትና፡ ዓቕሊ፡ ትዕግስቲ ልበሱ” ይብል እዩ’ሞ፡ (ቈሎ3.12)ኣዒንተይ ክትከፍተለይ፡ ብልብሲ ቅድስና ንምምልላስ ዘኽእለኒ ጸጋ ድማ ከተዕዝዘለይ፡ እጽሊ ኣለኹ፣ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ፡ ኣሜን።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

መበል 33 መዓልቲ፡ ሓሚመ በጻሕኩምኒ

Next
Next

መበል 31 መዓልቲ፡ ገይሸ ተቐበልኩምኒ