መበል 33 መዓልቲ፡ ሓሚመ በጻሕኩምኒ
ኣስተንትኖ 43 መዓልትታት ጾመ-ታሕሳስ
ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብ የማኑ ንዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት፡ ንዑ፡ እቲ ካብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ። ጠምየ ነበርኩ እሞ ኣብላዕኩምኒ፡ . . . ሓሚመ በጻሕኩምኒ” (ማቴ25.34-35)።
ስጋዊ ሕማም፡ ጊዝያውን ሓላፍን’ዩ። ነፍሳውን መንፈሳውን ሕማም ግና ኪንዮ ሞት ሰጊሩ ኣብ ዘልኣለማውነትካ ግደ ዘሎዎ’ዩ። ”ሰብ እንተ ሐመመስ፡ መንፈሱ ይድግፎ። ንተሰብረ መንፈስ ግና መን ከበርትዖ ይኽእል፧” በለ እቲ ጥበበኛ፡ (ምሳ18.14)። ንገዛእ ርእስና ሓዊስና፡ ብስጋን ብነፍስን ሓሚሞም ዘለዉ ንዘክር። ኪንዮ ሆስፒታል ሓሊፍና፡ ኣብ ፈቐዶ ማይ ጸሎትን፡ ኣብ እንዳ ፈለጥትን ጠንቈልትን ንዝኸዱ ንሕሰቦም።
ሕሙም መንፈሳውነት ኣብ ዝዓብለሎ ዘመን ኢና ንነብር ዘለና። ከመዮ ነብዪ ኢሳይያስ ዝበኦ፦ ”ኲሉ እቲ ርእሲ ሕሙም፡ ኲሉ እቲ ልቢ ሕሉል እዩ። ካብ ከብዲ እግሪ ኽሳዕ ርእሲ ገለ ጥዑይ የብሉን፣ ዘይተጠወቐን ዘይተዘነነን ብቕብኢ ዘይለስለሰን፡ ኣቚሳልን ስምብራትን ሓድሽ መውቃዕትን ጥራይ እዩ” (ኢሳ1.5-6)።
”ኵሉ እቲ ርእሲ” ማለት፡- ኵሎም እቶም ኣብ መሪሕነት ዘለዉ ብዝብል ወኪልና ክንምስሎ ይከኣል’ዩ። ”ኵሉ እቲ ልቢ” ማለት ድማ፡ ኩሎም እቶም ኣብ ምምሕዳር ዘለዉ፡ እቲ ዝተረፈ ካብ ከብዲ እግሪ ክሳዕ ርእሲ ዘሎ ኣካላት ድማ፡ በብኽፍሉን በብደረጃኡን ኩሉ እቲ ኣብ ዙርያና ዘሎ ህዝቢ ብምባል ክንትርጉሞ ንኽእል ኢና። ሕሙም፡ ሕሉል፡ ገለ ጥዑይ ዘይብሉ፡ ኣቝሳልን ስምብራትን ዝመልአ፡ ዝብሉ ዝርዝራት ርኢና . . . ሓሚመ በጻሕኩምኒ ንዝብል ቃል ጐይታ፡ ንዘክር። ብኸመይ ኰን ክንምልሶ ተዳሊና ንህሉ ንኸውን፧
ዝንበብ ክፍሊ፡-
ማቴ 25.31-46
ንጸሊ፡
ቅዱስ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ”ኣነ እግዚኣብሄር ፈዋሲኻ እየ” ዝብል ተጻሒፉ’ሎ፡ (ዘጸ15.26)። ኣብ ካልእ ስፍራ’ውን ” ኣብ መደቀሲ ድናሴኡ ኸሎ፣ እግዚኣብሄር ይድግፎ። ንስኻ ብሕማሙ ንብዘላ ዓራቱ ተንጽፈሉ” ኸኣ ተባሂሉ’ሎ፡ (መዝ41.3)። ብዘይካ’ዚ፡ ”ኣብ ማእከልኩም ከ ዝሓመመዶ ኣሎ፧ ንሽማግለታት ማሕበር ይጸውዑ፡ ንሳቶም ከኣ ብስም እግዚኣብሄር፡ ዘይቲ እናለኸይዎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ይጸልዩ እታ ናይ እምነት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተድሕኖ እያ፡ ጐይታ’ውን ከተንስኦ እዩ። ሓጢኣት ገይሩ እንተዀይኑ’ውን ክሕደገሉ እዩ” ይብል እዩ’ሞ (ያእ5.12) ንቤተ ክርስቲያን በዚ ጸጋ’ዚ መመሊስካ ክትገልጻ፡ እጽሊ ኣለኹ፡ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ፡ ኣሜን።