ላግጺ ፓሪስ 2024

ሓደ እዋን ንሓደ ብቐረባ ዝፈልጦ ሽወደናዊ ቀሺ፡ ”ነቲ ካብ ቅዱስ ቍርባን ዝተረፈ ወይኒ፡ እንታይ ትገብርዎ፧” ቢለ ተወከስክዎ። ”እታ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጥቓ ወሓዚ ሩባ እንተልያ፡ ናብኡ ንኽዕዎ፡ ወሓዚ ሩባ እንተዘየሎ ድማ፡ ብጥንቃቐ ኣብ እግሪ ገረብ ነፍስሶ” በለኒ።

ጐይታና ብዛዕባ’ቲ ”መኣዲ ጐይታ”፡ ”ስጋሁ ወደሙ”፡ ”ቅዱስ ቍርባን”፡ ”ምቝራስ እንጌራ”፡ ”ድራር ጐይታ”፡ እናተባህለ ዝስመ ኣብ ዝተዛረበሉ እዋን፡ ብዙሓት በቲ ሓሳብ እቲ ተዓንቀፉ። ”እዝስ ንምእማኑ ጭንቂ’ዩ” ብምባል ድማ ንጐይታና ምስዓብ ሓዲጎም፡ ንድሕሪት ከም ዝተመልሱ፡ ሃዋርያ ዮሃንስ የዘንቱ (ዮሃ6.60-66)። ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ኣመንቲ ኸኣ፡ ሕሉፍ ሓሊፍዎም፡ ብስስዐን ርእሰ ፍትወትን፡ ክሳዕ ዝሰኽሩ ይሰትይዎ ምንባሮም፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ነጊሩና’ሎ (1ቈረ11)።

ኣብ መኽፈቲ ኦሎምፒክ ፓሪስ 2024 ዝተራእየ ላግጺ፡ ንመላእ ምእመናን ክርስትና ኣቘጥዐ። ካብታ ኣብ ፓሪስ ዘላ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጀሚሩ፡ ክሳዕ እተን ናይ ምብራቕን ኦሬንታልን ኣብያተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ፡ ከምኡ’ውን ሰፊሕ ማሕበረ ምእመናን፡ ካብ ጻት ንጻት ዓለምና፡ ገጽ ንገጽ ንኽቃወምዎ ድማ ጠንቂ ኰነ። ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ናይ ኵለን ምብራቕ ኦርቶዶክስ፡ ትማሊ 30 ሓምለ ኣብ ዘውጽኦ ሰፊሕ መግለጺ፡ ”ንኣምላኽ ምጽራፍ ምዕባለ ኣይኮነን፤ እምነት ደቂ ሰብ ምውራድ’ውን መሰል ኣይኮነን” ብዝብል ክትርጐም ዝኽእል ”Blasphemy against God is not progress; nor is the insult of people’s religious conviction a right” ብምባል ስምዕታኡ ኣቕሪቡ’ሎ።

እንታይነት ድራር ጐይታ

ደቂ እስራኤል፡ ካብ ባርነት ግብጺ ናብ ሓርነት ከነኣን እተሰጋገሩላ፡ ገንሸል ፋሲካ ክሓርዱላ ዚግባእ፡ ”በዓል ቅጫ” እትብሃል በዓል ኣላቶም። እታ መዓልቲ እቲኣ ምስ በጽሐት፡ ጐይታና ኢየሱስ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት ኣብ መኣዲ ተቐመጠ። በታ ንኽሰቕልዎ እተታሕዘላ ለይቲ ኸኣ፡ እንጌራ ኣልዓለ፡ ኣመስጊኑ ቘረሰ እሞ፡ ”ውሰዱ፡ ብልዑ፡ እዚ ምእንታኹም እተዋህበ ስጋይ እዩ፡ እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ፡” በለ። ከምኡ ኸኣ ድሕሪ ድራር፡ ነታ ጽዋእ ኣልዓለ እሞ፡ ”እዛ ጽዋእ እዚኣ ብደመይ ሓድሽ ኪዳን እያ። ብትሰትይዎ መጠን ንመዘከርታይ ግበርዎ፡” በለ።

ኣብዛ መኣዲ እዚኣ ዘይነበረ፡ ግናኸ ድሒሩ ሃዋርያ ኣህዛብ ክኸውን ዝተመርጸ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነዚ ኩነት’ዚ ክገልጽ ከሎ፡ ”ኣነ ኻብ ጐይታ እተቐበልክዎ እየ እሞ፡ ንኣኻትኩም’ውን ዝነገርክዎ፡” ብምባል’ዩ ዘብርህ (1ቈረ 11.23)። ሃዋርያ ዮሃንስ ምኽንያት ምጕርምራም ኣይሁድ ክነግረና ከሎ፡ ”እዝስ ስጋኡ ክንበልዕ ከመይ ጌሩ ክህበና ይከኣሎ፧” ዝብል ምንባሩ፡ ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ምዕራፍ ገሊጹ ነበረ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ከጠንቅቖም ከሎ ድማ፡ ”ስጋ ጐይታን ደም ጐይታን ምዃኑ ከየለለየ፡ ዝበልዕን ዝሰትን ንርእሱ’ዩ ፍርዲ ዝበልዕን ዝሰትን፡ በለ (1ቈረ11፡29)።

ከየለለኻ ምብላዕን ምስታይን

እንጌራ ኣልዒሉ ክንሱስ፡ ክህቦም ከሎ ግና ”ስጋይ” በሎም። ድሕሪ ድራር ድማ፡ ጽዋእ ኣልዒሉ ክንሱስ፡ ክህቦም ከሎ ግና ”ደመይ” በሎም። እቲ እንበልዖ እንጌራ፡ ምስ ስጋ ጐይታ ሕብረት ዘሎዎ ምዃኑ፡ እቲ እንሰትዮ ወይኒ ድማ፡ ምስ ደም ክርስቶስ ሕብረት ዘሎዎ ምዃኑ፡ ኣለሊና ክንወስድ ይግብኣና። እቲ ቕዱስ ቃል፡ ”ኸይተገብኦ እዛ እንጌራ እዚኣ ዚበልዕ፡ ወይስ ጽዋእ ጐይታ ዚሰቲ፡ ንሱ ኣብ ናይ ጐይታ ስጋን ደምን እዩ ዚዕግብ” በለ (1ቈረ 11.29)። እምበኣርከስ፡ እቲ ዝቕበል ሰብ፡ ነቲ ንቕድም ”ርእሱ ይመርምር፡” ዝብል መምርሒ፡ ሸለል ክብሎ ኣይግባእን፡ (1ቈረ11.28)።

ኣብ ወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያን ሽወደን፡ ድራር ጐይታ ንምውሳድ፡ እቲ ዝቕበል ሰብ፡ ግድን ስጋን ደምን ጐይታ ምዃኑ ከለሊ ትጽቢት ኣይግበረሉን’ዩ። እቲ ዝገልገለ ቀሺ፡ ”ንጐይታና ኢየሱስ ክፈልጦ እደሊ ኣለኹ፡ ምስኡ ሕብረት ክህልወኒ እደሊ’የ፡ ትብሉ እንተዄንኩም፡ ኣብዚ መኣዲ’ዚ ክትሳተፉ ትዕደሙ ኣለኹም፡” ክብል፡ ደጋጊመ ሰሚዐዮ ኣለኹ። ሰብ፡ ብምልኣት እንከይኣመነን፡ ብሱሩ’ውን እንከይተጠምቀን፡ ካብ መኣዲ ጐይታ ክሳተፍ ይኽእል።

ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብ ድራር ጐይታ ንምስታፍ፡ ንቕድም ኣብ እምነት ክትህሉ፡ ቅድመ ኵነታዊ ረቛሒ’ዩ። ”እቲ ቕዱስ፡ ነቶም ዝተቐደሱ’ዩ (ቅድሳት ለቅዱሳን)” ብዝብል፡ ጽኑዕ መምርሒ ክስራዕ ስለ ዘሎዎ፡ እቶም ስጋን ደምን ጐይታ ክወስዱ ዘሎዎም፡ ንቕድም ገዛእ ርእሶም ብንስሓ ክምርምሩ ይንገሮም። ኣሚኑ ክንሱ፡ መሰረታዊ ምህሮ ክርስትና ዘይወድአ፡ ”ንኡሰ ክርስቲያን” ይብሃል። ኣብ ጸሎት፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ፡ ኣብ ሕብረት ኣሕዋት ደኣ እምበር፡ ኣብ መኣዲ ጐይታ ክሳተፍ ከኣ ኣይፍቀደሉን። ምህሮኡ ወዲኡ ምስ ተጠምቀ ግና፡ ክርስቲያንነቱ ስለ ዘውሓሰ፡ ምስቶም ቅዱሳን ተጸምቢሩ፡ ካብቲ ቅዱስ መኣዲ፡ ብሓርነት ይሳተፍ።

እዚኸ ምስ ምንታይ ኮን ይጽብጸብ ይኸውን፧

 -       ምስ ኵሉ ግዕዘይካን ርስሓትካን፡ ከይተነሳሕካ ብድፍረት ኣብ መኣዲ ጐይታ ምስታፍ፡

-       ጐይታ፡ መኣዲ ኣዳልዩ፡ ጽዋእ ኣልዒሉ፡ ንፍቕራዊ ሓድነት፡ ንሕድገት ሓጢኣት “እንካ ብላዕ፡ እንካ ስተ” እናበለካ፡ ሕቖኻ ሂብካዮ ምኻድ፡

-       ቅዱስ ቍርባን ንዓኻ ተዳልዩ ክንሱስ ንሕጻናት፡ ንኣረጋውያንን፡ ጥዕና ንዝሰኣኑን ጥራይ ጌርካ ምቝጻር፡

ደጊም ከምቲ በቶም ኣብ ፓሪስ ብዘላገጽዎ እተቘጣዕናን ዝሓዘንናን፡ በካይዳ ገዛእ ርእስና’ውን ንሕዘንን ኣካይዳና ኸኣ ንመርምርን። ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ኣእዳዉ ዘርጊሑ፡ ዝብሎ ዘሎ ቃል፡ ነስተብህለሉ፦ ”ሓደ’ኳ ድምጸይ ሰሚዑስ ማዕጾ እንተኸፈተለይ፡ ናብኡ ኽኣቱ፡ ምስኡ ኸኣ ክድረር’የ፣ ንሱ’ውን ምሳይ” (ራእ3.20)። ምስ ጐይታ ክትድረር፡ ትፈቅድን ትደልን ዶ፧ ማዕጾ ልብኻ ንኸይክፈት ዓጊቱ ሒዝዎ ዘሎ እንታይ እዩ፧ እንተኸፈትካሉስ፡ እንሆ ጐይታ ይጽበየካ’ሎ!

ወይትባረክ እግዚኣብሄር ኣምላከ ኣበዊነ!

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ሓባራዊ መግለጺ ኣብ ሥርፀት ዘእምወልድ (ፊሊያኰ)

Next
Next

ንጽምብል ኦሎምፒክ ፓሪስ 2024 ብዝምልከት ዝተዋህበ መግለጺ