ንጽምብል ኦሎምፒክ ፓሪስ 2024 ብዝምልከት ዝተዋህበ መግለጺ
ንጽምብል ኦሎምፒክ ፓሪስ 2024 ብዝምልከት ዝተዋህበ መግለጺ
ኣብ መኽፈቲ ጽምብል ኦሎምፒክ ፓሪስ 2024 ዝቐረበ ምርኢት መወዳእታ ድራር (ቅዱስ ቍርባን)፡ ዓሚቝ ጓሂናን ውግዘትናን ንገልጽ ኣለና። እዚ፡ በቶም ንመንነቶም ከም ዝተቐየረን ካብ ንቡር ከም ዝረሓቐን ኣምሲሎም ብዝዋስኡ (ድራግ ፐርፎርመርስ) ተመሪሑ ዝቐረበ ምርኢት፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ክርስትያን፡ ኣዝዩ ኣቖጢዑ እዩ።
መወዳእታ ድራር፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንደቂ ሰብ ናይ መወዳእታ መስዋእቱን ፍቕሩን ዘርኣየሉ ቅዱስ ህሞት እዩ ነይሩ። ብኸምዚ ዝበለ ህዝባውን ኣኽብሮት ዘይብሉን ኣገባብ፡ መላገጺ ኰይኑ ክቐርብ ምርኣይ፡ ተስፋ ዘቑርጽ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቲ እቲ ኦሎምፒክስ ከስፋሕፍሖ ዝዕልም ናይ ሓድነት፡ ኣድልዎ ኣልቦነት፡ ምትሕግጋዝን ምክብባርን መንፈስ እውን፡ ዘዳኽም እዩ።
ኣዳለውቲኦሎምፒክስንኩሎምእቶም ዝምልከቶምወገናትን፡ንማሕበረሰብክርስቲያንልባዊይቕሬታ ክሓቱን፡ከምዚዝኣመሰለ ኣኽብሮትዘይብሉተግባራት ከኣ፡ኣብመጻኢከይድገምን፡ስጉምትታትክወስዱንንጽውዕ።