ገዳም ኣቡነ እንድርያስን ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክን ተዓሪቖም

”ተጻሊኦም ከ ኔሮም ድዮም፧” ቢልካ ምሕታት ነውሪ የብሉን። ”ተዓሪቖም” ዝብል ዘሐጕስ ዜና እናሰማዕካ፡ መቓብር ጽልኢ ምፍሓር ግና፡ ናይ ጥዕና ክኸውን ኣይክእልን’ዩ’ሞ፡ ትማሊ ሓሙስ 25 ሓምለ 2024 ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ኣስመራ፡ ኵሎም ኣቦታት ገዳማውያን ምስ አቦታቶም ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ብፍቕርን ብሓጎስን ከም ዝተሰዓዓሙን፡ እቲ ዕርቀ ሰላም ድማ፡ ስርየት ብምግባር ብዘደንቕ ፍቕሪ ከም ዝተዛዘመን፡ ወግዓዊት መርበብ ልሳን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣበሲራ’ላ።

 ገዳም ኣቡነ እንድርያስ ሰፍኣ ማለት፡ ንኣቡነ እንጦንዮስ ሳልሳይ ፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ ዝፈረየት ገዳም ክትከውን ከላ፡ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ መበል 94 ዓመት ዕድሚኦም፡ ድሕሪ 16 ዓመታት ዘቤታዊ ማእሰርቲ፡ ድሕሪ ምዕራፎም’ውን፡ ብኽብሪ ዝቐበረት ገዳም’ያ። ዕርቂ ምስ ገዳም ኣቡነ እንድርያስ ሰፍኣ ማለት እምበኣር፡ እቲ ብምኽንያት ኣቡነ እንጦንዮስ ተፈጢሩ ዝጸንሐ፡ ግናኸ ብወግዒ ዘይተዘርበሉ ጽልእን ምፍልላይን የብቅዕ ኣሎ ማለት’ዩ። 

ቅድም ዓመት ኣቢሉ፡ 27 መስከረም 2023፡ ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስን ገዳም ደብረ ቢዘንን፡ ነቲ ከይራኸቡ ከልኪልዎም ዝነበረ ዘየሰማምዕ መንደቕ ኣፍሪሶም፡ ብሓድነት ክሰርሑ ምስምማዖም ዘበስር፡ መግለጺ ተዋሂቡ ምንባሩ ይዝከር።

ትማሊ ሓሙስ 25 ሓምለ 2024 ድማ፡ ምልኣት ጉባኤ ሲኖዶስ፡ ስምረት ገዳማት፡  ጉባኤ ሊቃውንትን ከምኡ’ውን እቲ ዕርቀ ሰላም ክውን ንኽኸውን ዝጸዓሩ፡ ካህናትን ወከልቲ ከባቢ ሰፍኣ ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ”ሣህል ወርትዕ ተራከባ ጽድቅ ወሰላም ተሳዐማ” ብዝብል ቴማ፡ ዕርቂ ገዳም ኣቡነ እንድርያስን መንበረ ፓትርያርክን ብውዕውዕ መንፈስ፡ ዕርቂ ሰላም ከም ዝተፈጸመ፡ ተበሲርና ኣለና።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ንጽምብል ኦሎምፒክ ፓሪስ 2024 ብዝምልከት ዝተዋህበ መግለጺ

Next
Next

ይደልዎ፡ ንቢንያም ”ተዓዊትካ” በልዎ