ይደልዎ፡ ንቢንያም ”ተዓዊትካ” በልዎ
እዛ ”ተዓዊትካ በልዎ” እትብል ጥቕሲ፡ ኣብቲ እትርከበሉ፡ ኣብ ትንቢተ ኢሳይያስ ምዕራፍ 3፡ ኣብቲ ዓውደ ጽሑፍ ኣእቲና ክንርድኣ ስለ ዝግባእ፡ ቀዳማይን ካልኣይን ምዕራፍ ነቢብና፡ ኣብ ሳልሳይ ምዕራፍ ንዘለዋ ቀዳሞት ሓሙሽተ ፍቕድታት ንርኣየን። ህሉው ኩነታትና ከም ስእሊ ዝቕጀለና እንተዀይኑ ድማ ነስተብህል፦
ኢሳ 3.1-5
እንሆ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ካብ የሩሳሌምን ካብ ይሁዳን ደገፋን ምርኩስን፡ ኵሉ ደገፋ እንጌራን ኵሉ ደገፋ ማይን ኬርሕቕ እዩ። ነቲ ጅግናን ተዋጋእን ነቲ ፈራድን ንነብይን ነቲ ፈላጥን ንኣረጊትን፡ ነቲ ሓለቓ ሓምሳን ንምርኡይ ሰብን ነቲ መኻርን ንንፋዕ ብዓል ኢደ ጥበብን ንብልሓተኛ ዓዛምን ኬርሕቖም እዩ። ቈልዑ መሳፍንቶም ኪኾኑ ክህቦም እየ፡ ሕጻናት ከኣ ኪመልክዎም እዮም። እቲ ህዝቢ ድማ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ፡ ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ኺገፍዖ እዩ፡ ቈልዓ ንኣረጊት፡ እቲ ሕማቕ ድማ ነቲ ኽቡር ኪደፍሮ እዩ።
እቲ ጽሑፍ ነዚ ምስ ኣጨበጠና እዩ፡ ኣብ ፍቕዲ 10 ”ንጻድቕ፡ ፍረ ግብሩ ኺበልዕ እዩ እሞ፡ ተዓዊትካ በልዎ” ዝብል፡ ”መን’ዩ ጻድቕ፧” ቢልና ክንሓትት ንኽእል ኢና። ”ብጸጋ ደኣ እምበር፡ ፍረ ግብሩ ዝበልዕ ጻድቕ ከ ኣሎ ድዩ፧” ዝብል ሕቶ’ውን ከነስዕብ ንኽእል ኢና፡ ወዘተ። ቅድሚኡ ግና እስከ ነቲ ስእሊ ብዝግባእ ጨቢጥናዮ እንተዄንና ነስተብህል።
እንጌራን ማይን ክርሕቕ (ስጋዊ በረኸት ክጠፍእ)
ጅግናን ተዋጋእን ክርሕቕ (ሓርበኝነትን ሓለዋ ሃገርን ክሓምቕ)
ፈራድን ነብዪን ክርሕቕ (ማሕበራውን መንፈሳውን በረኸት ክጠፍእ)
ፈላጥን ኣረጊትን ክርሕቕ (ማሕበራውን ነፍሳውን በረኸት ክጠፍእ)
ምርኡይ፡ መኻሪ፡ ብዓል ጥበብ፡ ብልሓተኛ ክርሕቕ (ስነ ጥበባዊ፡ ስጋውን ነፍሳውን በረኸት ክጠፍእ)
ህሉው ኩነታትና ኣጸቢቑ ዝርድኣና ስለ ዝዀነ፡ ”እቲ ህዝቢ ድማ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ፡ ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ኺገፍዖ እዩ፡ ቈልዓ ንኣረጊት፡ እቲ ሕማቕ ድማ ነቲ ኽቡር ኪደፍሮ እዩ” ዝብል ሓሳብ፡ ንምርዳኡ ዘጸግመና ኣይመስለንን።
“ተዓዊትካ” በልዎ
”ንጻድቕ፡ ፍረ ግብሩ ኺበልዕ እዩ እሞ፡ ተዓዊትካ በልዎ” ኣብ ዝብል፡ ቢንያም፡ ብፍጥነት ብሽክለታ ምዕዋቱ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ”ኣምላኽ የለን” ዝብሃለሉ ምድረ ኤውሮጳ፡ ኣብ ቅድሚ ዓለም ብዓለማ፡ ንእግዚኣብሄር ክብሪ ምሃቡን፡ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ድማ፡ ንወለዱ ዘሎዎ ኣኽብሮት ምግላጹን፡ በዘን ክልተ ብልጫታት እዚአን፡ ንቢንያም ግርማይ ”ተዓዊትካ” ምባል ግቡእ ይመስለኒ።