ን”ተዓዊትካ በልዎ”፡ ባይታ ዘዝበጠት ብህሎ

ግጥምን ዜማን- ሊቀ ሊቃውንት ፊሊጶስ ሰይፈ
ብምኽንያት፡ እቲ ኣብ ፈረንሳ እተረኽበ ምዕዋት ቅድድም ብሽግለታ ቢንያም ግርማይ እተደርሰት

-------

”ንዘምረሉ” ዶ፡ ”ንዘምረላ፧” ዝብል ሓሳብ ሒዝና ንበገስ።

ምድረ ኤርትራ፡ እታ ምልእቲ ጸጋ

ጥዑም ዝማሬ፡ ሰማይ የዕሪጋ

ንድርሰት ሊቀ-ሊቃውንት ፊሊጶስ ሰይፈ፡ ባይታ ዘዝበጠት ብህሎ፡ እታ ”ተዓዊትካ በልዎ” እትብል ዘይኰነትሲ፡ እታ ኣብ ዘይቦታኣ እተሰዅዐት፡ ”ንዘምረሉ” እትብል፡ ብህሎ እያ።  

ከመይ ዝብል ለባም

ሊቀ-ሊቃውንት ኣብታ ቀዳመይቲ ቤት፡ ”ንዘምረሉ ንእግዚኣብሄር ነቲ ጐይታ ፍቕሪ፡ እሙን ኣምላኽና ወሃቢ ክብሪ” ብምባል፡ እቲ ክዝመረሉ ዝግብኦ፡ እቲ ወሃቢ ክብሪ፡ እቲ ናብ ዓወት ዘብጽሕ፡ ወዘተ፡ እግዚኣብሄር ምዃኑ፡ ”ንዝምረሉ ምስጢር ዓወትካ፡ ኣምላኽናዩ ኣኽሊል ዓወትካ፡” ብምባል ኣጕሊሖም ኣቕሪቦምዎ ኣለዉ። ድሕር’ዚ፡ ኣብ መላእ እታ ግጥሚ፡ እዛ ብህሎ እዚኣ ክትሰርጸሎም በሃጉ። ገበርዎ፡ ግናኸ ኣይሰለጦምን።

ካልአይቲ ቤት፡

ንሜላ ጸላኢ ፍጹም ዝመከተ

መስቀሉ ጸይሩ ዝተዓወተ

ጽድቂ ዘሪኡ፡ ጽድቂ ዝዓጸደ

መዋእል ህይወቱ ዓወት ዝሰወደ

እቲ ”ንሜላ ጸላኢ ዝመከተ፡” እግዚኣብሄር እንተዀይኑ፡ እታ ”ንዘምረሉ” እትብል ብህሎ፡ ግርም ክትሰርጽ’ያ። ንበል፡ ንጐይታና ኢየሱስ ”ንሜላ ጸላኢ ፍጹም ዝመከተ፡ መስቀሉ ጸይሩ ዝተዓወተ፡” ቢልና እንተተቐነናሉ፡ እታ ”ንዘምረሉ እትብል ብህሎ፡ ብፍጹም ውህደት፡ ጽቡቕ ክትገጥም’ያ። ከምዛ ኣብዛ መዝሙር ዝተገልጸ፡ እቲ ብዓል ቤት ካልእ እንተዀይኑ ግና፡ እታ ”ንዘምረሉ” እትብል ብህሎ’ውን፡ በቲ ኻልእ’ያ እትዝመት። ሊቀ-ሊቃውንት ዘየስተብሃሉላ እምበኣር፡ እዚኣ’ያ። እታ ”ንዘምረሉ” እትብል ብህሎ፡ ነቲ ዝተዓወተ እምበር፡ ነቲ ወሃቢ ዓወት ኣይተመልክትን’ያ ዘላ።

ሳልሰይቲ ቤት

መኽሊቱ ሒዙ ኣብ ውድድር ዘሎ

ብፈተና ጸላኢ ፍጹም ዘይሕለሎ

ምድረ ኤርትራ እታ ምልእቲ ጸጋ

ጥዑም ዝማሬ ሰማይ የዕሪጋ

ኣብዛ ቤት እዚኣ፡ ሊቀ ሊቃውንት፡ ነቲ ዝተዓወተን ንኤርትራን ሒዞም’ዮም ቀሪቦም ዘለዉ። እቲ ዝተዓወተ፡ ተባዕታይ ጾታ ዘሎዎ ስለ ዝዀነ፡ ”ንዘምረሉ” ክብሃል ከሎ፡ ንዕኡ ነቲ ዝተዓወተ እምበር፡ ንእግዚኣብሄር ከም ዝዀነ ኣይስምዕን’ዩ። ኤርትራ ግና፡ ከም ኩለን ሃገራት፡ ብኣንስታይ ጾታ ስለ እትስመ፡ ”ምድረ ኤርትራ እታ ምልእቲ ጸጋ፡ ጥዑም ዝማሬ ሰማይ የዕሪጋ” ድሕሪ ምባል፡ ”ንዘምረላ” ደኣ እምበር፡ ”ንዘምረሉ” ክብሃል፡ ምስታ ኣብቲ ሓሳብ፡ ከም ብዓል ቤት ቀሪባ ዘላ፡ (ኤርትራ) ዘኽይድ ኣይኰነን። ሊቀ-ሊቃውንት ግና፡ ”ንዘምረሉ ንእግዚኣብሄር ነቲ ጐይታ ፍቕሪ” ብዝብል ቅዲ ዝነድቁ ዘለዉ ስለ ዝመሰሎም፡ ኣብዚ’ውን፡ ”ንዘምረሉ” ደኣ እምበር፡ ”ንዘምረላ” ክብሉ ኣይሰማዕናዮምን።

ራብዐይቲ ቤት

ሕንጻጽ ናይ ክብሪ ዓወት ዝረገጸ

ርኽሰት ሓዲጉ፡ ኣምላኽ ዝመረጸ

ሕቡን ክርስቲያን ብዓል ማዕተብ ጽድቂ

ኣምላኽ ዘፍቅር እዚ ወዲ ሓቂ

ኣብዛ ቤት እዚኣ፡ እቶም ሊቀ ሊቃውንት፡ ነቲ ዝተዓወተ ጥራይ ሒዞም’ዮም ቀሪቦም ዘለዉ። ስለዚ ድማ እቲ ”ንዘምረሉ” ዝብል፡ ነቲ ”ሕንጻጽ ናይ ክብሪ ዓወት ዝረገጸ፡ ርኽሰት ሓዲጉ ኣምላኽ ዝመረጸ” ንዕኡ ደኣ እምበር፡ ንእግዚኣብሄር ኰይኑ ኣይተሃንጸን።
ለቡ

  • ብውልቀ ድርሰት ንመላእ ቤተ ክርስቲያን ምጽላም ኰነ ምንኣድ ልቦና ኣይኰነን

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ይደልዎ፡ ንቢንያም ”ተዓዊትካ” በልዎ

Next
Next

ኣገናዕ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ- ንስሑት ምህሮ ኤፍረም ቀሺ ሚካኤል