ኣገናዕ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ- ንስሑት ምህሮ ኤፍረም ቀሺ ሚካኤል

ኣብ እስራኤል ክንሱ ብመገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ግና ኣብ ኤውሮጳ ንዝርከብ መጓሰ ኣምላኽ'ውን ዝጸሉ ስሑት ምህሮን ኣካይዳን ክኸይድ ንዝጸንሐ ኤፍረም ቀሺ ሚካኤል፡ ሲኖዶስ ዝምራሕ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ኣውጺእዎ ዘሎ መጠንቀቕታ ኣብዚ ጠዊቕካ ምንባብ ይከኣል፦

ጽማቝ ትሕዝቶ
ነባሪ እስራኤል ዝኾነ ኤፍረም ቀሺ ሚካኤል፡ ማሕበራዊ ሜድያ ብምጥቃም፡ መዓር ፈልፊሉ፡ ፓስታ፡ ሩዝ ዝኣመሰሉ ካብ ሰማይ ወሪዱና፡ ብዙሕ መሳቕልን ዝተፈላለዩ ንዋያተ ቅድሳትን፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ታቦታት ተዋሂቡና ብምባል፡ ኣብ ትሕቲ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ንዝርከቡ ኣገልገልትን ምእመናን ነዚ ስሑት ኣካይዳ ይኽተልዎ ብምህላዎምን፡ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ እዞም ዝስዕቡ ውሳነታት ኣሕሊፉ’ሎ፦

  1. ኤፍረምን ሰዓብቱን ንዘካይድዎ ምትእኽኻባት ኮነ ትምህርትታት ቤተ ክርስቲያን ዝወገዘቶ እዩ

  2. ኤፍረም ብንስሓ ክሳዕ ዘይተመልሰ፡ ኣብ ዝኾነ ቤተ ክርስቲያን ካብ ምስጢራተ ቤተ ክርስቲያን ከይሳተፍ

  3. ንትምህርትን ኣካይዳን ኤፍረም ዝስዕቡ ካህናት ኮነ ዲያቆናት፡ ኣካይዳኦም እንተዘየስተኻኺሎም፡ ካብ ኣገልግሎት ደው ክብሉ

  4. ኣብ ትምህርትን ኣካይዳን ኤፍረም ዝሳተፉ ምእመናን፡ ኣካይዳኦም እንተዘየስተኻኺሎም፡ ካብ ሱታፌ ምስጢራተ ቤተ ክርስቲያን ተኣጊዶም፡ ጉዳዮም ብንኡስ ሃገረ ስብከት ክርአ

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ን”ተዓዊትካ በልዎ”፡ ባይታ ዘዝበጠት ብህሎ

Next
Next

ሓጺር ትሕዝቶ መግለጺ መንበረ ጵጵስና ኣሕጉረ ስብከታት ኣብ መላእ ዓለም