እቲ እተወልደ፡ ኣበይ ኣሎ፧

ሕቶ ናይቶም ካብ ምብራቕ፡ ናብ ኢየሩሳሌም ዝመጹ፡ ሰብ-ጥበብ’ዩ። ንሳቶም፡ ክሰግዱሉ እዮም ዘናድይዎ ዘለዉ። “እቲ እተወልደ ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ፧” ቢሎም ድሕሪ ምሕታቶም ድማ፡ ንጉስ ሄሮድስ ጥራይ ዘይኰነስ ብዘላ ኢየሩሳሌም’ውን ሰምበደት፡ ይብለና ወንጌላዊ ማቴዎስ (ማቴ2.3)። ንጉስ ሄሮድስ፡ ንዅሎም ሊቃውንቲ ካህናትን ጸሓፍትን ኣኪቡ፡ ነታ ሕቶ ደገመሎም። ንሱ፡ ንኽቐትሎ እምበር ንኽሰግደሉ ብሂጉ ኣይኰነን ዘጣይቕ ዘሎ።

ልደት መዓስ’ዩ እናበለ ዝሓትት፡ ነቲ እተወልደ ክስግድ ዝደሊ ጥራይ ኣይኰነን። ዕዳጋኡ ከዐምር ዝደሊ፡ መዝሙሩ ክሸይጥ ዝደሊ፡ ቤተ ሰብ ክበጽሕን ክርእን ዝደሊ፡ ባህሊ ዓዱን ኣተዓባብያኡን ዘኪሩ ክፍሳህ ዝደሊ፡ ወዘተ፡ “ብምኽንያት ዝኽሪ ልደት ጐይታና. . . . ተዳልዩልኩም ኣሎ” ዝብሉ መወዓውዒታት፡ ትርእይዎ ኣለኹም።

ሄሮድስ ነታ ብሰብ ጥበብ ዝቐረበት ሕቶ ክደግማ ከሎ፡ “ክርስቶስ ኣበይ’ዩ ዝውለድ፧” እዩ ዝበለ፧ ነቲ “ንጉስ ኣይሁድ” ዝብል፡ ናብ “ክርስቶስ” ዝብል ከም ዝቐየሮ ነስተብህል። ነቲ “እተወልደ” ዝብል ድማ፡ ናብ “ዝውለድ” ዝብል ምቕያሩ ኸኣ ነስተብህል። ዘይሩ-ዘይሩ ግና፡ ዕላማ እቲ ሕቶ ሓደ’ዩ። “እቲ እተወልደ፡ ኣበይ ኣሎ፧” ናብ ዝብል ድማ’ዩ ዝጥቕለል።

እቶም ሕቶ ዝቐረበሎም ሊቃውንቲ ካህናትን ጸሓፍትን፡ ክርስቶስ ኣበይ ከም ዝውለድ ኣድቂቖም ዝፈልጡ ነበሩ። “ኣቲ ቤት-ልሄም ምድሪ ይሁዳ፡ ንህዝበይ እስራኤል ዚሕሉ ሹም ካባኺ ኺወጽእ እዩ እሞ፡ ካብ ሹማምቲ ይሁዳ ከቶ ኣይትንእስን ኢኺ፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ኣብ ቤት-ልሄም ናይ ይሁዳ እዩ፡” ዝብል ምላሽ ድማ ሃብዎ (ማቴ2.5-6)። ኣበይ ከም ዝውለድ ይፈልጡ፡ ግናኸ ነቲ እተወልደ ኣይፈልጥዎን!

ከመይ ዝበለ ዑረት-ልቢ ገጢምዎም ምህላዉ እሞ ነስተብህል። ብዛዕባኡ ኣድቂቖም እናፈለጡስ፡ ንዕኡ ግና ዘይፈልጥዎ! እቶም ሰብ-ጥበብ እተባህሉ ካብ ምብራቕ ኰኾብ ኣለልዮም እናመጹስ ንሳቶም ግና ኣብ ከብዲ ዓዶም ንዝተወልደ መድሓኒ ምፍላጥ ሰኣንዎ።

መዝሙር ልደት ምዝማር ከቢድ ዘይክኸውን ይኽእል’ዩ፡ ግናኸ ነቲ እተወልደ ረኺብካዮ ዶ ትኸውን፧ ብዛዕባ ጐይታ ኣጥዒኻ ምዝራብን ምስባኽን ከቢድ ዘይክኸውን ይኽእል’ዩ፡ ግናኸ ምስቲ እተወልደ፡ ሕብረት ኣሎካ ዶ፧ እቲ እተወልደ ኣበይ’ዩ ዘሎ፧ ኣብ ቤተ ክርስቲያን፧ ኣብ ቤት ልሄም፡ ኣብ ሰማይ ወይስ ኣብ ልብኻ፧

ርሑስ ዝኽሪ ልደት ጐይታና!

ምንጪ ስእሊ- ካብ ገጻት ፈይስቡክ፡ ዶክተር ቴድሮስ ኣማኑኤል

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ቤተ ክርስቲያን ብዘይ ፓትርያርክ

Next
Next

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ”ኣየንደልህጽን” ኢላ