ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ”ኣየንደልህጽን” ኢላ

ባሕቲ ጥሪ 2024 ኣስመራ፡- ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ፡ ነቲ ብጉዳይ ትምህርቲ ዝግደስ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፡ ብ18 ታሕሳስ 2023 ዝወጸ ንተጻመድቲ ሰብ-ሓደ ጾታን ዘይንቡር ጾታዊ ዝምድናን ዝምልከት ሰነድ፡ “ኣንጻር እቲ ንኽልተ ሽሕ ዓመታት ዝኸደ ትምህርቲ ቅዱስ መጽሓፍን ካቶሊካዊ ትውፊትን ወግዓዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያንን መምርሒ መዝገበ ሃይማኖትን ዝኸይድ እዩ” ብምባል መግለጺ ኣውጺኡ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ

“ንዘይስሩዕ ጾታዊ ዝምድና፡ ኣብ ሞንጎ ወዲ ተባዕታይን ጓለንስተይትን ንዘይባህርያዊ ጾታዊ ዝምድና ሓደ ዝዓይነቱ ጾታን ቡራኬ ምሃብ’. . . ብሓጺሩ፡ ነቲ ዝምድና ከም ምጽዳቕ ማለት’ዩ” ዝበለ እቲ መግለጺ፡ “ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኰነ ኣብ ወጻኢ ዘገልግሉ ኣባላት ሜጥሮጶሊሳዊት ርእሰ ምሕድርቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ዘስርዓተ ግእዝ ኤርትራ ዝዀኑ ካህናት፡ ነዞም ተጠቒሶም ዘለዉ መጻምድቲ ክባርኹ ኣይፍቀደሎምን እዩ” ብምባል መርገጺ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣግሂዱ’ሎ።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

እቲ እተወልደ፡ ኣበይ ኣሎ፧

Next
Next

ምሸት ኰነ ብጊሓት’ውን ኰነ፡ ካልአይቲ መዓልቲ(ዘፍ1.8)