ሳልሰይቲ መዓልቲ፡ ሰብ-ጥበብ (ሰብኣ-ሰገል) ኣለለይዎ
ኣስተንትኖ 43 መዓልትታት ጾም
ትማሊ ቀዳም 25 ሕዳር 2023 ዝጀመርናዮ ጾመ ታሕሳስ፡ ክሳዕ’ቲ ዝኽሪ ልደት ጐይታና እንዝክረሉ ዕለት’ዩ፡ ከጓዕዘና። “እንሆ፡ ሰብ ጥበብ፡ እቲ እተወልደ ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ አሎ፧ ኰዀቡ ኣብ ምብራቕ ርኢና እሞ፡ ክንሰግደሉ መጺእና፡ እናበሉ ኻብ ምብራቕ ናብ የሩሳሌም መጹ” (ማቴ2.1-2)።
“ሰገለ” ማለት፡ ብቛንቋ ግእዝ፡ ፈለጠ ሓደው ጠንቈለ ማለት’ዩ። እዞም ሰብ-ጥበብ ዝብሃሉ ዘለው፡ ስነ ከዋኽብቲ ዘጽንዑ፡ ካብ ባቢሎን ዝተበገሱ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ፡ ሊቃውንት ይምህሩ። ሰብ ባቢሎን፡ ብምኽንያት እቶም ከም እኒ ዳንኤል፡ ዝኣመሰሉ ተማሪኾም ዝመጹ እስራኤላውያን፡ ብዛዕባ ትጽቢት ልደት እቲ መሲሕ፡ እኹል ፍልጠት ኔርዎም ክዀኑ ኣለዎም። ስለዚ ድማ፡ ካብ ባቢሎን ናብ ኢየሩሳሌም፡ ኣስታት 2700 ኪሜ ንዝንውሓቱ ጉዕዞ፡ ኣግማሎም ጽዒኖም፡ ንልዕሊ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ብምጕዓዝ፡ ነቲ ዝተወልደ መሲሕ፡ መጺኦም ሰገዱሉ።
ዘለኻዮ ጊዜ ምልላይ፡ ንዝተገልጸልካ ብእምነት ምቕባል፡ ንዝተቐበልካዮ ራእይ ምትግባር፡ ወዘተ፡ ገለ ካብቲ፡ ካብ ሰብኣ-ሰገል እንምሃሮ ባህርያት እዩ። ምጽዋምናን ምጽላይናን ዘይተረፈ፡ ነቲ ኣብ ኣፍ ደገ ቀሪቡ ዘሎ ምጽኣት ጐይታ ዝበቅዕ ምድላው ምእንቲ ክንገብርን፡ ንገሊኦም ከኣ ካብ ሓዊ መንጢልና ከነድሕኖም ምእንቲ ክከኣለናስ፡ ንጐይታና ኢየሱስ ለቢስና፡ መኣዛ ክርስቶስ ንምዃን፡ ነዚ ጐይታ ኽብሪ’ዚ ልብና ንኽፈተሉ፧!
”ኢየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘልኣለምን ንሱ እዩ!” (እብ 13.8) ኣሜን!
ዝንበብ ክፍሊ
ማቴ2. 1-12
ንጸሊ፦
ዎ ጐይታይ፡ ከምቶም ሰብ ጥበብ፡ ፍግም ኢለ ክሰግደልካ፡ ጊዜይ ከለሊ፡ ኣብቲ ዘንበርካኒ ቦታ ንራእይካ ከይተሓለልኩ ክስዕብ፡ ልበይ ከፊተ ኸኣ ወርቅን ዕጣንን ከርበን ማለት ብዘሎ መንፈሰይ፡ ነፍሰይን ስጋይን ንዓኻ ክግዛእ፡ ገጸ በረኸት ጌረ ከቕርበልካ ብጸጋኻ ክትድግፈኒ እጽሊ’ለኹ፣ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ኣሜን!