መንበረ-ሰላማ

ልዕሊ ጳጳስ፡ ኦርቶዶክስ መሲልካ ምቕራብ፡ ነገር ጥዕና ክኸውን ዝኽእል ኣይመስለንን። ጉባኤ ሊቃነ ጳጳሳት ትግራይ፡ 22 መጋቢት 2023 መቐለ ኣብ ዘውጽእዎ ሰፊሕ መግለጺ፡ መንበረ ሰላማ፡ ካብ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ዝተፈለየ ነገረ-እምነት ከም ዘይብላ፡ ከም ድምቀት ብርሃን ጸሓይ፡ ግልጽልጽ ኣቢሎም ኣቕሪቦሞ እዮም። ምኽንያት መፍለይኦም፡ ምሕደራዊ ጸገም ደኣ’ምበር እምነታዊ፡ ሓደው ሃይማኖታዊ ጸገም ከም ዘይኰነ ኸኣ በሪሁ ተገሊጹ ንነቦ። ካብቲ መግለጺ፡ ኣጥዕም ከብለኩም እሞ፡ እንተመቂሩኩም፡ ነቲ ዝተረፈ ኣብዚ ጠዊቕኩም ትነብዎ

ንመጽሓፍ “ተኣምረ ማርያም” ብዝምልከት

“ተአምረ ማርያም ብዘመነ ሐዋርያት እናተነገረ ዝተፅሓፈ እናሃለወ ኣብ ዳሕራይ ዘመን ብዘርዐ-ያዕቆብ ከም ዝተፅሓፈ ገይሮም ዝነዝሕዎ ዘለዉ ፈጠራዊ ሐሶት፡ ታሪክ ቤተ ክርስቲያን ዘይተመልከቱ፡ ሕንከት ዘይብሎም ኢዮም።”

ንደቂቀ እስጢፋኖስ ብዝምልከት

“ደቂቀ እስጢፋኖስ ንመስቀልን ስእሊ ማርያምን ስገዱ ተብሂሎም አይንሰግድን ስለ ዝበሉ ብግፍዒ ተቐቲሎም እናበልካ ዝንዛሕ ወረ፡ እቶም አብ ዘመን ደቂቀ እስጢፋኖስ ዝነበሩ ገዛእቲ ሸዋ ንደቂቀ እስጢፋኖስ ምስ ህዝቢ ትግራይ ከባእስዎም ዝመሃዝዎ ክፍኣት እዩ። ደቂቀ እስጢፋኖስ ግና፡ ንጉሥ ዘርዐያዕቆብ ንባዕሉ ክስገደሉ ስለ ዝኣዘዞም እምበር ስለ መስቀልን ስእሊ ድንግል ማርያም ምኽንያት ከም ዘይኮነ ታሪክ ገድለ አቡነ እስጢፋኖስ ይገልጽ። ንሳቶም ንመስቀልን ስእሊ ማርያምን ይሰግዱ ኔሮም እዮም።”

እዚ ዝነበብኩሞ ጽሑፍ፡ ካብ መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ጉባኤ ሊቃነ ጳጳሳት ትግራይ ዝተዋህበ እዋናዊ መልሲ እዩ፡፡ ምሉእ ትሕዝቶ ክነብብ ዝደሊ ኣብዚ ይጠውቕ 

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ራብዐይቲ መዓልቲ፡ ደናግል ተጸበያ

Next
Next

ሳልሰይቲ መዓልቲ፡ ሰብ-ጥበብ (ሰብኣ-ሰገል) ኣለለይዎ