ራብዐይቲ መዓልቲ፡ ደናግል ተጸበያ
ኣስተንትኖ 43 መዓልትታት ጾም
ትማሊ ቀዳም 25 ሕዳር 2023 ዝጀመርናዮ ጾመ ታሕሳስ፡ ክሳዕ’ቲ ዝኽሪ ልደት ጐይታና እንዝክረሉ ዕለት’ዩ፡ ከጓዕዘና። ፍርቂ ለይቲ ግና ጭራሕ ምራሕ ኰነ፡ እንሆ፡ መርዓዊ ኽትቅበላ ውጻ። ሽዑ፡ እተን ደናግል ኵለን ተንሲአን ቀቀንዴለን ኣዳለዋ። እተን ዓያሱ ነተን ለባማት፡ ቀንዲልና ኺጠፍእ ኢሉ እሞ፡ ካብ ዘይትኽን ሃባና፡ በላኤን። እተን ለባማት ከኣ፡ ኣይፋልናን፡ ንኣናን ንኣኻትክንን እንተ ዘይኣኸለኸ። ናብቶም ዚሸጡ ደኣ ኺዳ እሞ ንርእስኽን ዐድጋ፡ ኢለን መለሳለን። ኪዕድጋ ምስ ከዳ፡ እቲ መርዓዊ መጸ። እተን ተዳልየን ዝጸንሓ ምስኡ ናብ መርዓ ኣተዋ፡ ማዕጾ ድማ ተዐጸወ፡ (ማቴ 25.6-10)።
ዓሰርቲኤን ደናግል እየን፡ ዓሰርቲኤን ከኣ ቀቀንዴለን ሒዘን መርዓዊ ክቕበላ ዝወጻ’የን። እቲ ፍልልይ፡ ኣብ ዘይቲ ምምላእን ዘይምምላእን ጥራይ እዩ ዝነበረ እምበር፡ ትኽስ ኣብ ምባልን ኣብ ምድቃስን’ውን ከይተረፈ ዘፈላሊ ከም ዘይነበረን፡ ተነጊሩና’ሎ። መርዓዊ፡ ኣብቲ ንሳተን ዝሓሰባኦ ዘይኰነስ፡ ኣብ ዘይተጸበያኦ ጊዜ ደበኽ በለ። እተን ከይተዳለዋ ዝጸንሓ፡ ተብ-ተብ ኢለን ዘይቲ ዓዲገን እንተመጻ’ውን፡ ማዕጾ ስለ ዝተዓጽወ ግና፡ ዘርሕወን ኣይረኸባን። ዝገደደ ኸኣ፡ ንሳተን እናዃሕኩሓ፡ ካብቲ ውሽጢ ግና ”ከቶ ኣይፈለጥኩኽንን” ዝብል ምላሽ ምርካበን’ዩ።
ወትሩ ድሉው ኴንካ ምጽናሕ፡ ገለ ካብቲ፡ ካብተን ለባማት ደናግል እንምሃሮ ባህርይ እዩ። ምጽዋምናን ምጽላይናን ዘይተረፈ፡ ነቲ ኣብ ኣፍ ደገ ቀሪቡ ዘሎ ምጽኣት ጐይታ ዝበቅዕ ምድላው ጌርና ምህላውና ርእስና ንፈትሽ። ማራን ኣታ፡ ኣሜን ጐይታና ኢየሱስ ንዓ!
ዝንበብ ክፍሊ፦
ማቴ25. 1-13
ንጸሊ፦
ዎ ጐይታይ፡ ከምተን ለባማት ደናግል፡ ቀንዴል ወሲደስ ዘይቲ ከይርስዕ፡ ድልዉ ህይወት ሃበኒ። ብድኻም ስጋ ትኽስ ኢለ እንተደቀስኩ’ውን ድምጽኻ ሰሚዐ ብድድ ኣብ ዝብለሉ፡ ንገጽካ ብሓጐስ ክርእዮ እምበር፡ ሽዑ ተብተብ ከይብል፡ ብጸጋኻ ክትድግፈኒ እጽሊ’ለኹ፣ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ኣሜን!