ሻምናይ ዕዮ ገዛ፡ መልእኽቲ ናብ ሰብ ቈሎሴ

ዝቐረበ ሕቶ

  • ንምዕራፋት ሓደን ክልተን፡ ነቢብኩም ድሕሪ ምርዳእ፡ ጽማቝ ጽሑፍ ኣቕርቡ።

ጉጅለ 3 ዝጸሓፍዎ

ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብኣካል ናብ ዘይፈልጣ፡ ብሓደ ኤጳፍራስ ዝብሃል መዓይይቱ፡ ኣብ ቈሎሴ ንእተመስረተት ቤተ ክርስቲያን  እዩ ጽሒፍዋ። ኤጳፍራስ፡ ንጳውሎስ ብዛዕባ እምነት ሰብ ቈሎሴ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ግና ገለ ኻብቲ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ከርሕቖም ዚፍትን ባህላዊ ጸቕጥታት ሓበሮ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ድማ፡ ነቲ ኤጳፍራስ ዘልዓሎ ሕቶታት ክምልስን መፍትሒኡ ኸኣ ክነግሮምን ምእንቲ፥ ብተወሳኺ’ውን፡ ሰብ ቈሎሴ፥ ብእምነት ጸኒዖም ክነብሩ ከም ዝግባእ ንምትብባዕን፡ ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ጸሓፈ። 

ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ኣብዘን ክልተ ምዕራፋት፥ ልዕልና ክርስቶስ ብንጹር ኣጉሊሑ ገለጸ። ነቲ ዘጋጠሞ ናይ ማእሰርቲ መከራ ኸኣ፡ ንክርስቶስ ክብል ምዃኑ ኣነጸረ። ነቲ ንሰብ ቈሎሴ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ከርሕቆም ዝፍትኖም  ዝነበረ ጸቕጢ ድማ፡ መልሲ ድጅሪ ምሃብ፡ ነቲ ብኽቡር ደም ክርስቶስ ዝረኸብዎ ሓድሽ ህይወት፥ ኣብ ዕለታዊ ህይወቶም ከንጸባርቕዎ መዓደ።

ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ኣብ መኽፈቲ ጸሎቱ፥ በቲ ካብ መሳርሕቱን መተኣስርቱን ዝዀነ ኤጳፍራስ (ፊልሞን 1፥23) ዝሰምዖ፥ ናይ ሰብ ቈሎሴ ጽቡቕ እምነትን፥ ፍቕርን፥ ተስፋን፡ ንኣምላኽ የመስግን። ብናይ ክርስቶስ ጥበብን ርድኢትን ክዓብዩ ድማ ይጽልየሎም። ንልዕልና ክርስቶስ ክገልጽ ከሎ ድማ፥ ኣብ ክርስቶስ ምሉእ ባህርን ዕላማን እግዚኣብሔር ከም ዘሎ፥ ኵሉ ፍጥረት ብእኡን ንእኡን ፈጢሩ፡ ኣቝምዎ ዘሎ ኣምላክ ምዃኑ ገለጸ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብሞቱን ትንሳኤኡን ንዓለም ምስ ኣምላኽ ብምትዕራቕ፥ ርእሲ ናይታ ሓዳስ ፍጥረት፡ ማለት ማሕበሩ ወይ ቤተ ክርስቲያኑ ምዃኑ የረድእ።

ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ማእሰርቱ ንክርስቶስ ክብል ምዃኑ፥ ማለት ጐይታና፡ ካብ ሞት ከም ዝተንስአን ንሱ ልዕሊ ዅሉ ስልጣናትን ሕልቅነታትን ምዃኑ፡ ንዓለምን ግሪኽን ሮማውያንን ብምእዋጅ ምዃኑ ይገልጽ። ስለዚ እምበኣር፡ እቲ መከራኡ፡ ምልክት ስዕረት ዘይኰነስ፥ ኣብ ስቓይ ክርስቶስ ዝሳተፈሉ፡ መግለጺ ፍቕሩ ከም ዝዀነ ጌሩ እዩ ዝርድኦን ብእኡ ድማ ዝሕጐስን።

ከምቲ ኣብ ጐይታና ኢየሱስ፡ መለኮታዊ ክብሪ ዝሓደረ፡ ከምኡ ኸኣ ኣብ ኩሎም ኣመንቲ’ውን፡ ጐይታና ኢየሱስ ከም ስድራኡ ሓቝፉ፥ ንሱ ባዕሉ ክብሮም ኰይኑ፡ ኣብኦም ከም ዝነብር ይሕብር። ነቲ ንሰብ ቈሎሴ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክፈልዮም ዝፍትኖም ዝነበረ ባህላዊ ጸቕጢ፥ ሕግታት ኦሪት፡ ምግላጽ ምስጢር፥ ኣመጋግባ፥ ብዓላት ይኹን ንመላእኽቲ ዝግበር ስግደት፡ ከየታልሎም የጠንቅቕ። ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ፈተናታት ኢድካ ምሃብ ማለት፡ ክርስቶስ መን ምዃኑን ኣብ ክንዳኦም እንታይ ከም ዝገበረን ምርዳእ ዘይምኽኣል ምኻኑ የነጽር። ክርስቶስ ብሞቱን ትንሳኤኡን ንዅሉ ከም ዝሰዓረን፥ ብዘይ ጎዶሎ ሓራ ከም ዝገበሮምን፡ ስለዚ ኸኣ፡ ኣብ ክርስቶስ ኰይኖም ንኣምላኽ እናኣመስገኑ ብተወፋይነት ክነብሩ የተባብዖም።

ጉጅለ ሓደ ዝጸሓፍዎ

መሰረታዊ ትሕዝቶ፡ ቀዳማይን ካልኣይን ምዕራፍ መልእኽቲ ናብ ሰብ ቈሎሴ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ዅሉን ምዃኑ ብምግላጽ፡ ካብቲ ብኤጳፍራስ ኣቢሎም ዝተማህርዎ ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ፡ ብዝተፈላለዩ ጥበራታትን ስሕተታትን ተታሊሎም፡ ካብ ሱር መሰረቶም ከይዓልዉ ንምጥንቃቕ እዩ።  

ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ቈሎሴ ብኣካል ኣይፈልጦምን’ዩ። እቲ ኣብ መልእኽቲ ናብ ፊልሞን (ፊል1.23)፡ “መተኣስርተይ” ብምባል ዘላልዮ፡ ኤጳፍራስ ዝብሃል መገላግልቱ፡ ብዛዕባ ሰብ ቈሎሴ ምስ ነገሮ እዩ፡ ነታ መልእኽቲ ጽሒፍዋ። ናብ እብራውያን ኣብ ዝተላእከ መልእኽቲ፡ ”ጢሞቴዎስ ሓዉና ኸም እተፈትሔ፡ ፍለጡ” ስለ ዝብል፡ (እብ13.23)፡ መልእኽቲ ናብ ሰብ ቈሎሴ፡ ጢሞቴዎስ፡ ኤጳፍራስን ጳውሎስን ብሓደ ተኣሲሮም ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ዝተጻሕፈት ምዃና ክንርዳእ ንኽእል።

ንትሕዝቶ ምዕራፍ ሓደ፡ ኣብዘን ዝስዕባ ክፍልታት መቒልና ክንርእዮ ንኽእል ኢና፦

ሓፈሻዊ መእተዊ፡(ቈሎ 1:1–9)

ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ሰላምታ  ድሕሪ ምቕራብ፡ (1–2) ነቲ ኣብ ኵላ ዓለም እናፈረየን እናዓበየን ዚኸይድ ዝነበረ ወንጌል (ብስራት) ጸጋ ኣምላኽ፡ ሰብ ቈሎሴ’ውን ንዕኡ ምቕባሎም፡ ኣብ እምነትን ፍቕርን ከኣ ምጽንዖም፡ ንጳውሎስን ጢሞቴዎስን፡ ምኽንያት ምስጋናን ኣርእስቲ ጸሎትን ከም ዝዀኖም ይጠቅስ።

ጸሎት ንሰብ ቈሎሴ (ቈሎ 1:9–14)

ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ቈሎሴ ከምዚ ዝስዕብ ጸልዩሎም፦

ሀ.) ፍቓድ ኣምላኽ ክፈልጡ፣ ለ.) ብዅሉ መንፈሳዊ ጥበብን ኣእምሮን ክምልኡ፣ ሐ.) ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ፡ ፍረ ክፈርዩ፣ መ.) ብፍልጠት ኣምላኽ ክዓብዩ፣ ሰ.) ብዅሉ ንእግዚኣብሄር ባህ ከብሉ፣ ረ.) ንእኡ ብቑዓት ኰይኖም ክመላለሱ፣ ሸ.)ብሓጐስ ብጽንዓት ዘበለ ዅሉ፡ ንብዘሎ ትዕግስትን ዓቕልን ብሓይሊ ኽብሩ ክብርትዑ፣ ቀ.) ካብ ስልጣን ጸልማት ወጺኦም ናብ መንግስቲ ፍቁር ጐይታና ኢየሱስ ከም ዝኣተዉ፡ ምድሓን፡ ማለት ሕድገት ሓጢኣት ምርካቦም ክዝክሩ፣ በ.) ነቲ ናብ ግደ ርስቲ ቅዱሳን ኣብ ብርሃን ዘብቅዖም ኣቦ ከመስገኑ፡ ጸለየሎም።

ዕብየት ክርስቶስ (ቈሎ 1:15–23)

ድሕሪ ጸሎት፡ ብቐጥታ ዕብየትን ምልኣትን ክርስቶስ እዩ ዝገልጸሎም። ከምኡ መግበሪኡ ምኽንያት ድማ፡ ካብቲ ዝሰምዕዎ ወንጌል፡ ከይተናቓነቑ፡ ተሰሪቶምን ደልዲሎምን ብእምነት ምጽናዕ ምእንቲ ክከኣሎም እዩ።

ልዕልናን ምልኣትን ክርስቶስ ብኸምዚ ዝስዕብ ተገልጸ፡-

ሀ. መልክዕ እቲ ዘይርኤ ኣምላኽ፡
ለ. ፈጣሪ

ሐ. ቅድሚ ዅሉ፡ ብዅሉ’ውን በዅሪ (በዅሪ ፍጥረት፡ ካብ ምዉታት ብምትንሳእ’ውን በዅሪ) 

መ. ርእሲ ቤተ ክርስቲያን

ሰ. ብዘሎ ምልኣት፡ ኣብኡ ዝሓደረ  (ቈሎ 2.3 ብዘሎ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ኣብኡ ዝተሰወረ)

ረ. ብደም መስቀሉ ጌሩ ድማ ዕርቂ ዝገበረን እዩ።

ኣገልግሎት ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ (ቈሎ 1:24–29 ቈሎ 2፡1-7)

ቃል ኣምላኽ ኣብ ኵሉ ምእንቲ ኽመልእ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ እቲ ኻብ ዘለኣለምን ካብ ውሉድ ወለዶን ተሰዊሩ ዝነበረ ምስጢር ኣምላኽ፡ ንኣህዛብ ክገልጽ፡ ኣገልጋሊ ከም ዝዀነ ይነግሮም። ንዅሉ ሰብ ብክርስቶስ ምሉእ ጌሩ ንኸቝሞ፡ ብጥበብ ዘበለ ንዅሉ ሰብ እናመዓደ፡ ንዅሉ ሰብውን እናመሃረ ይነግር ምንባሩ፡ እዚ ኸኣ በቲ ካብ ኣምላኽ ዝተቐበሎ ሓይሊ፡ ምእንቲ ሰብ ቈሎሴ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምእንቲ እቶም ኣብ ሎዲቅያ ዘለውን ምእንቲ እቶም ገጹ ብስጋ ዘይረኣዩን ከኣ፡ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ጻዕሪ ኸም ዘሎዎ ኣፍለጦም።  ነቲ ጻዕሩ፡ ተጋድሎኡን ማእሰርቱን፡ ከም መቐጸልታ ”እቲ ካብ ስቓይ ክርስቶስ ዝተረፈ” ጌሩ እናቘጸረ፡ ብጸበባ’ውን እንተዀነ ከም ዝሕጐስ ከኣ ገለጸሎም።

ምዕራፍ 2  መኸተ ስሑት ምህሮታት

ኣብ ፍቕዲ ኣርባዕተ፡ ”ሓደ እኳ ብቓል ቅብጥር ከየስሕተኩም ኢለ እየ እዚ ዝብል ዘሎኹ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ፡ ካብዞም ዝስዕቡ ጥበራታትን ስሕተታትን፡ ክሕለዉ መዓዶምን ኣጠንቀቖምን።

ሀ.) ፍልስፍና (ምህሮ ዓለም) (ቈሎ 2:8–10)

ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኰነስ፡ ብልማድ ሰብ፡ ከም ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ከይማርኾም ክጥንቀቑ፡ ጸሓፈሎም።

ለ.) ኣይሁዳውነት፡ (ቈሎ 2:11–17)

ኣብ ፍቕዲ 17. ”እዚ ነቲ ዚመጽእ ጽላሎት እዩ፡ እቲ ስጋ ግና ክርስቶስ እዩ” ብምባል፡ እቲ ኣብ ኣይሁዳውነት ማለት ኣብ ብሉይ ኪዳን እንርእዮ፡ ግዝረት ኰነ፡ ምሕላው ሕጊ ኰነ፡ ጉዳይ ብልዕን መስተን፡ ወይ ምብዓል በዓላት፡ ወይ ሰርቂ ወርሒ (ወርሒ ዝጅምረሉ፡ ባሕቲ) ወይ ሰናብቲ፡ ነቲ ክመጽእ ዝነበሮ ክርስቶስ፡ ጽላሎት ምንባሩ፡ እቲ ምግሃድ ግና ብክርስቶስ ምዃኑ ኣረድኦም።

ሐ.) ባዕዳዊ ኣምልኾ (ቈሎ 2:18–19)

ትሕትና ብዚመስል፡ ስግደት ንመላእኽቲ፡ ብዝረኸቦ ራእይ እናተመጻደቐ ዝንፋሕ፡ ማለት ካብ ክርስቶስ ወጻኢ ራእን ፍልጠትን ከም ዝረኸበ ኰይኑ ብምቕራብ እናጠበረ ካብ ዘስሕት ዘበለ ክጥንቀቑ፡ መዓዶም።

መ.) ትሕርምቲ (ቈሎ 2:20–23)

መበገሲ እዚ ዝብሃል ዘሎ ትሕርምቲ፡ “ስጋ ሰብ ርኹስ’ዩ” ዝብል ምህሮ ኖስቲክ (Gnostic) እዩ። ንሳቶም፡ ከም ናይ ኣምላኽ ዘይኰነስ፡ ከም ስርዓትን ምህሮን ሰብ ጌሮም፡ ኣይትሐዝ፡ ኣይትጥዓም፡ ኣይትተንኪ፡ ብምባል ይሕረሙ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ እቲ ምህሮ’ቲ፡ ብትሑት ሓሳብን ብምሕሳም ስጋን ዚግበር ናይ ፍቓድ ርእስኻ ኣምልኾ፡ ምዃኑ ብምብራህ፡ ሕብሪ ጥበብ እኳ እንተለዎ፡ ግናኸ ንምጽጋብ ስጋ እንተዘይኰይኑ ንገለ እኳ ከም ዘይጠቅም መሃሮም።

ምዕራፍ 3-4

ኣብ ምዕራፍ 1-2፡ ልዕልና ክርስቶስ ኣርእዩ፡ ክርስቶስ ቅድሚ ዅሉን ልዕሊ ኹሉን ምዃኑ መሰረታዊ ፍልጠት ኣፍለጦም። ኣብ ምዕራፍ 3-4 ድማ፡ ነቲ ቅኑዕ ምህሮ ክርስትና፡ ብኸመይ ክነብርዎ ከም ዝግብኦም፡ ግብራዊ ኣርእስታት እናጠቐሰ፡ ከረድኦም’ዩ።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ታሽዓይ ዕዮ ገዛ፡ መልእኽቲ ናብ ሰብ ቈሎሴ

Next
Next

ሻብዓይ ዕዮ ገዛ፡ መጽናዕቲ መልእኽቲ ናብ ሰብ ቈሎሴ