ታሽዓይ ዕዮ ገዛ፡ መልእኽቲ ናብ ሰብ ቈሎሴ
ብመሰረት ቈሎሴ ምዕራፍ 3፡1-11፡ ነዘን ዝስዕባ ሕቶታት መልሲ ሃብ
ጉጅለ 1 ዝጸሓፍዎ
1. ህይወትካ ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ምስዋራ፡ ኣብ ምድሪ ክትነብር ከለኻ ወንጌል ብትብዓት ንምስባኽ ሓይሊ ዚህበካ ዶ ይመስለካ፧
እወ፡ ህይወትካ ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ምስዋር ማለት፡ ንምስባኽ ዝኸውን ሓይሊ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብቐንዱ ንኹሉ ክርስቲያናዊ ናብራን ኣተሓሳስባን ዝኸውን ሓይሊ ዝህብ ክስተት እዩ። እቲ ምስጢር፡ ኣብቲ፡ ”መዊትኩም ኢኹም” ዝብል መግለጺ’ዩ ተሰዊሩ ዘሎ። ዝሞተ፡ ከይእሰር፡ ከይብሉኒ፡ ከይጠሚ፡ ከይዓርቕ ወዘተ ዝብል ስግኣት የብሉን። ስለዚ ኸኣ፡ እቲ ምስ ክርስቶስ ዝሞተ፡ ምስ ክርስቶስ ብምትንሳእ፡ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ንኸበስር፡ ምሉእ ሓይሊ ዝተመልአ እዩ። እቲ በዳሂ ሕቶ ግና፡ ንሕና ከምኡ ምዃንና ንፈልጥ ዶ፧ ዝብል’ዩ።
2. ንኣኻ ህይወትካ መን እዩ ትብል፧
እዚ ሕቶ’ዚ፡ ብጉጅለ ዘይኰነ፡ ብውልቂ ዝምለስ ሕቶ ምዃኑ ኢና ተዘራሪብናሉ። ኣብቲ ተዋሂቡና ዘሎ ክፍለ ጽሑፍ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ”ክርስቶስ ህይወትና” ብምባሉ፡ ቀጥታዊ መልሲ ናይዚ ቀሪቡ ዘሎ ሕቶ፡ ”ክርስቶስ” ዝብል ይኸውን። ”ክርስቶስ ህይወተይ እዩ” ዝብል ሰብ፡ ልዕሊ ማንም ዘቐድሞ፡ ንክርስቶስ እዩ ይብል ምህላዉ ንርዳእ። ልዕሊ ኣቦን ኣደን፡ ልዕሊ መጻምድትን ውላድን፡ ልዕሊ ዓርከመሓዛ፡ ክርስቶስ’ዩ ቀዳማይ ንብል ኣለና ማለት’ዩ። ኣብ ባይታ ክንርአ ከለና ግና፡ እቲ ዝያዳ ጊዜን ጉልበትን እነጥፍኣሉ፡ ህይወትና ንሱ እዩ’ሞ፡ ህይወትና መን ምዃኑ፡ በብውልቅና እንምልሶ ይኸውን።
3. ዓስቢ ናይ እቶም ንእግዚኣብሄር ዘይእዘዙ ሰባት እንታይ እዩ፧
እቶም ንእግዚኣብሄር ዘይእዘዙ፡ መቕጻዕትን ፍርድን ደኣ እምበር፡ ዝቕበልዎ ዓስቢ የብሎምን። ስለዚ ድማ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ”ቍጥዓ ኣምላኽ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ይወርድ ኢዩ» ብምባል ጸሓፈ፡ (ቈሎ3.6)።
4. ኣረጊት ሰብካ ምስ ኵሉ ግብሩ ቀንጥጦ ክብለካ ከሎ ከመይ ትርድኦ፧
”ኣረጊት ሰብ” ተባሂሉ ዘሎ፡ ኣብዚ ተዋሂቡና ዘሎ ክፍሊ ጽሑፍ፡ ”ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላት” ኣብቲ ካልኣይ ትርጉም ድማ ”ስጋዊ ኣካል” ብዝብል’ውን ተጠቒሱ’ሎ። ንምስሊ እቲ ብሓጢኣት ዝወደቐ፡ ቀዳማይ ኣዳም ዝውክል ኣበሃህላ ድማ እዩ። እቲ ”ግብሪ” ተባሂሉ ዘሎ ኸኣ፡ ኣብቲ ተዋሂቡና ዘሎ ክፍሊ ጽሑፍ ብዝርዝር፡ ተቐሚጡ ንረኽቦ፦ ንሳቶም ድማ፣ ”ምንዝርና፡ ርኽሰት፡ ፍትወት ስጋ፡ ክፉእ ትምኒት፡ ስስዔ» (ፍቕዲ 5) «ኵራ፡ ምንጽርጻር፡ ክፍኣት፡ ጸርፊ፡ ዜሕፍር ዘረባ» (ፍቕዲ 8)። ስለዚ ከምቲ ቅድም ክብል ዝጠቐሶ፡ ምስ ክርስቶስ መዊትና እንተዄንና፡ ንባህርይ እቲ ብሓጢኣት ዝወደቐ ኣካል፡ ምስናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ክንሰቕሎ ከም ዝግብኣና እዩ ዝነግረና ዘሎ።
5. ክርስቶስ ኵሉን ኣብ ኵሉን እዩ ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፧
ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ምዕራፍ፡ ኣቐዲሙ፡ ልዕልና ክርስቶስ ኣርእዩዎም ጸኒሑ’ዩ። በቲ ዝለዓለ መለክዒኡ፡ ክርስቶስ፡ ፈጣሪ ኵሉ ፍጥረት ምዃኑ፡ ንሱ ርእሲ ቤተ ክርስቲያን’ውን ምዃኑ፡ ብዅሉ ድማ ቦኽሪ ምዃኑ ጠቒሱሎም እዩ። ስለዚ ነቲ ”ክርስቶስ ኵሉ እዩ” ዝብል ክፋል፡ በዚ ክንርድኦ ንኽእል ኢና። ነቲ ክርስቶስ ኣብ ኵሉ እዩ ዝብል ድማ፡ ኣቐዲሙ፡ ኣብ ሰማይ ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን ንርእሱ ተዓሪቕዎ’ዩ ስለ ዝበለ፡ ብክርስቶስ ዘሎ ዘበለ ኵሉ፡ ጽርኣዊ ይኹን ኣይሁዳዊ፡ ኣብ ክርስቶስ ቅቡል እዩ ማለት’ዩ። ግዙር ይኹን ዘይግዙር፡ ባርባር ( ዝሰለጠነ ኣረማዊ ) ይኹን፡ ስኪት፡ (ዘይሰልጠነ ኣረማዊ)፡ ኣብ ክርስቶስ ቅቡል’ዩ። ባርያን ጭዋን እውን እንተዀነ፡ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ማዕረ ተቐባልነት እዩ ዘሎዎ። ክርስቶስ ኵሉን ኣብ ኵሉን እዩ! ክብሪ ንቕዱስ ስሙ ይኹን!!
ጉጅለ 2 ዝጸሓፍዎ
1: ህይወትና ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ምስዋራ ብሓቂ ዝተረደአ ክርስትያን፣ ከምቲ ዝግባእ ኣብዚ ምድሪ ከሎ ንኣምላኽ ብትብዓት ንምስባኽ ሓይሊ ኣለዎ። ዝያዳ መረዳእታ እቲ ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ምስዋር እንታይ ምዃኑ ክርድኣና ኣለዎ። ሽዑ ወንጌል ብትብዓት ንኽንሰብኽ ሓይሊ ንረክብ። ኣብቲ ኣመንቲ ምስኡ ዝተጠርነፉሉ፡ ሞት ጐይታና ኢየሱስ፣ እቲ ናይ ሓጢኣት መቕጻዕቶም ተኸፊሉ፡ ንሳቶም ከኣ ብሓድሽ ሕይወት ምስኡ ተንሲኦም እዮም። ሕጽር ብዝበለ፡ እቲ ምስዋር ዝብል፡ በዞም ሰለስተ መገዲ ክርደኣና ይኽእል እዩ፦
ኣመንቲ ምስ ኣብን ወድን ናይ ሓባር መንፈሳዊ ሕይወት ኣለዎም [1ቆሮ 6፡17፤ 2ጴጥ 1፡4]፤
ዓለም፣ ምሉእ ኣገዳስነት ናይቲ ክርስትያን ሓድሽ ህይወት ክርድኦ ኣይክእልን እዩ። [1ቆሮ 2፡14፤ 1ዮሃ 3፡2]፤
እቶም ናይ ክርስቶስ ኣመንቲ ንዘልኣለም ውሑሳት፣ ካብ ጸላእቲ ዝተሓለዉ፣ ንኹሉ በረኸት ኣምላኽ ድማ ዝረኽቡ እዮም [ዮሃ 10፡28፣ ሮሜ 8፡31-39፣ እብ 7፡25፣ 1ጴጥ 1፡4]።
ከምቲ ኩሉ ጥበብን ፍልጠትን ኣብ ክርስቶስ ዝነብር [ቆሎ፣2፡3]፡ ከምኡ’ውን እቲ ናይ ክርስቶስ ኣማኒ ነቲ ንሰማይ ዝምልከት ጉዳያትን ረብሓታትን እምበር ንምድሪ ክደልዩ ኣይግባእን። ንሕና ነዛ ዓለም እዚኣ ሞይትና፡ ንስጋዊ ትምኒት ሞይትና፡ ዋላ ንሓጢኣት ንባዕሉ ሞይትና ኢና። እቲ ነዚ ዝኣመነን ዝተረደአን ኣብዚ ምድሪ ወንጌል ንምስባኽ ሓይሊ ኣለዎ።
2: ወዲ ሰብ ነቲ ዝኣምኖ ዘበለ “ህይወተይ እዩ” ክብል ይኽእል እዩ። “ኣቦይን ኣደይን ህይወተይ እዮም” ዝብሉ ኣለው፣ “ገንዘብ ንዓይ ህይወተይ እዩ” ዝብሉ'ውን ኣለው። ኮታስ ንዝኾነ ኣብዚ ዓለም ዘሎ ግኡዝ ነገር፡ “ህይወተይ” ይብሉ እዮም። እታ ሕቶ ንዓኻ ህይወትካ መን እዩ ትብል ስለ ዘላ፣ ብሓቂ ከም ኣመንቲ ንዓይ ህይወተይ ክርስቶስ እዩ፣ ወላ እኳ እንተ በልና፣ ብሓቂ ንዕኡ ጥራይ ኣብ ቅድሜና ጌርና ልዕሊ ኩሉ ዶ፡ ሰሪዕናዮ ኣሎና ኢና፧ ነቲ ህይወትና ዝኾነ ጐይታ ብምልኣት ተረዲኢና ንዕኡ ክንነብር መንፈስ ቅዱስ ይደግፈና። “ስለዚ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም ቅተሉ፡ ማለት ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ፍትወት ስጋ፡ ክፉእ ትምኒት፡ ስስዔ፡ እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት እዩ፡” [ቆሎሴ 3፥5]ቅዱስ ጳውሎስ ነታ ናይ ፊሊጲ ማሕበር እቲ ህይወቱ መን ምዃኑ ክገልጽ ከሎ፣ ንዓይ ህይወተይ ክርስቶስ እዩ ኢሉ ኣሎ፣ [ፊሊጲ፣ 1:20] ስለዚ ነቲ ኩሉ ብኡን ንእኡን ድማ ዝኾነ ጐይታ ንሱ ጥራይ እዩ ህይወት፣ ንዕኡ ንበይኑ ድማ ህይወተይ ንብሎ።
3:“ብሰሪ እዚ ነገርዚ እቲ ቝጥዓ ኣምላኽ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ይወርድ እዩ።” — ቆሎሴ 3፥6 ዓስቢ እቶም ንእግዚኣብሔር ዘይእዘዙ ሰባት “ቁጥዓ ኣምላኽ ”፤ ኣብ ልዕሊኦም እዩ፣ ኣንጻር ጽድቂ ኩሉ ግዜ ዘይልወጥ ግብረ መልሱ [ ኣብ ዮሃንስ 3፡36፡ ሮሜ 1፡18፡ ራእ 11፡18 “ደቂ ዘይምእዛዝ” እዚ ኣገላልጻ እዚ ንዘይኣመንቲ ናይቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ዝሓዙ እዩ ዝገልጾም። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኣምላኽ ዓስቢ ዘይምእዛዞም ዝተቀበሉ ብዙሓት እዮም። ንሕና ከም ክርስትያ'ውን ኣብቲ ጉንዲ ወይኑ ዝኮነ ኣምላኽ ተጸጊዕና ኩሉ ግዜ መንፈሳዊ ፍረ እንዳ ፈረና፣ ብተኣዛዝነት ጸኒዕና ክንነብር እዩ ቃል ኣምላኽ ዝነግረና። ዓስቢ ናይቶም ዘይእዘዙ ሰባት ቁጥዐ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኦም እዩ፣ ደጊም ብኻልእ ሸነኽ ክጥምት ምስ ዘይክእል ነቶም ናይ ሓሶት መምህራን ዝወርዶም ዓስቢ ኣብ መልእክቲ ይሁዳ [1፣ 15] “እንሆ፡ ጐይታ ንዅላቶም ኪፈርዶም ኢሉ ምስ ኣእላፋት ቅዱሳኑ መጺኡ አሎ፡ ነቶም ፍርሃት እግዚኣብሄር ዘይብሎም ኵላቶም ድማ ብዛዕባ እቲ ዝገበርዎ ዅሉ እኩይ ግብርን ብዛዕባ እቲ ሓጥኣንን ገፋዕትን ብዛዕብኡ እተዛረብዎ ዘበለ ዅሉ ዘረባ ድርቅናን ኪቐጽዖም እዩ፡ ኢሉ ተነበየሎም።”
4: ኣረጊት ሰብካ ምስ ኲሉ ግብሩ ቀንጥጦ ማለት፣ ቅዱስ ዻውሎስ ንሰብ ኤፌሶን ኣብ ዚጸሓፎ መልእኽቱ «እቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ልበሱ»ብምባል [ኤፌ፡4፡ 24]፡ነቲ ኣረጊት ሰብነቶም ክቕንጥጡ ይምዕዶም። ንሕናውን ከምቲ ዕለት ዕለት ንደጋዊ መልክዕና ብመስትያት ንምልከቶ፡ከምኡ ኸኣ ኣብ ጸጽባሕ ነቲ ውሽጣዊ መልክዕና ብመንፈሳዊ መስትያት ክንምልከቶን ንኣረጊት ሰብነትና ቀንጢጥና ከምቲ እግዚአብሔር ኩኑ ዚበለና ክንከውንን ይግባኣና።ቃል እግዚአብሔር ነቲ ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ዘልብስ ሓይሊ ኣምላኽ እዩ። ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝኣምነ ሰብ ሓድሽ ፍጥረት እዩ(2ቆረ 5:17)።እሞ’ኸ ሓድሽ ፍጥረት ምስ ኣረጊት ፍጥረት’ዶ ሕብረት ኣለዎ እዩ? ቐደም ከምቶም ደቂ ዘይምእዝዛ፡ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሰይጣን ኢኻ ኔርካ፡ሕጂ ግን ብክርስቶስ ሓራ ኢኻ።እሞ’ኸ እቲ ኣብ ትሕቲ ገዝኢ እዚ ዓለም’ዚ ዝኾነ ሰይጣን ዝንበረካሉ ዘመንን ሕጂን’ዶ ሓደ እዩ? ኣረጊት ሰብካ ማለት ኣተሓሳስባኻ! ኣዘራርባኻ! ኣካይዳኻ! ኮታስ ኩሉ ካብ ኣምላኽ ክፈልየኻ ዝክእል እዩ። “እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።” ሊሉ ኣሎ ጳውሎድ [ሮሜ 12፥2]
5:“ክርስቶስ ኵሉን ኣብ ኵሉን እዩ"፡ [ቆሎሴ 3፥11] ዘማራይ ዳዊት ከምዚ ኢሉ ኣሎ፣ “ንሰማይ እንተ ደይብኩ፣ ንስኻ ኣብኡ ኣሎኻ፣ መንጸፈይ ኣብ ሲኦል እንተ ኣንጸፍኩ፣ እንሆ፣ ንስኻ ኣብኡ ኢኻ።” — መዝሙር ዳዊት 139፥8 ክርስቶስ ኣብ ኲሉ ክርከብ ዝክእል ናይ ዘመናት ፍልጠት ዘለዎ ንኩሉ ኣብ ኢዱ ዝጨበጠ እዩ።
ጉጅለ 3 ዝመለስዎ
1) ህይወትካ ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላክ ምስዋር፥ ነቲ ብክርስቶስ እንረክቦ መንፈሳዊ መንነት፥ ማንም ዘየሕድገካ፥ ውሑስ ምድሓን፥ ብቐሊሉ ዘይርኤ: ናብ ክርስቶስ ብቐጻሊ ዝልወጥን ዝዓብን፥ ክርስቶስ ምስ ተገልጸ ምስኡ ዝግለጽ ህይወት ከም ዘለና ይገልጽ። ትርጉም ምንባርካ ክርስቶስ ምዃኑን ንእኡ ኢልካ ብምንባር እምበር፥ ብናይ ዓለም ዓወት፥ ዝና፥ ሃብቲ፥ ክብሪ ከም ዘይምዘን ብምርዳእ፥ ጸርፊ፥ መስጎግቲ፥ ስደት ይኩን ሞት ከይፈራሕካ፥ ወንጌል ክትሰብክ ትብዓት ይህበካ። ብክርስቶስ ትረክቦ ዘልኣለማዊ ሂወትን ዓስብን እምበር፥ ኣብ ስጋካ ዝፍጸም ስቃይ ከም ዘየገድሰካ ትርዳእ። ሓይልካ ካብ መንፈስ ቅዱስ ምኻኑ ትፈልጥ። ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ "ንኣይ ህይወተይ ክርስቶስ እዩ፡ ሙማትውን ረብሓይ እዩ...ይብል (ፊልጲ 1፥20-21)። ክርስቶስ ውን "ነቲ ነፍስን ስጋን ኣብ ገሃነም ኬጥፍእ ዚከአሎ ደኣ እምበር፡ ነቶም ንስጋ ዚቐትሉ ኣይትፍርህዎም።" ይብለና (ማቴ 10፥28 )። ስለዚ ሕይወትና ኣብ ክርስቶስ ከም ዝተሰወረት ብሓቂ ምስ እንርዳእ፥ ምድራዊ ፍርሒ ካባና ጠፊኡ፥ ብትብዓት ወንጌል ክንሰብክ ሓይሊ ይህበና።
2) ከምቲ ኣብ (ቆሎሴ 3፥4 ) "ክርስቶስ ህይወትና ምስ ዚግለጽ፡ ሽዑ ንስኻትኩምውን ምስኡ ብኽብሪ ኽትግለጹ ኢኹም።" ብምባል ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ ንነብሱ ሓዊሱ ክርስቶስ ሂወትና ኢሉ ዝጽሓፈልና፥ ንዓይ ውን ሂወተይ ክርስቶስ እዩ። ማለት ክርስቶስ ክፋል ሂወተይ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ቀንዲ ማእከል ሂወተይ እዩ። ከምቲ ምድራዊ ስጋይ ብዘይ ኣየር፥ ምግቢ፥ ማይ ሂወት ዘይብሉ፥ መንፈሳዊ ሂወተይ ብዘይ ክርስቲስ ምውት እዩ። ስለዚ ክርስቶስ ሓድሽ ፍጥረት ዝገበረኒ(2ቆሮ 5፡17)፥ ብደሙ ዘድሓነኒ (1 ጴጥ 1፥18-19)፥ ነብሱ ዘሕለፈለይ (ገላ 2፥20)፥ ካብኡ ዝምንዝዓኒ ዘየለ(የው 10፥28)፥ ዝኩንነኒ ዘይብለይ ዝገብረኒ (ሮሜ 8፥1)፥ ዓወት ዝሃበኒ (1 ቆረ 15፥58)፥ ውሉድ ኣምላኽ ዝገበረኒ (1ዮሃ 3፡1) ኩሉ ነገረይ እዩ።
3) ኣምላኽ ፍቅሪ እዩ(1 የው 4፥8)። ፍቅሪ ድማ ብሓቂ ትሕጐስ እምበር፡ ብዓመጽ ባህ ኣይብላን እዩ (1ይ ቆረ13:6 )። እግዚኣብሔር ንሰብ ገዲዱ ከም ዘፍቅሮ ከይገብሮ ባህሪኡ ኣይኮነን። ብምሕረቱን ለውሃቱን ፍቅሩን፥ ነቲ ሓደ ወዱ በጃ ብምሃብ ምስ ገዛእ ርእሱ ክዓርቀናን፥ ውሉዱ ጌሩ፥ ኣክቢሩ ምአንገድን ምኣድን ኣዳሊልና። ነዚ ብምሕሳም፥ ንህላውነቱን ናይ ምድሓን ውህበቱን ንዝነጸግዎ ምርጭኦም ብምክባር፥ ካብኡ ተፈልዮም፥ ኣብዚ ዓለም እዚኣ፥ ብጸልማትን ሕሱርን ኣኣምሮ፥ ካብ ኣምላክ ርሒቆም ኪነብሩ(ሮሜ 1፥21)። ድሕሪ ሞቶም ውን ንዘልኣለም ካብኡ ርሒቆም፥ ኪሳቀዩ የፍቅደሎም (የው 3፥36)። ነዚ ካብ ኣምላክ ተፈሊካ ዝነብርዎ ሂወት ድማ "ቁጥዓ ኣምላክ" ዝግለጸሉን፥ ብዘይ ኣምላክ ምንባር ጸልማት፥ ስቃይ፥ ሂወት ዘይብሉን ምኻኑ ቃል ኣምላክ ይገልጸልና።(ቆሎሴ 3፡6, ኤፌ 5፡6, ሮሜ 6፥23-24)። ነቶም ብንስሓ ንክርስቶስ ብምእማን ዝምለሱ ግና፥ ካብ ቁጥዓኡ ክድሕኑ ዝደሊ ዓቃል ኣምላክ እዩ( 2 ጴጥ 3፥9, 1ተሰ 1፡9-10)።
4) ስጋና ዝርኤ ደጋዊ ዝቅንጠጥ ነገር ከም ዘይብሉ ርዱእ እዩ። እቲ ዝቅንጠጥ እምብኣር፥ እቲ ናይ ቀደም ሓጢኣተኛ ባህርን ትምኒትን እዩ። ነዚ ብቀጻሊ፥ ንስሓን፥ ንፈተናታት ብምቅዋምን፥ ኣእምሮና ብቃል ኣምላኽ ምሕዳስን ምልዋጥን ማለት እዩ (ሮሜ 12፡2)። ኣረጊት ሰብ ነቲ ባሮት ሓጢኣት ኾንና ንመላለሰሉ ዝነበርና ሂወት ይገልጽ(ኤፌሶን 4፡22)። ንኣረጊት ሰብካ ንቅንጣጥ፥ ብክርስቶስ ከም ዝተሓደስና ይገልጽ (ቆሎሴ 3፡8-9)። ኣብ ሮሜ 8:12-13 ድማ፤ ...ነቲ ግብሪ ስጋ ብመንፈስ እንተ ቐተልኩምዎ፡ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም...ብምባል፥ ምሕዳስና ቐጻሊ ምስ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ብዝህልወና ርክብን፥ ንእኡ ምግዛእን ከም ዝክኣል የረድኣና።
5) "ክርስቶስ ኩሉን ኣብ ኩሉን እዩ" ዝብል ንክልተ ነገራት ዝገልጽ እዩ። እቲ ቀዳማይ ክርስቶስ ኩሉ እዩ ዝብል ኮይኑ፥ ክርስቶስ ምድሓንና ብዘይ ጎደሎ ዝፈጸመ፥ ዋላ ሓንቲ ጎደሎ ዘይብሉን፥ ክንውስከሉ ንክእል ነገር ከም ዘየለን ይገልጽ። እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ኩሉ ዝብል ኮይኑ፥ ቦታ፥ ዓሌት፥ ደረጃ መነባብሮ፥ ጾታ ወዘተ ከይ በለ ኣብ ክሉ ሰብ ብማዕረ ምድሓን ከም ዝህብ ይገልጽ። ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ ውን ኣብ ቆሎሴ 3:11፤ ክርስቶስ ኵሉን ኣብ ኵሉን እዩ እምበር፡ ኣብኡስ ጽርኣውን ኣይሁዳውን፡ ግዝረትን ዘይግዝረትን፡ ባርባን ስኪትን፡ ባርያን ጭዋን የልቦን። ብምባል፥ ነቶም ቋንቋ ግሪክ ዘይክእሉን፥ንምዕባለን ባህልን ሮማን ግሪክን ብዘይ ምንጽብራቆም ከም ድሑራት ዝርኣዩ ዝነበሩ ህዝቢ "ባርባ" ዝብሃሉን፥ ነቶም ሰበከ ሳግምን ጓሶትን "ስኪት" ዝብልዎምን ከይተረፈ ብምጥቅላል፥ ክርስቶስ ንኩሉ ሰብ ከምዘድሕን ዝገልጽ። ብተወሳኺ ድማ ክርስቶስ፥ ምንጪ ኩሉ መንፈሳዊ ሕይወትን ጥበብን ምልዋጥን ምዃኑ (ቆሎሴ 2፡9-10)፥ ጽድቅናን ቅድስናን ምድሓንና ብእኡ ከምዝርከብ (1ቆሮ 1፡30)፥ ኹሉ ኣብ ክርስቶስ ከም ዝጥቅለል(ኤፌሶን 1፡10)፥ ርእሲ ቤተ ክርስትያን ምኻኑ የረድእ።
ጉጅለ 4 ዝጸሓፍዎ
1፥ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ህይወትና ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ እያ፣ ይብል ማለት እቲ ሓቀኛ መንነትናን ድሕነትናን ኣብኡ ይርከብ ማለት እዩ። ኣብ ኣምላኽ ውሑሳት ስለ ዝኾንና፡ ምንጻግ ወይ ውድቀት ኣየፍርሓናን ኢዩ። እዚ ድማ ልክዕ ከም ሃዋርያ ጳውሎስ ብፍቕርን ብምትእምማንን ወንጌል ከነካፍል ትብዓት ይህበና።
2. ንኣና ህይወትና ክርስቶስ ኢዩ።
3. ብመሰረት መልእኽቲ ናብ ሰብ ቈሎሴ 3:6፡ ዓስቢ እቶም ንእግዚኣብሄር ዘይእዘዙ ሰባት ቊጥዓ ኣምላኽ ኢዩ።
4. እቲ "ኣረጊት ሰብ" ማለት ሓደ ሰብ ቅድሚ ሰዓቢ ክርስቶስ ምዃኑ ዝነበሮ ሓጢኣታዊ ልምድን ኣነባብራን ዘመልክት ኰይኑ፣ ኣረጊት ሰብካ ምስ ኵሉ ግብሩ ቀንጥጦ ማለት (ልክዕ ኸምቲ ኣረጊትን ረሳሕን ክዳን ኣውጺእኻ ሓድሽ ምኽዳን) “ነቲ ሓጢኣተኛ መንነት ምስ ግብሩ ገዲፍና ነቲ ከም ምስሊ እቲ ዝፈጠሮ ብፍልጠት ዝሕደስ ሓድሽ ሰብ ልበስ ማለት ኢዩ።
5. ክርስቶስ ኵሉን ኣብ ኵሉን እዩ ክብል ከሎ “ክርስቶስ ኩሉ እዩ፣ ኣብ ኩሉ’ውን ኣሎ” ማለት ክርስቶስ ኣብ ሕይወት ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ እቲ ዝዓበየ ኣገዳሲ ሰብ ኢዩ። ድሕረ ባይታኦም ይኹን ደረጃኦም (ዓሌት፡ ቋንቋ፡ ደረጃ ስልጣነ ወዘተ) ብዘየገድስ፣ ኣብ ኵሎም ዝስዕብዎ ይነብር። ብሓቂ እቲ ዅሉ ንህይወትና ዘድልየና ኣብኡ ኢዩ ዝርከብ።
ወስብሓት ለእግዚአብሄር!