ዓስራይ ዕዮ ገዛ፡ መልእኽቲ ናብ ሰብ ቈሎሴ

ዝቐረቡ ሕቶታት

ነዘን ተጠቒሰን ዘለዋ ሕቶታት፡  ኣብ ቈሎሴ ምዕራፍ 3፣12-17 ብዘሎ መሰረት መልሱ

  1. ብኣምላኽ ብኸምኡ ክትሕረን ክትቅደስን ክትፍቀርን ምኽኣልካ እንታይ ይስማዓካ፧

  2. እዚ ካብ ኣምላኽ ዝዀነልካ ሕርየት ዘሰክመካ ሓላፍነት ኣለዎ ዶ፧

  3. ንሓደ ክርስቲያን ሰላም ክርስቶስ ገዚእዎ ምህላዉን ዘይምህላዉን ብኸመይ ተረጋግጽ፧

  4. ምምሳው ናይ ምንታይ ምልክት እዩ፧ መማሰዊ ዲኻ፧

  5. እትብሎን እትገብሮን ዘበለ ኵሉ፡ ማዕረ ኽንደይ ካብ ፍርዲ ኣምላኽ የምሉቘኒ እዩ ትብል፧

 ብ ጉጅለ ሓደ ዝቐረበ መልሲ

  1. ብኣምላኽ ብኸምኡ ክትሕረን ክትቅደስን ክትፍቀርን ምኽኣልካ እንታይ ይስምዓካ፧

ኣብ ሓደ ኣዝዩ ኣስካሕካሒ ቤት ማእሰርቲ፡ እናተሳቐኻ ንኽትነብር፡ ንሕለፈት ተፈሪዱካስ፡ ግናኸ ሰናይ ፍቓድ ንጉስ ኰይኑ፡ ሓራ ክትወጽእ ክእውጀልካ ከሎ፡ እንታይ ይስምዓካ፧! እዚ፡ በቲ ጊዝያውን ሰብኣውን ኣተሓሳስባ እዩ። በቲ ኣምላኻውን፡ ሰማያውን ኣረኣእያ ኸኣ ደኣ ክንድምንታይ ሓጐስን ፍስሃን ዘይስምዓና፧! “ሓራ ምእንቲ ክንከውንሲ፡ ክርስቶስ ሓርነት ኣውጺኡና እዩ” (ገላ 5.1)። ኣብ ቈሎሴ ከም ዝተመሃርናዮ ድማ፡ “ንሱ ካብ ስልጣን ጸልማት ዘውጽኣና፡ ናብታ መንግስቲ ፍቁር ወዱ’ውን ኣእተወና” (ቈሎ1.13)፡ ክብሪ ንቕዱስ ስሙ ይኹን!  

  • 2. እዚ ካብ ኣምላኽ ዝዀነልካ ሕርየት ዘሰክመካ ሓላፍነት ኣለዎ ዶ፧

እዛ ሒዝናያ ዘለና ምዕራፍ 3፡ እቲ ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ምዕራፍ ዝተነግረና፡ ብኽርስቶስ ዝዀንናዮ፡ ደጊም ክንነብሮ ከም ዝግብኣና እያ እትነግር። “ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩ፣ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕሰቡ፣ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም ቅተሉ” ወዘተ ዝብል መልእኽቲ፡ ሓላፍነት ክንስከም ከም ዘለና ዘርኢ እዩ። ኵራ፡ ምንጽርጻር፡ ክፍኣት፡ ጸርፊ፡ ዜሕፍር ዘረባ’ውን ካብ ኣፍኩም ኣርሕቑ፡ ክብል ከሎ፡ እንቕበሎ ሓላፍነት፡ የብልናን ከብለና ዝኽእል ኣይኰነን። ንሓድሕድኩም ኣይትተሓሳሰዉ፣ ምሕረት ልቢ፡ ለውሃት፡ ትሕትና፡ ዓቕሊ፡ ትዕግስቲ፡ ልበሱ እናበለና፣ እንቕበሎ ሓላፍነት የብልናን ክንብል፡ ዝከኣል ኣይኰነን። ይቕረ ተበሃሀሉ፣ ፍቕሪ፡ ማእሰር ፍጻሜ እያ እሞ፡ ልበስዋ፣ መማስውቲ ኹኑ፡ ንሓድሕድኩም ኣስተምህሩን ምዓዱን፡ ካብ ዝብል ዝዓቢ ካልእ ሓላፍነት፡ እንታይ ክህሉ ይኽእል፧! ብጸጋ ንኣምላኽ እናዘመርኩም፡ ቃል ክርስቶስ ብዅሉ ጥበብ መሊኡ ይሕደርኩም፣ ብቓል ኰነ ወይስ ብግብሪ እትገብርዎ ዘበለ ዅሉ ብስም ጐይታና የሱስ ግበርዎ፡ ብእኡ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ኣመስግንዎ፡ እዩ ዝብል። እምበኣርከስ፡ ብርግጽ፡ ሓላፍነት የሰክመና እዩ። 

  •  3. ንሓደ ክርስቲያን ሰላም ክርስቶስ ገዚእዎ ምህላዉን ዘይምህላዉን ብኸመይ ተረጋግጽ፧

ምስ እግዚኣብሄርን ምስ ገዛእ ርእሱን ሰላም ዝረኸበ ሰብ፡ ኵራ፡ ምንጽርጻር፡ ክፍኣት፡ ጸርፊ፡ ዜሕፍር ዘረባ፡ ሓሶት ክርከብ ዝከኣል ኣይኰነን። ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኽን ምስ ገዛእ ርእሱን ኣብ ሰላም ዘሎ ሰብ፡ ምሕረት ልቢ፡ ለውሃት፡ ትሕትና፡ ዓቕሊ፡ ትዕግስቲ፡ መለለይኡ እዩ። ፈቃርን መማሰውን እዩ። ንርእሱ ዝሕሾ ጥራይ ዘይኰነስ ንብጾቱ መስዋእቲ ዝኸውን ድማ እዩ። እምበኣርከስ፡ ንሓደ ክርስቲያን ሰላም ክርስቶስ ገዚእዎ ምህላዉን ዘይምህላዉን በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ኢና ከነለልዮ እንኽእል። 

  •  4.ምምሳው ናይ ምንታይ ምልክት እዩ፧ መማሰዊ ዲኻ፧

መማሰዊ ማለት፡ የቐንየለይ በሃሊ፡ እተገብረሉ ውዕለት ዘይርስዕ፡ ኣመስጋኒ ማለት’ዩ። ሰላም ክርስቶስ ኣብ ልቡ ዝገዝአ ሰብ፡ ካብ ሞት ናብ ህይወት፡ ካብ ድቕድቕ ጸልማት ናብ ዘገርም ብርሃን ከም ዝተሰጋገረ የስተውዕል እዩ’ሞ፡ ወትሩ መማሰዊ እዩ። ሰብ መማሰዊ ምዃኑን ዘይምዃኑን ገዛእ ርእሱ ንምፍታሽ፡ ንዝተገብረሉ፡ የቐንየለይ ዝብል ምዃኑን ዘይምዃኑን፡ ምዝካር የድልዮ። ይኣኽለኒ ዘይብል፡ መማሰዊ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ። እቲ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ዘሎዎ ግና፡ መማሰዊ ህይወት እዩ ዘሎዎ። 

  •  5.እትብሎን እትገብሮን ዘበለ ኵሉ፡ ማዕረ ኽንደይ ካብ ፍርዲ ኣምላኽ የምሉቘኒ እዩ ትብል፧

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ “ኣነ ግና፡ ብዘረባኻ ኢኻ እትጸድቕ፡ ብዘረባኻ’ውን ኢኻ እትዅነን እሞ፡ ሰብ ዚዛረብዎ ዘበለ ዘይጠቅም ኵሉ ቓል ብመዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ኪህቡሉ እዮም፡ እብለኩም አሎኹ” በለ፡ (ማቴ12.36-37)። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ድማ፡ ”ነፍሲ ወከፍና ነቲ ብስጋኡ ኸሎ ዝገብሮ፡ ሰናይ ኰነ ወይስ እከይ፡ ምእንቲ ኪቕበል፡ ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ብግዲ ኽንግሃድ ኢና፡” በለ፡(2ቈረ5፡9-10)። 

ብርግጽ ካብ ፍርዲ ዘምልጥ ሰብ የልቦን። እንተዀነ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብጥንቃቐ ክንምርምሮ ከለና፡ ኣብቲ ”ፍርዲ ጻዕዳ ዙፋን ዝብሃል፡” ኣብ ራእይ ዮሃንስ ምዕራፍ 20፡ ሓደ፡ መጽሓፍ ህይወት ዝብሃልን ካልኦት” መጽሓፍቲ” ተባሂሎም ዝተጠቕሱን ከም ዝግንጸሉን እዩ ተነጊሩና ዘሎ።  ”ዝዀነ ይኹን ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጽሒፉ ዘይተረኽበ፡ ናብቲ ቐላይ ሓዊ ይድርበ፣ እዚ፡ ብንጹር ተገሊጹ’ሎ። እቶም ”መጽሓፍቲ” ተባሂሎም ዘለዉ ካልኦት ክግንጸሉ ከለዉ ግና፡ ነፍስ ወከፍ ከከም ግብሩ ዝፍረደሎም መጽሓፍቲ እዮም ዝግንጸሉ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ንሰብ ቈረንቶስ ብኸምዚ ዝስዕብ ገለጸሎም፦ ”እታ መዓልቲ እቲኣ ብሓዊ ኽትግለጽ እያ እሞ፡ ክትቀልዖ እያ።  ግብሪ ነፍስ ወከፍ ክግሃድ እዩ፡ ንግብሪ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ከመይ ምዃኑ እቲ ሓዊ ኺፍትኖ እዩ። ሰብ እቲ ኣብ ልዕሊኡ እተሃንጸ ዕዮ እንተ ጸንዓሉ፡ ዓስቢ ኪቕበል እዩ። እቲ ዕዮኡ እንተ ነደደ ግና፡ ዓስቡ ኺስእን እዩ። ንርእሱ ግና ኪድሕን፡ ግናኸ ከምቲ ሓዊ ሐሊፉ ዝደሐነ እዩ” (1ቈረ 3፡13-15)። 

እምበኣርከስ ብእምነት ብጸጋ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ስምና ኣብቲ መዝገብ ህይወት ተጻሒፉ’ዩ። ግናኸ፡ ነቲ ዝረኸብናዮ ድሕነት፡ ብጥንቃቐን ርዝነትን ኣጽኒዕና ብምሕዝ፡ ክሳዕ ሞት እሙናት ክንከውን ደኣ እምበር ሸለል ከይንብል፡ ኣኽሊል ህይወት ድማ ክንቅበል፡ ንቑሓት ክንከውን ከም ዝግብኣና ኸኣ ኣይንዘንግዕ!

 ብጉጅለ ክልተ ዝቐረበ መልሲ

  • 1. ኣምላኽ ክሓርየና፡ክቕድሰና፡ ከፍቅረና ከሎ ኣብቲ ኣባና ዘሎ ድልየት ርእዩ ኣይኰነን ጌሩልና፡ (ሮሜ5.8)፣ ግናኸ ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና፡ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ፡ኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርኢ ኣሎ። ስለዚ ብኣምላኽ ብኸምኡ ዝረኸብናዮ ሕርየትን፡ ቅድስናን፡ ፍቕርን እዩ፡ እዚ ኩሉ ኣምላኽ ምእንቲ እታ ዓባይ ፍቕሩ ኢሉ እዩ፣ ስለዚ እቲ ዝስመዓና ስምዒት ብዙሕ እዩ ብኸምኡ ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ዘይኰነስ፡ ገና ሓጥኣን ከሎና፡ ኣምላኽ ብወዱ ብክርስቶስ የሱስ ዘርኣየና ፍቕሪ፡ መግለጺ ቃላት ይሓጽረና።

  •  2.ከምቲ ልዕል ኢልና ዝገለጽናዮ እግዚኣብሄር ከይደለናዮ ደልዩና፡እቲ ስሌና ዝወዓሎ ውዕለት ብኣምላኽ ዝተቐዝፈ ጌርና ኣቋጸርናዮ፡ ንሱ ግና ስሌና ስለ ጸላእቱ ጸለየ፡ ምሕረት’ውን ለመነ። እዚ ፍቕሪ'ዚ ዘርኣየና ኣምላኽ፡ እቲ ናትና ሓላፍነት ብፍቕሩ ተኣሚንና ክንነብር፡ነዚ ዝበለ ሕርየት ዝሃበና ጐይታ፡ ሓላፍነትና ንዕኡ ንበቅዕ ፍሉያት ኮይንና ክንነብር ይግብኣና፡ ”ግናኸ ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዚነብር ዘሎ እምበር፡ ደጊም ኣነ ኣይኰንኩን ዝነብር ዘለኹ። እዚ ሕጂ ብስጋ ዝነብሮ ዘለኹ ድማ፡ብእምነት በቲ ዘፍቀረኒ ምእንታይ’ውን ነፍሱ ዘሕለፈለይ ወዲ ኣምላኽ እየ ዝነብር ዘለኹ፡ (ገላትያ 2:20)። ካብ ጸልማት ናብ ዘደንቕ ብርሃን   ዘውጽኣና ጐይታ፡ ምረት ናይቲ ጸልማት ተረዲእና ነተን ኣብ ጸልማት ዝመላለሳ ነፍሳት ነቲ ፍቕሩ፡  ሕርየት፡ ቅድስናን ክርእይዎ ምግባር ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኴንና ብቓልን ብግብርን ሓላፍነት ኣለና።

  •  3.ሰላም ክርስቶስ ኣብ ልብኹም “ይግዛእ” ኪብል ከሎ (ከም መንጎኛ ወይ ከም ዳኛ ኮይኑ ኣብ ልብኹም፡- የተዓርቕ፣ ይዳኒ፣ ይሸምግል፣ ይወስን፣ ይፍረድ) ዚብል ሓሳብ ኣለዎ። ልቢ ናይ ግርጭት ማእከል ከም ዝኾነ እዩ ዚንገር። ስምዒትናን ድሌትናን ንሓድሕዱ ኣብ ልብና እዩ ዚጋጮ፡ ከምኡ’ውን ምእማንን ዘይምእማንን፡ ተስፋን ፍርሓትን፣ ፍቕርን ቅንአትን እዚ ኩሉ ኣብ ንሓድሕዱ ኣብ ልብና እዩ ዚጋጮ። ስለዚ ሃዋርያ ጳውሎስ ዚገልጸልና፡ ካብዚ ኩሉ ኣብ ልብና ዚገራጮ ነገራት ክንድሕን እንተ ድኣ ኰይኑ፡ ሰላም  ክርስቶስ ኣብ ልብና ኪገዝእ ኣለዎ። “እቲ ኻብ ኲሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ”(ፊልጲ 4፡7፤መዝ. 46፡10)።

 ሰላም ክርስቶስ፡ ብብልዕን መስተን በዛ ዓለም እትህቦ ሰላም ዝርከብ ኣይኮነን። ኮታስ ደጋዊ ሰላም ዘይኮነስ፡ ውሽጣዊ ሰላም'ዩ። ሰብ፡ ብዝተፈላለየ ኩነታት ክሓልፍ ይኽእል እዩ። ምናልባሽ’ውን ናይ ምድራዊ ናብርኡ ምሉእ ዘይክኸውን ይኽእል’ዩ። በዚ ናይዛ ዓለም ኣብ ጸጽባሕ ዝወርድ ሽግር’ውን ልቡ ከይተሸበረ፡  ንኹሉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ብምስጋና፡ ብጸሎትን፡ልማኖን፡ የቕርቦ። ኩሉ ዝለመኖ ከም ዝተቐበሎ ጌሩኸኣ ብሰላም ይመላለስ፡ ”ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡ ብገለ’ኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ካብ ኵሉ ኣእምሮ ዝበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ ኢየሱስ ክሕልዎ እዩ፡ (ፊልጲ 4:6-7)።

  •  4.መማሰዊ ዲኻ ዝብል እወ ኣምላኽ ብዝገበረልናን ጌና'ሕጅውን ከም ዝገብረልና ኣሚንና ስለቲ ኣባና ዘለዎ ዓብዪ ፍቕሪ ኩሉ ጊዜ ምስጋና ክወስድ ይግብኦ እዩ። ምምሳው ናይ ምንታይ ምልክት እዩ፡ ንዝብል ክኣ ምምሳው ማለት ምስጋና ማለት እዩ፣ ስለቲ ኣምላኽ ብወዱ የሱ ጌሩ ኣባና ዘርኣዮ ዓብዪ ፍቕሪ፡ እቲ ሓደ ክንገብሮ እንኽእል፡ ምምስጋን ጥራይ እዩ። "ምስጋናይ ክኽልክል እንተድበየ ጸላእየይ፡ ኣነ ክዝምር’የ ንዘድሓነኒ ኣቦይ።” ሰይጣን ምስጋና ይቃወም። ናቱ መንገዲ ዝጸልመተ ኣተሓሳስባ፡ ምምራር፡ ሓዘን፡ ጭንቀት፡ እዩ። ምስጋና ድማ ነዚኦም ሩባታት ሰይጣን ዝኾኑ ከልካሊ እዩ፡ ”መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ፣ ከማስወካ እየ፣ ግብርታትካ መስተንክር እዩ፣ ነፍሰይውን ኣጸቢቓ ትፈልጦ” (ዳዊት139:14)። ምስጋና ብርሃን እዩ፡ ብርሃን ድማ የርኢ። ምስግና ንዝመጽእ መዓልቲ ብሩህ ይገብር። ምስጋና ምቁር እዩ፡ ምረት ነፍሲ የጥፍእ። ምስጋና ፍስሃ እዩ፡ ክዳን ሓዘን ይቐድድ። ምስጋና ንእግዚኣብሔር ምርኣይ እዩ፡ጭንቀት ይኣሊ። 

ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ በቲ ዘለዎ ከመስግንን ንኣምላኽ ክብሪ ክህብ ከሎ፡ ነታ ኣብ ፊልጲ ዝነበረት ማሕበር ኣምላኽ “ኣነስ በቲ ዘሎኒ ይኣኽለኒ ምባል ተማሂረ እየ እሞ፡ ስኢነ ስለ ዘሎኹ ኣይኰንኩን እዚ ዝብሎ ዘሎኹ” ይብል፡ [ፊልጲ 4፡11] ስለዚ እምበኣር፡ ክርስቲያን በቲ ዘሎዎ ኩሉ ግዜ ንኣምላኽ ከመስግን ኣለዎ።

  • 5.ብቓል እትብሎ ማለት እትዛረቦ፡ ጐይታ ከም ዚሰምዖ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ ከኣ እዩ ጎይታ እንብሎን እንገብሮን ሓደ ክኸውን ከም ዘለዎ ዝነግረና። ማቴ 12:33፤ ኦም ካብ ፍሪኡ ይፍለጥ እዩ እሞ፡ ነቲ ኦም ጽቡቕ ግበርዎ፡ ፍሪኡ ድማ ጽቡቕ፡ ወይስ ነቲ ኦም ክፉእ ግበርዎ፡ ፍሪኡ ድማ ክፉእ። ኣቱም ውሉድ ኣትማን፡ ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ይዛረብ እዩ እሞ፡ ክፉኣት ክነስኹምከ፡ከመይ ጌርኩም ጽቡቕ ምዝራብ ክትክእሉ፧ እቲ ሕያዋይ ሰብ ካብቲ ጽቡቕ መዝገብ ልቡ ጽቡቕ የውጽእ። ክፉእ ሰብ ከኣ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ ኽፉእ እዩ ዜውጽእ። ኣነ ግና ብዘረባኻ ኢኻ እትጸድቕ፡ ብዘረባኻ’ውን ኢኻ እትዅነን እሞ፡ ሰብ ዚዛረብዎ ዘበለ ዘይጠቅም ኵሉ ቓል ብመዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ኪህብሉ እዮም፡ እብለኩም አሎኹ።

ጉጅለ ሰለስተ ዝሃብዎ መልሲ

  • 1.ብኣምላኽ ብኸምኡ ክትሕረን ክትቅደስን ክትፍቀርን ምኽኣልካ እንታይ ይስማዓካ፧

ብኣምላኽ ዝተሓረኻ፥ ዝተቀደስካ፥ ዝተፈቀርካ ምኻን ኣዝዩ ዘሔጉስን ዘጸናንዕን ቅሳነት ዝህብን እዩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡርን ክቡር ምኻንካን ንዕላማ ምፍላይካን ትርዳእ። ከምቲ ኣብ ኤፈሶን 1፥4-5 ዝተምሃርናዪ፥ ኣምላኽ ቅድሚ ምስራት ዓለም ብክርስቶስ ውሉድ ክንኮኖ ከም ዝሓረየናን ዝመደበናን ብምርዳእን ከምቲ ኣብ 1 ጴጥ 2፥9 ሕሩይ ወሎዶ፥ ናይ መንግስቲ ክህነት፥ ቅዱስ ህዝቢ፥ ጥሪት ኣምላኽ ኢኹም ዝብለና ውን መንነትና ምፍላጥና፥ ንኣምላኽ ኣዚና ከነመስግኖን ከነፍቅሮን፥ ከምኡው’ን ህይወትና ብምቅዳስ ንኣምላኽ ከነክብሮ ይድርከና። ዕዙዝ፥ ኣመስጋኒ፥ ትሑት፥ ሕጉስ፥ ዘይግብኣካ ጸጋን ምሕረትን ብምርካብካ ኣብ ክርስቶስ ክትውከልን ህይወትካ ብፍቓዱ ክትመርሕን ይገብረካ።

  •  2.እዚ ካብ ኣምላኽ ዝዀነልካ ሕርየት ዘሰክመካ ሓላፍነት ኣለዎ ዶ፧

እወ፡ ብርግጽ ዓቢይ ሓላፍነት የሰክም። ኣብ ቆሊሴ 3፥12-17 ተዘርዚርልና ዘሎ ኩሉ ተግባራት እምብኣርሲ ኸም ሕሩያት ኣምላኽን ቅዱሳንን ፍቁራትን ኴንኩም፡ ብምባል እዩ ንሓላፍነትና ዝነግረና። ምሕረት ልቢ፡ ለውሃት፡ ትሕትና፡ ዓቕሊ፡ ትዕግስቲ ልበሱ። ከምቲ ክርስቶስ ይቅረ ዝበለልኩም ይቅረ ተባሃሃሉ። ንፍቅሪ ልበስዋ፥ ኣመስግኑ፥ ዘምሩ፥ ኣትሰምህሩን ምዓዱን፥ ብኩሉ ትብልዎን ትገብርዎን ብክርስቶስ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ኣመስግንዎ ኢሉ ንሓላፍነትና ይነግረና። ከምቲ ኣብ 2 ቈረ 5፥20-21 ተነጊሩና ዘሎ ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ልኡካት ኮንና ንካልኦት ወንጌል ክንሰብክ ሓላፍነት የሰክመና። ከምቲ ጎይታ ኣብ ማቴ 5፥16 "ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።" ዝብለና ህይወትና ንሰባት ናብ ኣምላኽ ዘጠምት ክከውን ሓላፍነትና እዩ። ሕርየትና ህያብ ምኻኑ ምርዳእ፥ ንክብሪ ኣምላኽ ክንነብር፥ ፍቃዱ ክንፍጽም፥ ዕላማ ሕርየትና ዘልኣለማዊ ምኻኑ ብምስትውዓል ህይወትና ብፍቅሪ ንኣምላኽን ሰብን ክንነብር ሓላፍነት የሰክመና።

  •  3.ንሓደ ክርስቲያን ሰላም ክርስቶስ ገዚእዎ ምህላዉን ዘይምህላዉን ብኸመይ ተረጋግጽ፧

ሰላም ክርስቶስ ኣብ ልቢ ሓደ ክርስቲያን ምግዛኡ ወይ ዘይምግዛኡ ብቐንዱ ውሽጣዊ ኩነታት እኳ እንተኾነ፡ ብዝተፈላለየ መገዲ ክግለጽ ይኽእል እዩ። ገለ ካብ ምልክታቱ፡ ኣብ ግዜ ከቢድ ኩነታት ዘይናወጽ ውሽጣዊ ህድኣት ምህላው። ኣብ ክንዲ ጭንቂ፥ ኣምላኽ ንኩሉ ከምዝቆጻጸር ኣሚንካ፥ ጾርካ ናብ ኣምላኽ ምቅራብን ኣብኡ ምውካልን። ንዝበደሉካ ይቕሬ ክትብል ምክኣል፥ ምስ ኣመንቲ ሓድነትን ፍቕርን ምህላው፡ ብዘለካ ምዕጋብን ብኩኡ ንኣምላኽ ምምስጋንን፥ ሰላም ክርስቶስ ንልብካ ምግዝኡ ተረጋግጽ።

  •  4.ምምሳው ናይ ምንታይ ምልክት እዩ፧ መማሰዊ ዲኻ፧

ንኣምላኽ ምምሳው( ምምስጋን) ምልክት ናይ ብክርስቶስ ዝተቐየረ ልቢ እዩ።  ክርስቶስ ኣብ ልቢ ከም ዝገዝእን ቃል ክርስቶስ ኣብ ውሽጡ ብምልኣት ምሕዳሩን ዘንጸባርቕ እዩ።  ኣብ ዳዊት 107፥1 እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፣ ምሕረቱ ኸኣ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ አመስግንዎ። ከም ዝብለና፥ ናይ ልቢ ምምሳው ምልክት ሓቀኛ እምነትን፥ ንምሕረት ኣምላኽ ብምርዳእን፥ ብመንፈስ ቅዱስ ዝመልአ ህይወት ምህላው የርኢ። (ኤፌሶን 5፡18-20, 1 ተሰሎንቄ 5፡16-18)።  ኣብ ጽቡቅን ሕማቅን ንኣምላኽ ምምሳው ምልክት ናይ ልብን ሓቀኛ ኣማኒ ምኻንካን የመልክት። ንኣምላኽ ብዘይ ምምራር ዘመስግን ሰብ፥ ኣምላኽ ኣብ ህይወቱ ዝገበሮ ሰናይ ነገር ዝፈልጥን፥ ብዘአዎ ምዕጋቡን የርኢ። ብውልቂ መማሰዊ ዲካ ንትብል ሕቶ ጉጅለና እወ ዝበዝሕ ግዜ ኣመስጋኒ እየ፥ ከም ሰብ ብድካም ኣብ ዘማርረሉ ድማ ተጣዒሰ ንኣምላከይ የመስግን እየ ብምባል መሊስናያ።

  • 5. እትብሎን እትገብሮን ዘበለ ኵሉ፡ ማዕረ ኽንደይ ካብ ፍርዲ ኣምላኽ የምሉቘኒ እዩ ትብል፧

ካብ ፍርዲ ኣምላኽ ምምላቝ (ምድሓን) ክርስቶስ ብዝገበረለይ ውዱእ ስራሕ፥ ካብ ፍቅርን ጸጋን ኣምላኽ ዝርከብ እዩ(ኤፌ 2፥8-9)፥, ብክርስቶስ የሱስ ስለ ዘለና ኢና ዘይንኩነን (ሮሜ 8፥1)። ከምቲ ኣብ ኢሳይያስ 64:6፤ ኲላትና ኸም ሓደ ርኹስ ኰንና፡ ብዘሎ ጽድቅና ኸኣ ከም ጽዩቕ ክዳን እዩ፡ ኲላትና ኸም ቈጽሊ ቐምሰልና፡ ኣበሳና ድማ ከም ንፋስ ይብቊጸና ኣሎ። ዝብለና፥ ኣምላኽ ብቅድስናኡ ንእንብሎን ንገብሮን ተዝጸባጸበና ካብ ፍርዱ ኣይመምሎቅናን። እንተኾነ ግን ከም ኣመንቲ ቃላትናን ተግባራትናን ንእምነትና ከንጸባርቅን ንፍረ መንፈስ ቅዱስ ክፈርን ኣለዎ። ኣምላኽ ንኹሉ ቃላትናን ተግባራትናን ስለ ዝርኢ ኣብ ቅድሚኡ ክንሕተተሉ ኢና። ኣብ እብራውያን 4:13፤ እቲ ጸብጻብ እንህቦ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዅሉ ጋህ ዝበለን ቅሉዕን እዩ እምበር፡ ኣብ ቅድሚኡ ዚሕባእ ፍጡር የልቦን። ይብከና። ጎይታ ውን ኣብ ማቴዎስ 12:36-37፤ ኣነ ግና፡ ብዘረባኻ ኢኻ እትጸድቕ፡ ብዘረባኻውን ኢኻ እትዅነን እሞ፡ ሰብ ዚዛረብዎ ዘበለ ዘይጠቅም ኵሉ ቓል ብመዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ኪህብሉ እዮም፡ እብለኩም አሎኹ። ይብለና እዩ። ስለዚ ከምቲ ኣብ ቈሎሴ 4:6፤ … ዘረባኹም ብጨው እተቓመመ ዅሉ ሳዕ ብጸጋ ይኹን።፡ ዝብለና ከም ውሉድ ኣምላኽ ቃላትናን ተግባራትናን ነቲ ብጸጋ ዝተቐበልናዮ ምድሓን ዘንጸባርቑ ክኸውን ስለ ዘለዎ እምበር፡ ካብ ቁጥዓ ንከድሕነና ኣይኮነን።

ጉጅለ ኣርባዕተ ዝመለስዎ

  • 1.ብኣምላኽ ምሕራይናን ምቕዳስናን ዝተሰማዓና ኣዝዩ ዓብይ ሓጎስ፡ ዓብይ ዕድል፡ ጽቡቕ ዕጫን ርስትን ኢዩ (መዝ፡ 16፥ 6)። እቲምንታይሲ፡ብኣምላኽምሕራይካይትረፍሲ፡ብሰብምሕራይካእኳየሐጉስኢዩ።ግናብኣምላኽምሕራይና ጥራይ ዘይኮነስ ሓርዩ ኣብ መጽሓፈ- ህይወት ስለ ዝጻሓፈና ካኣ ዳኣ እምበር፡ ንሱ ጥራይስ ኣይኮነን ዘሐጉሰና (ሉቃ፥ 10፥ 20)።

  • 2. ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ባዓል ዕዳና ኢዩ፡ ብክንከፍሎ ዘይንኽእል ዕዳ ፍቕሪ መስቀል ገይሩ ኣፍቂሩና ኢዩ። እታ ቀዳመይቲ ዕዳና እምባኣር፡ መጀመርያ ንርእስና ከምቲ ዝጸወዓና ኮይንና ክንመላለስ ኢዩ። ( 1ይ ጴጥ፡ 1፥15) ። ካላኣይ ድማ፣ ዕዳ ፍቕሪ ሓድሕድ ( ሮሜ፡ 13፣8)፣ ጾር ሓድሕድ ምጻር ( 1ይ ቆሮ፡ 13)። ሳልሳይ ድማ ዕዳ ወንጌል ምክፋል ( ግ.ሃ. 9፥15- 16፣ 1 ጴጥ፡ 2፥9) ኢዩ።

  • 3. ሰላም ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ብብዙሕ መንገዲ ክንፈልጦም ንኽእል ኢና። ገለ ካብኡ ንምጥቃስ፡ ብሰላሞም፡(መዝ፡ 119፥165)፣ ብኣዘራርበኦም( ቈሎ፡ 4፥6): ብህይወቶም፡ ( ፍሊ፡ 1፥20)፡ ብህድኣቶምን ትሕትነኦምን፡ ኤፈ፡ 4፥2) ምስ ሰባት ዘለዎም ዝምድና፡ (ሮሜ ፡ 12፥18)፥ ኣመስገንቲ/መማሰውቲ (ቈሎ፡ 3፥17) ምጥቃስ ይካኣል።

  • 4. ምምስጋን ናይ ዝተገብረሉ ሰብ ምልክት ኢዩ። ቅዱስ ዳዊት ኣብ መዝምሩ፡" ስለ እተግብረለይ ሰናይ ኩሉስ፡ እንታይ ውሬታ ክመልሰሉ ኢየ" ዝበሎ፥ ንሕና ውን ብኸምኡ፡ ስለ ዝተገብረልና በቲ ድኹም ዓቕምና ነመስግን። ኣብ ሉቃ፡ 7፥47፥ ውን " እቲ ብዙሕ ዝተሓድገሉ፡ ብዙሕዩ ዘፍቅር" ከም ዝበሎ ጎይታና፥ ንሕና ውን ስለቲ ዝተገብረልና፡ ነመስግን።

ነታ መማሰዊ ዲኻ እትብል ሕቶ እምበኣር፡ ብናይ ብዙሓት ድምጺ፡ ስለቲ ዝተገብረልና ክኽፈል ዘይክእል ዕዳ ፍቕሪ፣ ንኣምላኽ ነመስግኖ እወ ንብል ኣሎና።

  • 5. ነዛ ሕቶ እዚኣ ብክልተ ሸነኽ ኢና ርኢናያ። እቲ ቀዳማይ፡ ብእንብሎን እንገብሮን ብፍጹም ካብ ፍርዲ ኣምላኽ ክንሞሉቕ ከም ዘይንኽእል ተኣሚንና። እቲ ምንታይሲ፡ ምድሓንና ብጸጋ እምበር ብግብርና ስለ ዘይኮነ ( ኤፎ፡ 8፥2)። በቲ ካልኣይ ሸነኽድማ፡ እቲ ንቃለይ ሰሚዑ ዝገብሮ፡ብልሂ ሰብኣይ ይምሰል፡ ብምባል፡ ዝምጉሶ ጎይታ፡ ተወሳኺ፡ ንቃሉ ሰሚዕና ክንትግብር እምበር፣ ብኸሙኡ ርእስና ከይንጥብር ኣትሪሩ ስለ ዝዛረበና፡ኣብ ጸግኡን ምሕረቱን ተወኪልና፡ ንቃሉ ብምሕላው፡ ብህይወት ክንነብርን፡ ካብ ፍርዲ ከም እነምልጥን፡ ክሳብ ኣቱም ብሩኻት ናይ ኣቦይ፡ንዑ ናብ ሓጎስ ኣቦኹም እተው ንምባል ከም ዘብቅዓናን ብምእማን፡ብኸምኡ ንቃሉ ብምእዛዝ ካብ ፍርዲ ከም እነምልጥ ንኣምን። (ምሳ፡7፥2) (ያቆ፡1፥22) ( ዮሃ፡ 13፣17)።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Next
Next

ታሽዓይ ዕዮ ገዛ፡ መልእኽቲ ናብ ሰብ ቈሎሴ