ደብረ ታቦርን ደብረ ሄርሞንን
ሎሚ 19 ነሓሰ ብግእዛዊ ዓውደ ኣዋርሕ፡ ደብረ ታቦር’ዩ። ደብረ ታቦር ክዝከር ከሎ፡ ምግላጽ ክብሪ ጐይታና ኢየሱስ እዩ ዝስበኽ። ደብረ ሄርሞን (ብግእዝ አርሞንኤም) ክዝከር ከሎ ኸ፧! ማቴዎስን ማርቆስን ከዘንትዉ ከለዉ፡ ”ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦም” ይብሉ፥ ሉቃስ ግና፡ ”ንጴጥሮስን ዮሃንስን ያእቆብን ተማሊኡ፡ ክጽሊ ናብ ከረን ደየበ” ይብል፡ (ሉቃ 9፡28 ማቴ 17.1 ማር 9.2)። እቶም ወንጌላውያን፡ ስም እቲ ከረን እንታይ ምንባሩ፡ ኣይጠቐሱን። ”ታቦር ወአርሞንኤም በስመ ዚኣከ ይትፌስሑ” እዩ ዝብሃል እሞ፡ እቲ ጐይታና ክብረቱ ዝገለጸሉ ደብሪ፡ ደብረ ታቦር ዶ ይኸውን ወይስ ደብረ ሄርሞን (ኣርሞንኤም)፧!
ደብረ ታቦር፡ ካብ ባሕሪ ገሊላ ብሸነኽ ደቡባዊ ምዕራብ፡ ካብ ናዝሬት ድማ ብሸነኽ ምብራቕ 10 ኪሜ ርሒቑ ዝርከብ እምባ’ዩ። ብራኸኡ፡ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ 572 ሜትር ክኸውን ከሎ፡ ኣብቲ ጤረር ድማ 588 ሜትር ኣቢሉ ይበጽሕ (መወከሲ፡ መዝገበ ቃላት መጽሓፍ ቅዱስ ኣምሓርኛ)። ደብረ ሄርሞን (ኣርሞንኤም) ከኣ፡ ኣብ ዶብ ሶርያ፡ ሊባኖስን እስራኤልን ዝርከብ ኰይኑ፡ ብራኸኡ ኸኣ፡ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ፡ 2777 ሜትር ኣቢሉ ይበጽሕ (መወከሲ፡ መዝገበ ቃላት መጽሓፍ ቅዱስ ኣምሓርኛ) ። ነቲ ፍልልይ ንርኣዮ፦ ደብረ ሄርሞን ካብ ደብረ ታቦር ብልዕሊ ሓሙሽተ ዕጽፊ ይብርኽ! እቲ ኣብ ዝባን ደብረ ሄርሞን ዝርከብ በረድ ድማ፡ እናሓቐቐ ናብ ኣኽራን ጽዮን’ዩ ዝወርድ። ብእኡ ኣቢሉ ድማ፡ ናብ ባሕሪ ገሊላ ይፈስስ፡ (ዘዳ 4.48 መዝ 133.3)።
ዘማሪ ቅዱስ ዳዊት ብዛዕባ እቲ እግዚኣብሄር ዝእዝዞ በረኸትን ህይወት ዘልኣለምን ከስተንትን ከሎ፡ ከምቲ ኽቡር ዘይቲ ኣብ ርእሲ፣ ኣብ ጭሕሚ፣ ኣብ ጭሕሚ ኣሮን፣ ናብቲ ዘፈር ልብሱ ዝወርድ እዩ ብምባል፡ ”ከምቲ ናብ ኣኽራን ጽዮን ዝወርድ ጠሊ ሄርሞን እዩ” በለ፡ (መዝ133.3)።
ከረን፡ ምሳሌ ጸሎት’ዩ። እቲ ኣብ ከረን ኴንካ እትርእዮን እትስዕቦን ጐይታ፡ ካብቲ ገጽ ሰብ እናረአኻን ዘረባ ሓፋሽ እናሰማዕካን እትስዕቦ ይፈላለ’ዩ። ኣብቲ ኸረን፡ ሙሴን ኤልያስን እኳ እንተተገልጹ፡ እቲ ካብ ሰማይ ዝመጸ ድምጺ ግና፡ ”ዝፈትዎ ወደይ፡ ብእኡ ዝሰመርኩ እዚ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ፡” ዝብል’ዩ፡ (ማቴ 17.5)። ነቲ ብስብከትን ብፊደልን ጥራይ እትፈልጦ ጐይታ፡ ብጸሎት እንተተላለኻዮ ድማ፡ በቲ ግኑን ግርማኡ ተመሲጥካ፡ ንዓይ ኣብዚ ምንባር ይሕሸኒ ካብ ምባል ወጻኢ ካልእ ኣማራጺ ኣይርኣየካን’ዩ።
ሓደ መረዳእታ ንውሰድ። ”ሙሴ ድማ ናብ ከረን ደየበ፡ ነቲ ኸረን ከኣ ደበና ኣጐልበቦ። ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ከረን ሲና ተቐመጠ፡ . . . ትርኢት ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ ነዒንቱ ደቂ እስራኤል ከም ዚባላዕ ሓዊ ኰይኑ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ኸረን ተራእየ። ሙሴ ኸኣ ናብ ማእከል ደበና ኣተወ፡ ናብቲ ኸረን’ውን ደየበ። ሙሴ ኣብቲ ኸረን፡ ኣርብዓ መዓልቲን ኣርብዓ ለይትን ገበረ” ይብለና፡(ዘጸ24.15-18)።
ሙሴ ኣብዚ ኸረን’ዚ ከሎ፡ ኣሮንን ደቂ እስራኤልን ግና ኣብ ታሕቲ እንታይ ይገብሩ ምንባሮም፡ ኣሪት ዘጸኣት ምዕራፍ 32 ገንጺልኩም ንበብዎ። ደቂ እስራኤል፡ እቲ ክሃሌ-ኩሉ ዝዀነ ሓደ ኣምላኽ፡ ካልኣይን ሳልሳይን ዘይብሉ እንኮ ዘይኰነስ፡ ብዙሓት ኣማልኽቲ ክዀኑሎም ብሓደ መዳይ፡ ዝርአን ዝድህሰስን ክኸውን ከኣ ብምድላይ፡ ነቲ ዘይርአ ኣምላኽ፡ ወርቂ ኣምኪኽካ ድዩ፡ ዕጨ-እምኒ ጸሪብካ ድዩ፡ ብዝተሰርሐ ምራኽ ኣቢልካ ክርአ ዝኽእል ጣኦታዊ ኣምላኽ ደለዩ። ኣብ ከረን ምህላውን፡ ካብ ከረን ወጻኢ ምህላውን፡ እቲ ፍልልዩ ክሳዕ ክንድዚ ሓደገኛ’ዩ!
እተን ሰለስተ ዳስ
እቲ ጐይታና ክብረቱ ዝገለጸሉ እምባ፡ ደብረ ሄርሞን ይኹን ደብረ ታቦር’ውን ይኹን፡ ክሳዕ ክንድቲ ዘገድስ ስለ ዘይኰነ፡ እቶም ወንጌላውያን ኣይጠቐስዎን። ንሕና’ውን ንዕኡ ሕልፍ ኢልና ናብቲ ፍጻመ ኢና ከነድህብ። እቲ ኣብ መብልዕ ማል እተወልደን፡ ንወለዱ ኸኣ እናተኣዘዘን ዝዓበየ ጐይታና ኢየሱስ፡ ሕጂ ግና ኣብ ቅድሚ ደቀ-መዛሙርቱ፡ ትርኢቱ ተለዊጡ፡ ገጹ ኸም ጸሓይ እናብርሀ፡ ክዳኑ’ውን ከም ብርሃን ጸዕድዩ፡ ብዘደንቕ ግርማ እዩ ዘንጸባርቕ ዘሎ። ሙሴን ኤልያስን ድማ ምስኡ ይዘራረቡ ኣለዉ።
ናብቲ ኸረን ክድይብ ሞጐስ ዝረኸበ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ በቲ ትርኢት ተመሲጡ፡ ሰለስተ ዳስ ክሰርሕ በሃገ። ሓንቲ ”እንዳ ጐይታና ኢየሱስ፡” ሓንቲ፡ ”እንዳ ኦሪተ ሙሴ፡” ሓንቲ ሳልሰይቲ ድማ፡ ”እንዳ ነብዪ ኤልያስ” ተባሂለን ከኣ ክስመያ እየን። ኣብቲ ቦታ፡ ንጴጥሮስ ሓዊስካ፡ ዮሃንስን ያዕቆብን’ውን ኣለው። እዘን ሰለስተ ዳስ ምስ ተዳለዋ፡ ”እተው” እንተትብሃሉ፡ ኣብ እንዳ መን ምኣተኹም፧!
ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ከምቲ ንኤልያስን ሙሴን፡ ከምኡ ኸኣ ንጐይታና ዳስ ክሰርሓሉ ተመነየ። ገና ኺዛረብ ከሎ ግና፡ እንሆ፡ ብሩህ ደበና ኣጐልበቦም። ካብቲ ደበና ኸኣ፡ ዝፈትዎ ወደይ፡ ብእኡ ዝሰመርኩ እዚ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ፡ ዚብል ድምጺ መጸ። ደቀ መዛሙርቱ እዚ ሰሚዖም ብግንባሮም ተደፍኡ፡ ብዙሕ ድማ ፈርሁ፡ ይብል እቲ ቕዱስ ጽሑፍ። ንጐይታና ኢየሱስ ምስ ሙሴን ኤልያስን ብማዕረ ሰሪዕና፡ ማዕረ መቑነን ከነቕርበሉ እንህንጠ፡ ሎሚ’ውን ኣይንሰኣንን ንኸውን። እንተዘመርና፡ ሓሓዲኦም! ሓደ ንጐይታ፡ ሓደ ንሙሴ፡ ሓደ ኸኣ ንኤልያስ። እንተሰበኽና’ውን ሓሓዲኦም፡ ገለ እዋን ብዛዕባ ጐይታ፡ ገለ እዋን ብዛዕባ ሙሴ፡ ገለ እዋን ድማ ብዛዕባ ኤልያስ፡ ወዘተ!
እቶም ነቲ ግኑን ግርማ ጐይታና ዘይረኣዩ፡ ብፍሉይነት ጐይታ ክድነቑ ኣይኰነሎምን እዩ። ስለዚ ኸኣ፡ ገሊኦም ዮሃንስ መጥምቕ፡ ገሊኦም፡ ኢሳይያስ፡ ገሊኦም ኤርምያስ፡ ገሊኦም ከኣ ሓደ ካብ ነብያት እዩ ብምባል ገለጽዎ። እቲ ክብረት ጐይታ ዝርኣየ ስምኦን ጴጥሮስ ግና፡ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦ ስለ ዝገለጸሉ፡ ”ንስኻ፡ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ፡” ብምባል መለሰ፡ (ማቴ16. 16)። እዚ ሃዋርያ’ዚ፡ ዳሕራይ ኣብ መልእኽቱ ክምስክር እንከሎ፡ ”ነቲ ናይ ግርማኡ ብዓይንና ዝርኤናዮ ምስክር ኴንና ኢና እምበር፡ እተጣበብዎ ጽውጽዋያት ኣይሰዓብናን። ካብቲ ግኑን ግርማ ኽብሪ፡ ብእኡ ዝሰመርኩ ፍቁር ወደይ እዚ እዩ፡ ዚብል ድምጺ ምስ መጸ፡ ንሱ ኻብ እግዚኣብሄር ኣቦና ክብርን ግርማን ተቐበለ። ኣብቲ ቅዱስ ከረን ምስኡ ኸሎና ኸኣ፡ ንሕና ባዕላትና ነዚ ድምጺ እዚ ኻብ ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ሰሚዕናዮ ኢና፡” በለ፡ (2ይ ጴጥሮስ 1. 16-18)።
”ኣዒንትኻን ንጉስ ብጽባቔኡ ክርእያኦ እየን፡ ”ዝብል ጽሑፍዶ ነቢብኩም ትፈልጡ ትዀኑ፡(ኢሳ33.17)፧! ነዚ ንጉስ እዚ ዝረኣያ ኣዒንቲ፡ ምስ ሙሴ ይኹን ምስ ኤልያስ ኣይሓዋውሳኦን እየን። ሙሴ፡ ባሕሪ ክሳዕ ዝጨድድ፡ ትእምርትን ተኣምራትን ብኢዱ ዝተገብረ’ዩ። ኤልያስ ድማ፡ ንመሳዂቲ ሰማይ፡ ንሰለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ዝረገጠን መሊሱ ኸኣ ዝኸፈተን’ዩ። ይኹን ደኣ’ምበር፡ ንጐይታና ዝመስልሲ ፍጹም ኣይተረኽበን ኣይክርከብን ድማ እዩ። ንዕኡ፡ ምስ ማንም ከነወዳድሮ ዘይንኽእል ኣዝዩ ዓብዪ እዩ።
እምበኣርከስ፡ ከረን ሄርሞን ይኹን ከረን ታቦር’ውን ይኹን፡ እቲ ቦታ ዘይኰነ፡ እቲ ፍጻመ ስለ ዘገድስ’ዩ፡ እቶም ወንጌላውያን’ውን፡ ስም እቲ ኸረን ንምጥቃስ ፋዕራ ዘይገበሩ። ልብና ዀን ኣበይ ይህሉ ይኸውን፧! ኣብ ደብረ-ታቦር ዶ ኣብቲ ብኽብሪ ዝተገልጸ ጐይታ!!