ጾመ-ፍረታት፡ ሓጐስ
ብምኽንያት እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝጀመረን ኣብዚ ሰሙን እዚ’ውን ዝቕጽልን ዘሎ፡ ጾመ ፍልሰታ፡ ንዓርቢ 18 ነሓሰ 2023 ብፍሉይ ደጊምና እነስተንት፡ ”ሓጐስ” ዝብል ፍረ መንፈስ እዩ።
ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ 20 መጋቢት፡ ”ዓለም-ለኸ መዓልቲ ሓጐስ” ኰይና ክትጽንበል፡ ቅድሚ 10 ዓመታት ወሰነ። ”ሕጉስቲ ሃገር” ንምፍላጥ፡ ኣብ ዝግበር መጽናዕቲ፡ እቶም መጽናዕቲ ዘካይዱ ዝጥቀሙሉ መለክዒታት፡ ጠቕላላ ሃገራዊ እቶት፡ ዝርግሐ ብልሽውና፡ ግብሪ ለውሃት፡ መሰል ምርጫ ህይወት፡ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ጥዕና፡ ኣብ እዋን ጸገም ዝህሉ ማሕበራዊ ደገፍ ወዘተ፡ እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ፊንላንድ ቀዳመይቲ፡ እስራኤል ራብዐይቲ፡ ሽወደን ሻድሸይቲ፡ ምዃነን ክሕበር ከሎ፡ ኤርትራ መበል ክንደይ ምዃና እቲ ናይ ዓመተ 2023 ዝወጸ ጸብጻብ ኣይሕብርን’ዩ። ኢትዮጵያ መበል 124 ተሰሪዓ ብምህላዋ ግና፡ ገለ ድምቕ ዝበለ ስእሊ ክህልወና ይገብር’ዩ።
ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ”መንግስቲ ኣምላኽሲ ብመንፈስ ቅዱስ ጽድቅን ሰላምን ሓጐስን እያ” በለ (ሮሜ14.17)። ኣብኡ፡ ነቲ መብዝሕትና ምንጪ ሓጐስ ኰይኑ ዝስምዓና፡ ብልዕን መስተን ጠቒስዎ ከብቅዕሲ፡ ሓጐስ ግና፡ ብመንፈስ ቅዱስ ደኣ’ምበር፡ ብብልዕን መስተን፡ ሓደው ብሓደ ካልእ ግኡዝ ከቶ ከም ዘይርከብ ኣረድአ።
ነስተንትንን ንጽልን ኢና ዘለና’ሞ፡ ህዝብና ብቐንዱ በዚ ብመንፈስ ቅዱስ ዝርከብ ሓጐስ፡ ብውሑዱ ኸኣ በዚ ብዓለም ዝቐርብ ዘሎ መጽናዕቲ፡ ብሓጐስ ዝልለ ህዝቢ ዶ ይመስለና፧! ሕዙናትና፡ ኣብ ክንዲ ሓመዂስቲ፡ ዘውዲ፥ ኣብ ክንዲ ሓዘን ከኣ ዘይቲ ሓጐስ፥ ኣብ ክንዲ መንፈስ ጓሂ’ውን፡ ክዳን ምስጋና ክለብሱ፡ ቤተ ክርስቲያንና ብዘይቲ ሓጐስ ረስሪሳ ክትርሕስ፡ ብጾምን ጸሎትን ክንጋደል ይግባእ።
ዚንበብ
ዮሃ 16፡ 20-24፡ ካብዚ ብፍሉይ ከነስተብህለሉ ተደልዩ ዘሎ ኽፍሊ፡ ”ሓጐስኩም ምሉእ ምእንቲ ኪኸውን ለምኑ፡ ኽትረኽቡ ድማ ኢኹም” ዝብል’ዩ።
ጸሎት
ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ምልኣት ዘሎዎ ሓጐስ ካባኻ ጥራይ’ዩ ዝርከብ እሞ፡ ኣእዳወይ ምስናይ ልበይ ናባኻ ብምልዓል፡ ኣነን መላእ ኣባላት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንን፡ ተማቐልቲ እዚ ሰማያዊ ሓጐስ ክንከውን ብሂገ እጽሊ’ለኹ። ስለ ዝሰማዕካንን ወትሩ’ውን ስለ እትሰምዓንን ከኣ ደጋጊመ አመስግነካ፡ ሎምን ኩሉ ሳዕን፡ ንዘልኣለመ-ኣለምን፡ ኣሜን!
ለቡ
እግዚኣብሄር እንተፈቐዶ፡ ብህይወት ድማ እንተጸኒሕና፡ ጽባሕ ቀዳም ከኣ፡ ነቶም ”ለውሃትን ሕያውነትን” ዝብሉ ፍረታት መንፈስ፡ ደጊምና ከነስተንትኖም ኢና።