ሓምሻይ ዕዮ ገዛ፡ መጽናዕቲ ናብ ሰብ ኤፌሶን፡ ጐይታና ሰላምና!
ዝቐረበ ሕቶ
ኤፌ 2.14 ”ንሱ ነዞም ክልተስ ሓደ ዝገበረ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ኸልካሊ ቐጽሪ’ውን ዘፍረሰ፡ ሰላምና እዩ” ካብ ዝብል ጥቕሲ ተበጊስኩም፡ ካብ ፍርቂ ገጽ ብዘይ በዝሕ ሓጺር ጽሑፍ፡ ነቲ ”ጐይታና የሱስ ሰላምና እዩ” ዝብል ሓሳብ፡ ግለጽዎ። ”ሰላምና እዩ” ዝብል ሓሳብ፡ ክትነብዎ ከለኹም፡ እንታይ መልእኽቲ የሕልፈልኩም፧ ከመይ ዝበለ ምጽንናዕ ይህበኩም፧ ገለ ተስፋ የስንቐኩም ዶ፧ ብሓባር ተዛቲኹም ንዘስተንተንኩሞ፡ ኣሕጽር ኣቢልኩም (ካብ ፍርቂ ገጽ ዘይበዝሕ) ጽሓፉ።
ጉጅለ 3 ዝጸሓፍዎ
ኣብ ኤፌሶን 2፡14 «ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሰላምና እዩ» ዝብል ከነንብብ ከለና፡ ክንዮ እቲ ትሕዝቶ ናይቲ ጥቕሲ ዝሓልፍ፡ ሓጐስ፥ ምጽንናዕን ተስፋን ዝህብ፡ ዓሚቕ መልእኽቲ ኣሎ።
ክርስቶስ ጐይታ ኩሉን (ግ.ሃ 10፥36)፥ ምንጪ ሓቀኛ ሰላምን (ዮሃ14፥27)፡ ማለት ሰላም ምስ ኣምላኽን ኣብ መንጎ ሰባትን ዝሃበ ምዃኑ ንርዳእ። ብክርስቶስ ምስ ኣምላኽን ምስ ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ሰባትን፥ ዕርቂ ምግባሩ ይገልጽ። ክርስቶስ መስፍን ሰላም ኮይኑ፥ ብመስዋእቱ ንመንደቕ ጽልኢ ኣፍሪሱ፥ ሓድነትን ስኒትን ይፈጥር (ቆሎሴ 1፡20፤ ኢሳይያስ 9፡6, 61፥1)።
ዘመሓላልፎ መልእኽቲ
ንሱ ንናይ ሓጢኣት ዕዳና ዝኸፈለ (ሮሜ 6፥23, ቆሎሴ 2፥14)፥ ምስ ሰይጣን ተዋጊኡ ዘሕፈሮን ዝስዓሮን (እብ 2፥14, 1 የሃ 3፥8, ቆሎ 2፥15)፥ ንዅሉ ምስ ኣምላኽ ዝፈልየና ነገር ስዒሩ፥ "ተፈጸመ" ዝበለ፥ (የሃ 19፥30, 2 ቆረ 5፥18-19, ኤፈ 2፥16) ሰላምና ምዃኑ ይምህረና።
ዝህቦ ምጽንናዕ
ንኣመንቲ ሰላም ካብኦምን ብጻዕሮምን ዝረኽብዎ ነገር ዘይኮነስ፥ ድሮ ብሞትን ትንሳኤን ክርስቶስ ዝተዋህበ ህያብ ምዃኑ(ሮሜ 5፡1)፥ ኣብ ማእከል እዛ ብዝተፈላለዩ ግርጭታት ትናወጽ ዘላ ዓለም፥ ኣብ ውሽጦም ከጋጥም ንዝኽእል ፍርሕን ምርባሽን፡ ክርስቶስ ባዕሉ ሰላሞም ምዃኑ (ዮሃ 14፡27) ብምስትውዓል ኣብ እምነቶም ህድኣትን፥ ዕረፍትን፥ ምጽንናዕን ይህቦም።
ዝህቦ ተስፋ
ክርስቶስ ብኹነታት ዘይልወጥ (እብ 13፥8) ምዃኑ ብምርዳእ፥ ናይ ዘለኣለም፥ ካብኦም ዘይውሰድ፥ ሰላሞም ምዃኑ ምፍላጦም፥ ኣመንቲ ዓቢ ተስፋ ይገብሩ። ብዕርቂ፥ ኩሉ ነገር ኣብ ትሕቲ ጐይትነት ክርስቶስ ስለ ዘሎ፥ ሞት፥ ሓዘን ጻዕሪ ዘይብሉ፥ ዘልኣለማዊ ፍጹም ሰላም፥ ከም ዝረኽቡ (ራእይ ዮሃንስ 21፡4)፥ ዝኾነ ይኹን ኣብ ዓለም ዝግበር፥ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክርስቶስ ምዃኑ ብምርዳእ (ማቴ 28፥18-19, ሮሜ 8፥37-39)፥ ብክርስቶስ'ውን እዚ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎ ኩሉ ጽልእን ምፍልላይን፥ ሓደ መዓልቲ ከም ዝፍታሕ (ኢሳ 2፡4)፥ ብምርዳእ፥ ብተስፋ ቀሲንካ ክትነብርን፥ ንኣምላኽ ብምሉእ ልብኻ ክትኣምኖን ከተፍቅሮን ከተመስግኖን የኽእለካ።
እምብኣር ክርስቶስ ሰላምና ብምዃኑ፥ ብግዚያዊ ኩናትን ናይ ሰላም ስምምዓትን መንግስታት ዓለም ከይተረበሽና፥ ውሑስ ዝኾነ፥ ናይ ዘልኣለም ህይወት፥ ከም ዘሎና ተስፋ ብምግባር፣ ካብቲ ዘይኣምን ሰብ ንላዕሊ ሃዲእና፥ ብስኒትን ጽድቅን ንኣምላኽ ብዘኽብር ህይወትን፥ ብእምነት ክንነብር የኽእለና እዩ።
ጉጀለ 1 ዝጸሓፍዎ
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ ወንጌል ዮሃንስ 14.26 ሰላም እሓድገልኩም፡ ሰላመይ’ውን እህበኩም አሎኹ። እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘሎኹስ፡ ከምቲ ዓለም እትህቦ ኣይኰነን። ልብኹም ኣይሸበርን ኣይሰምብድን» ብምባል ንደቂ መዛሙርቱ ክፋነዎም እንከሎ ንርኢ። ሎሚ ኪንዮ እቲ ኩሉ ክህልዎ ዝኽእል ሰላም ሓሊፍና፡ ክርስቶሳዊ ሰላም፡ ዘየቋርጽ ሰላም፡ ዘልኣለማዊ ሰላም ተዓዲልና ኣሎና።
ሰላም ክርስቶስ፡ ብኣዝዩ ክቡር ዋጋ፣ ህይወቱ በጃ ብምሃብ ነቲ ዝነበረ ከልካሊ ቀጽሪ ድማ ብምፍራስ፡ ነቶም ክልተ ዝነበሩ ሓደ ጌሩ’ዩ ሰላም ሂቡና። ነቲ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ይኹን ኣይሁድ ዝነበረ፡ ናይ ሕቖን ከብድን ፍልልይ፡ ስዒሩ፡ ብሓደ ስጋ፡ ንሱ ባዕሉ ሰላሞም ኰነ።
ኣብ ኤፈሶን ሞዕራፍ 2 ተጠቂሱ ዘሎ ክንሪኦ እንተድኣ ኮይንና፡ ኤፌሶን 2፥12: በቲ ዘመን እቲ ብዘይ ክርስቶስ ከም ዝነብርኩም፡ ካብ ሕብረት እስራኤል ፍሉያት፡ ነታ ኺዳን ተስፋውን ኣጋይሽ፡ ትጽቢት ዜብሎም፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብዘይ ኣምላኽ ከም ዝነበርኩም ዘክሩ። 13: ሕጂ ግና፡ ኣቱም ቀደም ርሑቓት ዝነበርኩም፡ ንስኻትኩም ብክርስቶስ የሱስ ብደም ክርስቶስ ቀረብኩም። 14: ንሱ ነዞም ክልተስ ሓደ ዝገበረ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ኸልካሊ ቐጽሪውን ዘፍረሰ፡ ሰላምና እዩ እሞ፡15: ብርእሱ ዕርቂ እናገበረ፡ ካብዞም ክልተ ሓደ ሓድሽ ሰብ ምእንቲ ኺፈጥር፡ ነቲ ጽልኢ፡ ንሱ ኸኣ ሕጊ ትእዛዝ ብስርዓት፡ ብስጋኡ ስዒሩ፡16: ብመስቀሉውን ነቲ ጽልኢ ብእኡ ቐቲሉ፡ ንኽልቲኦም ብሓደ ስጋ ምስ ኣምላኽ ኣተዓረቖም።17-18: ንኽልቴና ብእኡ ብሓደ መንፈስ ናብ ኣቦ መእተዊ ስለ ዘሎና ኸኣ፡ ንኣኻትኩም ርሑቓት ዝነበርኩም መጺኡ ሰላም ኣበሰረኩም፡ ነቶም ቀረባ ዝነበሩውን ሰላም ኣበሰሮም።
እዚ «ሰላምና’ዩ» ዝብል ቃል፣ ዘሕልፎ መልእኽቲ፡ ብስራት፣ ዕረፍቲ፣ ቅሳነት፣ ሓጎስ፡ ምድሓን ዝኣመሰሉ ዝብሉ ዓበይቲ ተስፋታት ዘስንቐና እዩ። ነቲ ዝነበረ መንነትና ፍጹም ለዊጡ፣ ካብ ዘይ ምህላው ናብ ምህላው፣ ካብ ዘይ ደቂ ተስፋ ናብ ደቂ ተስፋ ፣ ካብ ርሑቓት ናብቶም ብተስፋ ኣዝዮም ዝቐረቡ ኴንና ኣሎና፡ ስለዚ ኸኣ ጐይታና ኢየሱስ ሰላምና ስለ ዝኾነ፡ ትብዓትና’ውን እዩ።
ጉጅለ 2 ዝጸሓፍዎ
ኤፌሶን 2፥14 ንሱ ነዞም ክልተስ ሓደ ዝገበረ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ኸልካሊ ቐጽሪውን ዘፍረሰ፡ ሰላምና እዩ ኣሜን። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንባዕሉ ሰላም ኢዩ፡ ሰላም ንኸበስር ድማ'ዩ ናብዚ ምድሪ’ዚ ዝመጸ። ሰላም ማለት ዕረፍቲ፡ ሓጐስ፡ ቅሳነት … ወዘተ ማለት ኢዩ። ጐይታ፡ ንዓና ክብል፡ ኣብ መስቀል ዘይኮኖ ነገር የለን፡ እቲ ውዕለቱ ብቓላት ዝግለጽ’ውን ኣይኮነን።
ብመንጽር ኣብ ኤፈሶን ሞዕራፍ 2 ተጠቒሱ ዘሎ ክንሪኦ እንተድኣ ኴንና፡-ሰብ ኤፌሶን ”በቲ ዘመን እቲ ብዘይ ክርስቶስ ከም ዝነበርኩም፡ ካብ ሕብረት እስራኤል ፍሉያት፡ ነታ ኺዳን ተስፋ’ውን ኣጋይሽ፡ ትጽቢት ዜብሎም፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብዘይ ኣምላኽ ከም ዝነበርኩም ዘክሩ። ሕጂ ግና፡ ኣቱም ቀደም ርሑቓት ዝነበርኩም፡ ንስኻትኩም ብክርስቶስ የሱስ ብደም ክርስቶስ ቀረብኩም። ንሱ ነዞም ክልተስ ሓደ ዝገበረ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ከልካሊ ቀጽሪ’ውን ዘፍረሰ፡ ሰላምና እዩ እሞ፡ ብርእሱ ዕርቂ እናገበረ፡ ካብዞም ክልተ ሓደ ሓድሽ ሰብ ምእንቲ ኺፈጥር፡ ነቲ ጽልኢ፡ ንሱ ኸኣ ሕጊ ትእዛዝ ብስርዓት፡ ብስጋኡ ስዒሩ፡ ብመስቀሉ’ውን ነቲ ጽልኢ ብእኡ ቐቲሉ፡ ንኽልቲኦም ብሓደ ስጋ ምስ ኣምላኽ ኣተዓረቖም። ንኽልቴና ብእኡ ብሓደ መንፈስ ናብ ኣቦ መእተዊ ስለ ዘሎና ኸኣ፡ ንኣኻትኩም ርሑቓት ዝነበርኩም መጺኡ ሰላም ኣበሰረኩም፡ ነቶም ቀረባ ዝነበሩ’ውን ሰላም ኣበሰሮም።
ካብዚ ኣብ ኤፈሶን ተጠቒሱ ዘሎ፡ ኣይሁድን ኣህዛብን፡ ኣምንቲን ዘይኣመንትን፡ ተስፋ ዘለዎምን ዘይብሎምን፡ ምስ ኣምላኽ ቅርበት ዘለዎምን ኣምላኽ ዘይብሎምን ካብ ኣምላኽ ርሑቓት ዝነበሩን፡ ግዙራትን ዘይግዙራትን፡ ኮታስ ናይ ክልተ ኣብ ክልተ ጫፍ ዝነበሩ ኢዩ ዝዛረብ ዘሎ። ጐይታ ግና ካብዞም ክልተ ሓደ ሓድሽ ሰብ ምእንቲ ክፈጥር ኢሉ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ፡ ነቲ ሰብ ምስ ኣምላኽን ሰብ ምስ ሰብን ዝነበሮ ጽልኢ ብደም መስቀል ስዒሩ፡ ነቲ ከልካሊ ዝኾነና ቀጽሪ’ውን ኣፍሪሱ ንኽልቴና ከም ሓደ ኣካል ሓድሽ ሰብ ጌሩ ምስ ኣምላኽ ዓሪቑና። ምስ ኣምላኽ ከም መላኽን ተመላኽን ዘይኮነስ፡ ከም ኣቦን ውሉድን፡ ተስፋ ዘሎና ናብ ኣቦ ክንቀርብ ትብዓት ዘሎና ዘሎና፡ ኣብታ እትመጽእ ርስቲ’ውን ግደ ዘሎና ክንከውን ኣብቂዑና። ካብዚ ዝዓቢ ሰላም የለን፡ እዚ ሰላም'ዚ ከኣ ንዓና እንኣምን ዘበልና ዕረፍቲ፡ ሰላም፡ ዓቢ ምጽንናዕ፡ ሓጐስ፡ ዕጋበት ክስምዓና ጌሩ ኢዩ፡ ክብሪ ኩሉ ንስሙ ይኹን።
ጐይታና ኣብ ወንጌል ዮሃንስ ዮሃ 14፥26 እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሱ ዅሉ ኺምህረኩም፡ ዝነገርኩኹም ዘበለ’ውን ኬዘክረኩም እዩ። ሰላም እሐድገልኩም፡ ሰላመይውን እህበኩም አሎኹ። እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘሎኹስ፡ ከምቲ ዓለም እትህቦ ኣይኰነን። ልብኹም ኣይሸበርን ኣይሰምብድን።
እቲ ጐይታና ዝህቦ ሰላም፡ ከምቲ ዓለም እትህቦ ሰላም ዘይኮነስ፡ ብግዜ ዘይቅየር ብኩነታት’ውን ዘይናወጽ ሰላም ኢዩ። ኣብ ትንቢተ ኢሳይያስ’ውን፡ ጐይታና ኢየሱስ «መስፍን ሰላም” ምኻኑ፡ ሰላሙ ድማ ዘልኣለማዊ ምኻኑ ይነግረና። ”ሕጻን ተወሊዱልና፡ ወዲ ተውሂብና እዩ እሞ፡ እቲ ግዝኣት ከኣ ኣብ መንኲቡ እዩ፡ ስሙውን ግሩም መካር፡ ብርቱዕ ኣምላኽ፡ ኣቦ ዘለኣለም፡ መስፍን ሰላም ኪስመ እዩ። ብፍርድን ብጽድቅን ካብ ሕጂ ኽሳዕ ዘለኣለም ምእንቲ ኼጽንዓን ኬቚማንሲ፡ ኣብ ዝፋን ዳዊትን ኣብ መንግስቱን ዕቤት ግዝኣቱን ሰላሙን መወዳእታ የብሉን። ቅንኣት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ነዚ ኺገብር እዩ (ኢሳ 9፥6)።
መጠቓለሊ፦
ጐይታ መጺኡ ንኣይሁድን ንኣህዛብን ሰላም ኣበሲሩና፡ ናብ ኣቦ መእተዊ ትብዓት እምንቶ ሂቡና፡ ንኽልቴና’ውን፡ ከም ሓደ ሓድሽ ኣካሉ ጌሩ ኣቒሙና።
ጉጅለ 4 ዝጸሓፍዎ
ሰላም ኣምላኽ ማለት፡ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ካብ ምድራዊ ኵነታት ሓለፍ ዚብል ስኒትን ህድኣትን ስጋን ነፍስን መንፈስን ኢዩ። “ጐይታና ኢየሱስ ሰላምና እዩ” ማለት ንሱ ምስ ኣምላኽን ንሓድሕድናን ዘተዓረቐና፡ ንሓጢኣት፡ ንምፍልላይ፡ ንጽልኢ ኣልዩ ስምምዕን ሓድነትን ከም ዘምጽአ ዚገልጽ ሓሳብ ኢዩ። ጐይታና ኢየሱስ ልዕሊ ዅሉ ስልጣንን፡ ሓይልን፡ ኵነታትን፡ ኣብ ዓለም ዘሎ ነገራትን ብምዃኑ ማንም ዘይወስዶን፡ ከም ናይ ዓለም ዘይኰነን ሰላም (ዮሃ 14 ) ይህበና ጥራይ ዘይኰነስ ባዕሉ ሰላምና ብምዃኑ እቲ ኻብኡ እንቕበሎ ኩሉ ይሰማምዓና፡ የዕርፈናን'ዩ ኢዩ።
ካብዚ ሓሳብ እንቕበሎ መልእኽቲ፡ ዕርቂ ምስ ኣምላኽን ንሓድሕድናን፡ ውሽጣዊ ዕረፍትን ሰላምን፡ ጒድለት ኣልቦነትን ተስፋን፡ ውሑስ መጻእን፡ ሓይልን ምጽንናዕን ኢዩ። ጐይታና የሱስ ቅድሚ ምውላዱ ‘መስፍን ሰላም” ዝተባህለ (ኢሳ 9፡6) ምስ ተወልደ ንምድሪ ሰላም ዘምጽአ፡ (ሉቃ 1፡13-14)፡ ብሞቱ’ውን ንጽልኢ ቀቲሉ ሰላም ዚገበረ (ኤፌ 2፡14-16)፡ ንመጻኢውን ብዘይ ዝረግ ሰላም ዚገዝእ (ራእ 21፡3-4) ሰላምና ኢዩ። ንሱ ነቶም ሕጉ ዜፍቅሩን ኣብኡ ዚምሕጸኑን ብብዙሕ ሰላም ዚሕልዎም (ኢሳ 26፡3, መዝ 119፡165) ኢዩ።
ጐይታና ኢየሱስ፡ ህይወትና፡ መገድና፡ ፈውስና፡ ምንጪ ሓጐስና፡ በረኸትናን ብርሃንናን፡ ኮታ ዅሉ ባህርያቱ፡ ሰላም ዚህብ ጐይታ ኢዩ።