ሻድሻይ ዕዮ ገዛ፡ መጽናዕቲ ናብ ሰብ ኤፌሶን
ጉጅለ 1 ዝጸሓፍዎ
“ክርስቶስን ቤተ ክርስትያንን” ዝብል ኣርእስቲ መሪጽና። ካብቲ ዝተዋህበ ዝተፈላለየ መግለጺታት ድማ፦
መሰረት ቤተ ክርስትያን፡ ክርስቶስ ምዃኑ፡ ኣስሚርናሉ፣ “እምብኣርሲ ንስኻትኩም ኣብቲ የሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝዀነ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን እተነደቕኩም፡ ደጊም ደቂ ዓዶም ንቕዱሳንን ስድራ ቤቱ ንኣምላኽን ኢኹም እምበር፡ ኣጋይስን መጻእተኛታትን ኣይኰንኩምን” ካብ ዝብል ጥቕሲ ድማ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን ዚተሃንጸት፡ ብኣመንቲ ዚተነድቀት፡ ክርስቶስ ድማ እምኒ መኣዝና ዚዀነት ህንጻ ምዃና ኣስተብሂልና (ኤፌሶን 19-20)።
ክርስቶስ መሰረት ዕብየት ምዃኑ ድማ፡ ካብቶም ጽሑፋት ኣስተብሂልና፣ “ኣብኡ ብዘሎ እቲ ህንጻ ብጐይታ ቅድስቲ ቤተ መቕደስ ምእንቲ ኪኸውን፡ እናተኣሳሰረ ይዓቢ እዩ። ንስኻትኩም’ውን ኣብኡ ማሕደር ኣምላኽ ብመንፈስ ክትኰኑ ሐቢርኩም ትህነጹ አሎኹም” ብምባሉ፡ ቤተ ክርስቲያን፡ ብጐይታ እትዓቢ ቅድስቲ ቤተ መቕደስ፡ ኣመንቲ መንፈሳዊ ህንጻ (ማሕደር መንፈስ ቅዱስ) ኰይኖም ብጐይታ ከም ዝህነጹ። ብዛላ እታ ህንጻ ድማ ቅድስቲ ቤት መቕደስ ንኽትከውን እቲ ምዕባይ ካብ ክርስቶስ ከም እትረኽቦ ኣስተብሂልና።
ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 4፣11 “እቲ ንስኻትኩም ነደቕቲ ዝነዐቕኩምዎ እሞ ርእሲ መኣዝን ዝዀነ እምኒ፡ ንሱ እዩ” ከም ዝብሎ፡ እቲ ንጉስ ሰሎሞን ዝሃነጾ ቤተ መቕደስ ድማ፡ ሃነጽቲ ዝነጸግዎ ሓደ ዓቢ እምኒ፡ ከም ዝነበረ፡ ብትውፊት ከም ዝንገር እሞ፡ እቲ እምኒ እቲ ግና፡ እምኒ ኹርናዕ እቲ ቤተ መቕደስ ክኸውን ከም ዝተመርጸ፡ ነቢብና።
ጉጅለ 2 ዝጸሓፍዎ
ኣብ ጉጅለና ”ኣብ ሰማይ ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን፡ ኣብ ክርስቶስ ምእንቲ ኺጥቕለልሲ፡ ሱታፌ ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ከመይ ከም ዝነበረ ግለጹ፡” ንዝብል፡ እቲ ብጉጅለና ይኹን ብኻልኦት ጉጅለታት ዝቐረበ መልሲ፡ ተዘራሪብናሉ። ተመሳሳሊ መልእኽቲ ዘሕልፍ ኮይኑ ኸኣ ረኺብናዮ። ጉጅለ 3፡ ነተን “ብእኡ” ዝብላ ጥቕስታት፡ ዘርዚሮም ብምቕራቦም፡ ዝያዳ ፍሉይነት ዝርኣናሎም ነበሩ።
1ይ) “ኣብ ክርስቶስ ምእንቲ ኺጥቕለል” ንዝብል፡ መዓስን ብኸመይን እንታይን ምዃኑ ተዘራሪብናሉ። ፍጥረት ንዝተፈጥረሉ ዕላማ ክውዕል ኣምላኽ ኣቐዲሙ ምስጢር ፍቓዱ እናፍለጠና፡ ማለት ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ኩሉ ፍጡር ንክርስቶስ ምእንቲ ክግዛእ፡ ንሕና’ውን ተኻፈልቲ ናይዚ በረኸት ክንከውን፡ ብመንፈስ ቅዱስ ከም ዝተሓተምና ኸኣ ተዘራሪብናሉ።
2ይ)ኣብ ምስጢረ ስላሴ ዘለና ኣስተምህሮ ቅኑዕ ክንሱስ፡ ኣብቲ እንገብሮን እነቕርቦን መንፈሳዊ ንጥፈታት ኮነ መዛሙር ወይ ስብከታት ግና፡ ብዛዕባ ስላሴ፡ ዘይሚዛናዊ ኮይኑ ከም ዝርከብ ገምጊምና። ኣብ ኤፈሶን 1፥3-14 ዘሎ፡ ሥላሴ ብማዕረ ኽብርን ውዳሴን ክወስዱ ከም ዝግባእ ክንርዳእ ንኽእል ኢና።
ኣቦ ንውዳሴ ኽብሩ መደበና
“በቲ ፍቁር ብእኡ ዝጸገወና፡ ንውዳሴ ኽብሪ ጸጋኡ ብፍታው ፍቓዱ ብየሱስ ክርስቶስ ንርእሱ ውሉድ ክንኰኖ ቐደም መደበና” (ኤፌሶን 1፥5-6)
ወልድ ንውዳሴ ኽብሩ ክንከውን ኣድሓነና
"ንሕና ቐደም ብክርስቶስ ተስፋ ዝገበርና ንውዳሴ ክብሩ ምእንቲ ኽንከውን፡ ንሕና በቲ ዅሉ ኸምቲ ምኽሪ ፍቓዱ ብሓሳቡ ዚገብር ቀደም እተመደብና፡ ነቲ ዕድል ርስቲ ብእኡ ረኸብናዮ” (ኤፌሶን 1፥11-12)
መንፈስ ቅዱስ ንውዳሴ ክብሩ ዕርቡን ርስትና ኰነ
“ንሱ ንምድሓን ጥሪቱ፡ ንውዳሴ ኽብሩ፡ ዕርቡን ርስትና እዩ” (ኤፌሶን 1፥14)
እምበኣርከስ፡ ኣቦ፡ ወልድን መንፈስ ቅዱስን፡ ብማዕርነት ውዳሴን ኽብርን ክወስዱ ከም ዝግባእ፡ ክንዝንግዕ ኣይግባእን።
ጉጅለ 3 ዝጸሓፍዎ
”ክርስቶስን ቤተክርስቲያንን” ኣብ ዝብል ንዝተዋህበ መልሲ ነቢብና፡ ብምዝታይ፥ ነዚ ዝስዕብ ሓሳብ ተረዲእና፡ ኣለና።
ኩለን ጉጅለታት ቤተ ክርስቲያን ከም ህንጻ፡ ክርስቶስ ድማ ከም እምነ መኣዝን ወይ መሰረት ምዃኑ ገሊጸናኦ።
ካልኣይ ጉጅለ፡ ክርስቶስ መሰረት ምዃኑ ጠቒሶም፡ ኣመንቲ ብሓድነት ከም ህያዋን ኣእማን፥ ብብዙሕ ጸጋ ኣምላኽ ህንጻ ኮይኖም፥ ንኣምላኽ ከም ዘኽብሩ ጽሒፎም።
ጉጅለ ሰለስተ፡ ኣብ ጥንታዊ ስነ ህንጻን ንቤተ መቕደስ ሰሎሞን ኣብነት ብምሃብ፥ ንኣገዳስነት እምነ መኣዝን ጠቒሶም፣ ክርስቶስ ከም ርእሰ መኣዝን፥ ብመስዋእቱን ደሙን፥ ምርግጋእን ሰላምን ከም ዝህብ ኣረዲኦም። ኩሉ እምነት፥ ጥርናፈ ናይ ኣመንቲ ኣብኡ ብምጽናዕን ንምህሮኡ ብምእዛዝን፥ ኣካል እቲ ህንጻ ኮይኑ ይንደቕ።
ጉጅለ ኣርባዕተ፡ ክርስቶስ ከም መሰረት፥ ሓድነትን ዕብየትን ዕርቂን ይህብ ኢሎም፥ ተወሳኺ ሓሳብ ብምሃብ፡ ቤተ ክርስቲያን ብመሰረት ነብያትን ሃዋርያትን፥ ተሰሪታ፥ ብነፍስ ወከፍ ኣማኒ ዝቖመት፡ ሰላማ፥ ኣቃውማኣ፥ ቀጻልነታ ብክርስቶስ ከም ዝረጋግጽ ኣብሪሆም። ብሓፈሻ፡ ክርስቶስ ከም እምነ መኣዝን ወይ መሰረት፥ ንክርስቲያን ኣብ እምነቶም፥ ድልዳሌን ውሕስነትን ጽንዓትን ዝህብ ምዃኑ፥ ኣመንቲ ድማ ኣብኡ ቈይሞም፥ ነፍስ ወከፎም፥ ክቡራትን ህያዋን ኣእማንን ኮይኖም፥ ከም ብርሃንን ጨውን ዓለም፥ ንኽብሪ ኣምላኽ ዘንጸባሩ መንፈሳዊ ህንጻ፥ ማሕደር ኣምላኽ፥ ብምባል ንጹር ሓሳብ ምቕራቦም ተማሂርና።
ጉጅለ 4 ዝጸሓፍዎ
ኣብ ጒጅለና፡ ነቲ ”ክርስቶስ ሰላምና” ዝብል ኢና መሪጽና። ኣብዚ ኣርእስቲ’ዚ፡ ነቲ ብኣርባዕቲአን ጒጅለታት ዚተዋህበ መልስታት ድሕሪ ምንባብ ከኣ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጒጅለ ኣብ ዚተባህሉ፡ ኣብ ካልኦት ጒጅለታት ዘይተደግሙ ፍሉያት ሓሳባት ኣተኵርና ተዛቲና። በዚ መሰረት፡-
ሰላም ኣምላኽ ማለት፡ ብመሰረት ቃል ኣምላኽ፡ ካብ ምድራዊ ኵነታት ሓለፍ ዚብል (ፊሊጵ 4፡7) ስኒትን ህድኣትን ስጋን ነፍስን መንፈስን ኢዩ። እቲ ጐይታና ዝህቦ ሰላም፡ ብጊዜ ዘይቅየር ብዅነታት’ውን ዘይናወጽ፡ ማለት ከምቲ ዓለም እትህቦ ሰላም ዘይኰነ፡ ሰላም ኢዩ። ሰባት ብሰንኪ ሓጢኣቶም ምስ ገዛእ ርእሶምን ምስ ኣምላኽን፡ ሰላም ይስእኑ (ኢሳ 57፡21, 59፡2-8) ብሰንኪ እቲ ንኣይሁድ ዚተዋህበ ሕጊ ትእዛዝ ድማ ኣብ መንጐ ኣይሁድን ኣህዛብን ፍልልይ ነበረ (ሰላም ኣይነበረን)።
“ጐይታና ኢየሱስ ሰላምና ኢዩ” ማለት፡ ንሱ ነቲ ምስ ገዛእ ርእስናን ምስ ኣምላኽን ፈልዩና ዚነበረ ሓጢኣትናን፡ ስራሕ ድያብሎስን ብምፍራስ (1ዮሃ 3:5, 3፡8)፡ ከምኡ’ውን ነቲ ካብ ሓድሕድና ፈላልዩና ዚነበረ ሕጊ ትእዛዝ ብምስዓር፡ ምስ ገዛእ ርእስና፡ ምስ ኣምላኽን ንሓድሕድናን ዘተዓረቐና ምዃኑ ዘረድእ ሓሳብ ኢዩ። ሰላም ብዘይ ዋጋ ኣይርከብን ኢዩ። እቲ ዚኽፈል ዋጋ፡ ካብ ባርነት ሕማቕ ሕሉፍካ ናጻ ንምዃን፡ ንጸላኢኻ ንምስዓርን መጻኢኻ ንምውሓስን ኢዩ። እቲ እዚ ዅሉ ኪዀነልና፡ ዚተኸፍለ ዋጋ ሰላምና ድማ ኣዝዩ ኽቡር ማለት “ህይወት ክርስቶስ” ኢዩ።
ከምቲ ዝበለጸ ፍታሕ ናይ ዚዀነ ጸገም ንጠንቂ ናይቲ ጸገም ምእላይ ዚዀነ፡ ከምኡ እዚ ጐይታ ኢየሱስ ዚኸፈሎ ዋጋ፡ ነቲ ንኣይሁድን ኣህዛብን ከም ከብድን ሕቘን ፈላልይዎም ወይ ኣብ ክልተ ጫፋት ጌርዎም ዚነበረ ከልካሊ ቐጽሪ ብምፍራስ፡ ነቶም ኣብ ርሑቕ ጥራይ ዘይኰነ ኣብ ቀረባ ኰይኖም’ውን ሰላም ዘይነበሮም፡ ሰላም ብምብሳር፡ (ኤፌ 2:18)፡ ካብቶም ክልተ ዝነበርና፡ ሓደ ሓድሽ ሰብ ብምፍጣር ክሳዕ ሓደ እንኸውን ገበረና (ኤፌሶን 2:14-15)። በዚ ድማ “ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሰላምና ኢዩ”።
ብተወሳኺ ትጽቢት ዘይብልናን ብዘይ ኣምላኽ እንነብርን ብምንባርና (ኤፌ 2፡12) ሰላም ኣይነበረናን። እቲ ክርስቶስ ዚከፈሎ ዋጋ ግና፡ ናብ ኣቦ መእተዊ ከም እንረክብን፡ ተስፋና ርግጽ ከም ዚኸውንን ብምግባሩ፡ “ንሱ ሰላምና ኢዩ”።
ብኻልእ መዳይ ድማ፡ እቲ ናይ ክርስቶስ ሰላምና ምዃን፡ ትብዓትና’ውን ኢዩ። ከመይ፡ ነቲ ዝነበረ መንነትና ፍጹም ለዊጡ፣ ካብ ዘይ ምህላው ናብ ምህላው መጺእና፣ ካብ ዘይደቂ ተስፋ ምዃን፡ ናብ ደቂ ተስፋ ምዃን ተሳጊርና፣ ርሑቓት ካብ ምዃን፡ ናብ ብተስፋ ኣዝዮም ዝቐረቡ ኴንና ኣሎና፡ ስለዚ እቲ ነዚ ዘይከኣል ኪገብር ዚኽእል ጐይታና ኢየሱስ ሰላምና ስለ ዝኾነ፡ ትብዓትናውን ኢዩ። (ፊል 3፥20) እዚ ድማ ንዓና ዓቢ ዕረፍቲ፡ ምጽንናዕ፡ ሓጐስን ዚህብ ኢዩ።