ሻብዓይ ዕዮ ገዛ፡ መጽናዕቲ ናብ ሰብ ኤፌሶን
ዝቐረበ ሕቶ
እቲ ንዘመናት ተሰዊሩ ዝነበረ ምስጢር እንታይ እዩ፧
ኤፌ 5፡32 ”እዚ ምስጢር እዚ ዓብዪ እዩ፡ ኣነ ግና ብናይ ክርስቶስን ማሕበሩን እብሎ አሎኹ” ዝተባህለሉ ምስጢር፡ ኣብ ኤፌ 1.8 ምስጢር ፍቓዱ፣ ኣብ ኤፌ 3.4 ምስጢር ክርስቶስ፣ ኣብ ኤፌ 3.9 ምስጢር መጋቢነት፣ ኣብ ኤፌ 6.19 ምስጢር ወንጌል፣ ብዝብል ተገሊጹ’ሎ። በዚ መሰረት፦
ሀ. እቲ ”ምስጢር” ተባሂሉ ዘሎ እንታይ እዩ፧
ለ. ግደ (ተራ) ክርስቶስ ኣብዚ ምስጢር ተባሂሉ ዘሎ እንታይ እዩ፧
ሐ. ግደ (ተራ) ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ምስጢር ተባሂሉ ዘሎ እንታይ እዩ፧
ጒጅለ 4 ዝጸሓፍዎ
እቲ ምስጢር ተባሂሉ ዘሎ
ምስጢር ዚብል ቃል ኣብ መልእኽቲ ናብ ሰብ ኤፌሶን ጥራይ፡ 6 ጊዜ ተጠቒሱ ይርከብ። እቲ ቓል ካብ ናይ ግሪኽ “mysterion” ዚብል ዚመጸ ኰይኑ፡ “ ነቲ ብክርስቶስ ዚተገልጸ ስዉር መለኮታዊ ናይ ምድሓን መደብ ኣምላኽ” ዘመልክት ኢዩ። እቲ ቀንዲ ትሕዝቶ ናይቲ ምስጢር “ሕብረት ህዝብን ኣህዛብን ኣብ ኣካል ክርስቶስ፡ ማለት ቤተ ክርስትያን” ኢያ። ነዚ ምስጢር እዚ እቶም ቀዳሞት ወለዶ ብምልኣት ይርድእዎ ኣይነበሩን፡ (ንዕኦም ኣይተገልጸን ነበረ) ሕጂ ግና ኣምላኽ ብቕዱስ መንፈሱ ኣቢሉ ንሃዋርያቱን ንነብያቱን ገሊጹሎም ኣሎ።
እዞም ዚስዕቡ ጥቕስታት፡ ነዚ ምስጢር ብኸምዚ ይገልጽዎ፡-
ሀ. ኤፌ 1:8-9: ”ነቲ ምስጢር ፍቓዱ እናኣፍለጠና፡ ነቲ ናይ ምልኣት ዘመናት መጋቢነቱ፡ ኣብ ሰማይ ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን፡ ኣብ ክርስቶስ ምእንቲ ኺጥቕለልሲ፡ ብዅሉ ጥበብን ብዅሉ ኣእምሮን ነዚ ጸጋኡ ኣባና ኣውሐዞ።” ኣብዚ፡ እቲ ”ምስጢር ፍቓዱ” ተባሂሉ ዘሎ፡ እቲ ብክርስቶስ ዚፍጸም ምጥቕላል፡ ኵሉ እቲ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ ዘመልክት ኢዩ።
ለ. ኤፌ 3:4: ”ምስ ኣንበብኩምዎ፡ ነቲ ኣብ ምስጢር ክርስቶስ ዘሎኒ ፍልጠት ከተስተውዕልዎ ይዀነልኩም እዩ።” ኣብዚ፡ ነቲ ምስጢር ክርስቶስ ትሕት ኢሉ ኣብ ፍቕዲ 6 ገሊጽዎ ኣሎ፥ ንሱ ኸኣ “ኣህዛብሲ መዋርስቲ፡ ሓደ ስጋ፡ ብወንጌልውን ኣብ የሱስ ክርስቶስ መማቕልቲ ተስፋ ኸም ዝዀኑ” ኢዩ።
ተራ (ግደ) ክርስቶስ ኣብቲ ምስጢር
ክርስቶስ ማእከል ምግላጽ ናይቲ ምስጢር ኢዩ። ምስጢር ኣምላኽ ምልኣት ዚረኸበ፡ በቲ ነቲ ኣብ ሰማይን ምድርን ዘሎ ዚጥቕልል (ኤፌ 1፡10) በቲ ብሞቱን ብትንሳኤኡን ንኣይሁድን ንኣህዛብን ምስ ኣምላኽ ብምትዕራቕ ሓደ ስጋ ብዚገበሮም፡ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኢዩ። (ኤፌ 2፡14-16) እምበኣርከስ፡ ክርስቶስ “ማእከላይ ናይዚ ዕርቂ” ምዃንን መደብ ኣምላኽ ምምላእን ኢዩ።
ተራ (ግደ) ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ ምስጢር
ቤተ ክርስትያን ከም ኣካል ክርስቶስ፡ ነዚ ምስጢር ኣብ ምግላጽ ዓቢ ተራ ትጻወት። ቤተ ክርስትያን፡ ኣምላኽ ነታ ብዙሕ ዝዓይነታ ጥበቡ፡ ብኣኣ ኣቢሉ ንዓለምን ነቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ ሽመታትን ስልጣናትን ዘፍልጠሉ (ኤፌ3:10) መገዲ ኢያ። ብቤተክርስትያን ኣቢሉ እቲ ንኹሉ ሰብ ብክርስቶስ ናይ ምጥቕላል መደብ ኣምላኽ ይገሃድን፡ ነቲ ምስጢር ድሕነት ድማ ምስክር ትኸውንን። ብተወሳኺ ቤተ ክርስትያን ነቶም ነቲ ምስጢር ንኻልኦት ኣብ ምፍላጥ ወፊሮም ንዘለዉ ትጽልን፡ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ዓይነት መከራ ድማ ጸኒዓ ትምስክርን።
ኣብ መወዳእታ እቲ ኣብ መልእኽቲ ናብ ሰብ ኤፌሶን ብተደጋጋሚ ዚርከብ “ምስጢር” ዚብል ቃል ነቲ ካብ ዘለኣለም ተሰዊሩ ዚነበረ ንህዝብን ኣህዛብን ብክርስቶስ ሓደ ናይ ምግባር መደብ ኣምላኽ ዚውክል ኢዩ። ክርስቶስ ማእከል ናይዚ ምስጢር፡ ቤተክርስትያን ድማ እቲ ብክርስቶስ ዚተረኽበ ሓድነትን ምስጢር ኣምላኽን ዚገሃደላ መገዲ ኢያ።
ጉጅለ 3 ዝጸሓፍዎ
ኣብ ኤፌሶን ተጠቒሱ ዘሎ ምስጢር ኣብ መንጎ ክርስቶስን ቤተ ክርስቲያንን ዘሎ ዓሚቝ ርክብ ዘርኢ፡ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ዕላማን መደብን ምድሓን ደቂ ሰባት ዘንጸባርቕ እዩ። ንሓድነት ኣመንቲ ኣብ ክርስቶስን ብቤተ ክርስቲያን ኣቢሎም ኣብ ስድራቤት ኣምላኽ ምሕዋሶምን ድማ የጉልሕ።
እቲ ምስጢር ተባሂሉ ዘሎ
እቲ ኣብ ኤፌሶን 5፡32 ዝተጠቕሰ "ምስጢር" እቲ ኣብ መንጎ ክርስቶስን ቤተ ክርስቲያንን ዘሎ ሓድነት ዝገልጽ ዓሚቝን ኣቐዲሙ ሕቡእ ዝነበረን እዩ። እዚ ምስጢር እዚ ነቲ እግዚኣብሔር ንኹሉ ኣብ ትሕቲ ክርስቶስ ንምጥርናፍ ዝሓንጸጾ መደብ ዘጠቓልል እዩ (ኤፌሶን 1:8-10)። ንኣይሁድን ኣህዛብን ሓደ ኣካል ዝገበረ፣ እዚ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ወለዶታት ምሉእ ብምሉእ ዘይተገልጸ ሕጂ ግን ኣብ ሓድሽ ኪዳን ተገሊጹ።
እዚ ምስጢር እዚ ንሕብረት ክርስቶስን ቤተ ክርስቲያንን የርኢ። ኣብ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ርክብ ዝመሳሰል እዩ። ከምቲ ሰብኣይን ሰበይትን "ሓደ ስጋ" ዝኾኑ (ኤፌሶን 5፡31) ክርስቶስን ቤተ ክርስቲያንን ብመንፈሳዊ ሓድነት ይጥርነፉ። ክርስቶስ ንቤተ ክርስቲያን የፍቅራን በጃኣ ርእሱ ሃበ (ኤፌሶን 5፡25) እዚ ድማ ዕምቆት ናይዚ ዝምድና ዘመልክት እዩ።
ምሕዋስ ኣህዛብ ኣብ መደብ ምብጃው ኣምላኽ፦ እዚ ምስጢር (ኣብ ኤፌሶን 3፡4–6) ኣህዛብ ምስ እስራኤል ሓቢሮም ወረስቲ፣ ኣባላት ሓደ ኣካልን ብሓባር ኣብቲ ተስፋ ብክርስቶስ የሱስ ከም ዝካፈሉን ይገልጽ። ምድሓን ንኣይሁድ ጥራይ ዘይምኻኑ ንኹሎም ደቂ ሰባት ዝተሓብአ ምስጢር እዩ ነይሩ ሕጂ ግን ብወንጌል ይፍለጥ።
ተራ (ግደ) ክርስቶስ ኣብቲ ምስጢር
ኣብዚ ምስጢር እዚ ግደ ክርስቶስ ማእከላይን ብዙሕ ሸነኻት ዘለዎን እዩ።
1. ክርስቶስ ከም ርእሲ ቤተ ክርስቲያን፦ ኣብ ኤፌሶን 1፡22–23 ክርስቶስ ከም ርእሲ ቤተ ክርስቲያን ተገሊጹ ኣሎ፡ "እዚ ስጋኡ እዩ፡ ምልኣት ናይቲ ብኹሉ መዳይ ዝመልእ እዩ።" ክርስቶስ ከም ርእሲ ንቤተ ክርስቲያን የመሓድርን ይመርሓን የጽንዓን፣ ሓድነታን ዕብየታን የረጋግጽ።
2. ክርስቶስ ከም መርዓዊ፡ (ኤፌሶን 5፡25-27) ንክርስቶስ ከም መርዓዊ ምግላጹ፡ ንሱ "ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራ፡ ብቓሉ ገይሩ ብምሕጻብ ማይ ምስ ኣጽረያ ምእንቲ ኪቕድሳ፡ ርስሓት ወይስ ዕጣር ወይስ ገለ ነዚ ዚመስል ዜብላ፡ ብዘይ መንቅብ ቅድስትን ክብርትን ማሕበር ገይሩ ንእኡ ምእንቲ ኬቕውማ ኢሉ፡ ርእሱ በጃኣ ሃበ።"። ናይ ክርስቶስ መስዋእታዊ ፍቕሪ መሰረት ናይቲ ቤተ ክርስቲያን ምስኡ ዘለዋ ርክብ እዩ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ ሓዳር ዝረአ ናይ ኪዳን ፍቕሪ ሞዴል እዩ።
3. ክርስቶስ ከም መድሓንን ተበጃውን፡ ኣብ ኤፌሶን 1፡7 "ብእኡ ብደሙ ምድሓን፡ ማለት፡ ከምቲ ሃብቲ ጻጋኡ ሕድገት ሓጢኣት አሎና።" ይብል። ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዝፈጸሞ መስዋእታዊ ሞት ንደቂ ሰባት ተበጅዎምን ንቤተ ክርስቲያን መስረታን፣ ንዕርቂ ኩሎም ኣመንቲ ምስ እግዚኣብሔርን ኣብ ነንሕድሕዶምን ክውን ይገብር።
4. ክርስቶስ ከም ገላጺ ምስጢር፡ ቆሎሴ 1፡26-27 ብዛዕባ ክርስቶስ ነቲ ምስጢር ንምርዳእ መፍትሕ ምዃኑ ይገልጽ፡ "ቆሎሴ 1:26፤ ማለት፥ እቲ ኻብ ዘለኣለምን ካብ ውሉድ ወለዶን ተሰዊሩ ዝነበረ ሎሚ ግና ንቕዱሳኑ እተገልጸ ምስጢር፡ 1:27፤ ሃብቲ ኽብሩ ነዚ ምስጢር እዚ ኣብ ኣህዛብ እንታይ ምዃኑ ኼፍልጦም ንዝደለዮም፡ ንሱውን ክርስቶስ ኣባኻትኩም፡ ተስፋ ኽብሪ እዩ።" ክርስቶስ ናይ እግዚኣብሔር መደብ ድሕነት ይገልጽን ንኹሎም ኣመንቲ ኣብኡ ይጥርንፎምን።
ተራ (ግደ) ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ ምስጢር
ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ምስጢር እዚ ተቐባሊትን መሳርሒትን መደብ እግዚኣብሔር እያ።
1. ቤተ ክርስቲያን ከም ኣካል ክርስቶስ፦ ከምቲ ኣብ ኤፌሶን 1፡22–23 ከምኡውን 1ቆሮ 12፡27 ዝብሎ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣካል ክርስቶስ እያ፡ ኩሉ ኣማኒ ድማ ኣባል ናይቲ ኣካል እዩ። ቤተ ክርስቲያን ከም መቐጸልታ ህላወ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኮይና ትሰርሕ፣ ተልእኾኡ ብኣዋጅ ወንጌልን ናብ ክርስቶስ ብዘጠምት ተግባራት ኣገልግሎትን ፍቕርን ትቕጽል።
2. ቤተ ክርስቲያን ከም መርዓት ክርስቶስ፦ ኣብ ኤፌሶን 5፡25-32 ቤተ ክርስቲያን ከምታ ክርስቶስ ንርእሱ በጃ ዝሃበላ መርዓት ተገሊጻ ኣላ። ቤተ ክርስቲያን እምበኣር ልክዕ ከምቲ መርዓት ምስ ሰብኣያ ዝገብሮ ምስ ክርስቶስ ፍቕራውን ኪዳናዊ ዝምድናን ኣለዋ። ቤተ ክርስቲያን ንመሪሕነት ክርስቶስ ክትግዛእን ቅድስናኡ ከተንጸባርቕን ተጸዊዓ ኣላ (ኤፌሶን 5፡24, 27)።
3. ቤተ ክርስቲያን ከም ምግላጽ ጥበብ ኣምላኽ፦ ኣብ ኤፌሶን 3፡9-10 ብቤተ ክርስቲያን ኣቢሉ "ኣምላኽ እታ ብዙሕ ዝዓይነታ ጥበቡ ሕጂ በታ ማሕበር ገይሩ ነቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ ሽመታትን ስልጣናትን ምእንቲ ኼፍልጦም፡" ይብል። ሓድነትን ብዙሕነትን ቤተ ክርስቲያን ንመንፈሳውን ስጋውን ዓውዲ ጥበብን ሓይልን ኣምላኽ ይገልጽ። ቤተ ክርስቲያን ህያው ምስክርነት ናይቲ እግዚኣብሔር ንኹሉ ነገር ብክርስቶስ ክዕረቕን ክጥርንፎን ዘለዎ መደብ እዩ።
4. ቤተ ክርስቲያን ከም ወኪል ዕርቂ፡ ኣብ 2ቆሮ 5፡18-21 (ኣምላኽ ንዓለም ምስ ርእሱ ኺዓርቃ ኸሎ፡ ኣብ ክርስቶስ ነበረ እሞ፡ በደሎም ኣይሐዘሎምን፡ ኣባና ኸኣ ቃል ዕርቂ ኣንበረ። ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ፡ እናበልና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኴንና ንልምነኩም ኣሎና ብምባል) ብዛዕባ ግደ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣገልግሎት ዕርቂ ይዛረብ። ልክዕ ከምቲ ክርስቶስ ንደቂ ሰባት ምስ እግዚኣብሔር ዝዓረቆም ቤተ ክርስቲያን ኣምባሳደር ናይቲ ዕርቂ ክትከውን ተጸዊዓ ኣላ፣ ኣብ መንጎ ሰባት ዝነበረ ናይ ምፍልላይን ጽልእን ዕንቅፋታት ኣፍሪሳ ናብ ሕብረት ኣምላኽ ክትስሕቦም።
ስለዚ እቲ ምስጢር ንናይ ኣምላኽ ምድሓን መደቡ የመልክት፣ ክርስቶስ ከም ፈጻምን ገላጽን፣ ቤተ ክርስቲያን ድማ ከም ተቐባሊትን መሳርሒትን እያ። ብሓባር ድማ ነቲ ናይ ኣምላኽ ምድሓን ዕላማ ይገልጹን ይፍጽሙን።
ጉጅለ 2 ዝጸሓፍዎ
እቲ ”ምስጢር” ተባሂሉ ዘሎ
እግዚኣብሔር ንዘመናት ሰዊርዎ ዝነበረ ምስጢር፥ ብክርስቶስ ኣቢሉ ብመንፈሱ ዝገለጾ ምስጢር እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ድማ ነዚ ምስጢር እዚ ንኣህዛብ ክገልጽ፡ ሃዋርያ ኣህዛብ ኰነ። “ቀደም ኣሕጺረ ኸም ዝጸሐፍኩ፡ እቲ ምስጢር ከመይ ኣቢሉ ብራእይ ከም ዘፍለጠኒ ብዛዕባ እቲ ስሌኻትኩም እተዋህበኒ መጋቢነት ጸጋ ኣምላኽ ሰሚዕኩምዎ እንተ ዄንኩምሲ፡ ምስ ኣንበብኩምዎ፡ ነቲ ኣብ ምስጢር ክርስቶስ ዘሎኒ ፍልጠት ከተስተውዕልዎ ይዀነልኩም እዩ” (ኤፌ 3፥2-4) ብምባል ከኣ ገሊጽዎ ንረኽቦ።
እቲ ዝተገለጸሉ ምስጢር፡ ካብ ኢየሱስ ክርስቶስ እምበር ካብ ሰብ ኣይነበረን፡ ገላ 1፡12)። እቲ ምስጢር ድማ ብዛዕባ እቲ ብጐይታና ኢየሱስ ኣቢሉ ዝተፈጸመ ምኽሪ ኣምላኽ እዩ ዝዛረብ። “ከምቲ ብእኡ ዝመደቦ ስምረቱ፡ ነቲ ምስጢር ፍቓዱ እናኣፍለጠና፡ ነቲ ናይ ምልኣት ዘመናት መጋቢነቱ፡ ኣብ ሰማይ ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን፡ ኣብ ክርስቶስ ምእንቲ ኺጥቕለልሲ፡ ብዅሉ ጥበብን ብዅሉ ኣእምሮን ነዚ ጸጋኡ ኣባና ኣውሐዞ” ኢልዎ ዘሎ፡ እዩ። (ኤፌ 1:8-10)
● እቲ ምስጢር፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ ኩሉ ብክርስቶስ ኪጥቕልሎ ከም ዝኾነ ይገልጽ።
● እቲ ምስጢር ብዛዕባ ምግላጽ ወዲ እግዚኣብሄር ምዃኑ ውን ኣብ ( ሮሜ 1፡3-4 “ብዛዕባ ወዱ፡ ብስጋ ኻብ ዘርኢ ዳዊት እተወልደ፡ ንሱ የሱስ ክርስቶስ፡ ጐይታና፡ ካብ ምዉታት ብምትንሳኡ፡ ብመንፈስ ቅድስና ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ብሓይሊ እተጋህደ፡”) ከም ዝበሎ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ብመንፈስ ቅዱስ ከም እተጋህደ ይገልጽ። ስለዚ ብሕጽር ዝበለ፡ እዚ ምስጢር ወይ እዚ ምግላጽ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።
ኣብ ኤፌ 2:11-18 ዘሎ ድማ፡ ኣዛህብ፡ ካብ ኣምላኽ ርሑቃት፡ ነታ ኪዳን ተስፋ ኣጋይሽ፡ ብእስራኤላውያን ድማ ዘይግዙራት ተባሂሎም ዝንዓቁ ከም ዝነበሩ፡ ብምግላጽ ክርስቶስ ግን “ሓደ” ምዃኖም ዝገልጽ ምስጢር እዩ። ኣህዛብ ብኢየሱስ ክርስቶስ ኣቢሎም ምስ እስራኤል ናይ ሓደ ሰብነት ኣካል ከም ዝኾኑ፡ ከምኡ’ውን ተኻፈልቲ ርስቲ ምዃኖም ይገልጽ።
መደምደምታ
እቲ ምስጢር፥ ኣህዛብን ህዝብን ፡ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኣቢሎም ተዓሪቖም፡ ብሕብረት ተኻፈልቲ ተስፋን፡ ጸጋ ኣምላኽን፥ ከምኡ’ውን ውሉድ ኣምላኽን ናይ ሓደ ሰብነት መዋርስቲን ምዃኖም ዝገልጽ ምስጢር እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እቲ ንኣብርሃምን ንዘርኡን ጥራሕ ዝተዋህበ ጸጋ፡ ንዓና ንኣህዛብ’ውን ከም ዝተዋህበና፡ ዘበስር ምስጢር እዩ።
ተራ(ግደ) ”ክርስቶስ” ኣብቲ ምስጢር
ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ምስጢር፡ ፈጻሚ ኣካል እዩ። ኣብ ኤፌ 3፡10-11 “ እዚ ከኣ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታና ዝፈጸሞ ዘለዓለማዊ ምኽሩ. . . .” ኢልዎ ዘሎ፥ ክርስቶስ ፈጻሚ ናይቲ ናይ ኣምላኽ ዘልዓለማዊ ዝነበረ ምኽሪ፡ ፈጻሚ ከም ዝኾነ ይገልጽ። ዮሃ 3፡16” ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።” ከም ዝበሎ፡ ነቲ ምስጢር ተረዲእና ክንድሕን፡ ብክርስቶስ ኢየሱስ ምዃኑ ይገልጽ።
ተራ(ግደ) “ቤተክርስትያን” ኣብቲ ምስጢር
ቤተክርስትያን ናይ ቅዱሳን ሕብረት’ያ። ኣብቲ ምስጢር ድማ፡ እታ ቤተ ክርስቲያን ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢላ ነቲ ምስጢር ትነግርን ተፍልጥን። እምበኣርከስ፡ ነቲ ምስጢር ናይ ምንጋር ወይ ናይ ምፍላጥ ዝብል ተራ እዩ ዘሎዋ። ኤፌ 3፡10-11 “ እዚ ከኣ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታና ዝፈጸሞ ዘለዓለማዊ ምኽሩ፡ ነቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጥበብ ኣምላኽ፥ ብቤተክርስትያን ገይሩ ነቶም ኣብ ሰማያት ዘለው ሊቃናትን ሥልጣናትን ምእንቲ ኬፍልጦም ኢሉ’ዩ።”
ኣብ ኤፌ 5 ተጻሒፉ ዘሎ ብዛዕባ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ብምሳሌ ክርስቶስን ቤተክርስቲያንን እንተረአናዮ ድማ፥-ክርስቶስ ርእሲ ቤተክርስቲያን እዩ፥ ቤተክርስቲያን ከኣ ሰብነት ክርስቶስ እያ፥ ንሕና’ውን ኣካል ቤተክርስቲያን ምዃንና ይገልጽ። ከም ኣካል ቤተክርስትያን መጠን ከኣ ገሌና ካብ ኣህዛብ፡ ገሌና ካብ ህዝቢ ተኣኪብና ኣብ ሓንቲ ሰብነት ክርስቶስ ቤተ ክርስትያን ካብ ሃለና፥ እታ ብደም ክርስቶስ ዝተዓደገት ሰብነቱ ካብ ኣህዛብን ካብ እስራኤልን ዝመጸት ግን ከኣ ሓደ ኣካል ሓደ ሰብነት ዝኾነት ቤተክርስትያኑ፡ ኣብታ ሰብነት ዘለው ከኣ ንሓድሕዶም ክደጋገፉን ክጸላለዩን ይግብኦም’ዩ።
ጉጅለ 1 ዝጸሓፍዎ
እቲ ”ምስጢር” ተባሂሉ ዘሎ እንታይ እዩ፧
ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ፡ እቲ ምስጢር ኮይኑ ተሰይሙ ዘሎ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ”ብእኡ፥ ማለት ብደሙ ድኅነት፥ ከምቲ ሃብቲ ጸጋኡ ኸኣ ኅድገት ኃጢኣት ኣሎና” ኣብ ዝብል ከምቲ ብእኡ ዝመደቦ ስምረቱ፡ ነቲ ምስጢር ፍቓዱ እናኣፍለጠና፡ ነቲ ናይ ምልኣት ዘመናት መጋቢነቱ፡ ኣብ ሰማይ ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን፡ ኣብ ክርስቶስ ምእንቲ ኺጥቕለልሲ፣” ብምባል ገሊጽዎ ስለ ዘሎ፡ እቲ ምስጢር ክርስቶስ ኢየሱስ እዩ። እዚ ምስጢር እዚ ኸኣ፥ ኣሕዛብ ሳላ ወንጌል ምስ እስራኤል ተማቐልቲ ርስቲ፥ ናይ ሓደ ሰብነት ኣካል፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ከኣ መኻፍልቲ ተስፋ ከም ዝኾኑ እዩ።
ተራ (ግደ) ክርስቶስ ኣብቲ ምስጢር
ብደሙ ድሕነት ረኺብና። ኣብ ቆሎሴ 1፣12–14 ”ነቲ ናብ ግደ ርስቲ ቅዱሳን ኣብ ብርሃን ዘብቅዓና ኣቦ እናኣመስገንኩም፡ ንሱ ኻብ ስልጣን ጸልማት ዘውጽኣና፡ ናብታ መንግስቲ ፍቁር ወዱ’ውን ኣእተወና። ኣብኡ ምድሓንና፡ ማለት ሕድገት ሓጢኣት፡ ዘሎና” ብምባል ተጻሒፉ’ሎ። ብዘይካ’ዚ፡ ጐይታና ኢየሱስ ገላጺ ኩሉ ምስጢራት ድማ እዩ። ሮሜ 16 ፣ 24-25 ነቲ ብወንጌለይን ብስብከት የሱስ ክርስቶስን ብምግሃድ እቲ ኻብ ዘለኣለም ተሰዊሩ ዝነበረ ሕጂ ግና እተገልጸ ምስጢር፡ በቲ ብጽሕፈት ነብያትውን ብትእዛዝ እቲ ናይ ዘለኣለም ኣምላኽ ንምእዛዝ እምነት ንዅሎም ኣህዛብ እተነግረ ምስጢር” ዝብል ጽሑፍ ኣሎ።
ተራ (ግደ) ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ ምስጢር
ቤተ ክርስቲያን ከም ኣካል ክርስቶስ መጠን፡ንምስጢር ናይቲ ዝተቐበልናዮ ሕድገት ሕጢኣት ምንጋርን፣ ሰባት ብስሙ ክድሕኑ ወንጌል ኣብ ኩሉ ምብጻሕን’ዩ። ”ነቲ ብዙኅ ዝዓይነቱ ጥበብ ኣምላኽ፥ ብቤተ ክርስቲያን ገይሩ ነቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ ሊቃውንትን ስልጣናትን ምእንቲ ኼፍልጦም ኢሉ እዩ” ዝብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ፡ ግደ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ምስጢር ዝኾነ ወዲ ኣምላኽ ምስባኽ እዩ። ኣብዛ ምድሪ ከም ወኪል ክርስቶስ ኰይና፡ ብኹሉ ሓላፍነት ክትወስድን፣ ንምእመናን ክትድግፍን፣ ኵሉ መንፈሳዊ መደይ ከተዕብን ድማ ጻውዒታ እዩ።