ታሽዓይ ዕዮ ገዛ፡ መጽናዕቲ ናብ ሰብ ኤፌሶን
ጉጅለ 2 ዝጸሓፍዎ
ኣገዳስነት ስሩዕ ትምህርቲ ክርስትና
ከምቲ ማርያም ኣብ እግሪ ጐይታ ኮፍ ኢላ ዝተማህረት እሞ ”ካብኣ ዘይውሰድ ጽቡቕ ግደ ሓርያ’ላ” ዝተባህለላ፡ ኣገዳስነት ስሩዕ ትምህርቲ ኣብ ህይወት ሓደ ኣማኒ ኸኣ ከምኡ ጌርና ክንርድኦ ንኽእል ኢና። ብስሩዕ ዝተማህረ ሰብ፡ ናብ ፍልጠት ሓቂ ይበጽሕ እሞ፡ ብመጠን እቲ ዝፈለጦ ሓቂ ድማ፡ ሓርነት ይረክብ፡ በቲ ዝመጽእ ኩሉ ስሑት ምህሮ ኸኣ ንየው ነጀው ዝድፋእ ሰብ ኣይከውንን።
ከምቲ ጐይታና ኢየሱስ ኣብቲ ናይ ከረን ስብከቱ ማለት ኣብ ወንጌል ማቴዎስ 5-6-7 ክዛዝም ከሎ ዝበሎ፡ እቲ ስሩዕ ትምህርቲ ክርስትና እተማህረ ሰብ፡ ከምቲ ቤቱ ኣብ ከውሒ ዝሰረተ ብልሂ ሰብኣይ’ውን ክንምስሎ ንኽእል ኢና። ”ዝናም ዘነመ፡ ውሒዝ ወሐዘ፡ ንፋስውን ነፈሰ፡ ነታ ቤት ከኣ ደፍእዋ። ኣብ ከውሒ ተሰሪታ እያ እሞ፡ ኣይወደቐትን። ነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዘይገብሮ ኹሉ ኸኣ ቤቱ ኣብ ሑጻ ዝሰርሔ ዓሻ ሰብኣይ ይመስል። ዝናም ዘነመ፡ ውሒዝ ወሐዘ፡ ንፋስ’ውን ነፈሰ፡ ነታ ቤት ደፍእዋ፡ ወደቐት፡ ኣዋዳድቓኣ ድማ ዓብዪ ዀነ” (ማቴ7፡24-27)
ስሩዕ ትምህርቲ እተማህረ ሰብ
➢ መሰረቱ፡ ጽኑዕ ስለ ዝዀነ ብቐሊሉ ኣይንቕነቕን። እቲ ስሩት መሰረት ድማ ባዕሉ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ፡ (1ይ ቆረ 3፥10-11)
➢ እንታይ ይሰምዕ ፈልዩ ይፈልጥ፡ ኣብቲ ዝሰምዖ ቃል ክርስቶስ ብእምነት ጸኒዑ ይነብር (ሮሜ 10፥17) ድምጺ ኣምላኽ ፈልዩ የለሊ (ዮሓ 10፥27)
➢ ሓቀኛ ወንጌልን ካልእ ወንጌልን ፈልዩ ይመሚ ( 2ይ ቆረ 11-4)
➢ ንናብራ ክርስትና፡ ብዝግባእ ይነብሮ፡ ኵሉ መገዱ ድማ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ጌሩ ይምራሕ።
ስሩዕ ትምህርቲ ዘይተማህረ ሰብ
✓ ሚዛናዊ ፍልጠት ኣምላኽን ቃል ኣምላኽን ኣይህልዎን
✓ ንቓል ኣምላኽ ኣብ ንሓድሕዱ ክዓርቆ ዓቕሚ ይሓጽሮ።
✓ ንስሑት ትምህርቲ ኩሉ ግዜ ዝተቓልዐ ኢዩ።
✓ ንዅሉ ዝመሃሮ ዘበለ ትምህርቲ፡ ከይመመየ ይቕበሎ።
✓ ንኻልኦት ብስሩዕ ንምምሃር ንምርዳእን ዓቕሚ ይሓጽሮ።
መጠቓለሊ፦
ሓደ ስሩዕ ትምህርቲ ዘይተማህረ ከም ስጋውን ከም ቈልዓን እምበር ከም ብጹሕ መንፈሳዊ ሰብ ክርአ ኣዝዩ
ኣሸጋሪ'ዩ። ገለ መንፈሳዊ ሓቅታት ይፈልጥ እኳ እንተኾነ፡ ምሉእ ስእሊ ወይ ድምዱም መረዳእታ ስለ ዘይብሉ ግና፡ ንኣምላኽ ብዝግባእ ከኽብሮ ኮነ ከገልግሎ ኣይክእልን ኢዩ። ብዛዕባ ተስፋኡ ንዝሓትዎ ዘበሉ’ውን፡ ምላሽ ንምሃብ ድልው ኣይኮነን።
ጉጅለ 3 ዝጸሓፍዎ
ስሩዕ ትምህርቲ ክርስትና ብዝግባእ ወሲዱ ዝነብሮ ኣማኒ፡ ናብቲ ርእሲ ዝኮነ ክርስቶስ ከም ዝግባእ ንምዕባይ፥ ኣብ እምነቱ ርግጸኛን ውሕስነት ዝስምዖን ይገብሮ። ብዘይ ምድንጋርን ምጥርጣርንን፥ ንግጉይ ትምህርቲ ክከላከልን፥ ንክርስቶስ ክመስሎን ከኣ ይኽእል።
ከምቲ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ “ንርእስኻ እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕል፡ ዜሕፍር ዜብሉ ፍቱን ዓያዪ ጌርካ፡ ንኣምላኽ ከተርእዮ ጽዓር ” ኢሉ ዝመኸሮ፡ (2ጢሞ 2፡15)፣ እቲ ብግቡእ ዝተማህረ ሰብ፥ ካብ ግጉይ ርድኢት ድሒኑ፥ ንፍቕርን በጃ ምሕላፍ ክርስቶስን፥ ከምኡ'ድማ እቲ ጐይታ ዝሃቦ ተስፋ ይርዳእ። ንስሕተት ተቓዊሙ ናብ ክርስቶስ ክዓቢ ይኽእል።
እቲ ብስሩዕ ዝተማህረ፡ ከምቲ ዝግብኦ ኮይኑ ንኸገልግል ብቕዓት ይኽእል። ከም ሓደ ኣገልጋሊ ክኾኖ ዝግባእ ትምህርቲ ስለ ዝረክብ፥ ንካልኦት ኣብ ምርዳእን፥ ንእምነቶም ብተግባር ብምንጽብራቕ ንኽዓብዩ፥ ኣብነት ክኸውን፥ ዘድሊ መምርሒ ክህብን ይኽእል። እቲ ብግቡእ ዘይተማህረ ሰብ ግና፥ ቅኑዕ ኮይኑ ዝተሰምዖ ጥራሕ ስለ ዝምህር፥ ንኻልኦት ከጋግዮም ይኽእል፥ ንባዕሉ ብግቡእ ስለ ዘይተማህረ ኸኣ፥ ብቑዕ ኣገልጋሊ ክኸውን ኣይክእልን እዩ።
ስለዚ እቲ ስሩዕ ምህሮ ክርስትና ዝተማህረ ኣማኒ፡ ከምቲ ጐይታ ኣብ ማቴ 7፡24-25 ዝመሰሎ፡ ቤቱ ኣብ ከውሒ ዝሰርሐ ብልሂ ሰብ እዩ ዝመስል። እቲ ዘይስሩዕ ትምህርቲ ዘለዎ ሰብ ግና፡ ዘይንጹር ርድኢት፥ ዕምቈት ዝጐደሎ ፍልጠት፥ ተጋራጫዊ ሓሳባት፥ ንናይ ሓሶት ትምህርቲ ምቅላዕ፥ ከም ዝድለ ዕብየትን ፍቕርን ሓድነትን ዘይምህላው፥ ካልእን ሽግራት ከጋጥሞ ስለ ዝኽእል፥ ብምልኣት ናብ ክርስቶስ ንኽዓቢ ይሽገር እዩ።
ኣብመደምደምታ፥ብምጥባርን ብትምህርቲ ስሕተትን ከይተደፋእና፥ ብፍቕሪ ንሓቂ እናሰዓብና፡ ናብቲ ርእሲ ዝዀነ ክርስቶስ ንኽንዓቢ፡ ብትሕትና፡ ብግቡእ ስሩዕ ትምህርቲ ክርስትና ምውሳድ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ንርዳእ።
ጉጅለ 1 ዝጸሓፍዎ
ንትምህርቲ ክርስትና ብቕደም ተኸተል ብስሩዕ ምምሃር ማለት፡ ከምቲ ኣብ መዝሙር ዳዊት 1:3 «ንሱ ኸምታ በብእዋኑ ፍሬአ እትህብ፥ ቈጽላ ዘይነቅጽ፥ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ ዝተተኽለት ኦም እዩ፡ ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ» ዝብል ክትከውን’ዩ ዘብቅዓካ። ማለት፡ ኣቐዲምካ ካብ መሰረት ክርስትና ኣትሒዝካ ስለ እትመሃር፡ ንዝመጽእ ፈተናታትን ሕቶታትን ንምምላስ እኹል ዓቕሚ ዘለካ ትኸውን ማለት’ዩ። እዚ ኸኣ ከምቲ ጐይታና ኢየሱስ ዝበሎ፡ «ነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዚገብሮ ኹሉ፡ ቤቱ ኣብ ከውሒ ዝሰርሔ ብልሂ ሰብኣይ ይመስል። ዝናም ዘነመ፡ ውሒዝ ወሐዘ፡ ንፋስውን ነፈሰ፡ ነታ ቤት ከኣ ደፍእዋ። ኣብ ከውሒ ተሰሪታ እያ እሞ፡ ኣይወደቐትን። ነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዘይገብሮ ኹሉ ኸኣ ቤቱ ኣብ ሑጻ ዝሰርሔ ዓሻ ሰብኣይ ይመስል። ዝናም ዘነመ፡ ውሒዝ ወሐዘ፡ ነፋስውን ነፈሰ፡ ነታ ቤት ደፍእዋ፡ ወደቐት፡ ኣዋዳድቓኣ ድማ ዓብዪ ዀነ።
· ስሩዕ ትምህርቲ ምምሃር ፣ ኣብ እምነትካ ኣጸቢቅካ ንኸትጸንዕ ይሕግዘካ።
· ኣብ መፈሳዊ ሂወትካ ዕቤት ከተርኢ ይሕግዘካ።
· ንእግዚኣብሄር እቲ ዝግብኦ ኣምልኾን ዉዳሴን ከተቅርበሉ የኽእለካ።
· ፍቓድ እግዚኣብሄር ከተለለሊ ይሕግዘካ።
· ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ቅኑዕ ስእሊ ንኽህልወካ ይሕግዝ።
· ብሉይን ሓድሽን ኪዳን ብምዝምድ፡ ነቲ ሓደ ካብቲ ካልእ ከይፈለየ፡ ሚዛናዊ ሓሳብ ወይ ስእሊ ከም ዝህልወካ ይገብር።
ብኣንጻር ስሩዕ ትምህርት ዘይተማህረ ድማ፡ ጽኑዕ ኣይከውንን፡ ዘይርጉእ፡ ኩሉ ግዜ ገለ ምህሮ ክርስትና ተሪፉኒ ኣሎ እናበለ ኣብ ግብሪ ከይበጽሐ ዝነብር። ብዝመጸ ሓድሽ ምህሮ ዝብዳህ። ልክዕ ከም ኣብ ሑጻ ዝተሰረተ ገዛ ኰይኑ፡ ኣብ ኩሉ ኣገልግሎት ኣሸጋሪ ዝዀነ እዩ።