ዓስራይ ዕዮ ገዛ፡ መጽናዕቲ ናብ ሰብ ኤፌሶን

ዝቐረበ ሕቶ

እምብኣርሲ ቕንያቱ ኽፉእ እዩ እሞ፡ ጊዜ ዓዲግኩም፡ ከም ለባማት እምበር ከም ዓያሱ ዘይኰነ፡ ከመይ ብጥንቃቐ ከም እትመላለሱ ተመልከቱኣብ ዝብል (ኤፌ5.15-16) ጊዜ ኣበይ እዩ ዝዕደግ ወይ ኣበይ እዩ ዝሽየጥ፧ ዝብል እዩ።

ጉጅለ ሓደ ዝጸሓፍዎ

”ጊዜ ወርቂ እዩ” ክብሃል ከሎ፡ ወርቂ ብገንዘብ ክትመን ከሎ፡ ካብቲ ካልእ ስልማት ይኹን ንብረት እቲ ዝኸበረ ስለ ዝኾነ’ዩ። ጊዜኻ ኣብ መነባብሮኻ፣ ይኹን ኣብ መንፈሳዊ ህይወትካ ብግቡእ እንተ ዘይተጠቂምካሉ ክሳራ እዩ። ጊዜ፡ ይሓልፍ ጥራሕ እምበር ፈጺሙ ኣይምለስን እዩ። ከምዚ ስለዝኾነ ድማ ኢና ”ጊዜ ከለካ ጌዜ ኣይትጸበ” ዝብል ብሂል እንጥቀም። መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ፡
”እምብኣርሲ ቕንያቱ ኽፉእ እዩ እሞ፡ ጊዜ ዓዲግኩም፡ ከም ለባማት እምበር፡ ከም ዓያሱ ዘይኰነ ኸመይ ብጥንቃቐ ኸም እትመላለሱ፡ ተመልከቱ” ይብለና (ኤፌሶን 5:15-16)።

ከምቲ እንፈልጦ፡ ኣብ መዓልቲ 24 ሰዓታት እየን ዘለዋና። ነዘን ዝተዋህባና ሰዓታት፡ ኣብ መንፈሳዊ ህይወትና፣ ኣብ ደቅና፣ ኣብ ዘቤታውን ዕለታውን ናብራና፡ ኣብ ስራሕና፣ ይኹን ኣብ ትምህርትና ክንጥቀመለን ከለና፡ ንጊዜና፡ ኣብ ዘርባሓና ንጥቀመሉ ኣለና ማለት እዩ።

በዚ ናይ ሎሚ ጊዜ ክንርእዮ ከለና፡ ሰብ ንጊዜኡ ኣብ ሶሽያል ሜድያ፡ ኣብ ከም በዓል ፈይስቡክ፣ ቲክቶክ፣ ዪቱብ፣ ኢንስታግራም፡ በለካን ለካዕካ ክብል፣ ክሰምዕን ክርእን፣ ክብል ንጊዜኡ ኣብ ዘይጠቅም ብምሕላፍ ብጊዜኡ ይጻወት። እዚ ማለት ድማ፡ ማሕበራዊ ድሕረ-ገጽ ኣገዳስነት የብሉን ዘይኮነ፡ ነየናይ ዕላማ ኣበይን እንታይ ትገብርን ብንጹር ዘይተፈልጥ ኣንተ ደኣ ኮንካ ንጊዜ ብዝምልከት ቅኑዕ ምሕደራ ክህልወካ ኣይካኣልን’ዩ። በዚ ኸምዚ ድማ ንጊዜኻ ተባኽኖ። እቲ ምብኻን ጊዜ ዘስዓቦ፡ ንምንባብ ቃል ኣምላኽ ይኹን ንጾሎት ጊዜ ክሳዕ እትስእን ይገብረካ። እምበኣርከስ፡ ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዝብለና፡ ጊዜ ዓዲግና ከመይ ከም ለባማት ክንመላለስ ከም ዝግብኣና ከነስተውዕል ይግብኣና።

ጉጅለ ክልተ ዝጸሓፍዎ

ጊዜ ካብ ኣምላኽ ዝውሃበካ ነጻ ህያብ'ዩ። ነዚ ውህበት እዚ፡ ብኸመይ ተመሓድሮ ግና ናትካ ግደ ኢዩ። ጊዜኻ ብዝግባእ ክትጥቀመሉ እንተኽኢልካ ጽቡቕ ትረብሕ፡ ብኣንጻሩ፡ ንጊዜኻ ብግቡእ እንተድኣ ዘይተጠቂምካሉ ኸኣ ትኸስር።

ጊዜ፡ ህይወት ኢዩ፡ ንኣብነት፦ እተን ኣብዛ ምድሪ እትነብረለን ጊዜ፡ ንሰን ተደሚረን እየን ታሪኽ ህይወትና ዝዀና። ስለዚ እምበኣር፡ ጊዜ ማለትሲ ህይወት ማለት ምዃኑ ከነስተብህል የድልየና። ጊዜኻ ብዝግባእ ኣመሓዲርካ ኣብ ግቡእ መዓላ ከተውዕሎ ከለኻ፡ ፍሪኡ ኣብቲ እትነብሮ ህይወት ጽቡቕ ይኸውን።

ኣብቲ መንፈሳዊ ነገር እንተድኣ ርኢና፡ ካብቲ ኣምላኽ ዝሃበና ጊዜ ንኣምላኽ ዝኸውን ማለት ንጸሎት፡ ንቓል ኣምላኽ፡ ምንባብ መንፈሳዊ ጽሑፋትን ሕብረት ኣሕዋትን ጊዜ ክንህቦ ከለና፡ መንፈሳዊ ህይወትና ይድልድል።

ኣብ ሓዳርና  ይኹን ኣብ ውልቃዊ ህይወትና፡ ንጊዜና ብዝግባእ ከነመሓድሮ እንተኽኢልና፡ ውጽኢት ጻዕርና ጽቡቕ ክኸውን'ዩ። ኣቦታት ክምስሉ፡ ”ጊዜ ወርቂ ኢዩ” ይብሉ፡ ወርቅስ፡ እንተጠፍኣካ’ውን ደጊምካ ክትዕድጎ ትኽእል ኢኻ። ጊዜ ግና፡ ሓንሳእ እንተጠፊኡ፡ ደጊምካ ክትዕድጎ ኣይትኽእልን፡ ሸለልትነት ኣብ ጊዜ፡ ኣዝዩ ክቡር ዋጋ እዩ ዘኽፍለካ።

ከምቲ ንስጋና፡ ጥዕና ዝህበና ዝተመጣጠነ መግቢ መሪጽና እንምገብ፡ ከምኡ ንመንፈስና’ውን ጥዕና ዘለዎ መንፈሳዊ መግቢ ክንምግቦ ይግብኣና'ዩ። ነዚ ንምግባር ከኣ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ጊዜ ክንለማመድን ከነዘውትሮን ይግብኣና።

ንምጥቕላል እምበኣር፡ ጊዜ ማለት፡ ህይወት ማለት ኢዩ። ዕዳጋ ጊዜ ማለት ድማ ምሕደራ ጊዜ ማለት’ዩ። ከምቲ ንስጋና፡ ከምኡ ኸኣ ንመንፈስና ስሩዕ ምሕደራ ጊዜ ክህልወና ይግባእ።

ጉጅለ ሰለስተ ዝጸሓፍዎ

”ጊዜ ዓዲግኩም” ማለት፥ ንጊዜ ብጥንቃቐ፥ ብምስትውዓል፥ ተጠቂምኩም ንህይወትኩም ምርሑ ማለት’ዩ።

ከምቲ ንዝኾነ ክቡር ነገር፡ ዋጋ ከፊልካ እትዕድጎ፥ ጊዜ’ውን ክዕደግ ዘለዎ፥ ኣዝዩ ኣገዳስን ክቡርን እዩ። ከም ገንዘብን ወርቅን፡ ክውሰንን ክቕመጥን ግና ኣይክእልን። ደው ዘይብል ስለ ዝኾነ፥ ሓንሳብ እንተ ኣባኺንካዮ፥ ክምለስ ኣይክእልን። ”ጊዜ ዓዲግኩም” ክብል ከሎ እምብኣር፥ ብዝግባእ ጊዜኹም ተጠቀሙሉ፡ ማለት ኣብ ክንዲ ኣብ ንጊዜኡ ጥራይ ኣብ ዘገድሰካ ነገራት እተጥፍኦ፥ ኣብቲ ዝዓበየን ኣብቲ ናይ ዘልኣለም ህይወት ዝህበካን ክትጥቀመሉ ከም ዘለካ የረድኣና ማለት’ዩ።

ንጊዜ ብዝተፈላለዩ ነገራት፡ ንኣብነት፡ ኣድህቦ ብምሃብ፥ ሓልይና፥ ከምኡውን ሕድገታት ብምግባር ወዘተ ከፊልና ክንዕድጎ ንክእል ኢና። ንጊዜና ኣብ ጸሎት፥ ምንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፥ ንምሕጋዝ ካልኦት ክንጥቀመሉ ክንውስን ከሎና፥ ንኻልእ ነገራት ገዲፍናዮም ኣለና ማለት እዩ። ጊዜና ብኸመይ ከም እንጥቀመሉ፡ ብልቦና ክንመርጽ ከሎና፥ በቲ ንኻልኦት ክንገብሮ እንኽእል ዝነበርና ጌርና ንኸፍሎ ኣለና ማለት እዩ። ነቲ ንግዚኡ ምቾት ዝህብን ሓንጎልና ዝሰርቕን ኣወጊድና፡ ናብቲ ናብ ዘልኣለም ህይወት ዝመርሓና ከነድህብ ኣሎና።

ጒጅለ ኣርባዕተ ዝጸሓፍዎ

“ጊዜ ዓዲግኩም” ኣብ ዚብል ሓረግ፡ እቲ “ምዕዳግ” (redeem) ዚብል ቃል “ምድሓን”፡” ምምላስ” ወይ “ምኽሓስ” ማለት እዩ ዘስምዕ። ጊዜ ምዕዳግ ማለት እምበኣር፡ ነቲ ኣብ ዘይግቡእ ዚጠፍእ ጊዜ፡ ኣብ ጥቕሚ ከም ዝውዕል ምግባር ማለት ኢዩ።

1) “ጊዜ ኣበይ ኢዩ ዚሽየጥ?”

“ጊዜ” ኣብቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና እንገብሮ ነፍሲ ወከፍ ምርጫታት እዩ ዝሽየጥ። ንኣብነት፡ ንሓደ ሰዓት ዝኣክል ብዘይ ስራሕ ኮፍ ኢልና ወይ ኣብ ዘይጠቅም ነገራት ኣብ ክንዲ እነሕልፎ፡ ንዘይንፈልጦ ነገር ክንመሃረሉ፡ ወይ ሰባት ንኽንሕግዘሉ፡ ወይ’ውን ንመንፈሳዊ ዕብየት ኣብ ዚጠቕመና ነገራት ክንሳተፈሉ ከለና፡ ንጊዜና ኣብ ግቡእ መዓላ ነውዕሎ ኣለና ማለት’ዩ።

2.) ጊዜ እንታይ ከፊልካ እዩ ዝዕደግ፧

- ምዕዳግ ጊዜ ወፍሪ ምስትውዓል፡ተወፋይነት፡ ጻዕርን ኣደብን (እሙን ምዃን) ይሓትት፡ ማለት ንጊዜና ንዘባኽኑ ነገራት ቀጻሊ ምስትውዓል፡ ንነፍሲ ወከፍ ዚባኽን ጊዜ ኣብ መዓላ ንምውዓል ምጽዓርን ማለት ኢዩ። እዚ መብዛሕትኡ ጊዜ ቀዳምነታት ምስራዕን፡ ንመንፈሳውነትና ወይ ንዕብየትና ኣበርክቶ ንዘይገብሩ ነገራት ክንስውእ ፍቓደኛታት ምዃንን ማለት’ዩ ኪኸውን ከሎ እዚ ንስጋዊ ድሌታትና ወይ ጊዜያዊ ምቾትና ከኽፍለና ይኽእል። ንኣብነት ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ካብ እነሕልፎ ነዊሕ ሰዓታት ኣጒዲልና፡ ን ጊዜና ኣብ ምንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ጸሎት ወይ ኣብ ካልእ መንፈሳዊ ተግባራት ምውዓል። ከምዚ ኣብ እንገብረሉ፡ ነቲ “ጊዜያዊ ሓጐስና” ብምኽፋል፡ “ዘለኣለማዊ ሓጐስ” ክንረኽበሉ (ምስ ኣምላኽ ንዘለና ዝምድና ክነዕብየሉ) ኣብ ዘኽእለና “ጊዜ ዓዲግናሉ” ማለት ኢዩ። ብተወሳኺ ንስሓ ኣብ ሓጢኣት ንዚባኽን ጊዜና ኣብ ሰናይ ተግባር ንኸነውዕሎ ኣዝዩ ዓብዪ ተራ ይጻወት። ንኣብነት፡ ኣብ ስርቂ ዚጠፍእ ዚነበረ ጊዜ ድሕሪ ንስሓ ግና ኣብ ዚጠቅም ዕዮን ኣብ ንኻልኦት ምርዳእን ኪውዕል ይኽእል። (ኤፌ 4፡28)

3.) ንጊዜ ብኻልእ ክትልውጦ እንተደሊኻ ብምንታይ ክትልውጦ ትኽእል፧

ብዘይ ስራሕ ወይ ውሑድ ጥቕሚ ዘለዎም ነገራት ክንዲ ምግባር፡ ዝያዳ ጥቕሚ ዘለዎም ነገራት ብምምራጽ ንጊዜ ክንልውጦ ንኽእል። ንኣብነት ክንዲ ድቃስ (ዕረፍቲ)፡ ጸሎት ምጽላይ። ጐይታ ኢየሱስ ናይ ዕረፍቲ፡ መግቢ ወይ ድቃስ ጊዜኡ ብምስዋእ ይጽሊ፡ ወንጌል ይሰብኽን ሕሙማት ይፍውስን ነበረ፡ (ማር 1፡32-39, ዮሃ 4፡34)። 

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

መበል 11 ዕዮ ገዛ፡ መጽናዕቲ ናብ ሰብ ኤፌሶን

Next
Next

ታሽዓይ ዕዮ ገዛ፡ መጽናዕቲ ናብ ሰብ ኤፌሶን