መበል 11 ዕዮ ገዛ፡ መጽናዕቲ ናብ ሰብ ኤፌሶን
ዝቐረበ ሕቶ
ኤፌ 5፡22- ኤፌ 6፡9
•ሰብኣይ ንሰበይቱ፡ ሰበይቲ ንሰብኣያ (5.22-33)
•ውሉድ ንወለዲ፡ ወለዲ ኸኣ ንውሉድ (6.1-4)
•ግዙእ ንንጐይታኡ፡ ጐይታ ንግዙኡ (6.5-9)
ካብዞም ኣብ ላዕሊ ዘለዉ፡ ንሓዲኦም መሪጽኩም፡ (ንሰለስቲኦም ኣይኰነን) ወድዓውነት እቲ ዝምድና፡ ማለት ህልው ኩነታት እቲ ዝምድናን፡ እቲ ክዀኖ ዝግብኦን ኣሕጽር ኣቢልኩም ግለጹ።
ጉጅለ 4 ዝጸሓፍዎ
ኣዝዩ ኣገዳስን እዋናውን ኰይኑ ስለ ዝረኸብናዮ፡ ነቲ ቀዳማይ ምርጫ፡ ሰብኣይ ንሰበይቱ፡ ሰበይቲ ንሰብኣያ ዝብል ዛዕባ ኢና መሪጽና ዘለና። ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዙሓት ኣብነታውያን ዚዀኑ ሰብ ሓዳር እኳ እንተለዉ፡ ካብኣቶም ኣብ ዚበዝሑ ሓዳራት፡ ሰብኣይን ሰበይትን ብተዛማዲ ኣዝዮም ተነቀፍቲ፡ ንዘይክርስቲያናዊ ጽልዋታት ቅሉዓት፡ ብርድኢት ቃል ኣምላኽ ዘይተሃንጹ (ወይ ዝንቡዕ ርድኢት ቃል ኣምላኽ ዘሎዎም)፡ ንኣምላኽ ማእከል ዘይገበሩ (ኣብ ክርስቶስ ዘይተሰረቱ)፡ ህልኽን ዘይሓላፍነታውነትን ዚዓብለሎም፡ ፍቕሪ ዚዛሕተሎም፡ ንፍትሕ ከም ፍታሕ ዚቕበሉ ምዃኖም ወዘተ ኢና ዘቲና።
ጸገማት
እዞም ጸገማት ብሓፈሻ፡ ኣብ ሰለስተ ኪምቀሉ ይከኣል፡ 1) ዋሕዲ ትምህርቲ ቃል-ኪዳንን ቃል ኣምላኽን 2) ባህልን ጌጋ ርድኢታትን ብዛዕባ ቃል-ኪዳንን ሓዳርን 3) ጽልዋ ዘመን ኣምጽኦ ምዕባሌታት (ስልጣኔ)።
2.1 ዋሕዲ ትምህርቲ ቃልኪዳንን ቃል ኣምላኽን
ኣዝዮም ብዙሓት መጻምድቲ ቅድሚ ናብ ሓዳር ምእታዎም ቅኑዕ ትርጒም ቃልኪዳንን ሓዳርን ብመሰረት ቃል ኣምላኽ ተረዲኦምዎ ስለዘይጸንሑ፡ ዕላማ ሓዳር ብግቡእ ኣይፈልጡን ከም ውጽኢቱ ድማ ንቓል-ኪዳኖም ኣፍኲሶም ዝሕዙን፡ ኣብ ሓዳሮም ብጥንቃቐ ዘይመላለሱን ኢዮም። ተራ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ሓዳሮም ብግቡእ ኣይፈልጡን ኢዮም ወይ ጌጋ ርድኢት ኣለዎም። ብተወሳኺ ብዙሓት ቓል ኣምላኽ ብስሩዕ ዘይሰምዑን ዘየንብቡን ብምዃኖም ዘይምርድዳእ ወይ ፈተና ምስ ዘጋጥም ምርድዳእ፡ ሕድገት ምግባርን፡ ምጽጽዋርን ኣየርእዩን። ንትርጒም ቃልኪዳን ብግቡእ ብዘይምርድኦም ወይ ድማ ብጌጋ “ኣብ ቃል ኣምላኽ ፍትሕ ፍቑድ ኢዩ” ብዝብል ጌጋ ርድኢት ንሓዳሮም ንሓደጋ ፍትሕ የቃልዕዎ። ብተወሳኺ መጻምዲ ከይተሓለለ ኣንጻር ሓዳር ዚዓዪ ጸላኢ ሰናይ ከም ዘሎ ይዝንግዑን፡ ንስሓን ጸሎትን ድማ ዘዘውትሩ ኣይኰኑን።
2.2 ባህልን ጌጋ ርድኢትን
ባህሊ ኣብ ሓዳር ዘለዎ ጽልዋ ኣዝዩ ዓብዪ ኢዩ። ኣብ ባህልና ስድራ ቤት ኣብ ሓዳር ዘለዎም ጽልዋ ኣዝዩ ዓብዪ ኢዩ። ኣብ ሓዳር ዚዀነ ጸገም ኣብ ዘጋጥመሉ ስድራ ቤት ነቲ ጸገም ኣም ምፍታሕ ወይ ኣብ ምግዳድ ዓቢ ተራ ኣለዎም። ከምቲ ብዙሓት መጻምድቲ ብሰንኪ ኣሉታዊ ምትእትታው ስድራ ቤት ኣብ ምፍልላይ ዚበጽሑ፡ ብዙሓት ብኣዎንታዊ ምትእትታው ለባማት ስድራ ዚተሓገዙ ድማ ኣለዉ። ብኻልእ ወገን ኣብ ባህልና ምእላይ ቈልዑን ገዛን ዚምልከት ስራሕ ብምሉኡ ናይ ሰበይቲ፡ ናይ ደገ ስራሕ ድማ ንሰብኣይ ኢዩ ዚምልከት። ኣብዚ ሕጂ ብዚተፈላለየ ምኽንያት ብኣታዊ ሰብኣይ ጥራይ ምንባር ኣጸጋሚ ኰይኑ፡ ኣንስቲውን ወጺኤን ይሰርሓሉ ኣብ ዘለዋ እዋን ብዙሓት ሰብኡት ንድኻም ኣንስቶም ስለዘይርድኡለንን ዘይሕግዝወንን እዚ ጉዳይ ኣብ ብዙሓት መጻምድቲ ቀንዲ ኣርእስቲ ናይ ግጭት ኢዩ። ብተወሳኺ ብዚተፈላለየ ምኽንያት ንኣድላይነት ሓዳር ዘነኣእስ ባህሊ ተኣታትዩ ብምህላዉ፡ ልዕሊ ዚዀነ እዋን ፍትሕ ተተባቢዑን በዚሑን ይርከብ።
2.3 ዘመን ኣምጽኦ ምዕባሌታት (ስልጣኔ)
ኣብ ጒጅለና ኣዝዮም ግኑናትን ጸለውትን ዘመን ኣምጽኦ ምዕባሌታት ኢልና ዝተዛተናሎም ማሕበራዊ ሜዲያ (social media); ስደት (ቦታዊ ምፍልላይ መጻምዲ)፡ ፈሚኒዝም (Feminism)፡ ውልቃውነት (Individualism); ዓለማውነት (secularism); ንዋታውነት (materialism) ኢዮም። ዘይጥንቁቕ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ ሜድያ ንመጻምድቲ ንዘይክርስትያናዊ ባህልታት ምቅላዕ፡ ንሓዳርና ምስ ናይ ካልኦት ብምውድዳር ኣብ ቅንኢን ዘይክውንነታዊ ትጽቢትን ክንበጽሕ ምግባር፡ ኣብ ሓድሕድ መጻምዲ ኪሓልፍ ንዚነበሮ ጊዜ ምብኻን፡ ንጾታዊ ርክብ ዚምልከት ትሕዝቶታት ምቅላዕን ምጉዳል እሙንነትን ዚኣመሰሉ ሳዕቤናትን ኣለዎ። ስደት ኣብ መንጐ መጻምዲ ዓብዪ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ከም ዚህሉን፡ ተራኦም ብግቡእ ከም ዘይጻወቱን ይገብር ኣሎ።
ፈሚኒዝም ንደቂ ኣንስትዮ ሓልዮት ዚመስል ግን ከኣ ሓደገኛ ዚዀነ ስነሓሳብ ብምንዛሕን፡ ንተራ ሰብኣይን ሰበይትን ብምዝንባዕን ኣንስቲ ብዛዕባ ሰብኡተን ንዘለወን ኣረኣእያ ኣዝዩ ብኣሉታ ጸልይዎ ኣሎ። ውልቃውነት መጻምዲ ቅድሚ ዅሉ ንዓይ ይጥዓመኒ ብምባል፡ ንዋታውነት ድማ መጻምዲ ልዕሊ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ዝምድና ንናብራኦም ዚኸውን ንብረት ኣብ ምጥራይ ከም ዚዋፈሩ ብምግባር፡ ንውልቃዊ ምቾትን ፍቕሪ ንዋይን ቀዳምነት ዚሰርዐ ሓዳር ኪመርሑ ይገብሮም ኣሎ። ብተወሳኺ መጻምዲ ምስ ኣምላኽ ዘሕልፍዎ ጊዜ ኣዝዩ ውሑድ ብምዃኑ፡ ዓለማውነት ይጸልዎምን ንሓዳሮም ከም ቃል ኣምላኽ ዘይኰነ ዓለማዊ ኣካይዳ ዚዓብለሎ ከም ዚኸውንን ጌርዎ ይርከብ።
ክዀኖ ዚግባእ
ንዳርጋ ዅሉ ተጠቒሱ ዘሎ ጸገማት ዚበለጸ ፍታሕ ኢልና ዝተዛተናሉ “ ብመሰረቱ መብዛሕትና ካብ ኣምላኽ ዓሊና ዘለናሉ እዋን ብምዃኑ ቅድሚ ዅሉ ናብ ኣምላኽ ብንስሓ ክንምለስ፡ ብድሕር እዚ መጻምዲ ቅድሚ ድሕርን ምምርዓዎም ካብ ጽሩይ ቃል ኣምላኽ፡ ትምህርቲ ቃልኪዳንን ሓዳርን ብግቡእ ኪመሃሩ” ዚብል ኢዩ። ልዕሊ ዚዀነ (ዋላ ልዕሊ ሓድሕዶም) ንኣምላኽ ቀዳምነት ዚህቡ መጻምዲ ንቓሉውን ቀዳምነት ስለ ዚህቡ፡ ብሓይሊ ኣምላኽ ክደጋገፉን ክዓብዩን ከምኡ’ውን ንዝገጥሞም ፈተና ኪሰግሩን ስለ ዚኽእሉ፡ መጻምዲ ኣብ ህይወቶም ንኣምላኽ ቀዳምነት ዚህቡ ኪኰኑ (ማር 12፡30) (ኣብ ክርስቶስ ዚተሰረቱ ኪኰኑ) ኣለዎም። ብተወሳኺ መጻምዲ ካብ ምጥምማት ወጺኦም ሓሓላፍነቶም ብግቡእ ኪፈልጡን ኪገብሩን፡ ንመጻምዶም ከም ኣካል ክርስቶስ ኪርእዩን ኪከናኸኑን (ኤፌ 5፡23-28)፡ ሓዳጋት ኪዀኑ (ኤፌ 4፡32)፡ ምእንቲ ሓድሕዶም ኪጽልዩ፡ ሓድሕድ ጊዜ ኪወሃሃቡ (ኤፌ 5፡15-16)፡ ከምቲ ቅድሚ ምምርዓዎም ድሕሪ መርዓውን ብፍቕሪ ንሓድሕዶም ኪቀባበሉ፡ ውልቃዊ ምቾት ካብ ምድላይ ወጺኦም ምእንቲ ሓዳሮም መስዋእቲ ኪኸፍሉ፡ ወዘተ ከም ዘለዎም ብሰፊሕ ተዛቲና። ብወገን ኣንስቲ ከምቲ ኣብ ሰብነት ክልተ ርእሲ ዘየለ፡ ኣብ ሓዳርውን ክልተ ርእሲ ኪህሉ ከም ዘይክእል ተረዲኤን ከም ጥዑይ ኣካል ንሰብኡተን ኪእዘዛን (ኤፌ 5፡23-24)፡ ሰብኡተን ብግቡእ ተራ ናይ ርእሲ ኪጻወቱ ኪድግፋኦም፡ ሰብኡትውን ርእሲ ምዃን ማለት ምእዛዝ ጥራይ ዘይኰነ፡ ከምቲ ክርስቶስ ንቤተክርስትያን ዚዀነላውን ምዃን (ክሳዕ ሞት ምፍቃርን ምክንኻንን) ማለት ምዃኑ (ኤፌ 5፡25-28) ተረዲኦም፡ ንደቆምን ንማሕበር ኣምላኽን ኣብነታውያን ሰብ ሓዳር ብምዃን፡ ንኽቡር ዋጋ ቃል-ኪዳን ዚርዳእ ወለዶ ናይ ምህናጽ ሓላፍነት ኣለዎም።
ጉጅለ 2 ዝጸሓፍዎ
ኣብ ሓዳር፡ እቲ ዋና ክንርድኦ ዝግብኣና፡ ፍቕሪ ኢዩ። ኣብዚ ግዜ’ዚ እንርእዮ ዘለና ግና፡ እዚ ኣሰካፊ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ። ንኣብነት፦
ፍቕርን እምነትን ዘይብሉ ሓዳር
ብግቡእ ትምህርቲ ቃል ኪዳን ዘይሓለፈ ሓዳር
ብዘይ ቃል ኪዳን ተጠርኒፍካ ብሓደ ምንባር
ግቡእ ምሕደራን ግሉጽነትን ዝጎዶሎ ሓዳር
ዘይብስሉነት ማለት ዘይምርድዳእን ዘይምስምማዕን ኣብ ሞንጎ ተጻመድቲ
ግደኻን ከምቲ ዝግብኣካን ክትኮኖ ዘይምፍላጥ
ቁጠባዊ ጸገማት ዝዓብለሎ ሓዳር
ውላድ ዘይምርካብ
ዘይምክእኣል (ዘይምጽውዋር) ዝዓሰሎ
ሳልሳይ ኣካል ኣብ ሞንጎኻ ምእታው
ግዜ ሓድሕድ ዘይምውህሃብ
ምሕደራ ግዜ ዘይብሉ
ገዛእ ርእስኻ ዘይምግዛእ
ስምዒት ሓድሕድካ ዘይምርዳእ
ኣብ ጾታዊ ዕግበት መጻምድትኻ ዘይምስራሕ…….ወዘተ። እዞም ተጠቒሶም ዘለው ጠንቅታት: ኣብዚ ህልው ኩነታት ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን: ናብ ፍትሕ: ግጭት: ባእስን ዘይተደለየ ተግባራትን ዘብጽሑ ዘለው እዮም።
ክኸውን ዝግብኦ
ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ነገር ኣብዚ ኣርእስቲ እዚ እንታይነት ሓዳር እንታይ ምዃኑ ብዝግባእ ምርዳእ የድሊ።
ሓዳር ማለት ክልተ መጻምድቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ብሓሳብን፥ ቃልን ተግባርን ሓቢሮም ንኽነብሩን፡ ጎደሎታቶም ንኽመላልኡን (ዘፍ2፥18) ብቕድስና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ንክመላለሱ ዝኣትውዎ ኪዳን ኢዩ። ኣምላኽ ፍቕሪ ኢዩ ስለዚ ንሕና ድማ ሓዳርና ብፍቕርን፡ ብምትእምማንን ንኣምላኽ ብምፍራህን ዝተሃንጸ ክኸውን ይግባእ።- ኤፌሶን 5፥22-28
✔“ንሰብኡትክን ተኣዘዝኦም” ማለት፡ ተገዝኣ፡ ባሮት ኩና ዘስምዕ ቃል ባርነት ዘይኮነስ፡ “ንሰብኡትክን ኣፍቅራኦም” ዜብል መልእኽቲ ዘመሓላልፍ ቃል ፍቕሪ እዩ። ተኣዛዝነት ናይ ፍጹም ፍቕሪ መግለጺ እዩ። “እቲ ንትእዛዛተይ ተቐቢሉ ዜሕልዎ ንሱ እዩ ዘፍቅረኒ…”ዮሐ14፡21።
✔“ብግብርን ብሓቅን ክትፋቐር” ምኽኣል እዩ። “ኣቱምደቀየ፡ ብግብርን ብሓቅን እምበር፡ ብቓልን ብልሳንን ኣይንፋቐር።” 1 ዮሓ3፡18 ንሰብኡትውን በታ ብክርስቶስ ዜተገልጸት ፍቕሪ፡ ነንስቶም ብግብሪ ምእንቲ ከፍቅሩ ከምኡ ተባሂሉ ኣሎ፡ 1ይ ቆረንቶስ 11፥3: ግናኸ ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስ፡ ርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይ፡ ርእሲ ክርስቶስውን ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ክትፈልጡ እፈቱ ኣሎኹ።
✔ከምዚ ኣብዚ ቃል ገሊጽዎ ዘሎ ክርስቶስ ብኹሉ ነገር ነቦ መሲሉ ኢዩ፡ ስለዚ ከኣ ሰብኡት ንክርስቶስ ክመስሉን ከምኡ’ውን ኣንስቲ ከምቲ ጎይታ ነቦ ዝተኣዘዞ ንሰብኡተን ክእዘዛ ይግባእ። 1ይ ቆረንቶስ 7፥3: ሰብኣይ ንሰበይቱ ዚግብኣ ይግበረላ፡ ከምኡ’ውን ሰበይቲ ንሰብኣያ ትግበረሉ። ስለዚ ነቲ ክኸውን ዝግብኦ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ሓዳር ንምህናጽ፡ ክልቲኦም መጻምድቲ ዘለዎም ሓላፍነት ብደንቢ ክርድኡ ይግባእ።
ሓላፍነት ሰብኣይ፦
✔ንሰበይቱ ምፍቃር
✔ቤቱ ምምሕዳር
✔ስለ ጾታዊ ዕግበት ሰበይቱ ምሕሳብን ምስራሕን
ሓላፍነት ሰበይቲ ኸኣ፦
✔ንሰብኣያ ምፍቃር
✔ንሰብኣያ ምድጋፍ
✔ምእንቲ ሰብኣያ ምጽላይ
✔ቤታ ምእላይ(ቲቶ2፥5)
✔ውሽጣውን ደጋውን ጽባቀ ምሕላው ነዚ ዝተጠቕሰ ኣብነታት ብምርዳእን ብምግባርን፡ እግዚኣብሄር ዝፈትዎ ሰናይን፡ ቅዱስን ሕጉስን ዘለዎ ሓዳር ክንነብር ንኽእል።
ጉጅለ ሓደ ዝጸሓፍዎ
መሪጽናዮ ዘለና ኣርእስቲ ብዛዕባ ሰብኣይ ንሰበይቱ ከምኡ’ዉን ሰበይቲ ንሰብኣያ ከመይ ኣለዉ፣ ከመይ ከ ክኸዉን ይግባእ፧ ዝብል ሕቶ እዩ። መሰረት ሓዳር ባዕሉ እግዚኣብሄር ምዃኑ ንርኢ (ዘፍ2.18)። ህሉዉ ኩነታት ሓዳር ኣብዚ ዘለናዮ ክርአ ከሎ ግና፡ ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ወሪዱ ከም ዘሎ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወላ እኳ እንተዘይበልና ግን ኣብ ብዙሓት ብንጹር ዝርአ እዩ። ብፍላይ ኣብዚ ሓጺር እዋናት እንዳማዕበለ ካብ ዝኸይድ ዝርአ ዘሎ ኩነት ኣብ ማስ ሜድያ እንዳወጻኻ ብዛዕባ ሓዳርካ፣ ውልድካ፣ ምዝራብ ካብቲ ኣዝዩ ብሕማቕ ኩነት ካብ ዝጸሉ ዘሎ ንሓዳር ሓደ ኣርእስቲ እዩ። ካብቲ ጐይታ ዝሃበና ውህበት፡ ወይ ድማ በረኸት ወጻኢ ሎሚ ኣብ ሓድሕድና ጠንቂ ምፍልላይ፣ ምቅታል፣ ኣብ ቅድሚ ደቅኻ ዘይርሳዕ ሕማቕ ተግባራት ምግባር፡ ኣዝዩ ገኒንሉ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ክሳብ ክንደይ ካብ ፍርሃት ኣምላኽ ርሒቕና ምህላውና፡ ንምግማቱ ዝኸብድ ኣይኮነን። “መጀመርታ ጥበብ ንእግዚኣብሄር ምፍራህ እዩ፡ ነቲ ቅዱስ ምፍላጥ ከኣ ምስትውዓል እዩ” (ምሳሌ 9፡10)።
ንሓዳር ኣብ ፈተና ካብ ዘእትው ገለ ነጥብታት
1 ግሉጹነት ዘይ ምህላዉ፣ 2 ሽግርካ ብእሂን ምሂን ክትፈትሖ ዘይምኽኣል፣
3 ሕድገት ዘይምግባር፣4 ተጻዋርነት ዘይምህላዉ፣5 ተኣዛዝነት ዘይምህላዉ፣6 ፍርሓት ኣምላኽ ዘይምህላዉ፣7 ስደት ዘምጸኦ ነዉጺ፡ ናይ ባህሊ ምግጫው
8. ኣጠቓቕማ ገንዘብ፣
9. ስምዒት ሓድሕድካ ዘይምርድዳእ
10. ውሉድ ዘይምርካብ
ብፍላይ ኣብ ቁጽሪ 7 ዘላ ኣርእስቲ፡ እንተ ርኢና፡ ሓዳር ኣብ ስደት ምስ ወጻእካ ኣዝዩ በዳህን ዝኸበደን እዩ። እቲ ዘዓበናሉ ማሕበረሰብ፡ ምስ እዚ ዘለናዮ ምዕራባዊ ዓለም ኣዝዩ ዝፈላለ እዩ፣ ካልእ ይትረፍ፡ ኣብ ዝገጠመካ ሽግራት እኳ ንምፍትሑ ዝዉሰድ ስጉምታት፡ እቲ ዝዓበናሉ ማሕበረሰብ ዝኸተሎ ስርዓት፡ ምስ እዚ ናይ ምዕራባዊ ዓለም ክርአ ከሎ፡ ኣብ ሓዳር ዘለዎ ኣመለኻኽታ ናይዚ ምዕራባዊ ሕብረተሰብ ኣዝዩ ዝወረደን ዘይመጽሓፍ ቅዱሳዉን እዩ። እቲ ክንኮኖ ዝግብኣና፡ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ፡ ሰብኣይ ንሰበይቱ የፍቅራ ሰበይቲ ድማ ንሰብኣያ ትተኣዘዞ፡ ማለት ሰበይቲ ትሕት ኢላ ንሰብኣያ እቲ ዝግብኦ ክብረት ሓልዮት ፍቕሪ ከተርእዮ ይግባእ። እቲ ሰብኣይ’ዉን ከምኡ ከፍቅራን ክከናኸናን ይግብኦ፡ (ኤፌሶን 5 ፣21-28)።
ኪኖ እዚ ሓቂ እዚ፡ ካልእ ዝኾነ ይኹን ፍልጠት ንሓዳር መሰረቱ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። 1ይ ቆረንቶስ 7፣10-11: “ነቶም እተመርዓዉ ግና፡ ዚእዝዝ ዘሎ ጐይታ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን፡ እታ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ ኣይትፈታሕ፡ እንተ ተፈትሔት ከኣ፡ በኪ ትንበር ወይስ ምስ ሰብኣያ ትተዓረቕ፡ ሰብኣይ’ውን ሰበይቱ ኣይፍታሕ፡ ኢለ እእዝዝ ኣሎኹ። ንጥልመት፣ ፍትሕ፣ ቅትለት፣ ሕማቕ ተግባር፡ ኣይተጸዋዕናን።
ጉጅለ 3 ዝጸሓፍዎ
ኣብነታውያን ሰብ ሓዳር ከም ዘለዉ ርዱእ ጌርና፡ ኩነታት ናይ ሎሚ ሰብኣይን ሰበይትን ብሕጽር ዝበለ ነዚ ይመስል። ሰብኣይን ሰበይትን ብፍቓድ ኣምላኽ ዘይኰነስ፡ ቅድሚ መርዓ ብሓባር ክነብሩን ውላድ ክወልዱን ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። ብፍርሃት እግዚኣብሔር ቃል ኪዳን ስለ ዘይኣትዉ፡ ንሓድሕዶም ኣይደጋገፉን። ንረብሓኦም እምበር፡ ንመጻምድቶም ኣይሓስቡን። ናብ ፍትሕን ባእስን ቅትለትን ዘብጽሕ ምድራዊን ሰይጣናዊን ሓዳር ኣለዎም።
ከም ሃገርን ሕብረተሰብን ስድራን ካብ ግቡእ ቅርጺ ስለ ዝወደቕና፡ ሰብኡትን ኣንስትን'ውን ብዘያላይ ስድራ፥ ቃል ኪዳኖም ብኣምላኽ ከም ዝተቐመጠ ስለዘየስተዓሉ፥ ኣብ ሓዳሮም ብከቢድ ሽግር ይነብሩ። ኣብቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን መንፈሳዊ ጉባኤ ብዛዕባ ሓዳር ብሓባር ዝሳተፉ እውን ኣዝዮም ውሑዳት እዮም። እዚ ሸለልትነትን መንፈሳዊ ድክመትን ብምህላው፥ ብዙሓት ሰብ ሓዳር ብሃውሪ፥ ንጹር ኣካይዳ ዘይብሉ፥ ምትሕግጋዝ ዝጎደሎ፥ ይቕረ ክብሃሃሉ ዝኸብዶም ኰይኖም፥ ሰላም ኣምላኽ ዝጐዶሎ ህይወት ኣሎዎም።
እግዚኣብሔር ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ርክብ ነቲ ኣብ መንጎ ክርስቶስን ቤተ ክርስቲያኑን ዘሎ ርክብ ከንጸባርቕ እዩ ኣዳልይዎ። ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ ሰብኣይ እውን ርእሲ ሰበይቱ ክኸውን እዩ ተጸዊዑ። እዚ ንኽከኣል ሰብኣይ መጀመርታ ንክርስቶስ ክግዛእ ኣለዎ፣ ርእሲ ህይወቱ ክገብሮ ኣለዎ። ሰበይቲ ድማ ንሰብኣያ ከምቲ ንክርስቶስ ዘኽብሮ፡ ብኣኽብሮትን ብፍቕርን ክትሕዞ፡ ከተኽብሮን ክትድግፎን ኣለዋ።
ተራ ሰብኣይ ልክዕ ከምቲ ክርስቶስ ንቤተ ክርስቲያኑ ዘፍቅራን ዝሓልየላን ብመስዋእታዊ ፍቕሪ ምምራሕ እዩ። ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎ ሰብኣይ ንሰበይቱ ብቓል ኣምላኽ ኣቢሉ ይከላኸለላን ይሕብሕባን ይሃንጻን። ንሰበይቱ ከምቲ ንገዛእ ርእሱ ጌሩ ዘፍቅራ፡ ከምኡ ከፍቅራ፡ ድሌታታ ማዕረ ናቱ ኣገዳስነቱ ኣለልዩ፡ ንጽቡቕ ህይወት በዓልቲ ቤቱን ደቁን ብዘይ ርእሰ-ፍትወት ክሰርሕ ኣለዎ።
ሰበይቲ ብወገና፡ ንሰብኣያ ብፍቕርን ብኣኽብሮትን ክትእዘዞን ክትድግፎን ኣለዋ። ምትብባዕን ምእዛዝን ንሰብኣያ ዝያዳ ንኽፈትዋ ክሕግዞ ይኽእል። እቶም ሰብ ሓዳር ብሓድሕዳዊ ፍቕርን ምክብባርን፥ ኣገልግሎትን ጌሮም፡ ንኣምላኽ ዘኽብር ሓዳር ብምዅስኳስ፡ ደስ ዘብል ህይወት ይመርሑ።
ኣምላኽ ዘማእከለ ሓዳር ምህናጽ
ዕዉት ሓዳር ክህሉ ምዝርራብን ምትሕግጋዝን ጸሎትን ይቕሬታን የድሊ። ሰብኣይን ሰበይትን ነዚ ስርዓታት እዚ ብተወፋይነት ብምፍጻም፡ ሓዳሮም ናይ ኣምላኽ ምዃኑ ብምትእምማን፡ ነቲ ብሓባር ኣብ ህይወት ዜጋጥሞም ብድሆታት ክሰግርዎ ይኽእሉ። ምእንቲ ክብሪ እግዚኣብሔር ብፍቕርን ሓድነትን ክነብሩ ምስ ዝመርጹ፡ ዝምድናኦም ምስክር ጸጋኡን ዕላምኡን ይኸውን።
ከምኡ ብምግባር ድማ ሰብኣይን ሰበይትን ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ተራ ይፍጽሙ፣ ክርስቶስ ንቤተ ክርስቲያኑ ዘለዎ ፍቕሪ ዘንጸባርቕ ሓዳር ይፈጥሩ: ድልዱልን ርእሰ-ፍትወት ዘይብሉን ንፍቓድ ኣምላኽ ዘማእከለ ሕብረት ይኸውን።