መበል 12 ዕዮ ገዛ፡ መጽናዕቲ ናብ ሰብ ኤፌሶን

ዝቐረበ ሕቶ፡

ኣብ ኤፌሶን 6፡10-18 ”ኣጽዋር ኣምላኽ” ብዝብል ተዘርዚሮም ካብ ዘለዉ 6 ኣጽዋር፡ 2 መሪጽኩም፡ ኣገዳስነቶምን ንምንታይ ከም ዝጠቕሙናን ግለጹ።

ጒጅለ 4 ዝጸሓፍዎ  

ኣብ ጉጅለና፡ ”ናይ ድሕነት ቊራዕ ርእሲ” ከምኡ’ውን ”ናይ መንፈስ ሰይፊ” ዝብሉ፡ ክልተ ኣጽዋር መሪጽና ኣለና።

ቊራዕ ርእሲ

ሓደ ካብቶም ዕጥቅታት ወተሃደር ኰይኑ፡ ነቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ክፋል ሰብነት ዝዀነ ርእሲ፡ ካብ በበይኑ ዓይነት መጥቃዕቲ ንምክልኻል ዝውደ ኢዩ። ምሳሌኣዊ ውክልና እቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝህቦ ሓለዋን መረጋገጽን ድማ እዩ። ኣእምሮ መብዛሕትኡ ግዜ ጥርጣረታትን ፈተናታትን መታለሊ ሓሳባትን ዝቕልቀለሉ ዓውደ ውግእ እዩ። እዚ ናይ ድሕነት ቍራዕ ርእሲ  ድማ፡ ኣንጻር’ዚ መጥቃዕትታት’ዚ ከም መከላኸሊ ኰይኑ የገልግል፣ ነቲ ኣማኒ፡ ኣብ ትኹልን እሙንን ተስፋ ድሕነት ክተኣማመን ይገብር። ከምቲ፡ ርእሱ ዝተሃርመ ወተሃደር ብህይወት ክጸንሕ ዘለዎ ተኽእሎ ንእሽቶ ዝዀነ፡ ነቲ ናይ ምድሓን ቊራዕ ርእሲ ዘይተዓጥቐ ክርስትያን፡ ማለት (ብዛዕባ ድሕነቱ ኣፍልጦ ዘይብሉ፡ ኣተሓሳስባኡ ብድሕነት ዘይተሓደሰ፡ ብዛዕባ ድሕነቱ ዝጠራጠር፡ ወይ ምድሓኑ ዘይኣምን) ከኣ ንጥፍኣት ኣዝዩ ዝተቓልዐ፡ ኣብ ጸልማትን ኣብ ድነ ሞትን ዝነብር ይኸውን። እምበኣር ልክዕ ኸምቲ ቍራዕ ርእሲ ኣብ እዋን ውግእ ንርእሲ ወተሃደር ዝከላኸል፡ መንፈሳዊ ቁራዕ ርእሲ ድማ ንኣእምሮ ኣማኒ ካብ ጥርጣረ፡ ፍርሕን መንፈሳዊ መጥቃዕትን ይሕልዎ ማለት’ዩ። ኣማኒ፡ ኣብ ሓጢኣት፡ ኣብ ዘይምእማንን ኣብ ጎዳኢ ዝኾነ ስነ-ሓሳባትን ንምውዳቕ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ምእንቲ ከይኣቱ፡ እዚ ቍራዕ ርእሲ እዚ ይከላኸለሉ።

ናይ መንፈስ ሰይፊ፡ ማለት ቃል ኣምላኽ

ካብዞም ኣብዚ ምዕራፍ እዚ ተጠቒሶም ዘለዉ ኣጽዋር፡ እቲ እንኮ ንምጥቃዕን ንምክልኻልን ዘገልግል፡ ናይ መንፈስ ሰይፊ እዩ። ዋንነቱ ድማ ናይ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ። ንጥቕሚ ናይዚ ዕጥቂ እዚ ንምርዳእ እምበኣር፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብድያብሎስ ኣብ እተፈተነሉ (ማቴ 4፡1-11) እዋን፡ ናይ መንፈስ ሰይፊ ማለት ቃል ኣምላኽ ብምጥቃም ከመይ ጌሩ ንውዲት ናይቲ ፈታኒ ንምክልኻል ከም እተጠቕመሉ ምርዳእ ኣገዳሲ ኢዩ። ብኻልእ ወገን ቃል ኣምላኽ፡ ከምቲ ኣብ ኢድ ሓያል ወተሃደር ዘሎ ሰይፊ፡ በቲ ናይ ነፍስን መንፈስን፡ መፈላልዮን ኣካላትን ኣንጒዕን ናይ ምፍልላይ ዓቕሙ (እብ 4፡12)፡ ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ንዝጻላእ ልዕል ዝበለ ኵሉ ሓሳባት ብምፍራስን ንኣእምሮ ዘበለ ንክርስቶስ ብምምራኽን (2ቆሮ 10፡5)፡ እምነት፡ ንስሓ፡ ድሕነትን (ግብ 2፡40-41) ንሰባት ብምምጻእ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ንምስፋሕ’ውን ይጠቅም ኢዩ።

ጉጅለ 3 ዝጸሓፍዎ

ኣብ ጉጅለና፡ ንሽድሽቲኦም ኣጽዋር፡ ከምኡ’ውን ኣገዳስነት ጸሎት ዝብል፡ ብዕምቈት ተዘራሪብናሉ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣቐዲሙ ከም ኣመንቲ ምስ ሰብ ብኸመይ ክንነብር ከም ዝግባእ ምሂሩ፥ ኣብ መወዳእታ ድማ ምስቶም ዘይርኣዩ መንፈሳውያን ሓይልታት፡ ወይ ንሰይጣን ብኸመይ ክንብድሆ ከም ዝግባእ’ዩ ዝገልጽ ዘሎ። ነቲ ኣብ ትንቢተ ኢሰያስ 11፥5, 49:2, 59:17 ንመሲሕ ዝተነግረሉ ኣጽዋር፥ ንሕና’ውን ከም ሰዓብቱ መጠን፡ ነቲ ኣጽዋር እቲ ክንለብሶ ከም ዝግብኣና ይምህረና።

እቶም ሽዱሽተ ኣጽዋር ኣምላኽ

  1. ዕጥቂ ሓቂ፡ ንሓቂ ማለት ንክርስቶስ ክንስዕብን፥ ሓቂ ክንዛረብን፥ ንኣምላክ ኢልና ኣብ ሓቀኛ ህይወት ክንነብርን ከም ዝግባእ ይምህረና፡ (ኤፌሶን 1፡13፤  4፡15, 25)

  2. ድርዒ ጽድቂ፡ ብጽድቅን ቅድስናን ክንነብር ከም ዝግባእ ይምህረና፡ (ኤፌሶን 4፡24፤  5፡9)

  3. ኣሳእን ሰላም፡ ብወንጌል ድሉዋት ኴንና ደው ክንብል፥ ምስ ኣምላኽን ምስ ኣሕዋትናን ብሰላምን ሓድነትን ክንነብርን ክንጉዓዝን፥ ከምኡ ኸኣ ወንጌል ሰላም ክንነግርን ከም ዝግባእ ይምህረና፡ (ኤፌሶን 2፡17፤  4፡1-3)

  4. ዋልታ እምነት፡ ኣብ ተስፋታት ኣምላኽ ክንውከል ከም ዘለና ይምህረና፡ (ኤፌሶን 2፡8-9፤  3፡16-17)

  5. ቍራዕ ድሕነት፡ ንርእስና ወይ ኣእምሮና፡ ድሕነትና ርጉጽ ምዃኑ፡ ብዘይ ምጥርጣር ከኣ ክንቅበሎ ከም ዝግባእ ከነሕስቦ ከም ዘለና ይምህረና፡ (ኤፌሶን 1፡13-14፤  2፡4-6)

  6. ናይ መንፈስ ሰይፊ፡ ማለት ቃል ኣምላኽ፡ ንምክልኻልን ንምጥቃዕን ከም ንጥቀመሉ፡ ይምህረና፡ ኤፌሶን 1፡17፤  5፡26)

ከምቲ ንመኪና ነዳዲ ዘንቀሳቕሳ፡ ንዓና ኸኣ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ’ዩ ዘንቀሳቕሰና እሞ ምስቲ፡ ሓይሊ ዝህበና ብቐጻሊ ርክብ ከም ዘድልየና፡ ተዘራሪብናሉ፡ (ኤፌሶን 1፡16-17፤  3፡20, 6፥10)።

ትሕዝቶ መልእኽቲ ኤፈሶን

ብቕልል ዝበለ ንምዝካሩ፡ ብሰለስተ ቃላት፡ ማለት፡ ምቕማጥ (ኮፍ ምባል)፥ ምጉዓዝ (ምምልላስ)፥ ከምኡ’ውን ደው ምባል፡ ብዝብሉ ቃላት ክንዝክሮ ንኽእል።

  1.  ኮፍ ምባል (ምዕ 1–3)፦ ኣምላኽ ብክርስቶስ ጌሩ ከም ዝባረኸናን ከም ዘዕረፈናን (ኤፈ 1፥7) ጐይታና ኢየሱስ ብደሙ ምድሓን ከም ዝጸገወና፥ (ኤፈ 2፥6) መንፈስ ቅዱስ ድማ፡ ዕርቡን ርስትና ብምዃን ማሕተም ውልድነትና ከም ዘውሓሰልና (ኤፌ1.13) ርኢና።

  2. ምጕዓዝ (ምምልላስ) ምዕ 4-5፦ ግብራዊ ክርስትና፡ ህይወትና ኣብ ዓለም ነቲ ዝተጸዋዕናሉ ጽውዓ ብቑዓት ኴንና ክንመላለስ ከም ዝግባእ ተማሂርና፡ (ኤፌ 4:1)። ነዚ ክፍሊ’ዚ ኣብ ክልተ መቒልና፡   ብፍቕሪ ተመላለሱ (ኤፌ5:2) ኣብ ዝብልን፡ ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ተመላለሱ (ኤፌ 5:8-10) ብዝብል ተማሂርና።

  3. ደው ምባል (ምዕ 6)፦ ንኸነጥቅዕ ዘይኰነስ፥ ከም ሰዓርቲ ኴንና፡ ንተቓውሞ ብሓይሊ ኣምላኽ ጸኒዕና፥ ኣብ ሓቂ ተሰሪትና፥ ከምኡ’ውን ዕጥቂ ኣምላኽ ተዓጢቕና ደው ክንብል፡ ከም ዝግባእ ርኢና።

ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነዛ ሳልሰይቲ ጠቒስናያ ዘለና፡ ደው ምባል ንእትብል እዩ፡ ብሓይሊ ክርስቶስ፡ ብኸመይ ደው ክንብል ከም ዝግብኣና ዝምህረና። ጉጅለና ካብተን ኣብ ምዕራፍ 6 ተጠቒሰን ዘለዋ ሽዱሽተ ኣጽዋር ኣምላኽ፡ ዋልታ እምነትን፥ ናይ መንፈስ ሰይፊን ዝብላ መሪጽና ብኸምዚ ዝስዕብ ኣቕሪብናዮ ኣለና።

ዋልታ እምነት

ሓቂ ኣምላኽ ነቲ ሓዊ ዝመስል ፍላጻ ጸላኢ ከም ዘጥፍኦ ብምትእምማን፡ ንመብጽዓታት ኣምላኽ፡ ከም ጽኑዕ መከላኸሊ ዕርዲ፡ ዋልታ እምነት ይጥቀሙ። እዚ ዋልታ እዚ፡ ካብ ጥርጣረታትን ካብ ፍርሕን ዝኣመሰሉ መንፈሳዊ መጥቃዕትታት ንምክልኻል ይሕግዞም (ኤፌ 6፥16፤ እብ 11፡1)።

  • ዋልታ ንወተሃደር ካብ ፍላጻ፡ ኣስያፍ ወይ ኲናት ንኣካላዊ መጥቃዕቲ ከም ዝከላኸለሉ፡ ዋልታ እምነት ንክርስትያናት ካብ ምጥርጣር፡ ፍርሒ፡ ፈተናን ክስን ዝኣመሰሉ መንፈሳዊ መጥቃዕቲ ይከላኸለሎም፡ (ኤፌሶን 6፡16)

  • ዋልታ ወተሃደር ካብ ሓጺን ወይ ዕንጨይቲ ዝስራሕ ድልዱል እዩ። ዋልታ እምነት ብተስፋታት እግዚኣብሔርን ባህርያቱን ቃሉን ብምትእምማን ይድልድል፡ንኣመንቲ ካብ ሓሶት፣ ተስፋ ምቑራጽን ሓጢኣትን ይሕልዎም (መዝሙር 18፡30፣ ሮሜ 10፡17)

  • ዋልታ ወተሃደር ንኣካላቶም ክሽፍንን ክከላከለሎምን ዝኽእል ዓቢ እዩ፣ ዋልታ እምነት ንህይወት ሓደ ክርስትያን ዝሽፍን ኮይኑ፡ ካብ ኩሉ ዓይነት መንፈሳዊ መጥቃዕቲ ይከላከል (እብ 11፡6)።

  • ወተሃደራት ዋልታኦም ብሕብረት ኣለጋጊቦም ይከላከሉ።  ክርስትያን’ውን ሕብረቶም ንእምነቶም ሓይልን ምትብባዕን ሂቡ ንመንፈሳዊ ብድሆታት ብሓባር ንምምካት የኽእሎም፡ (1 ተሰሎንቄ 5፡11፣ እብራውያን 10፡24-25)።

  • ዋልታ ብወተሃደር ንምጥቃሙ ንቕሓት ይሓትት፣ ዋልታ እምነት ንሓቂ ኣምላኽ ብምእማን፣ ኣብ ጸሎት ጸኒዕካ ደው ብምባል፣ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብምንባብ ንጡፋት ንኸውን (ማቴ 4፥4-10, ሮሜ 10፡17, ይሁዳ 1፡20)።

  • ወተሃደር ዋልታኦም ብጽቡቕ ከም ዝጥቀመሉ፥ ክርስትያናት ኣብ ኣምላኽ ብንጥፈት ተወኪሎም ይዕወቱ (1ዮሃ 5፡4)  ዮሃንስ 16፡33)።

ከምቲ ኣብ እብራውያን 11፡1 እምነት ግና ነቲ ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር፡ ናይቲ ዘይርአ ነገር ምርዳእ እያ ብምባል፡ እምነት ንርክብና ምስ ኣምላኽ መሰረታዊ ተራ ከም ዘለዋ ዝሕብረና፡ ክርስቲያን ድማ ንእምነት ከም ዋልታ ጌሩ፡ ነቲ ሓዊ ዝመስል ፍላጻታት ጸላኢ ንምጥፋእ ይጥቀመሉ።  እምነት ኣብ ባህርን መብጽዓታትን ሓይልን ኣምላኽ ዘይንቕነቕ ምትእምማን ኮይኑ፡ ከም ቀንዲ መከላኸሊና ኣንጻር ጥርጣረን ፍርሕን ምትላልን ኮይኑ የገልግል።   

ናይ መንፈስ ሰይፊ

ወተሃደር ንጸላእቱ ንምምካት ሴፍ ይሕዝ፣ ክርስትያን ድማ ነቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቃል ኣምላኽ (2 ጢሞ 3፥16-17) ተጠቂሙ፣ ንሓሶት ጸላኢ ንምግጣምን ንምስዓርን ብመንፈሳዊ ዓወት ደው ንምባል ይኽእል፡ (ኤፌ6፥17፣ እብ 4፡12)። ናይ መንፈስ ሰይፊ ካብቶም ካልኦት ክፋላት ኣጽዋር ፍልይ ዘብሎ፥ ንምክልካልን ምጥቃዕን ክንጥቀመሉ ስለ እንኽእል እዩ። እቲ ዝሓየለ መሳርሒ ኣንጻር ንመንፈሳዊ መጥቃዕትታት ንጥቀመሉ እዩ። ንኣብነት ጐይታ ንሰይጣን ብቃል ኣምላኽ ገኒሕዎ። (ማቴ 4፥1-11)።

  • ሰይፊ ወተሃደር ኣብ ውግእ ንምጥቃዕ ጸላኢ ኣገዳሲ እዩ። ናይ መንፈስ ሰይፊ - ቃል ኣምላኽ - ንሓሶትን ፈተናን መንፈሳዊ ምትላልን ብምምካት፥ ክርስትያን ኣንጻር እኩያት ሓይልታት ደው ክብሉ ይኽእሉ።  (ኤፌሶን 6፡17)።

  • ሰይፊ ወተሃደር በሊሕን ኣብ ውግእ ብኣድማዒ ንምቑራጽ ድሉውን እዩ፣ ቃል ኣምላኽ ድማ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዝበልሕ ሓያል እዩ። ንሓሶት ዝቖርጽ፣ ንልቢ ዘእምንን ሓቂ ዝገልጽን እዩ (እብ 4፡12፤ 2ይ ጢሞቴዎስ 3፡16-17)።

  • ወተሃደራት ንሰይፉ ብኸመይ ይጥቀመሉ ክለማመዶ ኣለዎ። ክርስትያናት’ውን ቃል ኣምላኽ ከጽንዑን ከስተንትኑን፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወቶምን መንፈሳዊ ውግኦምን ብኸመይ ብውሕሉል ኣገባብ ከም ዝጥቀሙሉ ክመሃሩ ኣለዎም (መዝሙር 1፡1-2፤ 2ጢሞ 2፡15)። 

  • ወተሃደር ንሰይፉ ምዓስን ብኸመይን ይጥቀመሉ ምፍላጡ ኣገዳሲ እዩ። ቃል ኣምላኽ ድማ ብግቡእን ክጥቀመሉ ኣለካ። ንፈተና ኣብ ምቅዋም፥ ንኻልኦት ምትብባዕ ወይ ጌጋ ንምእራም፥ ብዛዕባ እምነትካ ንምግላጽ ክኸውን ይኽእል።(ማቴ 4፡4፣ 2ጢሞ 4፡2፣ 1ጴጥ 3፥15).

  • ወተሃደር ንመከላኸልን መጥቃዕትን ኣብ ሰይፉ ይምርኮስ፣ ክርስትያናት ውን ንትምህርቲ ሓሶት ከለልዩን፥ ንሓሶት ብናይ ሓቂ ኣምላኽ ከጥቅዑን የኽእሎም። (2ቆሮንቶስ  10፡4-5)።

  • ወተሃደር ንሰይፉ ውጽኢታዊ ክኸውን ኩሉ ግዜ ድሉው ይገብሮ፣ ክርስትያናት ድማ ርድኢቶም በሊሕ ንኽኸውንን፥ ልቦም ንምትግባር ድሉው ንኽኸውንን፥ ብቐጻሊ ምስ ቃል ኣምላኽ ግዜ ከሕልፉ ኣለዎም (ኢያሱ 1፡8፤ መዝሙር 119፡11)።

  • ብጽቡቕ ዝተታሕዘ ሰይፊ ንወተሃደር የዐውቶ፥ ቃል ኣምላኽ ውን ክርስትያን ምስ ኣምላክ ጽቡቅ ርክብ ጌሮም ኣብኡ ብምጽንዖም ሓይሊ ይሕቦም። (ራእይ ዮሃንስ 12፡11፣ ሮሜ 1:16)።

እዚ ኣጽዋር ውጽኢታዊ ንኽኸውን ከምቲ ሓደ ወተሃደር ምስ ብጾቱን ሓላፊኡን ንምኽሪ፥ ሓበሬታ፥ ምትብባዕ፥ ሓገዝ ወዘተ ርክብ ዘድልዮ፥ ንክርስትያን ብጸሎት ምስ ኣምላኽን ሕብረት ምስ ኣሕዋትን ኣገዳሲ ምዃኑ’ውን ንርዳእ።

ጉጅለ 1 ዝጸሓፍዎ

ጉጅለና፡ ዋልታ እምነትን ናይ መንፈስ ሰይፍን ዝብሉ ክልተ ኣጽዋር መሪጽና ተዘራሪብናሉ ኣለና።

ዋልታ እምነት

ከምቲ ሓደ ወተሃደር፡ ነቲ ካብ ጸላእቱ ንዝውርወሮ ፍላጻታት ብዋልታ ጌሩ ዝከላኸል፡ ቃል ኣምላኽ ከኣ  ንሓደ ክርስትያን ካብቲ ዝመጽእ ዝተፈላለየ ፈተናታት ናይ ሰይጣን ክፉእ ሓሳባት እንከላኸለሉ ወይ እነበርዕነሉ ዋልታ እምነትና እዩ።

  • መዝ 18.30 መገዲ ኣምላኽሲ ፍጽምቲ እያ፣ ቃል እግዚኣብሄር እተዀልዔ እዩ፣ ነቶም ብእኡ ዚውከሉ ዘበሉ ዋልታኦም እዩ።

  • ምሳ30.5-6 ቃል ኣምላኽ ብዘሎ ዅሉዕ እዩ፡ ንሱ ነቶም ናብኡ ዚዕቈቡ ዋልታኦም እዩ። ከይዘልፈካ፡ ሓሳዊ ዄንካ ኸኣ ከይትርከብሲ፡ ናብ ቃሉ ሓንቲ እኳ ኣይትወስኽ።

  • 1ዮሃ5.4 ካብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ ዅሉ ንዓለም ይስዕራ፡ እታ ንዓለም እንስዕረላ ስዕረት ከኣ፡ ንሳ እምነትና እያ።

  • ኢሰ 49.2 ንኣፈይ ከም በሊሕ ሰይፊ ገበሮ፡ ኣብ ጽላል ኢዱ ኸኣ ሐብኣኒ፡ ስሑል ፍላጻ ገበረኒ፡ ኣብ ጒልድባኡውን ከወለኒ፡

ብኣጠቓላሊ ክንርእዮ ከለና፡ እቲ ዋልታ እምነትና ዝዀነ ጐይታ፡ ንሱ ብዓቢኡ እሙን እምባና፡ ዕርድና፡ ጸግዕና፡ ዘይታኸስ ሓላዊናን ከም ምዃኑ፡ መመሊስና ብእኡ ክንኣምንን ኣብኡ ክንውከልን ይግብኣና እዩ።

ናይ መንፈስ ሰይፊ

  • ኤፌሶን 6:17 ”ናይ መንፈስ ሰይፊውን፡ ማለት ቃል ኣምላኽ፡ ሐዙ” ይብለና።

  • እብራውያን 4:12፤ ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ፡ ነፍስን፡ መንፈስን፡ መፈላልዮ ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም፡ ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ።

  • ዳዊት 119:105፤ ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ፣ ንመገደይ ብርሃን እዩ።

  • ሮሜ 10:17፤ እምብኣርሲ እምነት ካብ ምስማዕ እያ፡ ምስማዕውን ብቓል ክርስቶስ እዩ።

ካብዞም ዝነበብናዮም ጥቕስታት ብምብጋስ፡ እቲ ኩሉ ግዜ ምሳና ክንሕዞ ዝግብኣና፡ ቃሉ ምዃኑ ንርዳእ። ኣብ ቃሉ፡ ህይወት አሎ፡ ፈውሲ ኣሎ፡ ምጽንናዕ ኣሎ….. ቃሉ ልኢኹ ኣሕወዮም ወዘተ፡ ኣሜን።

ጉጅለ 2 ዝጸሓፍዎ

ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ድሕር’ቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኣብ ኣምላኽ ዘለና መንነት፡ ከምኡ'ውን ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ከመይ ጌርና ክንመላለስ ከም ዝግብኣና ምስ መሃረ: ኣብ መወዳእታ ናይ ሰይጣን መጥቃዕቲ(ውግእ) ከመይ ጌርና ክንዕወተሉ ከም እንኽእል: ትምህርቲ ብምሃብ’ዩ ንመልእኽቱ ዝዛዝም።

እቲ እንቃለሶ ቕልስ፡ ምስ ዝኾነ ስጋዊ ኣካል ዘይኮነስ፡ መንፈሳዊ ቅልስ ምዃኑ ድማ ይነግረና፡ [ኤፌ፣6:12; 2ይ ቆሮ10:3-5]። ስለዚ ድማ እዩ፡ እቲ ክንለብሶ ዘለና ኣጽዋር፡ ናይ ኣምላኽ ምዃኑ ዝነግረና። ልክዕ ከምቲ ኣብ ስጋዊ ዓውደ ውግእ፡ እቲ ሰራዊት ናይ ገዛ ርእሱ ኣጽዋር ዘለዎ: ኣብቲ መንፈሳዊ ውግእ’ውን፡ እቲ ህዝቢ ኣምላኽ፡  ናቱ ዝኾነ ክንዋጋኣሉ ዘሎዎ መንፈሳዊ ኣጽዋር ኣሎ። ስለዚ ድማ እዩ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነቲ መንፈሳዊ ኣጽዋር በቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣርኣያ ብምግባር ከመይ ክንጥቀመሉ ከም ዘለና ብምትንታን ዝገልጾ።

ናይ ምድሓን ቊራዕ ርእሲ

ሞተር ኣካላትና፡ ኩሉ ሓሳባት ምውራድን ምድያብን፡ ካብ ኣእምሮና እዩ ዝምንጩ። ቀንዲ ዕላማ ቍራዕ ርእሲ እምበኣር፡ ንርእሲ ምኽልካል እዩ። ሰይጣን ንምድሓንና ኣቝሲሉ ልሙሳት ክገብረና ድላዩ እዩ። እዚ ማለት ከኣ፡ ”ኣይድሓንካን” እናበለ፡ ነቲ ብክርስቶስ የሱስ ዝረኸብናዮ ምድኃን፡ ኣብ ኣእምሮ ሕማቕ ሓሳባት እንዳ ዘርአ ናቱ ምሩኻት ዝገብር። ንሕና ግና ደቂ መዓልቲ ኻብ ኰንናስ፡ ድርዒ እምነትን ፍቕርን፡ ነታ ተስፋ ምድሓን’ውን ከም ቍራዕ ርእሲ ጌርና፡ ተኸዲንና ንጠንቀቕ[1ይ 5:8 ተሰሎንቄ] [ኢሳ 59:17]። ቊራዕ ርእሲ፡ ናይ ጸላኢ ኲናት ንርእስኻ ከየጥቅዓካ ንምክልኻል እተእትዎ ኢዩ። ክርስትያን ክኣ ኣእምሮና ዝዘርግ፡ ንድሕሪት ዝመልስ ኩሉ ሓሳባት በቲ ዝደሓንናሉ ፍቕሪ ኣምላኽ ክንከላኸሎ የኽእለና። እዚ ማለት፡ እቶም ብጐይታ ዝደሓንና፡ ብፍሕሶ ሰይጣን ኣኽሊልና ከይንዝረፍ ንርእስና ብፍቕሪ ኣምላኽ ክንሕልዋ ኣለና ማለት’ዩ [ይሁ 1፡21]። ጽሑፍ ከምዚ ይብል፦ “ቀልጢፈ እመጽእ ኣለኹ። ሓደ እኳ ኣኽሊልካ ከይዝርፈካስ ነቲ ዘሎካ ኣጽኒዕካ ሓዞ” [ራእ 3፡11]።  ኣብ ግዜ ዓወት ይኹን ፈተና ርእስና ብጸላኢ ከይንምንጠል ኣዚና ክንጥንቐቕ: ሰይጣን ንምድሓን ክምንጥል ዝጥቀመሉ መሰራሒ ኣለሊና ቍራዕና ብግቡእ ነእቱ።

ናይ መንፈስ ሰይፊ [ማለት ቃል ኣምላኽ]። ብመጀመርታ እቲ ቅኑዕ ርድኢት ኣብ ቃል እግዚኣብሔር ክርደኣና ዘለዎ ግን ቃሉ ንዓና ነቶም ኣመንቲ ዝተወሃበና ምኽንያት፦

  • ብቓል ኣምላኽ ዝተማእከለ ህይወት ክህልወና።

  • ንዅሉ ፍሕሶ ጸላኢ ዲያብሎስ ከነፍርሰሉ[ኤፈ 6:10-20]

  • ብክርስቶስ ዚርከብ ህይወት ክሕብረና [ዮሃ 20:31]።

  • ተስፋ ኪዀነልና [ሮሜ 15:4]።

  • ብስም ወዲ ኣምላኽ ንዝኣምኑ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘላቶም ምእንቲ ክፈልጡ[1ዮሃ 5:13]።

  • ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ክጠቕመና [2ጢሞ 3:16-17]።

እቲ ንጸላኢና እንከላኸለሉ ቃል ኣምላኽ ንእዋኑ ዝኸውን ብንጹርነትን ብፍልጠትን እምበር፡ ብሃወሪ ኣይኮነን። ከምቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ብሰይጣን ክፍተን ከሎ ብንጹር ካብ ቃል ኣምላኽ እንዳገለጸ ዝተቓወሞ [ማቴ 4:1-11] ንሕና’ውን ከምኡ ሰይጣን ኣብ ርእስና ዝኾነ ሓሳብ ከእትወልና ከሎ: ከም ኣብነት ናይ ምጥርጣር መንፈስ ብቓል ኣምላኽ ጌርና ንሕና'ውን ነቲ ሓሳብ ንቘርጾ። ምኽንያቱ ቃል ኣምላኽ ኣብ [እብራውያን 4:12]፤ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ፡ ተባሂሉ ኣሎ።

  • ቃል ኣምላኽ፡ግዜን ቦታን ዘይግድቦ፡ ብኹሉ ዘመንን፡ ኣብ ኩሉ ቦታን ዚሰርሕ: ቃል እዩ።

  • እግዚኣብሔር ሕያው ከም ዝኾነ፡ ቃሉ’ውን ሕያው እዩ።

  • እግዚኣብሔር ዘይልወጥ ኣምላኽ ከም ዝኾነ፡ ቃሉውን ኣይልወጥን እዩ[ሚል፡3፡6]።

  • ነቶም ቀዳሞት ወለዶ ብዙሕ ድንቂ ተኣምራት ዚገበረ ኣምላኽ፡ንሱ እዚ ሎሚ እነምልኾ ዘሎና ኣምላኽ’ዩ። እዚ ሎሚ ንዓና ዚንገረና ዘሎ ቃል፡ እቲ ነቶም ናይ ጥንቲ ሰባት ዚተሰብከሎም ቃል እዩ። [ዕብ፡4፡2]

  • ቃል ኣምላኽ ካብ እቶም ዝነኣሱ ሕጻናት ክሳብ እቶም ኣረጋውያን፡ንቐይሕ፡ንጸሊም፡ብምብራቕ ንዘሎ ብምዕራብ፡ብሰሜን ንዘሎ ብደቡብ፡ ብዘይኣፈላላይ፡ ንኹላትና ደቂ ሰባት ዚተጻሕፈ ቃል እዩ። ቃል እግዚኣብሔር ንዚኣምን ዘበለ ኩሉ ዚዓዪ ሕያው ቃል እዩ።

  • “ኣምላኽ ከይሕሱ ሰብ ኣይኮነን፡ ከይጠዓስ ከኣ፡ ወዲ ሰብ ኣይኮነን፡ ንሱ ነቲ ዝበሎ ይገብሮ፡ ነቲ ዘተስፈዎ ይፍጽሞ” ከም ዚተባህለ [ዘኁ፡23፡19]: እግዚኣብሔር ብቃሉ ንዚበሎ ኩሉ ዚፍጽም እሙን ኣምላኽ እዩ።

  • ቃል እግዚኣብሔር፡ ከም ቃል ሰብ ኣይኮነን። ምሕላንን ሓሳብ ልብን ፈልዩ ዚፈልጥ፡ ነፍስን መንፈስን፡ መገጣጠምን ኣንጉዕን ክሳብ ዚፈላሊ ዚቖርጽ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ ሕያውን ዚሰርሕን ቃል እዩ[ዕብ፡4፡12]።

  • ዝናምን ውርጭን ካብ ሰማይ ከም ዚወርድ እሞ ንምድሪ ኸይስተዮ፡ ከም ዘየፍርን ከም ዘየብቊልን፡ ዘርኢ ንዘራኢ፡ ምግቢ ንተቐላቢ ድማ ከይሀቦ፡ ንድሕሪት ከም ዘይምለስ፡ እቲ ኻብ ኣፈይ ዚወጽእ ቃለይ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ፡ ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኼስልጥ፡ ኣብቲ ኣነ ዝልእኮ ኬቕንዕ እዩ እምበር፡ ብኸንቱ ናባይ ኣይኪምለስን እዩ። ተባሂሉ ከም ዚተጻሕፈ: [ኢሳ፡55፡10-11]፡ካብ ኣፍ ኣምላኽ ዚወጽእ ቃል፡ ነቲ ዚደለዮ ዜስልጥ፡ ብኸንቱ ዘይምለስ፡ ግዜን ቦታን ከይገደቦ ዘወትር ዚዓዩ ሕያው ቃል እዩ።

ስለዚ እዩ ኸኣ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ናይ መንፈስ ሰይፊ’ውን ማለት ቃል ኣምላኽ ሐዙ ዝበለ።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ቦኽሪ ዕዮ ገዛ፡ መጽናዕቲ ጉባኤታት ቤተ ክርስቲያን

Next
Next

መበል 11 ዕዮ ገዛ፡ መጽናዕቲ ናብ ሰብ ኤፌሶን