ቦኽሪ ዕዮ ገዛ፡ መጽናዕቲ ጉባኤታት ቤተ ክርስቲያን
ዝቐረበ ሕቶ
ኣብ መጽሓፍ ግብረ ሃዋርያት መበል 15 ምዕራፍ፡ “ጉባኤ ኢየሩሳሌም” ተባሂሉ ዝጥቀስ፡ ሓደ ኣገዳሲ ጉባኤ ኣሎ።
ሀ. ጉባኤ ንኽካየድ ጠንቂ ዝኾነ እንታይ እዩ፧
ለ. ጉባኤ ዝሃቦ ደምዳሚ ምላሽ እንታይ ዝብል’ዩ፧
ጉጅለ ሓደ ዝጸሓፍዎ
ጉባኤ ንኽካየድ ጠንቂ ዝዀነ
ኣብ ግብረ ሃዋርያት መበል 14 ምዕራፍ፡ ፍቕድታት 1,8,21 ምስ እንነብብ፡ ጳውሎስን ባርናባስን ኣብ ከተማታት ኢቆንያን ልስጥራን፡ ደርቤን ኣንጾክያን እናዞሩ ወንጌል ከም ዘስፋሕፍሑ፡ ብዙሓት ካብ ኣህዛብ (ጽርእን ካልኦትን) ከምኡ’ውን ኣይሁድ ናብ ድሕነት መጹ። ድሕርዚ ካብ ወገን ኣይሁድ ዝኾኑ ኣመንቲ፡ እቲ ብእምነት ብጐይታና ኢየሱስ ዝርከብ ድሕነት እኹል ኰይኑ ስለ ዘይተሰምዖም፡ ኣንጻር ኣቲ ሃዋርያት ዝመሃርዎ፡ ከም ስርዓት ሙሴ እንተ ዘይተገዚርኩምሲ፡ ክትድሕኑ ኣይኰነልኩምን እዩ ዝብል ምህሮ ክምህሩ ጀመሩ፡ (ግብ15.1)። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ኣብ ሞንጎኦምን ኣብ ሞንጎ ጳውሎስን ባርናባስን ዘይምስምማዕን ክትዕን ኰነ። ስለዚ ድማ እዮም ጳውሎስን ባርናባስን ከምኡ’ውን ሓያሎ ካልኦት ካባታቶም’ውን ብዛዕባ’ዚ ፍታሕ ንምርካብ ናብቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያት ዝመጹ፡ (ግብ15.2)
ዝተዋህበ ምላሽ
እቶም ሃዋርያትን ሽማግለታትን፡ ድሕሪ ብዙሕ ክትዕን ምምርማርን፡ ኣምላኽ ንዓናን ንኣህዛብን ማዕረ ገይሩ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝሃበና፡ ዝረኸብናዮ ድሕነት ብጸጋ ምዃኑ፡ ካብኡ ብዝተረፈ ግና ንሕና ዀነ ኣቦታትና ክንጾሮ ዘይተኻእለና ሕጊ ሙሴ፡ ከነሰክም ግቡእ ከም ዘይኰነ፡ ካብ ርኽሰት፡ ንጣኦታት ካብ ዝተሰውአን ደምን፡ ካብ ሕኑቕን ዝሙትን ክትክልከሉ እምበር፡ ገለ ሓለፋ ጾር ከይነሰክመኩም፡ ንዓናን ንመንፈስ ቅዱስን ተራእዩና እዩ እሞ፡ ርእስኹም ካብዚ እንተሓለኹም፡ ጽቡቕ ክትረኽቡ ኢኹም ደሓን ኵኑ፡ ዝብል ምላሽ ከኣ ሂቦሞም።
ጉጅለ ክልተ ዝጸሓፍዎ
ጉባኤ ንኽካየድ ጠንቂ ዝኾነ
ንኣይሁዳዊ፡ ኣይሁዳዊ ካብ ዘብልዎ ረቋሒታት፡ እቲ መሰረት ወይ እቲ ዋና ዝብልዎ፡ እቲ ብተግባር ዝፍጸም ግዝረት እዩ። ግዝረት፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ካብቶም ኣህዛን ዝፈልዮም እቲ ዝዓበየ ኣምላኻዊ ትእዛዝን ምልክትን ነበረ (ዘፍ 17፥11]። በዚ ኣቢሎም ከኣ፡ እቶም ኣይሁድ፡ ነቲ ኪዳን ኣምላኽን ሕጊ ሙሴን ይሕልውዎ ነበሩ። እቶም ካብ ወገን አይሁድ ዝኾኑ ክርስቲያን ናብ ኣንጾኪያ ምስ መጹ፡ ከምቲ ኣብ ግብሪ ሐዋርያት 15ን: ገላትያ ምዕራፍ 2ን ተገሊጹ ዘሎ፡ ሰብ ንኽድሕን እምነት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ምሕላው ስርዓት ሙሴ’ውን የድሊ እዩ ብምባል መሃሩ። እቲ ንሳቶም “ከም ሥርዓት ሙሴ እንተ ዘይተገዚርኩምሲ ክትድኅኑ ኣይኮነልኩምን እዩ” ዝብል ዘልዓልዎ ኣስተምህሮ፡ “ኣብ መንጎኦምን መንጎ ጳውሎስን በርናባስን ብዙሕ ምፍልላይን ክትዕን ምስ ኰነ፡ ጳውሎስን በርናባስን ካባታቶም’ውን ሓያሎ ኻልኦትን ብዛዕባ እዚ ባእሲ’ዚ ናብ ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ናብ የሩሳሌም ኪድይቡ መደቡ።” ጉባኤ ንኽካየድ ጠንቂ ዝኾነ እምበኣር እዚ እዩ።
ዝተዋህበ ምላሽ
ምድሓን ሰብ ዝረጋገጸሉ መሰረታዊ ነገር፡ ንጐይታና ኢየሱስ ብምእማን ኢዩ፦ “ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ብስሙ ሕድገት ሓጢኣት ከም ዚረኽብ፡ ኲሎም ነብያት ይምስክሩሉ ኣለዉ” (ግብ10.43)። ስለዚ፡ ምግዛር ማለት ኣይሁዳዊ ምዃን ደኣ እምበር፡ ንክርስቶስ ክትርኢ ኣይገብረካን ኢዩ። ስለ ዝኾነ ድማ እዩ፡ እቶም ግዝረት ዝሰበኹ፡ ንምስክርነት ሃዋርያት ክምጉትዎ ዘይተኻእሎም። እቲ ዝተዋህበ መልሲ፡ ነቶም ቄናን ዝምህሩ ምግሳጽን፡ ንትምህርቶም’ውን ምውጋዝን ኢዩ። ካብ ዝሙትን ንጣኦታት ዝተሰውአ ደምን ሕኑቅን ካብ ምብላዕን ግና ክሕለዉ ከም ዘጠንቀቅዎም፡ እቲ ዝተወሰነ ውሳኔ ድማ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ዘትዮምን መርሚሮምን ከም ዝወሰንዎ ንርዳእ። ካብዚ ጉባኤ ክንምሃሮ እንኽእል እንተሃልዩ፡ ሃዋርያት ካብ ጐይታ ተማሂሮም ክንሶም፡ በቲ ዝመጾም ጌጋ ትምህርቲ ግና፡ “ንሕና ንፈልጥ” ከይበሉ፡ ብዘተን ምይይጥን ክፈትሕዎ ምድላዮም፡ ምልክት ትሕትናን ናይ ምርድዳእን ምብህሃልን መንፈስ ከም ዝነበሮም ንግንዘብ።
ጉጅለ ሰለስተ ዝጸሓፍዎ
ጉባኤ ዘድለየሉ ምክንያት
ገለ ካብ ይሁዳ ዝወረዱ ብጐይታ ዝኣመኑ ካብ ወገን ፈሪሳውያን ዝዀኑ (ኣይሁዳውያን ክርስትን)፥ እቶም ካብ ወገን ኣህዛብ ክርስትያን ዝዀኑ ዘበሉ፡ ብክርስቶስ ንኽድሕኑ ሕጊ ሙሴ (ብፍላይ ከኣ ግዝረት) ግድን ክሕልዉ ኣለዎም፥ ዝብል ክትዕ ከልዕሉ ከለዉ፡ (ግብ 15፥1,5፡)፣ ጳውሎስን በርናባስን ድማ፡ ድሕነት ብጸጋ ብእምነት እዩ፥ ብምባል ተቓወምዎም (ግብ 15፡1-2)። ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያትን ሽማግለታትን ኣሕዋትን፥ ነቲ ጕዳይ ክመያየጡሉን መፍትሒ ክረኽቡሉን ኣብ ከባቢ 50 ዓ.ም ተኣከቡ። ኣብቲ ጉባኤ ብዙሕ ክትዕ ተኻየደ። (ግ.ሃ 15፥7)
መደረ ቅዱስ ጴጥሮስ
ጴጥሮስ ካብቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 10፡9-16 ዝረኣዮ ራእይን ኣብ እንዳ ቆርኔሌዎስ ዝሰበኾን፥ ናይ መንፈስ ቅዱስ ምውራድ ዝርኣዮን፥ ወንጌል ንኽሰብኽ ብኣምላኽ ምሕራዩን፡ ኣብ ግምት ኣእትዩ፥ ክዛረብ ደው በለ። እግዚኣብሔር ኣብ መንጎ ኣይሁድን ኣህዛብን ፍልልይ ከም ዘይገበረ፥ ንኽልቲኦም መንፈስ ቅዱስ ሂቡ ብእምነት ልቦም ከም ዘንጽሄ ኣዘኻኸሮም፡ (ግብ 15፡7-9)። ንሕጊ፥ ኣቦታቶም ይኹን ነቲ ንሶም’ኳ ክጾርዎ ዘይኽእሉ ኣርዑት፡ ኣብ ክሳድ ደቂ መዛሙርቲ ምንባሩ፥ ንኣምላኽ ምፍታን ምዃኑ ኣጠንቀቐ። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ “ንሕናስ፥ ብጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ከም እንድሕን ንኣምን ኣሎና” ብምባል፥ ንጳውሎስን ባርናባስን ዝድግፍ፥ ሕጊ ሙሴ ምሕላው ንድሕነት ከም ዘየድሊ፡ ሓሳብ ኣቕረበ፡ (ግብ 15:10-11)።
ሃዋርያ ጳውሎስን ባርናባስን ተመኩሮኦም ገለጹ
እቲ ጉባኤ ስቕ ምስ በለ፥ ጳውሎስን በርናባስን ነቲ ኣምላኽ ብእኦም ኣቢሉ ኣብ ኣህዛብ ዝገበሮ ዘደንቕ ትእምርትን ተኣምራትን ኣካፈልዎም (ግብ 15፡12)።
መደረ ያእቆብ
ያእቆብ ኣስዒቡ፥ ነቲ ኣብ ኣሞጽ 9፡11-12 ዘሎ ትንቢት ብምጥቃስ፥ ንሓሳባት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣደልደለ። እዚ ትንቢት እዚ፡ መደብ ኣምላኽ፥ ንኣህዛብ ምስ እስራኤል ብሓደ ምድሓን ምዃኑ ኣረድኤ። ንኣህዛብ ምስ ኣይሁድ ከቀራርቦም ዝኽእል ዝመስል ሓሳባት ከም ካብ ርኽሰት ጣኦታትን ዝሙትን ካብ ሕኑቕን ደምን ኪኽልከሉ፡ ክልእኩሎም እምበር፡ ነቶም ናብ ኣምላኽ ዝምለሱ ኣህዛብ፡ ከየኽብዱሎም ይርኣየና ኣሎ፡ በለ (ግብ 15:13-21)።
ማሕበር ዝሃበቶ ውሳኔ
ኣብ መወዳእታ፥ እቲ ጉባኤ፥ ኣህዛብ ንኽድሕኑ ሕጊ ሙሴ ምሕላው ከም ዘየድልዮም፥ ምድሓን ብጸጋ፥ ብእምነት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምዃኑ፡ ውሳኔ ሃበ። እቶም ንሕጊ ዝምህሩ፡ ካብ ሓዋርያት ስልጣን ከም ዘይብሎም ኣነጸርሎም (ግብ15፡24)። ሓድነት ንኽገብሩ፡ ኣመንቲ ኣህዛብ፥ ካብ ንኣይሁዳውያን ክርስትያናት ደስ ዘየብልን ምስ ክርስቲያን ስነ-ምግባር ዘይከይድን፥ ፍቕሮም ዘርእዩሉ ተግባራት፥ ከም ንጣኦታት ካብ ዝተሰውአ ምግቢ፥ ደም፥ ስጋ ሕሉቕ እንስሳታት ካብ ምብላዕ፡ ከምኡ’ውን ካብ ዝሙት ክቑጠቡ መኸሩዎም። እዚ ውሳነ እዚ፡ ኣብ መንጎ ኣይሁዳውያንን ኣህዛብን ኣመንቲ ስኒት ዘዕቢ እምበር፥ ምስ ድሕነት ምትእስሳር ዘለዎ ኣይኮነን። ኣቐዲሙ ከም ዝተጠቕሰ፡ ድሕነት፡ ብጸጋ ዝርከብ ውህበት ደኣ እዩ እምበር፡ ብግብሪ ዝውረስ ኣይኰነን፡ (ግብ 15፡19-29)።
ናብ ኣህዛብ ዝተላእከት ደብዳቤ
ንበርናባስን ጳውሎስን፥ እነፍቅሮም፡ ምእንቲ ስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ህይወቶም ኣሕሊፎም ዝሃቡ ሰባት፡ ኢሎም ብምምስካር፥ ምስኦም ነታ ደብዳቤ ከብጽሑን ብቓሎም ንኽገልጹሎምን ንይሁዳን ሲላስን ናብቶም ኣብ ኣንጾክያን ሶርያን ኪልቅያን ዝነበሩ ኣህዛብ ክርስትያናት ለኣኽዎም። እታ መልእኽቲ ምስ ተነበበት፥ እቶም ካብ ወገን ኣህዛብ ዝዀኑ ኣመንቲ፡ በቲ ዘተባብዕ መልእኽቲ፡ ተሓጐሱ (ግብ 15፡30-31)።
ካብ ጉባኤ ኢየሩሳሌም እንምሃሮ
ሀ. ክርስትና ብሓድነት፡ ንኹሉ ብዘይ ኣፈላላይ ዝሓቍፍ ምዃኑ፥
ለ. ድሕነት ብጸጋ እምበር፥ ብሕግታት ምኽባር ከም ዘይኮነ።
ሐ. ባህላውን ሃይማኖታውን ፍልልያት ኣብ ምፍታሕ፥ ሕድገታት ምግባር ከም ዘድሊ።
መ. ዘተን ሓሳባትካ ናይ ምግላጽ መሰላትን ዘለዎ ታራ።
ሰ. ውሳኔታት ብቓል ኣምላኽን ብምርሒት መንፈስ ቅዱስን ጌርና፥ ኣብ መንፈሳዊ ምስትውዓልን ጥበብ ኣምላኽን ክንጽጋዕ ከም ዘለና ንርዳእ።
መደምደምታ
ጉባኤ ኢየሩሳሌም ኣህዛብ ምሉእ ሕጊ ሙሴ ኪኽተሉ ከም ዘይብሎም፡ ካብ ኣምልኾ ጣኦት: ጾታዊ ርኽሰት: ከምኡ’ውን ካብ ደም ወይ ስጋ ሕሉቕ እንስሳታት ምብላዕ ክቝጠቡ ከም ዘለዎም ደምደመ። እዚ ውሳነ እዚ፡ ንክርስትና ካብ ኣይሁድነት ንምፍላይን ኣብ መንጎ ኣይሁዳውያንን ኣህዛብን ኣመንቲ፡ ሓድነት ኣብ ምድንፋዕን ዓቢ ተራ ብምጽዋት፥ ክርስትያን ካብ ምፍልላይ ዘድሓነ፡ ውሳነ ነበረ።
ጉጅለ ኣርባዕተ ዝመለስዎ
ጉባኤ ንኽካየድ ጠንቂ ዝኾኑ፡ እቶም ካብ ይሁዳ ናብ ኣንጾኪያ ሶርያ ዝኸዱ ኣይሁድ ነቶም ሓደስቲ ኣመንቲ፡ ከም ስርዓት ኣይሁድ እንተ ዘይተገዘርኩም፡ ክትድሕኑ ኣይኮነልኩምን ኢዩ፡ ብክርስቶስ ጥራይ ምእማን ኣኻሊ ኣይኮነን ብማለት፡ ከም ስርዓት ኣይሁድ ክትግዘሩ ኣለኩም ኢሎም ትምህርት ሂቦሞም ነበሩ። በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ሞንጎ እቶም ህዝቢ፡ ዓብዪ ክትዕ ተላዕለ፡ ጳውሎስን ባርነባስን ድማ ብሰንኪ እዚ ጉዳይ እዚ፡ ምስቶም ሰባት ኣብ ክርክር ኣተዉ።
ጳውሎስን ባርነባስን፡ ምስ ገለ ካልኦት’ውን ኮይኖም ናብ ሓዋርያት ከኽዱ ተሰማምዑ እሞ፡ ናብ ኢየሩሳሌም ድማ ከዱ። ድሕሪ እዚ፡ ሓዋርያት ነዚ ነገር ክምርምሩ ተኣከቡ። ድሕሪ ብዙሕ ክትዕ ድማ፡ ሓዋርያ ጴጥሮስ፡ ከምቲ ንኣታቶም፡ ንኣህዛብ’ውን መንፈስ ቅዱስ ከም ዝሃቦም መስከረ፣ ቀጺሉ፡ ነቲ ንሳቶም ኮነ ኣቦታቶም ክጸርዎ ዘይከኣሉ ኣርዑት፡ ነዞም ኣሕዋት’ውን ከኽብድሎም ከም ዘይብሎም ኣረደአ። ሓዋርያ ያዕቆብ’ውን ወሲኹ፡ ንጣዖታት ብምሥዋዑ ካብ ዝረኸሰ ምግቢ፥ ካብ ዝሙት፥ ካብ ሓሊቑ ዝጸንሐ እንስሳን ካብ ደምን ክሕለው እምበር፡ ገለ ጾር ከኽብድሎም ከም ዘይብሎም ወሲኹ ኣረደአ። በዚ ድማ ኩሎም ተሰማምዑን ተሓጐሱን፡ ንኣምላኽ’ውን ኣመስገኑ። ከምኡ ዝብል መልእኽቲ ብምጽሓፍ ድማ፡ ንልቢ እቶም ህዝቢ ኣጸናንዑ።