ካልኣይ ዕዮ ገዛ፡ መጽናዕቲ ጉባኤታት ቤተ ክርስቲያን

ዝተዋህበ ዕዮ

ንገለ ካብ እንታይነት ናይቶም ቅድሚ ጉባኤ ኒቅያ ዝነበሩ ስሑታት ምህሮታትን ክሕደትን፡ ኣሕጽር ኣቢልኩም ግለጹ

ጉጅለ ሓደ ዝጸሓፍዎ፡ Ebionism ኤብዮንነት

ኤብዮናውያን ወረስቲ ናይቶም ኣብ መጽሓፍ ግብረ ሓዋርያት እንርእዮም፡ “ክርስቲያን ከም ስርዓት ሕጊ ሙሴ ክነብር ይግብኦ” ዝብሉ፡ ኣይሁዳውያን ነበሩ፡ ( ግብ 15:1ገላ 1:6–92:1621)። ኤቢዮንነት ዝብል ቃል፡ ካብ ኣራማይስጥ ዝተረኽበ ምዃኑን፡ “ድኻ” ወይ “ትሑት” ዝብል ትርጕም ከኣ ከም ዘሎዎን  ዝገልጹ ኣለዉ። እዚ ብህሎ እዚ፡ ሓቂ እንተኾይኑ፡ ኤብዮናውያን ንነፍሶም፡ ከም “ድኻታት” ማለት “ከም ትሑታት ሰዓብቲ ጐይታና ኢየሱስ” ይቖጽርዋ ኔሮም ማለት’ዩ።

ኤብዮናውያን፡ ጐይታና ኢየሱስ፡ ካብ ዘርኢ ዳዊት ዝዀነ፡ ኣማናዊ ሰብ ምንባሩ ደኣ እምበር፡ ንኣምላኽነት ጐይታና ኣይተቐበልዎን። ንሳቶም፡ ንሃዋርያ ጳውሎስን መልእኽትታቱን’ውን፡ “ጸረ ኣይሁዳዊ እምነት” ብምባል ነጸግዎ። ካብ ጽሑፋት ሓድሽ ኪዳን፡ ንወንጌለ ማቴዎስ ጥራይ ብምሕራይ፡ ኣብኡ’ውን እንተዀነ፡ ነቲ፡ ጐይታና ኢየሱስ ብድንግልና ከም ዝተወልደ ዝሕብር ነጸጊም፡ ናይ ገዛእ ርእሶም “ካልእ ወንጌል” ኣዳለዉ። “ወንጌል፡ ብመሰረት እቲ ናብ እብራውያን ዝቐረበ” ቢሎም ድማ ሰመይዎ። ኣብዚ መጽሓፍ እዚ፡ ንህይወት ጐይታና ኢየሱስ፡ “ቅድሚ ጥምቀትን” “ድሕሪ ጥምቀትን” ብምባል፡ ኣብ ክልተ ኸፊሎም የቕርብዎ።

ብመሰረት ኤቢዮንነት፡ ጐይታና ኢየሱስ ክሳዕ ዕለተ ጥምቀቱ፡ ከም ተራ ሰብ፡ ካብታ ግዜ ጥምቀት ንደሓር ግና፡ ተልእኾ መሲሕ ንምፍጻም ዘኽእሎ ሓይሊ ተመሊኡ፡ “ክርስቶስ” ኰነ ይብሉ። ኣብ ጥምቀት ጐይታና፡ ሓደ ድሙቕ ብርሃን ከም ዝተራእየን፡ ካብ ሰማይ ድማ “ንስኻ ወደይ ኢኻ፡ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ” ዝብል ድምጺ ከም ዝተሰምዐን’ውን ይነግሩ። ጠርጠሉስ ከም ዘዘንትዎ፡ ኤብዮናውያን ንኢየሱስ፡ ከም ሓደ ለባምን ንፉዕን ሰብ፡ ከም ብደረጃ ንጉስ ሰሎሞን ጌሮም ደኣ ይቖጽርዎ ነበሩ እምበር፡ ከም ሙሴ ዝኣመሰለ፡ ሓደ ዓብዪ መራሒ ጌሮም ግና ይርእይዎ ኣይነበሩን።  

ሰብ፡ ኣብነት ኢየሱስ ክስዕብን ሕጊ ንዝእዝዞ ዘበለ ኵሉ፡ ፍጹም ክሕሉን እንተኽኢሉ፡ “ክርስቶስ” ክኸውንን ብኣምላኽ ክጸድቕን እውን ከም ዝኽእል ኣመኑ። ኢየሱስ ባዕሉ፡ ሕጊ ብምሕላው ከም ዝጸደቐ፡ ስለዚ ኸኣ፡ ብዘይ ምሕላው ሕጊ ሙሴ፡ ጽድቂ ክርከብ ከም ዘይክእል፡ ኣጽኒዖም መሃሩ።

መበቈል ኤብዮንነት፡ ንጹር እኳ እንተዘይኰነ፡ ካብቲ ቀዳማይ ዘመን ቤተ ክርስቲያን ኣትሒዙ ዝጅምር ክኸውን ከም ዝኽእል ግና ይግመት። ንኤብዮናውያን ብስሞም ዝጠቐሶም ናይ መጀመርታ ክርስትያን ጸሓፊ፡ እቲ ኣብ መወዳእታ ካልኣይ ክፍለ ዘመን ዝነበረ ኤረንዮስ ኢዩ። ካልኦት ኣንጻር ኤቢዮንነት ዝጸሓፉ ኸኣ፡ ዮስጢን ሰማእት፡ ሂፖሊተስን ጠርጠሉስን ይርከብዎም። ኤቢዮንነት፡ ንኣስታት ክልተ ሚእቲ ዓመታት ኣቢሉ ጸኒሑ፡ መወዳእታኡ ግና ሃሰሰ።    

ጉጅለ ክልተ ዝጸሓፍዎ Marcionism መርቅያንነት

ኤብዮንነት ንእምነተ ክርስትና ብሰረተ እምነት ኣይሁድ ክነድቆ ክደሊ ከሎ፡ መርቅያንነት ከኣ ብኣንጻሩ፡ ንእምነተ ኣይሁድ ፈጺሙ ብምፍንፋን፡ እምነተ ክርስትና ምስ ኣይሁድነት ዝኾነ ምትእስሳር ክህልዎ ኣይግባእን፡ ኣብ ዝብል ሰረተ እምነት ተተኽለ። እቲ ነዚ ሓሳብ እዚ ዘንቀደ፡ መርቅያን ዘጳንቶስ ወዲ ጳጳስ ሲኖፐ ክኸውን ከሎ፡ ንሱ፡ ብ110 ዓ.ም. ኣቢሉ ካብ ሃብታማት ወለዲ ተወልደ። ካብ ጽሑፋት መርቅያን ክሳብ ሕጂ ዝጸንሐ እኳ እንተዘየለ፡ ብዛዕባ እቲ ዝምህሮን ዝስዕቦን ዝነበረ ግና፡ ብሓያሎ ቀዳሞት ክርስትያን ጸሓፍቲ ኣቢልና ንፈልጦ ኢና፣ ንሳቶም ድማ ዮስጢን ሰማእት (100—165 ዓ.ም.)፡ ኤረንዮስ ብዓል ልዮን (130—200 ዓ.ም.) ከምኡ’ውን ሂፖሊቶስ (170—235 ዓ.ም.) እዮም።

መርቅያን ዝያዳ ዝፍለጠሉ፡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብሉይ ኪዳን፡ ኣብ እምነተ ክርስትና ኣድላይነትን ስልጣንን ከም ዘይነበሮም ብምእማኑ እዩ። እቲ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ብጐይታና ኢየሱስ ዝተገልጸ ኣምላኽ፡ ንሱ፡ እቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዘሎ ኣምላኽ ኣይኰነን በለ። ኢየሱስ፡ ወዲ እቲ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዘሎ ኣምላኽ እምበር፡ ወዲ እቲ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ እብራይስጥ ተገሊጹ ዘሎ ኣምላኽ ኣይኰነን’ውን፡ በለ። እቲ ኣብ ብሉይ ዘሎን እቲ ሓድሽ ዘሎን፡ ቃል ብቓሉ፡ ክልተ ዝተፈላለዩ ኣማልኽቲ እዮም ዝብል እምነት ነበሮ። እቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዘሎ ኣምላኽ፡ ካብቲ ብጐይታና ኢየሱስ ዝተገልጸ ልዑል ኣምላኽ፡ ዝንእስ፡ ካልእ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ጌሩ ኸኣ መሃረ።

መርቅያን ከም ዝብሎ፡ ኢየሱስ እቲ እንኮ ምግላጽ ናይቲ ልዑል ኣምላኽ እዩ። ይኹን እምበር፡ ጐይታና ኢየሱስ፡ ነቶም ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝርከቡ፡ ትንቢታት ከም ዝፈጸመ ጌርካ፡  ክረአ ግና የብሉን፡ በለ። እቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዘሎ ትንቢታት፡ ነቲ ንህዝቢ ኣይሁድ ንምድሓን ዚመጽእ፡ ካልእ ምድራዊ መድሓኒ ከም ዚምልከት ጌሩ ረኣዮ። ኢየሱስ፡ ሰብ ደኣ ይመስል እምበር፡ ብሓቂ ሰብ ኣይነበረን ዝብል ርድኢት ድማ ነበሮ።

መርቅያን፡ ኣብ ዓመተ 144 ኣብ ሮማ ድሕሪ ምውጋዙ፡ ኣብተን ባዕሉ ዘመሓድረን ኣብያተ ክርስቲያን ግና፡ ኣገልግሎቱ ቀጸለ። ንጽሑፋት ብሉይ ኪዳን ብምንጻጉ፡ ንገለ ካብ ጽሑፋት ሓድሽ ኪዳን’ውን ክነጽግ ነበሮ። በዚ መሰረት ድማ፡ ንቐዳማይን ካልኣይን መልእኽትታት ናብ ጢሞቴዎስ፣ ከምኡ’ውን ንመልእኽቲ ናብ ቲቶስ ነጺጉ፡ ን10 መልእኽትታት ጳውሎስ ግና፡ ተቐበለ። ንወንጌለ ሉቃስ ከኣ፡ ነቲ ጐይታና ብድንግልና ከም ዝተወልደ ዘዘንቱን፡ እቲ ካብ ምዉታት ምትንሳኡን፡ ነቲ ኣብ ብሉይ ዝተጻሕፈ ክፍጽም ከም ዝመጸ ዘመልክትን ዘበለ እናውጽአ፡ ምስ ናቱ ሓሳብ ብዝሰማማዕ፡ ኣሪሙ ተቐበሎ።

መርቅያን ንሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ጥራይ እዩ ከም ሃዋርያ ተቐቢልዎ። ግናኸ ንመልእኽትታት ጳውሎስ’ውን ምስ ሓሳባቱ ከም ዝሰማማዕ ብምግባር፡ ነቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዘሎ ኣምላኽ ዝጠቅስ ዘበለ ሓሳባት እናኣለየ ደኣ እምበኣር፡ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝጸሓፎ ጌሩስ ኣይተቐበሎን። መርቅያን፡ ከምዚ እናገበረ፡ ቅቡልን ንጹግን ጽሑፍ፡ ክብል ምስ ጀመረ፡ ቤተ ክርስቲያን’ውን ጽሑፋታ መርሚራ፡ ክትቅበልን ክትነጽግን ተበራበረት።

ጉጅለ  ሰለስተ ዝጸሓፍዎ Monarchianism ሞናርክያውነት 

ሞናርክያውነት (Monarchianism = mono "one," arche "rule") ሞናርክያውነት ዝብል ቃል፡ ካብቲ (monarchia “μοναρχία”) ዝብል ናይ ግሪኽ ቃል ዝመጸ ኰይኑ፡ ትርጉሙ “ናይ ሓደ ምግዛእ” ወይ “ንጽል ልኡላውነት” ማለት እዩ። እቲ ኣምር፡ ካብ ግሪኻዊ ስነ-መለኮታዊ ኣተሓሳስባ እዩ ዝብገስ። ሞናርክያውነት (Monarchianism) ኣብ መወዳእታ 2ይን መጀመርታ 3ይን ክፍለ ዘመን ዝነበረ፡ ንሓደነት እግዚኣብሄር ከጉልሕ ደልዩ ዝተለዓዓለ፡ ስነ-መለኮታዊ ምንቅስቓስ እዩ። ክርስትያን፡ ኣብ መንጎ እግዚኣብሄር ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ዘሎ ርክብ ንምግላጽ፡ ኣብ ዝቃለሱሉ ዝነበሩ እዋን፡ ሞናርክያውነት ንስለስትነት ስላሴ ብምቅዋም፡ ኣብ ሓደነት ጥራይ ጸቒጡ ኣድሃበ።

ሞዳሊስታዊ ሞናርክያውነት 

Modalistic Monarchianism፥ Sabellianism ሳቤላውነት፥  “ኣቦ፡ ወልድ፡ መንፈስ ቅዱስ” ዝብል መጽሓፍ ቅዱሳዊ ቃል፡ ንሓደ ኣካል ዝወሃብ፡ ዝተፈላለየ ስም እዩ፡ ብምባል ዝምጕት ስነ-ሓሳብ’ዩ። እግዚኣብሄር ብዝተፈላለየ “ኣገባብ” ወይ ተርእዮ፡ ከም ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ዝተገልጸ፡ ሓደ ኣካል እምበር፡ ሰለስትነት የብሉን ብምባል ድማ ይምጉቱ። እቲ ብትምህርቱ ጸላዊ ዝነበረ ሰባልዮስ ንኣብነት፥ ነዚ ሓሳብ ከረድእ እንከሎ፡ ምሳሌ ጸሓይ የቕርብ። ኣብ ጸሓይ፡ ብርሃን፡ ሙቀት፡ ጸዓት ኣሎ (light heat and energy) እዚ ሰለስትነት እዚ ግና ነታ ሓንቲ ጸሓይ ሰለስተ ኣይገብራን እዩ፡ ብምባል፡ ኣብ ስላሴ፡ ውህደት መለኮት እምበር፡ ስላሴነት ኣካል ከም ዘየልቦ ከረድእ ፈተነ።

ዳይናሚካዊ ሞናርክያውነት

Adoptionism (ውልድነት ብጸጋ- ጸጋ ልጅ)፥ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ተራ ሰብ ኰይኑ ከም ዝተወልደን ከም ዝዓበየን፥ ልዕለ-ተፈጥሮኣዊ ግብርታት ንኽፍጽም ግና፡ ብግዜ ጥምቀቱ፡ ካብ እግዚኣብሄር ሓይሊ ከም ዝለበሰ፡ ናይ ባዕሉ ሓይሊ ዝነበሮ ኣምላኽ ከም ዘይነበረን፥ ብፍጹም ተኣዛዝነቱ ግና፡ ብውልድነት ብጸጋ - ጸጋ ልጅ- ኣቢሉ ኣምላኽ ብመጕዚትነት ወዱ ከም ዝገበሮ ይምህር። ካብ ተራ ሰብ፡ ናብ ወዲ ኣምላኽ ምዃን ከም ዝዀን ብምግላጽ፥ ንክርስቶስ ፍጡርን ዘይ ዘልኣለማውን ይገብሮ። ቴዎዶተስ ብዓል ቢዛንታይን፥ ጳውሎስ ብዓል ሳሞሳታን ዝኣመሰሉ፡ ደገፍቲ እዚ ኣረኣእያ እዚ ነበሩ።

ጳውሎስ ብዓል ሳሞሳታ፡ ጳጳስ ዘኣንጾክያ ድማ፡ ኣብ ከባቢ 260 ዓ.ም ኣቢሉ፡ ወዲ ኣምላኽ፡ ጥበብ ኣምላኽ ኰይኑ ካብቲ ባዕሉ ኣምላኽ ነጺልካ ክርአ ዘይከኣል’ዩ ብምባል ገለጾ። እቲ ሎጎስ ኣብ ኢየሱስ ክነብር መጺኡ  ኣነቓቒሑዎ፣ ኢየሱስ ግን ናይ ገዛእ ርእሱ ሰብኣዊ ስብእና ዘለዎ ተራ ሰብ ኮይኑ ነበረ- በዚ ኸኣ፣ ኣብ ኢየሱስ፡ ክልተ ኣካላት ነበሩ፣ ሓደ መለኮታዊ፡ ሓደ ኸኣ ሰብኣዊ፡ ድሕሪ ምባል፡ ምህሮኡ ከጠቓልል ከሎ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ እቲ ሰብ ዝኾነ ኣምላኽ፡ ኣብ ክንዲ ምባልሲ፡ ኢየሱስ፡ እቲ ኣምላኽ ዝኾነ ሰብ ብምባል ይምህር ነበረ። ማለት፡ መበቈል ኢየሱስ ኣምላኽነት ዘይኰነስ፡ ሰብ ኰይኑ ዝተፈጥረ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ሎጎስ መጺኡ ኣብኡ ብምሕዳሩ ግና፡ ብውልደነት ጸጋ (ጸጋ ልጅ) ኣቢሉ፡ ኣምላኽ ኰነ ዝብል ምህሮ ኣእተወ። ጳውሎስ ብዓል ሳሞሳታ፡ በዚ ምህሮኡ እዚ፡ ካብ ቤተ ክርስቲያን ተሰጐ። ጉባኤ ኒቅያ ኣብ ዝተጋብኣሉ ድማ፡ እቲ ንሱ ዝምሃሮ ምህሮ’ውን ተወገዘ።

ሞናርክያውነት ስሕተት ከም ዝኾነ

ስላሴ ዝብል ቃል፡ ብርግጽ፡ ቃል ብቓሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይንረኽቦን ኢና። እዚ ማለት ግና፡ ስላሴ ኣይነበሩን ማለት ኣይኮነን። ግሪኻዊ ቃል ስላሴ “ትሪያስ” (Τριάς) ዝብል ኮይኑ፡ ትርጉሙ ድማ “ስሉስ” ማለት እዩ። እዚ ቃል እዚ እቶም ቀዳሞት ክርስትያን ይጥቀሙሉ ነበሩ። ኣብ መወዳእታ 2ይ ክፍለ ዘመን ከባቢ 180 ዓ.ም ዝነበረ፡ ቴዎፍሎስ ብዓል ኣንጾኪያ ንኣብነት፡ ኣብታ “To Autolycus, Book II” እትብል መጽሓፉ ምዕራፍ 15፡ ንኣምላኽ “ትሪያስ” ብምባል፡ ጠቒስዎ ኣሎ። “ኣምላኽ፡ ቃሉን ጥበቡን።” “ኣምላኽ” ዝብል ንኣብ፡ “ቃል” ዝብል ንወልድ፡ ከምኡ'ውን እቲ “ጥበብ” ተባሂሉ ዘሎ ድማ፡ ንመንፈስ ቅዱስ፡ ንምግላጽ ከኣ ተጠቕመሉ።

ጠርጠሉስ’ውን ኣብታ "Adversus Praxean" እትብል መጽሓፉ፡ ኣብ መንጎ ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ዘሎ ርክብ ብግልጺ ብምስፋር፡ ንሞዳሊስታዊ ሞናርክያውነት ተቓዊምዎም እዩ። ንሱ፡ Trinitas/Trinity ሥላሴ፡ ከምኡ’ውን “persona” “ኣካል” ዝኣመሰሉ ቃላት ብምምራጽ፡ ንሓድነትን ሰለስትነት ሥላሴ፡ ኣጕሊሑ ኣረድአ። ሞናርክያውነት፡ ዋላ’ኳ ኣብ ጉባኤ ኒቅያ (ብ325 ዓ.ም) ዝተነጽገ እንተዀነ፡ ግናኸ ሎሚ’ውን ከይተረፈ፡ ጽልዋኡ ብጅሆቫ ዊትነስንን ኦንሊ ጂሰስን ዝኣመሰሉ ይቕጽል ኣሎ።

ቅድስቲ ቤተክርስትያ፡ ንኣቦ ኣብ ከም ዝኾነ፡ ንወልድ ድማ ወልድ ከም ዝኾነ፡ ንመንፈስ ቅዱስ ድማ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝኾነ፡ ግናኸ፡ ሓደ መለኮት፡ ሓደ መንግስቲ፡ ሓደ ህላዌ ኢና እንኣምን ኢላ፡ ነቲ ስሑት ምህሮ ሞናርክያውነት ትውግዞ።

ጉጅለ ኣርባዕተ ዝጸሓፍዎ GNOSTICISM ኖስቲስካውነት

ኖስቲሲዝም (NOS-tuh-siz-um ተባሂሉ ይድመጽ) ዝብል ቃል፡ ካብቲ (gnosis) ኖሲስ ዝብል ግሪኻዊ ቃል ዝመጸ ኰይኑ፡ ትርጉሙ ድማ፡ "ምፍላጥ" ወይ "ፍልጠት" ማለት እዩ። ኖስቲሲዝም ድሕነት ብፍሉይ ምስጢራዊ ፍልጠት ክርከብ ከም ዝኽእል ዝገልጽ፡ ኣብ ካልኣይ ክፍለ ዘመን ዝነበረ፡ ሃይማኖታዊ ምንቅስቓስ እዩ። መበቈል ናይዚ ብኽልሰ-ሓሳብ ፕላቶኒዝም ኣዝዩ ዝተጸልወ ሃይማኖት እዚ፡ ካበይ ምዃኑ እኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ገለ ምሁራት ግና፡ ኣይሁዳውን ክርስትያናዊ መበቈልን ከም ዘለዎ ይሰማምዑ።

ቍልፊ እምነት ክልተኣውነት (dualism)

ኖስቲካውያን፡ ዓለም ኣብ ስጋውን መንፈሳውን ሸነኻት ከም እትኽፈል ይኣምኑ ነበሩ። እቲ ዝተፈጥረ፣ ንዋታዊ ዓለም (ማተርያል) ክፉእ እዩ፣ ስለዚ ድማ ምስቲ መንፈሳዊ ዓለም ዝጻረር እዩ፣ መንፈስ ግና፡ ሰናይ እዩ ኢሎም ይኣምኑ። እዚ ሓሳብ እዚ፡ ምስቲ ኣብ ዘፍጥረት 1፡31 ዘሎ፡ “እግዚኣብሔር ከኣ ዝገበሮ ኩሉ ረኣየ፡ እንሆ ድማ ኣዝዩ ጽቡቕ ኰነ” ዝብል ይጋጮ። ተኸተልቲ ኖስቲክስ፡ እቲ ንዓለም ዝፈጠረ ኣምላኽ፡ ንሱ ንእሽቶ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ግና ምሉእ ብምሉእ መንፈሳዊ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ይቖጽርዎን ነበሩ።

ኣምላኽ

ኖስቲካዊ ጽሑፋት መብዛሕትኡ ግዜ ንኣምላኽ፡ ሰብ ክርድኦ ከም ዘይክእልን፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ምፍላጥ ከም ዘይከኣል ገይሩ እዩ ዚገልጾ። እዚ ሓሳብ’ዚ ምስቲ ክርስትና “ኣምላኽ ምስ ደቂ ሰባት ውልቃዊ ዝምድና ክህሉ ዝደሊ ኣምላኽ ኢዩ” ዝብሎ ኣምር ይጋጮ። ብተወሳኺ፡ ኖስቲካውያን ነቲ ታሕተዋይ ዝብልዎ “ኣምላኽ ፍጥረት” ካብቲ ዝለዓለ ዝብልዎ “ኣምላኽ ምድሓን” ፈላልዮም እዮም ዝርእይዎ።

ድሕነት

ኖስቲክስ መሰረት ድሕነት፡ “ሕቡእ ፍልጠት” ኢዩ ኢሎም ይኣምኑ። ኣብ ውሽጢ ስጋዊ ኣካል ነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ ሓደ መለኮታዊ ብልጭታ ተዓጽዩ ከም ዝነብርን፣ ሰብ ድማ ነቲ ኣብ ውሽጡ ተደጒሉ ዘሎ ብልጭታ፡ ሓራ ብምውጻእ፡ ናብቲ ብልክዕ ዝብጽሖ መለኮታዊ ዓለም ከም ዝምለስን፡ ነዚ ንምግባር ከኣ፡ ሕቡእ ፍልጠት ከጥሪ ከም ዝግብኦን ይኣምኑ ነበሩ። ብመሰረት እምነቶም እምበኣር፡ እቶም ነቲ ምስጢራዊ ትምህርቲ ዝተረድኡ፡ ንሳቶም መለኮታዊ ብርሃን ዝረኸቡን ነቲ ናይ ሓቂ ድሕነት ክረኽቡ ዝኽእሉን እዮም።

ኢየሱስ ክርስቶስ

ኖስቲካውያን ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተፈላለየ እምነት ነበሮም። እቲ ቐዳማይ ኣረኣእያ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብኣዊ መልክዕ ዘለዎ፡ ሰብ ዝመስል ጥራይ ደኣ እምበር ብሓቂ ግና መንፈስ ጥራይ እዩ ነይሩ፡ ዝብል ክኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልእ ኣረኣእያ ድማ፡ ኢየሱስ  ኣብ እዋን ጥምቀት ኣብ ስጋዊ ኣካሉ ብዝሓደሮ መለኮታዊ መንፈስ፡ “ክርስቶስ” ከም ዝዀነ፡ እቲ መንፈስ እቲ ግና ቅድሚ ስቕለት ከም ዝሓደጎ ዝምጒት ነበረ።

ኖስቲካዊ ጽሑፋት

ብዙሓት ካብ ኖስቲካዊ ጽሑፋት፡ “ኖስቲካዊ ወንጌላት” ከም "ዝጠፍኡ" መጻሕፍቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኮይኖም ይቐርቡ፣ ብሓቂ ግና፣ ነቲ ንመጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘቘመ፡ ቀኖናዊ መዐቀኒ ዘየማልኡ፡ ብዙሕ ክፋላቶም ከኣ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጋጮን እዩ። እቶም ብ1945 ኣብ ናግ ሃማዲ ግብጺ፡ ዝተረኽቡ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ኖስቲካዊ ጽሑፋት፡ ምንጪ ስርዓተ እምነት ኖስቲካውያን ንምፍላጥ ሓጊዞም ኢዮም።

ቤተ ክርስቲያን ንኖስቲካውያን ዝሃበቶ መልሲ

1) ምሕንጻጽ እምነት፦ ጸሎተ ሃይማኖት ናይ ሃዋርያት፡ ንክርስትያናዊ ትምህርቲ ብምዕቃብ፣ ንመምርሕን፡ ንምእዋጅ እምነትን ንጹር ጽማቝ ሓዋርያዊ ትምህርትን ኣቕሪቡ።(ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ፍጥረት (ኣብ ምድሪ ይኹን ኣብ መንፈሳዊ ዓለም) ልዑል ምዃኑ፡ ንኸድሕነና ስጋ ምልባሱ፡ ስቅያትን ሞትን ትንሳኤን ዕርገትን ክርስቶስ፡

2) ጽሑፋት ኣቦታት ቤተ ክርስቲያን፦ ከም በዓል ኢራንዮስ (“Against Heresies”)፡ ጠርጠሉስን ኣትናቴዎስን ዝኣመሰሉ ኣቦታት፡ ንትምህርቲ ኖስቲክ ይነጽግዎን ንሓዋርያዊ ትውፊት የጕልሑን ነበሩ። ወንጌላዊ ዮሃንስ’ውን ኣብ ቀዳመይቲ መልእኽቱ፡ ነቲ ኣብ ጊዜኡ ተቐላቒሉ ዝነበረ ኖስቲካዊ ትምህርቲ፡ ተቓዊምዎ ነበረ (1ዮሃ 1፡1-3, 1ዮሃ 2፡22-23፡ 1ዮሃ 4፡2-3)።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ሳልሳይ ዕዮ ገዛ፡ መጽናዕቲ ጉባኤታት ቤተ ክርስቲያን

Next
Next

ቦኽሪ ዕዮ ገዛ፡ መጽናዕቲ ጉባኤታት ቤተ ክርስቲያን