ሳልሳይ ዕዮ ገዛ፡ መጽናዕቲ ጉባኤታት ቤተ ክርስቲያን

ዝቐረበ ሕቶ

ነዘን ኣብ “ጸሎተ ሃይማኖት” ዚርከባ ሓሳባት ሓጺር መግለጺ ብምሃብ ኣብርህወን።

1)      ክርስቶስ ኢየሱስ፡ ኣምላኽ ኣይኰነን ንዝብል —> ካብ ሓቀኛ ኣምላኽ ዚተረኽበ (ሓቀኛ) ኣምላኽ

2)     ክርስቶስ ኢየሱስ፡ ብስጋ ኣይመጸን ንዝብል —> ብመንፈስ ቅዱስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ስጋ ለበሰ

3)     ክርስቶስ ኢየሱስ፡ ፍጡር እዩ ንዝብል —> ዝተወልደ እምበር ዘይተፈጥረ

4)     ክርቶስ ኢየሱስ፡ ሰብ ደኣ ይመስል እምበር፡ ፍጹም ሰብ ኣይኰነን ንዝብል —> ሰብ ኰነ

ኣብ ሰረተ እምነት፡ ጽኑዕን ዘየወላውል መትከል ምህላው ማለት ቤትካ፡ ኣብ ከውሒ ከም ምስራት እዩ። ዝነፈሰ እንተነፈሰ፡ ወይ ከ ፈተኽ! ዝወሓዘ እንተወሓዘ፡ ወይከ ንቕንቕ፡ ዝዘነመ እንተዘነመ ድማ ከመዮ ደቂ ቆራሕ ዝዘመርዎ፡ ምድሪ’ውን እንተተገልበጠት፡ ” ጐይታ ሰራዊት ምሳና እዩ። ኣምላኽ ያእቆብ እምባና እዩ፡ ኣምላኽ ኣብ ማእከላ አሎ፣ ኣይክትናወጽን እያ” ወዘተ እናበልካ ጉዕዞኻ ብዓወት ምዝዛምን ክሳዕ ሞት እሙን ምዃንን ዘኽእል ጥበብ ኣምላኽ እዩ።  እቶም ኣርባዕተ ጉጅለታት ናብ ዝጸሓፍዎ መልሲ ክንሓልፍ።

ጉጅለ 1 ዝጸሓፍዎ

ካብ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝተረኽበ ኣምላኽ

ጐይታና ኢየሱስ፡ ኵሉ ኣምላኻዊ ባህርይ ዘለዎ ኣምላኽ እዩ። ንሱ፡ ዘልኣለማዊ፡ ኩሉ ዝኽእል፡ ኣብ ኩሉ ዝርከብ፡ ፈጣሪ፡ ወሰን ዘይብሉ፡ ኩሉ ዝፈልጥ፡ ሰራዪ ሓጢኣት፡ ቅዱስ፡ ጐይታ ጐይቶት፡ ከምኡ’ዉን ኩሉ እቲ ንኣምላኽ ጥራይ ዝገልጽ ባህርይ ዘማልእ እዩ፡ (ዮሃ 1፥1; ሮሜ 9፥5 ግብ 20፥28) ወዘተ። ካብ ሓቐኛ ኣምላኽ ዝተረኽበ ክብል ከሎ፡ ንሱ ካብ ኣብ ዝተወልደ፡ ንኣቦ ናይ ባህርይ ውሉዱ ምዃኑ ንምግላጽ’ዩ።  

ብመንፈስ ቅዱስ ካብ ድንግል ማርያም ስጋ ለበሰ

ድንግል ማርያም፡ ነቲ ከም እትወልድ ዘበሰራ መልኣኽ፡ ”እዚኸ ሰብኣይ ከይፈለጥኩ ከመይ ኢሉ ይኸዉን፧” ብምባል ድሕሪ ምሕታታ፡ ”እቲ መልኣኽ ከኣ መሊሱ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪወርደኪ ሓይሊ ልዑልውን ኬጽልለኪ እዩ” በላ (ሉቃስ 1:35)። መንፈስ ቅዱስ ናብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም፡ ንኽልተ ምኽንያት እዩ ወሪዱ። ሓደ፡ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ስጋ ከቝዉም። ካልኣይ ከኣ፡ እቲ ካብኣ ዝዉለድ፡ ነቲ ናይ ውርሻ ሓጢኣት ምእንቲ ከይወርስ፡ ማህጸና ንምቕዳስ እዩ። በዚ ከኣ እቲ ሕጻን፡ ብዘይ ሓጢኣት፡ ቅዱስ ወዲ ኣምላኽ ኰይኑ ተወልደ።

”ስጋ ለበሰ” ማለት፡ ኩሉ ሰብኣዊ ባህርይ (ስጋን  መንፈስን ) ወሰደ ማለት ደኣ እምበር፡ ስጋ ጥራይ ወሲዱ ማለት ኣይኮነን። በዚ ምኽንያት ከኣ፡ ስጋ ለቢሱ ኢሉ ኣየብቅዐን፡ ”ሰብ ኰነ” እዉን ተባሂሉ’ሎ።

ጉጅለ 4 ዝጸሓፍዎ

”ካብ ሓቀኛ ኣምላኽ ዚተረኽበ (ሓቀኛ) ኣምላኽ” ዝብል ሓረግ፡ ነቲ ብኣርዮስን ሰዓብቱን “ወልድ ፍጡር ኢዩ” ዚብል፡ ወልድ ካብ ኣቦ ዚንእስ ምዃኑ ዚምጒት ትምህርቲ ንምዕራይ ዚተባህለ እዩ። ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ምስ እግዚኣብሄር ኣቦ ብማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ (ዮሃ 10፡30) ዘብርህ ክፋል ጸሎተ ሃይማኖት ኢዩ። እቲ እንኮ፡ ሓቀኛ ኣምላኽ ካብቶም ብእኩያት መናፍስቲ ኣቢሎም ንሰባት ዘደናገሩ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ዚተፈልየ ኢዩ። እግዚኣብሄር ወልድ፡ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦ ዚተረኽበ ምዃኑ ካብ “ዓቢ” ኣምላኽ ዚተረኽበ “ንእሽቶ ኣምላኽ” ማለት ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣ ልክዕ ከም ኣቦ ኵሉ ባህርያት ናይ ሓቀኛ ኣምላኽ ዘሎዎ፡ ሓቀኛ ኣምላኽ ኢዩ (እብ 1፡3,1 ዮሃ 5፡2)። ንሱ ዘለኣለማዊ፡ (ዮሃ 1፡1)፡ ፈጣሪ፡ (ዮሃ 1፡3 ቆሎሴ 1፡16-17),ሓጢኣት ዚሓድግ፡ (ማር 2፡5-12),ኣምልኾ ዚቕበል፡ (ራእ 5፡12-14) ሓቀኛ ኣምላኽ ኢዩ።

ብመንፈስ ቅዱስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ስጋ ለበሰ፡ ሰብ ኮነ

ተራ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ስጋ ምልባስን ሰብ ምዃን ኣምላኽ ኣብ ሰብ ዚሓድረሉ ድንኳን ንምድላው ነበረ። ተራ መንፈስ ቅዱስ እቲ ዚውለድ ህጻን ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ ኪውለድን ናይ ውርሻ ሓጢኣት ከይሓልፎ ንማህጸና ንምቕዳስን ነበረ፡ (ማቴ 1፡18) “መንፈስ ቅዱስ ኪወርደኪ ሓይሊ እቲ ልዑልውን ኬጽልለኪ ኢዩ። ስለዚ ከኣ እቲ ዚውለድ ቅዱስ ወዲ ኣምላኽ ኪበሃል ኢዩ” ብምባል ከኣ፡ ተራ መንፈስ ቅዱስ ኣጕሊሑ ገለጸ፡ (ሉቃ 1፡35) “ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ስጋ ለበሰ፡ ሰብ ኮነ ” ኣምላኽ ብዅሉ ከማና ሰብ ንኺኸውን፡ ስጋ ከም ዚለበሰን (ዮሃ 1፡14) ካብ ሰብ (ቅድስት ድንግል ማርያም) ተወሊዱ (ሉቃ 1፡30-31, ገላ 4፡4-5) ድማ ሰብ ከም ዚዀነን ዘብርህ ክፋል ኢዩ፡(ሮሜ 1፡3, ፊሊጵ 2፡7)።

ጉጅለ 2 ዝጸሓፍዎ

ዝተወልደ እምበር ዘይተፈጥረ

ኣብ 325 ዓ.ም ኣርዮስ ንጎይታና የሱስ ክርስቶስ ፍጡር እምበር ፈጣሪ ኣይኰነን ኢሉ፣ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ዘሎ ”ፈጠረኒ” ዝበልን ነቲ ኣብ ቆሎሴ ዘሎ፡ “ንሱ መልክዕ እቲ ዘይርኤ ኣምላኽ፡ በዅሪ ዅሉ ፍጥረት’ውን እዩ” ዝብልን ጥቕሲ ተበጊሱ፡ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተፈጥረ እምበር ፈጣሪ ክኸውን ኣይክእልን እዩ፣ ኢሉ ተላዕለ። ኣቦታት ከኣ፡ ንሱ ”ዝተወልደ እምበር ዘይተፈጥረ” ብምባል፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ጌሮም ንኣርዮስ መጐትዎ። ክርስቶስ ክብሩ ነጽብራቕ ናይ ኣቦ እዩ። ከምቲ ብርሃን ካብ ጽሓይ ክፍለ ዘይክእል፡ ከምኡ ኸኣ ወዲ ካብ ኣቦ ክፍለ ኣይክእልን እዩ። ብርሃን ካብ ጽሓይ ይውለድ፡ ከምኡ ኸኣ ወዲ ዝተወልደ እምበር ዘይተፈጥረ እዩ። ቅዱስ ኣትናቴዎስ ንእብራውያን 1፡1-4፡ ከም መርትዖ ብምጥቃም፡ ክርስቶስ መጀመርታ ዘይብሉ ኣምላኽ ምዃኑ ንኣርዮስ መጐቶ። ኣብ ጸሎት ሃይማኖት ንክርስቶስ “ብርሃን ካብ ብርሃን” እንዳ በልና ንእውጅ። “ፊልጶስ ከኣ፥ ጐይታይ፡ ነቦ ኣርእየና እሞ ይኣኽለና፡ በሎ። ኢየሱስ በሎ፥ ፊልጶስ፡ እዚ ኽንድዚ ዚኣክል ዘመን ምሳኽትኩም ክነብር ከሎኹስ፡ ኣይትፈልጠንን ዲኻ፡ እቲ ንኣይ ዝረኣየ ነቦ ረኣዮ። ከመይ ኢልካኸ፥ ነቦ ኣርእየና፡ ትብል አለኻ፧ ኣነ ኣብ ኣቦ ኸም ዘሎኹ፡ ኣቦውን ኣባይ ከም ዘሎዶ ኣይትኣምንን ኢኻ፡ እቲ ኣባይ ዘሎ ኣቦ ባዕሉ እዩ ግብርታቱ ዚገብር ዘሎ እምበር፡ እዚ ንኣኻትኩም ዝነግረኩም ዘሎኹ ዘረባስ ካብ ርእሰይ ኣይኰንኩን ዝዛረቦ ዘሎኹ። ኣነ ኣብ ኣቦ ምህላወይ፡ ኣቦውን ኣባይ ምህላዉ እመኑኒ። እንተ ዘይኰነስ፡ ስለቲ ግብርታት እኳ እመኑኒ” [ዮሃ 14፡8-11]። ስለዚ ንሱ ብሓቂ ዝተወልደ እምበር ዘይተፈጥረ መጀመርታን መወዳእታን ዘይብሉ “ኣልፋን ኦሜጋን ኣነ እየ፡ ይብል እቲ ዘሎን ዝነበረን ዚመጽእን ኵሉ ዚኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ” — ራእይ ዮሃንስ 1፥8

ሰብ ኮነ

“እቲ ቓል ስጋ ዀነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሐደረ፡ [ዮሃ 1:14]። ንሱ፡ ወላ እኮ ስጋ እንተ ለበሰ፡ ፍጹም ኣምላኽ ብባህሪኡ ወዲ ኣምላኽ እዩ። ከምቲ ጽሑፍ፣ ”እቲ ካብ ሰብ ዚሽየም ሊቀ ካህናት ምእንቲ ሰብ እዩ ዚሽየም” ዚብሎ፣ ምእንትዚ ጐይታ ናብዚ መጸ፣ ምስ ሥጋን ነፍስን ከኣ ተዋሃደ። እግዚአብሔር ቃል፣ ብሰብነቱ በጃና ኺመውት፡ ብመለኮቱ ድማ ድኅነት ምእንቲ ኺህበና ሰብ ኰነ፡ ሃይ/አበው ዘኤጲፋንዮስ 58:48-50

ወዲ ኣምላኽ ንምንታይ ሰጋ ኰነ፡ ስጋ ለበሰ፧

ሞት ንምስዓር [እብ 2:14-15] ኣብ ክንዳና ክመውት፡ ምስ ሰብኣዊ ድኻምና ንምልላይ፡ ሕጊ ዝጠልቦ ንምፍጻም፡ ሮሜ 8:3 ትንቢት ንምፍጻም፡ ንኣርኣያና፡ ንሕና ክንስዕቦ ፍጹም ኣብነት ምእንቲ ክዀነና። “ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ፡ ክርስቶስ ከኣ፡ ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ፡ ኣርኣያ ሓዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ” 1ይ ጴጥሮስ 2፥21 6ይ. “ወዲ ኣምላኽ ከኣ ግብሪ ድያብሎስ ምእንቲ ኼፍርስ ኢሉ እዩ እተገልጸ” 1ይ ዮሃንስ 3፥8።

ጉጅለ 3 ዝጸሓፍዎ

ዝተወልደ እምበር ዘይተፈጥረ

“ዝተወልደ እምበር ዘይተፈጥረ” ዝብል ሓረግ፡ ህልውና ወልድ ምስ እግዚኣብሔር ኣቦ ብሓደ ከም ዝነበረ ዝነግር ሓረግ እዩ። ቅዱስ ጽሑፍ፡ “ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፡ እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ። እዚ ብመጀመርታ ኣብ ኣምላኽ ነበረ።” ይብል (ዮሃ 1፡1-2)። እዚ ክፍሊ እዚ ወልድ ዘለኣለማዊ ከም ዝኾነ፡ ንሱ ኣካል ፍጥረት ዘይኮነስ፡ ንሱ ንባዕሉ ፈጣሪ ምዃኑ ዝገልጸልና እዩ። እቲ “ቃል ብመጀመርያ ነበረ” ዝብል፡ ካብ ኣቦ ዝተፈልየ ኮይኑ፡ ምስኡ ግን ዝተዋሃሃደ ዘለኣለማዊ ህልዊ ዝኾነን እዩ። “ወልድ ማለት እቲ ቃል” ምስ “ኣቦ” ሓደ ኣካል ዘይኮነስ፡ ምስኡ ብፍጹም ውህደት ዝነበረ ናይ ባዕሉ ኣካል ዘለዎ እዩ።  ኣብ መንጎ “ቃልን ኣብን” ዘለኣለማዊ ሕብረትን ፍቕርን ሓድነትን ከምዘሎ ይነግር።

ኣቦታት ቤተክርስትያን፡ ነቲ “ወልድ ፍጡር’ዩ” ዝብል ዝነበረ ኣርዮሳዊ መናፍቕነት ንምቅዋም፡ ኣብ ኒቅያ ጉባኤ ኣካየዱ። ኣብኡ ቅዱስ ኣትናቴዎስ፡ ወልድ ምስ ኣቦ ሓደ ምዃኑ ብምምጓት፡ መለኮታዊ ባህርይ ክርስቶስ፡ ዘለኣለማዊን ዘይልወጥን ብግዜ ዘይድረትን ምዃኑ የረጋግጽ። ጉባኤ ኒቅያ፡ ንክርስቶስ “ዝተወልደ እምበር ዘይተፈጥረ” ኢሉ ብምግላጹ፡ ህልውና ወልድ ምስ ኣብኡ ከም ዝኾነ፡ መበገሲኡውን ምስ ኣቦ ዘለዋለማዊ ምዃኑ ይገልጽ። እቲ ናይ ባህርይ ውልድነቱ ዘለኣለማዊን መጀመርታ ዘይብሉን ከም ናይ ሰብ ብግዜ ዘይግደብን ምዃኑ እዩ።

እቲ “ዝተወልደ እምበር ዘይተፈጥረ” ዝብል ሓረግ፡ ንሓድነት ስላሴ እውን ዘንጸባርቕ እዩ። ኣብን ወድን ፍሉያት ኣካላት እኳ እንተኾኑ፡ ብመለኮት ግና ሓደ እዮም። እዚ ሓድነት እዚ፡ ከምቲ ጐይታ ባዕሉ “ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና” ዚብሎ (ዮሃ 10፡30) መለኮታዊ ስልጣንን ሓይልን ክብርን ዕብየትን ናይ ኣቦን ወልድን ሓደ ምዃኑ የረጋግጽ።  ክርስቶስ ብመለኮቱ ፈጣሪ ኩሉ እዩ፡ “ብእኡ ዅሉ ዀነ፡ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን” (ዮሃ 1፡3)።

ሰብ ኰነ

እቲ ብቕድሙ ዝነበረ እግዚኣብሄር ቃል (Logos)፡ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ስጋ ለቢሱ ሰብ ኰነ። ካብ ዘርኢ ኣብርሃም ልቡናን ኣእምሮን ካብ ዘለዎ ብግብሪ መንፈስ ቅዱስ ተዛራቢትን ለባዊትን ነፍሲ ዘላቶ ስጋ ሰብ ንባዕሉ ፈጠረ። እዚ ካብ ድንግል ማርያም ሰብ ኮይኑ ዝተወልደ ኢየሱስ፡ ብህላዌ መለኮቱ ፍጹም ኣምላኽ ዝኾነ እዩ። እቲ ቃል፡ ሰብ ኰነ። “እቲ ቓል ስጋ ዀነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሐደረ። ክብረቱ ድማ ከም ክብሪ ናይቲ ሓደ ወዲ ነቦኡ ርኤና” (ዮሃ 1፡14)። እዚ ሓረግ እዚ፡ ነቲ ዘለኣለማዊ ወዲ ኣምላኽ፡ ንደቂ ሰባት ድሕነት ንምምጻእ፡ ሰብኣዊ ባህሪ ዝለበሰሉ፡ ምስጢረ ስጋዌ ዝሓዘ እዩ።

እቲ ቃል (Logos)መለኮታውን ዘለኣለማውን ብምዃኑ፡ ምሉእ ሰብኣዊ ባህሪ ብምልባስ፡ ናብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ኣተወ። ንሱ ፍጹም መለኮታዊ ኣምላኽ ኮይኑ እናሃለወ፡ ስጋን ነፍስን ስምዒታትን ዘለዎ ፍጹም ሰብ ኰነ። እዚ ድማ፡ መሎኮታውን ሰብኣዊን ባህርይ ኣብ ሓደ ኣካል ዝተወሃሃድሉ እዩ። ሰብ ዝኾነሉ፡ ንሰባት ከድሕን ኢሉ እዩ። ንሰብ ኪፍውስ እንተ ኮይኑ፡ ናይ ሰብ ነገር ብምልኣት ኪለብስ ኣለዎ። ስለዚ እቲ ብቕድሙ ቃል ዝነበረ፡ ፈጣሪ ኹሉ ዝኾነ፡ እግዚኣብሄር ወልድ፡ ኣብቲ ንሱ ዝፈጠሮ ፍጡር ሰብ፡ ብስጋ ፍጡር ኮይኑ ካብ ሰበይቲ ተወልደ። ዕላማ ተሰጋዊነቱ ድማ፡ ንኹሉ መዳያት ደቂ ሰባት ከድሕን፡ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ምእንቲ ክብጀዎም ኢሉ እዩ። ንመለኮት ምስ ሰብኣውነት ብምውህሃድ፡ ነቲ ኣብ መንጎ እግዚኣብሔርን ዝወደቐ ሰብኣውነትን ዘሎ ደረት ኣልቦ ክፍተት፡ መተዓረቒ ኾነ። ከምቲ ጳውሎስ ዝብሎ “እቶም ውሉድ ብደምን ስጋን ካብ ዚሐብሩስ፡ ብሞቱ ነቲ ሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ ዝሐዘ ምእንቲ ኺስዕር፡ ንሱውን ድያብሎስ እዩ፡ ነቶም ብፍርሃት ሞት ብዘሎ ዘመኖም ብባርነት ተታሒዞም ዝነበሩ ዅላቶም ሓራ ምእንቲ ኼውጽኦም ኢሉ፡ ንሱውን ብእኡ ሐበሮም” (እብ 2፡14 )። ብስጋዌ ኣቢሉ፡ ሕይወትን ሞትን ትንሣኤን ክርስቶስ፡ ንኹሎም ዝኣምኑ፡ ድሕነት የምጽኣሎም። በቲ ብስጋ ተገሊጹ ዝገበሮ፡ ተኣምራቱን ትምህርቱን፡ ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ኣብ መስቀል ዝገብሮ ናይ ገዛእ ርእሱ መስዋእቲ ፍቕሩ፡ ምልኣት መለኮታዊ ጸጋን ሓቅን ይገልጽ። ሰብ ብምዃን፡ ንባህርይ ወዲ ሰብ ቀዲሱ፡ ወዲ ሰብ፡ ኣብ መለኮታዊ ሕይወት ክሳተፍ ኣኽኢልዎ።

ክርስቶስ ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን እዩ። ቅድሚ ምፍጣር ዓለም፡ ካብ ናይ ባህሪ ኣቡኡ ብዘይ ኣደ ተወሊዱ፡ ስለዚ ወዲ ኣምላኽ እዩ። ካብ ኣምላኽ ስለ ዝተወልደ፡ ኩሉ እቲ ን “ኣቦ” ዘለዎ ባህሪ፡ ንሱ ማለት ክርስቶስ’ዉን ኣለዎ። ምልኣት ዘመን ምስ ኣኸለ ግና፡ ነቶም ትሕቲ ሓጊ ሓጢኣትን ሞትን ዘለዉ፡ ብደሙ ዓዲጉ ካብ ባርነት ሓራ ምእንቲ ክገብሮም፡ ንሕና’ዉን ዉልድነት ምእንቲ ክንረኽብሲ፡ ኣቦ፡ ነዚ ካብ ሰበይቲ እተወልደ ትሕቲ ሕጊ ዝዀነ ወዱ ናባና ለኣኾ። ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ብዘይ ምድራዊ ኣቦ ተወልደ። ስለዚ ድማ “ወዲ ሰብ” ተባህለ። ኩሉ እቲ ሰባት ዘለና ባህሪ ድማ፡ ገንዘቡ ገበሮ። ስለዚ ክርስቶስ ኣምላኽ’ዩ፡ ሰብ’ዉን እዩ። ንሱ ብተዋሕዶ ዝኸበረ ስግዉ ቃል እዩ። ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ፡ ማለት 100% ኣምላኽ 100% ሰብ እዩ ኢየሱስ ክርስቶስ። እቲ “ቃል ስጋ ኰነ” ዝብል እምበኣር፡ ሕመረት እምነት ክርስትና እዩ።

ነቢብኩም ከም ዝወዳእኩም መረጋገጺ፡ "ሃዋርያት ብ __ብኣብጥሊሶም__ ከምዚ ምሂሮሙና"

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ራብዓይ ዕዮ ገዛ፡ መጽናዕቲ ጉባኤታት ቤተ ክርስቲያን

Next
Next

ካልኣይ ዕዮ ገዛ፡ መጽናዕቲ ጉባኤታት ቤተ ክርስቲያን