ራብዓይ ዕዮ ገዛ፡ መጽናዕቲ ጉባኤታት ቤተ ክርስቲያን
መእተዊ
"ፔላግዮስ" ዝብልዎ እንግሊዝዊ ፈላሲ፡ ”በደል ኣዳም፡ ንኣዳም ጥራይ እዩ ዝጐድኦ እምበር ናብ ዘርኡ ኣይተመሓላለፈን” ቢሉ መሃረ። ”ወዲ ሰብ ብናይ ባዕሉ ግብሪ ደኣ እምበር፡ ብበደል ኣዳም ኣይመውትን እዩ፡ ብትንሳኤ ክርስቶስ’ውን ኣይትንስእን እዩ” ዝብል ምህሮ ድማ ኣስዓበ። ”ክርስቶስ እንተዘይመጽእ’ውን፡ ወዲ ሰብ ብዘይ ሓጢኣት ክነብር ይኽእል ኔሩ እዩ” ድማ በለ። እዚ ኸምዚ ዝበለ፡ ብፔላግዮስን በቲ ሴለስትዩስ ዝብሃል ወደ-መዝሙሩን ዘስፋሕፍሐ ምህሮ፡ ንቕድም ኣብ ጉባኤ ቅርጣና (418 ዓም)፡ ድሒሩ ድማ ኣብ ጉባኤ ኤፌሶን (431ዓም) በቶም ቀዳሞት ኣቦታት ተወገዘ።
”ጥምቀት ንሕድገት ሓጢኣት” ዝብል፡ ኣብ ሰረተ እምነት ኦርቶዶክስ፡ ብዓውታ ዝእወጅ እምነት እዩ። እዚ ጥንታዊ እምነት እዚ፡ ኣብቲ ዳሕራይ ዘመን’ውን፡ ማለት ማርቲን ሉተር፡ ንወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘበገሰሉ እዋን’ውን እንተዀነ፡ ማርቲን ሉተር እምነቱ ክገልጽ ከሎ፡ “ኣምላኽ፡ ኣብ ጥምቀት ሕድገት ሓጢኣት ይህብ፡ ካብ ሞትን ሰይጣንን ከኣ የናግፈካ፡ ነቶም ዝኣምንዎ ዘበሉ ኸኣ እቲ ዘተስፈዎም ዘለኣለማዊ ምድሓን ይህቦም” ከም ዝበለ እዮም ጽሑፋት ዝምስክሩ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ ”እቲ ሓጥእ ሰብ፡ ኣብ ጥምቀት፡ ብደም ክርስቶስ እዩ ዚሕጸብን ካብ ሓጢኣቱ ዚነጽህን” እውን በለ።
ዝቐረበ ሕቶ
“ወነአምን በአሐቲ ጥምቀት ለሥርየተ ኃጢኣት/ ኃጢኣት ብዝሥረየላ ሓንቲ ጥምቀት ንኣምን” ምባልና፡ ብመንጽር መጽሓፍ ቅዱስ ክርአ እንከሎ፡ ቅኑዕነቱ ብኸመይ ከነረጋግጽ ንኽእል።
ጉጅለ ሓደ ዝጸሓፍዎ
ጥምቀት ሓደ ካብ ኣዕማደ ምስጢርን ሓደ ካብ ምስጢራት ቤተ ክርስትያንን ኰይኑ፡ ብመሰረት እቲ ኣብ ወንጌል ማቴዎስን ማርቆስን ተጠቒሱ ዘሎ፡ ይፍጸም። ”ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሃርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” (ማቴ28.28-30)። ”ናብ ኵላ ዓለም ኪዱ፡ ንብዘሎ ፍጥረት ከኣ ወንጌል ስበኹሉ’። ዝኣመነን እተጠምቀን ኪድሕን፡ እቲ ዘይኣመነ ግና ኪዅነን እዩ” (ማርቆስ 15፡15)።
ጥምቀት፡ ንሰብ ምስ ህይወትን ሞትን ትንሳኤን ኢየሱስ የሕብሮ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከም ዝጸሓፎ፡ እቶም ብክርስቶስ እተጠምቁ ናብ ሞቱ (ሞት ክርስቶስ) ኸም ዚጥመቑ (ሮሜ 6 3) ከምኡውን ንክርስቶስ ብሞቱ እንተመሲልናዮ፡ ብትንሳኤ ኸኣ ምስኡ ኽንሓብር ምዃንና እዩ ዝገልጽ፡ (ሮሜ 6 5)።
ብሕጽር ዝበለ፡ ጥምቀት ካብ ማይን ካብ መንፈስ ቅዱስን ምውላድ ማለት እዩ። ”ኢየሱስ መለሰ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ ካብ ማይን መንፈስን እንተ ዘይተወልደ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ዚኽእል የልቦን” (ዮሃ 3፡5)።
ሓጢኣት ንምትስራይ ብሓንቲ ጥምቀት ነኣምን” ዝብል፡ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ድዩ፧ ንዝብል ሕቶ፡ ጉጅለ ሓደ ብምልኣት፡ እወ መጽሓፍ ቅዱሳዊ እዩ፡ ብምባል ነዚ ዝስዕብ ጥቕስታት ምርኩስ ብምግባር ንገልጽ።
ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ”ተነስሑ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕ፡ ህያብ መንፈስ ቅዱስ’ውን ክትቅበሉ ኢኹም በሎም” ክብል ከሎ፡ (ግብ2.38)፡ እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ጥምቀት ምሳሌኣዊ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሕድገት ሓጢኣት ዝፍጸም ምዃኑ እያ እተጕልሕ።
ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ድማ፡ "ንሕና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ናብ ሞት ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና» ክብል ከሎ፡ (ሮሜ 6፡4) ጥምቀት፡ ስርዓት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብሓድሽ ህይወት ንምምልላስ ዝፍጸም ምዃኑ’ዩ ዝነግር ዘሎ።
ሃናንያ ዚብሃል፡ ከም ሕጊ ገይሩ ንእግዚኣብሄር ዚፈርህ፡ ዂላቶም ኣይሁድ ከኣ ጽቡቕ ምስክር ዝመስከሩሉ ሰብኣይ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ፍቓድ ጐይታና ኢየሱስ ንምፍጻም፡ ንእምነት ምስ ተኣዘዘ፡ ሃናንያ ከምዚ በሎ፡ «ተንሲእካ ተጠመቕ፡ ስም ጐይታ ጸዊዕካ ካብ ሓጢኣትካ ተሓጸብ» (ግብ22.16)። ጥምቀትን ሕድገት ሓጢኣትን ክልቲኦም ብሓባር ክጥቀሱ ንርኢ ኣሎና።
ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ገላትያ ”ብክርስቶስ እተጠመቕኩም ዘበልኩም ንክርስቶስ ለበስኩምዎ እሞ፡ ብእምነት ብየሱስ ክርስቶስ ኵላትኩም ውሉድ ኣምላኽ ኢኹም” ይብሎም (ገላ3.26-27)። ብጥምቀት ንክርስቶስ ይለብስዎ ምህላዎምን ብእኡ ኣቢሎም ድማ ውሉድ ኣምላኽ ምዃኖምን ብግሉጽ ይነግር ኣሎ።
ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ”እቲ ማይ ድማ ሕጂ ብተምሳሉ፡ ማለት ጥምቀት፡ የድሕነኩም አሎ፡ እዚ ኸኣ ብትንሳኤ የሱስ ክርስቶስ ልማኖ ሰናይ ሕሊና ናብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ምሕጻብ ርስሓት ስጋ ኣይኰነን” ብምባል፡ ጥምቀትን ምድሓንን ኣተኣሳሲሩ ከይነጻጸለ ክጽሕፍ ንርእዮ (1 ጴጥ 3፡21)።
ጐይታና ኢየሱስ ከኣ፡ ኣብ ወንጌል ማርቆስ 16፡ ”ዝኣመነን እተጠምቀን ኪድሕን፡ እቲ ዘይኣመነ ግና ኪዅነን እዩ” ብምባል ንጥምቀት ምስ ምድሓን ኣተኣሳሲሩ ክዛረብ ከሎ ንርእዮ (ማር16.16)።
ጉጅለ ክልተ ዝጸሓፍዎ
ጥምቀት ማለት ካብቲ ባፕቲዝሞስ ዝብል ግሪኻዊ ቃል ዝተረኽበ ኰይኑ፡ ትርጉሙ ድማ፡ ምጥሓል ወይ ምጥላቕ ማለት ኢዩ። ስለዚ ሓደ ሰብ ክጥመቕ ከሎ፡ ኣብቲ ማይ ምጥላቑ፡ ኣብ ሞት ክርስቶስ፡ ካብቲ ማይ ምውጻኡ ድማ ኣብ ትንሳኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝሓበረ ምልክት እዩ።
ሃዋርያ ጳውሎስ ንቲቶስ «ንሱ ብምሕረት፡ ብምሕጻብ ሓድሽ ልደትን ብምሕዳስ መንፈስ ቅዱስን እዩ ዘድሓነና እምበር፡ ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ኣይኰነን፡» ይብሎ፡ (ቲቶ 3፥5)። ንምድሓን ምስ ምሕጻብ ሓድሽ ልደትን ምስ ምሕዳስ መንፈስ ቅዱስን ኣተኣሳሲሩ ይጽሕፍ ኣሎ። ጐይታና ኢየሱስ’ውን ምስ ኒቆዲሞስ ክዘራረብ ከሎ «ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ ካብ ማይን መንፈስን እንተ ዘይተወልደ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ዚኽእል የልቦን» ብምባል፡ ንዳግማይ ልደት ምስ ማይን መንፈስ ቅዱስን ብምትእስሳር፡ እዚ ኸኣ ንምእታው መንግስቲ ኣምላኽ ከም ቅድመ ኩነት ምዃኑ ገለጸ፡ (ዮሓ 3፥3-5)።
ብጥምቀት ኣቢልና ኣብ ሞትን ትንሳኤን ክርስቶስ ከም እንሓብር፡ «ብክርስቶስ የሱስ እተጠመቕና ዘበልና ዂላትና ብሞቱ ከም እተጠመቕና ዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧» ብምባል ኣብ ሮሜ 6፥3-9፡ ከምኡ ኸኣ ኣብ ቆሎሴ 2፥12 ድማ «ብጥምቀትውን ምስኡ ተቐበርኩም፡ ብግብሪ እቲ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣምላኽ ድማ ምስኡ ተንሳእኩም» ብምባል ጸሓፈ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ገላትያ 3፥27፡ «ብክርስቶስ እተጠመቕኩም ዘበልኩም ንክርስቶስ ለበስክምዎ እሞ፡ ብእምነት ብኢየሱስ ክርስቶስ ኵላትኩም ውሉድ ኣምላኽ ኢኹም» ብምባል፡ ብጥምቀት ንክርስቶስ ከም እንለብሶ ይነግር።
ጉጅለ 3 ዝጸሓፍዎ
ንስርየት ሓጢኣት ብሓንቲ ጥምቀት ንኣምን ዝብል፡ መሰረታዊ ምህሮ ክርስትናን ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ እንረኽቦን ካብ እግዚኣብሄር ዝተዋህበና መንፈሳዊ ሓቅን ምዃኑ ርጉጽ እዩ። ጥምቀት፡ ምፍጻም ስርዓት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ስርየት ሓጢኣት ዝርከበሉ፡ ኣብ ሞት ክርስቶስን ትንሳኤኡን እንሓብረሉ፡ ንክርስቶስ እንለብሰሉ ዓቢይ ምስጢር እዩ። ከምቲ ኣብ ትንቢት ህዝቅኤል "ጽሩይ ማይ ክነጽገልኩም እየ እሞ ክትጸርዩ ኢኹም። ካብ ኵሉ ርኽሰትኩምን ካብ ኵሎም ጣኦታትኩምን ከጽርየኩም እየ" ዝብል፡ (ሕዝ36፥25)፡ እግዚኣብሄር መብጽዓኡ ዝፍጽመሉ እዩ።
ጳውሎስ ኣብ መንገዲ ደማስቆ ምስ ጐይታና ኢየሱስ ምስ ተራኸበ፥ ብእኡ ኣሚኑን እቲ ጐይታ ዝበሎ ተኣዚዙን እዩ። እንተኾነ ግና ሰለስተ መዓልቲ ድሕሪ ምጻሙ፥ ሃንንያ "ሕጂኸ ንምንታይ እትድንጒ፡ ተንሲእካ ተጠመቕ፡ ስም ጐይታ ጸዊዕካ ካብ ሓጢኣትካ ተሐጸብ" ከም ዝበሎ ንነብብ፡ (ግብ 22፡16)። ብተመሳሳሊ፡ ቆርነሌዎስ እቲ ሮማዊ ሓለቓ ሚእቲን ቤተሰቡን፥ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ክሰብኽ ምስ ጀመረ፥ መንፈስ ቅዱስ ኣብኦም ከም ዝወረደን ብቛንቋታት ከም እተዛረቡን ንነብብ እሞ፡ ድሕሪ እዚ ግና፡ እቲ ቅዱስ ሃዋርያ፡ «ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ክጥመቑ ኣዘዞም» ይብለና እቲ ጽሑፍ፡ (ግብ 10፡44-48)። ጥምቀት ንሕድገት ሓጢኣትን ንድሕነትን ኣድላዪ ምዃኑ ንርኢ ኣለና።
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እነንብቦ፡ ንእማን ሶርያዊ፡ ናብ ሩባ ዮርዳኖስ ወሪዱ ሾብዓተ ግዜ ምስ ተሓጽበ፡ ካብ ሕማሙ ሓወየ ጥራይ ዘይኰነስ፡ «ስጋኡ ኸኣ ከም ስጋ ንእሽቶ ቘልዓ ዀይኑ ተመልሶ፡ ጸረየውን» እዩ ዝብለና እቲ ጽሑፍ፡ (2 ነገ 5፥14)። ጐይታና፡ ነቲ ናይ ምድሓንና ነገር ምስ ፈጸመ፡ ንሓዋርያት ክልእኮም ከሎ “ኪዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” እዩ ዝበሎም፡ (ማቴ 28፥19-20)። ብተመሳሳሊ፡ "ናብ ኵላ ዓለም ኪዱ፡ ንብዘሎ ፍጥረት ከኣ ወንጌል ስበኹሉ። ዝኣመነን እተጠምቀን ኪድሕን፡ እቲ ዘይኣመነ ግና ኪዅነን እዩ" በሎም፡ (ማር 16፥16)። ጥምቀት ምስ ስርየት ሓጢኣትን ድሕነትን ቀጥታዊ ዝምድና ከም ዘሎዎ ንርኢ ኣሎና።
ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ኣብቲ ድሕሪ ምውራድ መንፈስ ቅዱስ ዘስምዖ ቦኽሪ ስብከቱ፡ “ተነስሑ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕ፡ ህያብ መንፈስ ቅዱስ’ውን ክትቅበሉ ኢኹም” ዝብል ምላሽ ዝሃበ፡ እቶም ንስብከት እቲ ሃዋርያ ዝሰምዑ እሞ፡ በቲ ዝተዋህበ ቓል ኣምላኽ ድማ ልቦም እተወግአ ንዘቕረብዎ ሕቶ ምላሽ ንምሃብ እዩ። ንሳቶም፡ «ኣቱም ኣሕዋትና፡ እንታይ ንግበር» ዝብል ሕቶ ምስ ኣቕረቡ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ፡ ተነስሑ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሕድገት ሓጢኣት ተጠመቑ ክብሎም ከሎ ንርኢ ኣለና፡ (ግብ 2፥38-39)። ጥምቀት ንስርየት ሓጢኣት ዝብል፡ ሓዋርያዊ ምህሮን ሰረተ እምነትን እታ ቀዳመይቲ ቤተክርስትያን ምዃኑ ንርዳእ።
ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ መልእኽቱ’ውን፡ “እቲ ማይ ድማ ሕጂ ብተምሳሉ፡ ማለት ጥምቀት፡ የድሕነኩም አሎ፡ እዚ ኸኣ ብትንሳኤ የሱስ ክርስቶስ ልማኖ ሰናይ ሕሊና ናብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ምሕጻብ ርስሓት ስጋ ኣይኰነን” ዝብል ጽሒፉ እዩ፡ (1ጴጥ 3፥21)። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ድማ፡ “ብክርስቶስ እተጠመቕኩም ዘበልኩም ንክርስቶስ ለበስኩምዎ እሞ፡ ብእምነት ብየሱስ ክርስቶስ ኵላትኩም ውሉድ ኣምላኽ ኢኹም” በለ፡ (ገላ 3፥26-27)።
ጥምቀት ንስርየት ሐጢኣት ዝብል እምበኣር፡ ሃዋርያት ዝሰበኽዎን ዝነበርዎን፡ እታ ቀዳመይቲ ቤተክርስትያን’ውን ዝቐጸለቶን፡ ድሒሩ ኸኣ ብጉባኤታት ዳግም ዝጸንዐን፡ ምኽሪ ኣምላኽ ምዃኑ፡ በዚ ንርዳእ።
ጉጅለ ኣርባዕተ ዝጸሓፍዎ
ጥምቀት፡ ስርየት ሓጢኣትን ብክርስቶስ ሓድሽ ሕይወትን ዘውህብ ምዃኑ፡ (ሮሜ 6፡4)፡ ዘይድገም ምሥጢር ከኣ ምዃኑ፡ ንኣምን (ኤፌ 4፡5)። ሰብ ብጥምቀት ካብቲ ቀዳማይ መንነቱ ተፈልዩ፡ ናብ ሓድሽ መንነት ዚኣቱ ስለ ዝዀነ፡ ሞት ክርስቶስ ምስ ጥምቀት ተመሳሲሉ ንረኽቦ(ሮሜ 6፡3-4)። ብተወሳኺ እዚ ጥምቀት እዚ፡ ንኣመንቲ ምስ ቤተ ክርስቲያን ሕብረት ኪህልዎም ዚገብርን፡ ንድሕነት ኣገዳሲ ምዃኑን ከኣ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት መጽሓፍ ቅዱስ ንረክብ፡ (ማር 16፡16፣ ቲቶ 3፡5 ወዘተ)።
እቲ ዚጥመቕ ዘሎ ውልቀ ሰብ፡ መንፈሳዊ ምንጻህን (1ጴጥ 3፡21)፡ ከምኡ ኸኣ ሕብረት ምስ ሞትን ትንሳኤን ክርስቶስ ይዀነሉ፡ (ሮሜ 6፡3-4፣ ቆላስ 2፡12)። ኣብዚ ምሥጢር እዚ፡ እቲ መበቆላዊ ሓጢኣት (ኣዳማዊ ሓጢኣት) ይኹን፡ ውልቃዊ ሓጢኣት እቲ ተጠማቒ፡ ስርየት ይረኽቡ፡ (ሮሜ 5፡12, ግብ 2፡38-39) እቲ ሰብ ድማ፡ ከም ውሉድ ኣምላኽ ይሕደስ፡ (ገላ 3፡26-27)።
ቀዳሞት ኣቦታት ቤተክርስትያንውን ከምኡ ይኣምኑ ነበሩ። ንኣብነት፡ ቅዱስ ኣምብሮስ ዘሚላን፡ ቅዱስ ባስልዮስ ዓብዪ፡ ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ፡ ቅዱስ ጐርጐርዮስ ዘንሂሳን ቅዱስ ቀሌምንጦስ ናይ እስክንድርያን ካልኦትን፡ ጥምቀት፡ ስርየት ሓጢኣት ከም ዘውህብ ይኣምኑን ይምህሩን ነበሩ።