ሓምሻይ ዕዮ ገዛ፡ መጽናዕቲ ጉባኤታት ቤተ ክርስቲያን

ዝቐረበ ሕቶ

ካብ ሓፈሻዊ ምህሮ ኤኰመንያዊ ጉባኤታት ቤተ ክርስቲያን እንታይ ተማሂርኩም፧

ጒጅለ ኣርባዕተ ዝጸሓፍዎ

እተን ቀዳሞት ሰለስተ ኵላዊ ጉባኤታት፦ ኒቅያ (325 ዓ.ም.)፡ ቁስጥንጥንያን (381 ዓ.ም.)፡ ኤፌሶንን (431 ዓ.ም.)- ንቤተ ክርስቲያን፡ ግዜ ዘየህስሶ ትምህርቲ ሂበንን፡ ከም ኣብ ባህርይ ክርስቶስን፡ ስላሴን ዝኣመሰሉ ቀንዲ ትምህርትታት ዝፍጠሩ ብድሆታት፡ ሓደስቲ ከም ዘይኮኑ ኣርእየንን ኢየን። ከም ምህሮ ኣርዮስ፡ መቅዶንዮስን ንስጥሮስን፡ ዝኣመሰሉ ስነ-መለኮታዊ ክርክራት፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቅታት ንቕሓት ከም ዘድሊ የዘኻኽራና።

እዘን ጉባኤታት እዚኣተን፡ መናፍቕነት መብዛሕትኡ ግዜ ንኣዝዮም ሕልኽላኻት (ልዕሊ ኣእምሮ) ዚዀኑ ሓሳባት ንምርዳእ ካብ ምፍታን ከም ዝምንጩን፣ ነዚ ድማ ጥንቁቕ ስነ መለኮታዊ ትንተናን፡ ትሕትናን ከም ዘድሊ፡ ኣጉሊሐን ኢየን። እተን ጉባኤታት፡ ተሳትፎ መንግስቲ ከመይ ጌሩ ንቤተ ክርስቲያን ክድግፍ ወይ ክዕንቅፍ ከም ዝኽእል’ውን ኣርእየን ኢየን። ከም በዓል ቈስጠንጢኖስን፡ ቴዎዶስዮስ ቀዳማይን ካልኣይን ዝኣመሰሉ ሃጸያት፡ ልዑል ተራ እኳ እንተ ተጻወቱ፡ ጽልዋኦም ግና ንሓንሳእ ነቲ ኣብ መንጎ ፖለቲካን እምነትን ዝነበረ መስመራት የደብዝዞ ነበረ። እዚ ድማ እታ ቤተ ክርስቲያን፡ መንፈሳዊ ናጽነታ ክትሕሉ ከም ዘለዋ ዘዘኻኽር ኢዩ።

እተን ጉባኤታት፡ ሽሕኳ ፖለቲካዊ ጸቕጢ እንተገጠመን፡ ካብ ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዝመጹ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ብምጥርናፍ፡ ብሓባር ምስራሕን ሓባራዊ ጥበብ ምጥቃምን፡ ግርጭታት ንምፍታሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ግና ኣርእየን እየን። ብተወሳኺ ኣብተን ጉባኤታት ዚነበሩ ክትዓት፡ ኣገደስቲ ትምህርትታት ክርስትና ኣነጺሮምን፣ ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ነባሪ ዚዀነ መግለጺ ናይ እምነት ክርስትና ከም “ጸሎተ ሃይማኖት” ኣበርኪቶምን ኢዮም።

ነዞም ፍጻመታት እዚኣቶም ምጽናዕ፡ ነዛ ሎሚ ዘላ ቤተ ክርስቲያን፡ ታሪኻዊ ሱራን ነቲ እምነት ንምዕቃብ ዝተኸፍለ መስዋእትን ንምርዳእ ይሕግዝ። ቤተ ክርስቲያን፡ ካብዞም ጉባኤታት ብምምሃር ኣብ እዋናዊ ብድሆታት ክትጓዓዝን፡ ግዳማዊ ጸቕጢ ክትቃወምን ሓቂ ኣብ ምእዋጅ ድማ ጽንዕቲ ኰይና ክትነብርን የኽእላ።

ጉጅለ ክልተ ዝጸሓፍዎ

ካብ ምህሮ ኤኮመንያዊ ቤተ ክርስትያን ዝተመሃርናዮ ብዙሕ ኢዩ፡ ዝኸሰርናዮ ግን የለን። መጀመርታ ቤተ ክርስትያን ሓንቲ ከም ዝነበረት፡ ብድሕሪኡ ናይ ዝተፈላለዩ ሰባት ሓሳብ ክኣትዎ ከም ዝጀመረ፡ እዘን ኩላተን ኣብያተ ክርስቲያን ብኸመይ ከም ዝፈረያ፡ እቲ ኣዝዩ ዓብዪ ትምህርቲ ኸኣ፡ ከምቲ እቶም ቀዳሞት ሃዋርያት፡ ነቲ ኣብ ሞንጎኦም ዝመጽእ ዝነበረ ናይ ርድኢት ፍልልይ ብትሕትና ዝፈትሕዎ ዝነበሩ፡ እዞም ቀዳሞት ኣቦታት ከኣ ነቲ ኹሉ ዝመጽእ ምፍልላያት፡ ብደገፍ መንፈስ ቅዱስ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ጌሮም ይፈትሕዎ ከም ዝነበሩ ንርዳእ።

ኣብቲ ዝነበረ ጉባኤታት ካብ 150 ክሳብ ልዕሊ 300 ዝዀኑ ጳጳሳት ክእከቡ እሞ ኸኣ ኣብቲ ግዜ እቲ ከምዚ ናይ ሕጂ እኹል መጓዓዝያ ዘይምንባሩ፡  ኣብ ዝደለኻዮ ግዜ ካብዝን ናብትን ክትብል ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ እዞም ኣቦታት  ህይወቶም ከመይ ንመንፈስ ቅዱስ ዘግዝኡ ምንባሮም ክንርዳእ ንኽእል።

ዝያዳ ዝወሰድናዮ እንተሎ፡ ተወፋይነትን ንክርስቶስ ዝነበሮም ዓቢ ፍቕርን እዩ። ምስዚ ኩሉ ዝመጾም ዝነበረ ፈተናታት፡ ስደት ይኹን መከራ፡ ከይተሰላኸዩ፡ እታ ብደም ጐይታ እተዓደገት ቤት፡ ከመይ ኢላ ከም ፍቃድ ኣምላኽ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር እናተራእየላ ትዓቢ፡ ከመይ ኢላኸ ምስሊ ክርስቶስ ተንጸባርቕ እምበር፡ ክብሪ ገዛእ ርእሶም ዘይደልዩ፡  ከም ዝነብሩ ንርዳእ። እቲ በብግዚኡ ዝቐርብ ዝነበረ ውግዘት እንተኾነ’ውን ከም ፍቃድ ኣምላኽ ምኽንያታዊ ደኣ'ምበር፡ ከምዚ ሕጂ ንሪኦ ዘለና፡  ኣይነበረን።

ኣብቲ ግዜ ዝነበሩ ሃጸያት፡ ምስ እዞም ሕጂ ኣብ  ዘመንና ዘለው ሰበ ስልጣናት ከነናጻጽሮ ከለና፡ ንሳቶም፡ ብዙሕ ንቤተክርስቲያን ይጠቕሙ ከም ዝነበሩ ኢና ንግንዘብ። ጉባኤ ክሳዕ ምጥላብ ዝዝርጋሕ፡ ዓቢ እጃም  ዝነበሮም ሃጸያት ምንባሮም ኢና ተማሂርና፣ ብዘይካ’ዚ ንውሳነታት እቲ ጉባኤ ኣብ ምጽናዕ’ውን ዓብዪ ኣበርክቶ ከም ዝነበሮም ንርኢ።

ጉጅለ ሓደ ዝጸሓፍዎ

ካብዚ ትምህርቲ’ዚ ብዙሕ  ኢና ተማሂርናን፣ ብዙሕ ኢና ኸኣ ከሲብናን። ኣቦታት፡ ነቲ ኣብ ዘመኖም ዝመጽእ ዝነበረ ስሑት ትምህርታት፡ በብዝመሰሎምን በብኢደ ዋኒኖምን ዘይኰነስ፡ ብደቂቕ ብምስትዉዓል፡ ጉባኤ ጸዊዖም፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢን መንግስትን ብስርዓት፡ መጽሓፍ ቅዱስን እምነት ኣቦታትን ምርኵስ ብምግባር፡ ግቡእ መአረምታ፡ ምላሽን ኣድላዪ እንተዀይኑ’ውን ዉግዘት ይገብሩ ብምንባሮም፡ ኣብ እምነቶም ማዕረ ክንደይ ጽኑዓትን ተባዓትን ከም ዝነበሩ ካብኦም ክንምሃር ንኽእል።

እቲ ካልእ እንምሃሮ ኸኣ ማዕረ ክንደይ ፍቕሪ ክርስቶስ ከም ዝነበሮም፡ ነታ እምነት ንምሕላዋ ኸኣ ማዕረ ኽንደይ ዋጋ ንኽኸፍሉ ድሉዋት ከም ዝነበሩን ይምህሩና። ንእምነትካን ንቓል ኣምላኽን ብዝግባእ እንተፈሊጥካዮ፡ ካብ  ስሑት ምህሮ ክትሕሎን፣ ኣብ እምነትካ ደዉ ክትብልን ከም ዘኽእለካ ይምህሩና።

ካልእ ካብዞም ኣቦታት ዝተመሃርናዮ ኸኣ፡ ምዉርራስ እምነት እዩ። ንሕና’ውን ንቕድም እምነትና ብግቡእ ክንፈልጥ፡ ማዕረ ማዕሪኡ ኸኣ ንመጻኢ ወለዶ ዘይተበረዘ ቅኑዕ እምነት ኣብ ምትሕልላፍ፡ ሓላፍነትና ክንዋጻእ ግቡእ ምዃኑ ንምሃር።

ጉጅለ 3 ዝጸሓፍዎ

ከም ክርስትያን፡ መን ምዃንና፣ እምነትና ብኸመይ ናብ ወለዶታት ከም ዝተመሓላለፈን ብኸመይ ኣካል ክርስቶስ ከም ዝኾንናን ክንርዳእ ወሳኒ እዩ። ቀዳሞት ኣቦታት ቤተ ክርስቲያን ብቃል እግዚኣብሔር ተመሪሖም፡ ነታ ምስ ብዙሕ ብድሆታት ኣብ ታሪኽ ተዓቂባ ዝጸንሐት እምነትና ጽኑዕ መሰረት ኣንበሩላ።

ጉባኤ ኒቅያ (325 ዓ.ም.) ነቲ ክርስቶስ ፍጡር እዩ ዝብል ምህሮ ኣርዮስ  ብምንጻግ ንኣምላኽነት ክርስቶስ ኣረጋጊጹ። ጉባኤ ቁስጥንጥንያ (381 ዓ.ም.) ንመለኮታዊነት መንፈስ ቅዱስ ኣነጺሩ፡ ነቲ መሰረታዊ ክርስትያናዊ ትምህርቲ ስላሴ - ኣምላኽ ከም ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን፡ ዝያዳ ኣረጋጊጹ። ጉባኤ ኤፌሶን (431 ዓ.ም.) እቲ ካብ ድንግል ማርያም ዝተወልደ፡ ንሱ እቲ ዘልኣለማዊ ቃል፡ እግዚኣብሄር ወልድ ምዃኑ ብምርግጋጽ፡ ንቕድስት ድንግል ማርያም፡ ቴዎቶኮስ (ኣደ ኣምላኽ- ጸዋሪተ ኣምላኽ) ኢሉ ኣዊጁ።

እዞም ስነ-መለኮታዊ ውሳኔታት እዚኦም ንሓድነትን ቅንዕናን ቤተ ክርስቲያን ንምዕቃብ ኣገደስቲ ነይሮም። ኣቦታት ቤተ ክርስቲያን ነዚ ትምህርትታት እዚ ንምንጻር ከይተሓለሉ ይሰርሑ ነበሩ፣ ሓድ ሓደ ግዜ ድማ ዓቢ ተቓውሞን ስደትን ይገጥሞም ነበረ። ንእምነት ዝነበሮም ትብዓትን ተወፋይነትን ንመጻኢ ወለዶ ክርስትያናት ኣርኣያ፡ ኰነ። ነቶም ካብ ሓቂ ዝሰሓቱ ሰባት ኣብ ምምላስን፡ ነቶም ብጌጋ ዝተረድእዎ እምነት ኣብ ምግላጽን፡ ዘደንቕ ትዕግስቲ ኣርእዮም እዮም።

ቀዳሞት ክርስትያናት ብዙሕ መናፍቕነትን ስነ-መለኮታዊ ዘይምርድዳእን የጋጥሞም ነበረ፣ ሃጸያት ድማ ነዚ ጉዳያት እዚ ንምፍታሕ ጉባኤታት ኣብ ምጽዋዕ ቁልፊ ተራ ተጻዊቶም። ኣብ መንጎ ጉባኤ ቁስጥንጥንያን ጉባኤ ኤፌሶንን ኣብ 48 ዓመታት ዝተኻየዱ 84 ጉባኤታት ምህላዎም፡ ነቲ ኣብ ስነ-መለኮታዊ ፍልልያት ንምፍታሕ ዝግበር ዝነበረ ቀጻሊ ጻዕሪ ዘርኢ እዩ። ተሳትፎ ሃጸያት ብፍላይ ከኣ ቈስጠንጢኖስ፡ ነቲ ንዘመናት ንክርስትና ዚገልጽ ትምህርትታት ዶግማ ንኸቝሙ ሓጊዙ እዩ። እዞም ጉባኤታት እዚኣቶም እውን ኣቦታት ቤተ ክርስቲያን ቅዱሳት መጻሕፍትን ምኽንያትን ተጠቒሞም መናፍቕነት ንምምካትን ሓድነት ቤተ ክርስቲያን ንምዕቃብን ዝሕግዝ መድረኽ ኣዳልዮም እዮም።

ኣቦታት ቤተ ክርስቲያን ተሓለቕቲ ኦርቶዶክስ ጥራይ ዘይኮኑ፤ ዓበይቲ ስነ-መለኮታውያንን ፈላስፋታትን እውን ነበሩ። ነቲ ኣብ ግዜኦም ዝነበረ ልሙድ ፍልስፍናዊ ቃላት፡ ክርስትያናዊ እምነት ንምግላጽን ንምክልኻልን ይጥቀሙሉ ነበሩ። ንኣብነት ሎጎስ (Logos) ዝብል ካብ ፍልስፍና ግሪኽ ዝመጸ ቃል፡ ከም በዓል ዮስጢን ሰማእትን ቀሌምንጦስ ዘእስክንድርያን ዝኣመሰሉ ቀዳሞት ክርስትያን፡ ንዘለኣለማዊ ባህርይ ክርስቶስን መለኮትነቱን ንምግላጽ ይጥቀሙሉ ነበሩ። ኣርዮስ፡ ”ወልድ ፍጡር” ብዝብል ሓሳብ ምስ ተላዕለ፡ ኣትናቴዎስ፡ ነቲ ትምህርቲ ንምንጻግ፡ ሆሞውሲዮስ (ናይ ሓደ ንጥረ ነገር) ዝብል ቃል ተጠቒሙ። ክርስቶስን ኣቦን ሓደ መለኮት ከም ዘለዎም ዘርኢ ቃል ድማ እዩ። ኣብ ጉባኤ ቁስጥንጥንያ፡ ባስልዮስ ዓብዪን ጎርጎርዮስ ዘኒሳን፡ ርክብ ናይቶም ሰለስተ ኣካላት ስላሴ፡ ማለት ኣብ፡ ወልድ፡ መንፈስ ቅዱስ ንምግላጽ፡ ሃይፖስታሲስ (ንጥረ ነገር ወይ ኣካል) ዝብል ቃል ክጥቀሙ ከለዉ ንርእዮም።

ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን፡ ትብዓት፡ ትሕትናን ትዕግስትን’ውን ይምህረና እዩ። ከም እኒ ኣትናቴዎስ ዝኣመሰሉ ኣቦታት፡ ስደትን መስጎጕትን ንህይወቶም ፈታኒ ሓደጋታትን እኳ እንተ ኣጋጠሞም፥ ግናኸ ኣብ እምነቶም ጸኒዖም ቀጸሉ። ንኣብነት ኣትናቴዎስ ንምህሮ ኣርዮስን ኣርዮሳውነትን ብምቅዋሙ፡ ሓሙሽተ ግዜ ካብ መንበረ ስልጣኑ ከም ዝተሰጐ ንርኢ። በቲ ንወንጌል ዘለዎ ዘይንቕነቕ ተወፋይነቱን ጽኑዕ እምነቱን ግና፡ ህያው ኣብነት ኮይኑና’ሎ። ከምቲ ራእይ 12:11፤ ሳላ ደም እቲ ገንሸልን ሳላ እቲ ቓል ምስክሮምን ድማ ሰዐርዎ፡ ንህይወቶምውን ክሳዕ ሞት ኣየፍቀርዋን።” ዝብል፥ ኣቦታት ቤተ ክርስቲያን፡ ዋላ’ውን ዓቢ ሓደጋ ኣብ ዝገጥመሉ እዋን፡ ንቃል ኣምላኽ እሙን ምዃን ልዕሊ ኩሉ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣርእዮም እዮም።

ዘጋጥመና ብድሆታት ብዘየገድስ፡ ከምቲ ይሁዳ 1፡3 “ኣቱም ፍቁራተይ፡ ብዛዕባ ሕብረት ምድሓንና ብዅሉ ቕንኣት ክጽሕፈልኩም ምስ ደሌኹ፡ በታ ሓንሳእ ንቕዱሳት እተዋህበት እምነት ክትጋደሉ ጽሒፈ ኽመኽረኩም፡ ናይ ግዲ ዀነኒ” ዝብለና፥ ከምታ ቀዳመይቲ ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብ ሓቂ ምጽናዕ ኣገዳሲ ምዃኑ፡ እዚ ዝተመሃርናዮ ትምህርቲ ጉባኤታት ቤተክርስቲያን፡ ከም ሓያል መዘኻኸሪ ኮይኑ የገልግል።

ሃጸያዊ ግዝኣት ሮማ ኣብ ታሪኽ ክርስትና እውን ልዑል ተራ ተጻዊቱ እዩ። ከም እኒ ኔሮን ዝኣመሰሉ ሃጸያት ሮማ፡ ንክርስትና ብስደት ከጥፍእዎ ብምንቃዶም፡ ኣዝዮም ብዙሓት ክርስትያን፡ ብመሪር ሰማዕትነት ሓሊፎም እዮም። ኣብ መጀመርታ 4ይ ክፍለ ዘመን ግና፡ ሃጸይ ቈስጠንጢኖስ ንክርስትና ሕጋዊ እምነት ገበሮ፣ ብመንገዲ ኣዋጅ ሚላኖ (313 ዓ.ም.) ኣቢሉ ድማ፣ ኣብ መላእ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮማ ንዝነበሩ ክርስትያን፡ ሃይማኖታዊ ናጽነት ሃቦም። ቈስጠንጢኖስ ንክርስቶስ ክስዕብ ምውሳኑን፡ ቤተ ክርስቲያን ዝገበሮ ደገፍን፡ ኣብ ክርስትያናዊ ዓለም ርኡይ ለውጢ ኣምጺኡ እዩ። ብ325 ዓ.ም. ንኣብነት፡ እቲ ብጻውዕት ሃጸይ እተጋባአ ጉባኤ ኒቅያ፡ እምነተ ክርስትና ንምድልዳል ሓጊዙን፡ ቤተ ክርስቲያን ከኣ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ተጻባኢ ዝነበረ ሃዋህው ክትዓቢን ክትስስንን ኣኽኢልዋን እዩ።

ኣብ መደምደምታ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ምጽናዕ፡ ምዕባለ ክርስትያናዊ ትምህርቲ ንምርዳእ ይሕግዘና ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ እምነትና ጸኒዕና ክንቅጽል ኣገዳሲ ምዃኑ’ውን ይምህረና እዩ። እቲ ናይ ቀዳሞት ኣቦታት ቤተ ክርስቲያን ትብዓት፡ ጥበብን ትሕትናን፡ ሎሚ እውን የበርትዓና ኣሎ። እምነት ኣብ ምዕቃብን መናፍቕነት ኣብ ምቅላስን፡ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ሓድነት ንምዕቃብን ዝገበርዎ ጻዕሪ፡ ነቲ ሎሚ እንፈልጦ ክርስትና ቀሪጹዎ እዩ። ከምቲ ንሳቶም ንወንጌል እሙናት ኰይኖም ዝሓለፉ፡ ንሕና’ውን እሙናትን ጽኑዓትን ኴንና ነቲ ካብ ጐይታ ዝተቐበልናዮ ሓደራ፡ ብንቕሓት ክንቅጽሎ፡ ሓላፍነት የሰክመና እዩ።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

33 ሕቶታት፡ ጥምቀት ንሕድገት ሓጢኣት ድዩ፧

Next
Next

ራብዓይ ዕዮ ገዛ፡ መጽናዕቲ ጉባኤታት ቤተ ክርስቲያን