ግብጺ፡ ምስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝግበር ዘተ ክቋረጽ ወሲና
ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንተጻመድቲ ሕደ-ጾታውያን ኣመልኪታ ድሕሪ ዝወሰነቶን ዘውጽኣቶን መግለጺ፡ ብፓትርያርክ ወርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ቅዱስ ኣቡነ ቴዎድሮስ ዳግማዊ ኣብ ዝተመርሐ፡ ሓፈሻዊ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ግብጺ፡ ምስ ኣሓት ኣብያተ ክርስቲያን ምብራቕ ኦርቶዶክስ ድሕሪ ምምኽኻር፡ ትማሊ ሓሙስ 07 መጋቢት 2024 ኣብ ምዝዛም ዓመታዊ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ነዚ ዝስዕብ ከም ዝወሰነት፡ ኣብ ወግዓዊ መርበባ ገሊጻ። በዚ መሰረት፦
ሀ. እቲ ምስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝካየድ ዝነበረ ዘተ ስነ መለኮት፡ ደው ክብል፡
ለ. እቲ ዘተ ካብ ዝጀመረሉ፡ ካብ ቅድሚ ዕስራ ዓመት ኣትሒዙ ንዝተረኽበ ውጽኢት፡ ዳግማይ ክግምገምን፣
ሐ. ነቲ ዘተ ኣብ መጻኢ ንምቕጻሉ ኸኣ፡ ሓድሽ መዐቀኒታትን ኣገባባትን ክቐውም
ተወሲኑ ከም ዘሎ፡ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ። ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ግብጺ፡ ኣብ ተጻመድቲ ሕደ-ጾታውያን ዘሎዋ ዘሎዋ ተሪር ኩነኔ ብምግላጽ፡ ሰረተ እምነታ ብመልክዕ ኣዋጅ ብምውጻእ፡ ዳግም ኣብሪሃ’ላ።
ሰኑይ 04 መጋቢት 2024 ዝጀመረ ዓመታዊ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ግብጺ፡ ቤተ ክርስቲያን ግብጺ፡ ምእንቲ ሓድነት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ከም እትጽሊ፡ ኣብ ዘውጽኦ ኣዋጅ ዝጠቐሰ ክኸውን ከሎ፡ ንኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣመልኪቱ ግና፡ ዝጠቐሶ ኰነ ዝበሎ ኣብቲ ኣዋጅ ኣይተገልጸን።