እምነት ግብጻዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብ ጉዳይ ሕደ-ጾታውያን

ብፓትርያርክ ወርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ኣቡነ ቴዎድሮስ ዳግማዊ ዝተመርሐ፡ ሓፈሻዊ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ግብጺ፡ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ግብጺ፡ ንተጻመድቲ ሕደ-ጾታውያን ዘሎዋ ዘሎዋ ኩነኔ ብምግላጽ፡ ትማሊ ሓሙስ 07 መጋቢት 2024 ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ ሰረተ እምነታ ዳግም ኣብሪሃ’ላ። ነቲ መግለጺ ብቛንቋ እንግሊዝ ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ

እምነት ግብጻዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብ ጉዳይ ሕደ-ጾታውያን

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ፍጥረት ሰብ ኣመልኪቱ፡ “ሽዑ እግዚኣብሄር፡ ብመልክዕና ከም ምስልና ሰብ ንግበር በለ” ከም ዝብሎ፡ (ዘፍጥረት 1፡26) እግዚኣብሄር ንሰብ፡ ፍሉይን ልሉይን ጌሩ’ዩ ፈጢርዎ። እዚ ማለት ከኣ፡ እግዚኣብሄር፡ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ፡ ንሰብ፡ መልክዕ ቅድስናኡ፡ መልክዕ ጽድቁን ሓርነቱን ክኸውን ብሂጉ ፈጠሮ ማለት’ዩ። ”ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም። ኣምላኽ ከኣ ባረኾም። ኣምላኽ ድማ ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ከኣ ምልእዋን ምለኽዋን. . . በለ” (ዘፍጥረት 1፡27, 28)።

እምነት ቤተ ክርስቲያን እዚ እዩ፣ እግዚኣብሄር ንሰብ፡ ተባዕታይን ኣንስተይትን ጌሩ፡ ብቕድስና፡ ፈጠሮ። ንሱ፡ ቅዱስ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ንሰብ ድማ፡ ብማእሰር ቅዱስ መውስቦ ጸንበሮ፤ “ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ሓዲጉ ምስ ሰበይቱ ይጠብቕ፡ ሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ”  (ዘፍጥረት 2፡24)።

ሰብ ብቕድስና ንኽነብር፡ እግዚኣብሄር ዝገበሮ ጻውዒት [ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ከም ዝተመስከረ] ኣብ 1 ተሰሎንቄ 4፡3-5፡ እብራውያን 12፡14፡ ከምኡ’ውን 1 ተሰሎንቄ 4፡7 እውን’ዩ ቀጺሉ’ዩ።

ሰብ፡ ከም ቅዱስ ፍቓድ ኣምላኽ ንኽነብር፡ ከምኡ’ውን ከምቲ ኣምላኽ ንመውስቦ ዘዳለዎ መለኮታዊ ንድፊ ጌሩ፡ ማለት ተባዕታይ ምስ ጓል ኣንስተይቲ ክወሃሃድ ናይ ምምራጽ መሰል፡ ነጻ ፍቓድ ሃቦ።

ብዝንባለታት ምጽማድ ሕደ-ጾታዊ ዝሳቐዩ እሞ ካብቲ ዝንባለ ንምህዳም ከኣ ነፍሶም ንምግታእ ዝጽዕሩ ዘበሉ፡ እቲ ንሳቶም ዝገብርዎ ነፍሰ ምግታእ፡ ከም ገድሊ ኰይኑ እዩ ዝቝጸረሎም። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ገድሊ፡ ልክዕ ከምቶም ሰብ ኣንጻር-ጾታ`ውን ብሓሳብ፡ ብምርኣይን ብስሕበትን እናተፈተኑ ዝጋደልዎ ዘለዉ እዩ ዝምሰል። ሓደ፡ ኣብ ምጽማድ ሕደ--ጾታዊ ዝንባለ ዝወደቐ እንተሎ፡ ከምቲ ኣብ ኣንጻር ጾታ ዘጋጥም ኣብ ሓጢኣት ዝሙት/ዝሙት ዝወድቕ፡ ኰይኑ፡ ሓቀኛ ንስሓ እዩ ዘድልዮ። ነዞም ክልተ ኸኣ፡ ቀጻሊ መንፈሳውን ስነ-ኣእምሮኣውን ምክትታል የድልዮም። እዚ ከምዚ ዝዓይነቱ ምክትታል፡ ንዘይተደልየ ሕደ-ጾታዊ ዝንባለ ኣብ ምውጋድ፡ ውጽኢታዊ ምዃኑ ተረጋጊጹ እዩ። እንተ’ቶም ምስ ግብረሰዶማዊ ዝንባለታቶም ክሰማምዑ ዝመረጹ፡ ንገዛእ ርእሶም ከኣ ናብ ግብረ-ሰዶማዊ ተግባራት ዝደፍኡ፡ ንዝወሃቦም መንፈሳውን ስነ-ኣእምሮኣውን ኣተሓሕዛ ብምንጻግ፡ ብገዛእ ፍቓዶም ንትእዛዝ ኣምላኽ ብምጥሓስ ክኸዱ እንተመረጹ፡ ጉዳዮም፡ ካብ ኩነታት ናይቶም ኣብ ቃልሲ ጸረ ዝሙት፡ ሓደው ኣብ ቃልሲ ጸረ ሕደ-ጾታዊ ዝንበለ ዝርከቡ፡ ዝገደደ ይኸውን። ብንስሓ ክሳዕ ዘይተመልሱ ድማ መጠንቀቕታ ክወሃቦምን ካብ መኣዲ ቅዱስ ቍርባን ክፍለዩን ኣለዎም።

ቤተ ክርስቲያን፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንኹሉ ዘመናት ዝኸውን ሰናይ ቃል ሓቂ ምዃኑ ትኣምን። ኣብ ክልቲኡ፡ ማለት ኣብ ብሉይን ሓዲስን ኪዳን ድማ፡ ተመሳሳሊ ጾታ ኣብ ዘለዎም ሰባት ዝግበር ጾታዊ ርክብ፡ እቲ ቕዱስ መጽሓፍ፡ ይኹንን፡ የጠንቅቕን ይኽልክልን። ሃዋርያ ጳውሎስ ንኣብነት፡ ”ደቂ ኣንስትዮኦም ነቲ ናይ ባህርይ ተራኽቦኤን ናብ ናይ ዘይባህርየን ለወጣኦ።  እቶም ተባዕትዮ’ውን ከምኡ ነቲ ናይ ባህርይ ምርኻብ ጓል ኣንስተይቲ ሐዲጎም፡ ኣብ ንሓድሕዶም ብትምኒቶም ረሰኑ፡ ሰብኡት ኣብ ሰብኡት ነውሪ ገበሩ፡ ግቡእ ዓስቢ ስሕተቶም ከኣ ኣብ ርእሶም ተቐበሉ። ከምቲ ንኣምላኽ ኣብ ፍልጠቶም ኪሕዝዎ ዘየቋጸርዎ፡ ኣምላኽ ከኣ ከምኡ፡ ዘይንቡር ኪገብሩ ንሕሱር ኣእምሮ ኣሕሊፉ ሃቦም፡” ይብል፡(ሮሜ1.26-28)። ንተወሳኺ መወከሲታት 1 ቈረንቶስ 6:9-10, ዘሌዋውያን 18:22, ከምኡ’ውን ዘሌዋውያን 20:13 ተመልከቱ።

በዚ መሰረት፡ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ግብጺ፡ ካብቲ ቅዱስ ደረት መውስቦ ወጻኢ ንዝግበር፡ ነዚ ጾታዊ ምምዝባል ዝብሃል ብሓፈሻውን ጠቕላልን ርድኢቱን ከምኡ’ውን ንዅሎም ዓይነታት ጾታዊ ግብርታቱን ትነጽግ። ንሓሳባት ዝተፈላለዩ ባህልታት ኣመኽኒኻ፡ ሕደ-ጾታዊ ዝምድናታት ቅቡል ንምግባር ኣብ ውሽጢ እቲ “ፍጹም ሰብኣዊ ናጽነት” ዝበሃል፡ ንዝግበር ዘበለ ብፍጹም ትነጽግ። ቤተ ክርስቲያን፡ ነቲ (ውልቃዊ) ሰብኣዊ መሰልን ናጽነትን ዘሎዋ እምነት እኳ ኣጽኒዓ ትሕዝ እንተዀነት፡ ሓርነት ፍጡር ግና፡ ንሕግታት ፈጣሪ ክሳብ ምጥሓስን ክሳብ ምፍራስን ዝበጽሕ፡ ፍጹም ከም ዘይኰነ ትኣምን።

ቤተ ክርስቲያን፡ እምነታ ኣብቲ እንኮ ቅዱስ፡ ኣብቲ ካብቲ እንልምኖን እንሓስቦን እምብዛ ኣዕዚዙ፡ ክፍውስ፡ ክልውጥ፡ ከዕብን ዝኽእል፡ ኣብ ክርስቶስ ብምግባር፡ ዘሎዋ ጉስነታዊ ተራ ተረጋግጽ። ነቶም ብዝንባለ ሕደ-ጾታዊ ርክባት ዝሳቐዩ ደቃ ንምሕጋዝ ማለት ስነ ኣእምሮኣውን መንፈሳውን ፈውሲ ክረኽቡ፡ ኣድላዪ ደገፍን ረድኤትን ብምግባር ከምኡ’ውን ንዘይምንጻጎም፡ ንዘሎዋ ጉስነታዊ ተልእኾ ተረጋግጽ።

ሓሙስ 7 መጋቢት 2024 ዓመተ ምሕረት፣ 28 መሺር 1740 ዓመተ ሰማዕታት። 

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ሓባራዊ ጉባኤ፡ ዓለም-ለኻዊ ማሕበር ሃዋርያት ኦ.ተ.ቤ.ኤ.

Next
Next

ግብጺ፡ ምስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝግበር ዘተ ክቋረጽ ወሲና