ሓባራዊ ጉባኤ፡ ዓለም-ለኻዊ ማሕበር ሃዋርያት ኦ.ተ.ቤ.ኤ.

ቀዳም 30 መጋቢት 2024፡ ካብ ሕጂ ንድሓር፡ በብወርሑ ዝጋባእ ናይ 2 ሰዓታት ሓባራዊ ጉባኤ ክንፍልም ኢና። መኽፈትን መዕጸውን ጸሎት ካብ ኤውሮጳ፡ ቃል ኣምላኽ ካብ ካናዳ፡ መዝሙር ድማ ካብ ኣመሪካ ተዳልዩ’ሎ። እቲ ተሰሪዑ ዘሎ ጊዜ፡ ንኣመሪካን ካናዳን ምእንቲ ክጥዕም፡ ምሸት ሰዓት 21.30 ብሽወደን ስለ ዝዀነ፡ መደብ ሕጻናት ኣይክህልወናን እዩ።

እቲ መደብ ብዙም ከምኡ’ውን ብፍሪ-ኮንፈረንስ-ኮል ክዝርጋሕ’ዩ። ብዝጥዕመኩም ኣቲኹም ክትሳተፉ ድማ ብፍቕሪ ክርስቶስ ብኽብሪ ዕዱማት ኢኹም።

ብዙም ንምስታፍ

Meeting ID: 862 443 1928

Passcode: 877811

ወይ ብቐጥታ ኣብዚ ብምጥዋቕ ክትሓብሩ ትኽእሉ

ብፍሪ-ኮንፈረንስ-ኮል ንምስታፍ

ብቐጥታ ኣብዚ ብምጥዋቕ ክትሓብሩ ትኽእሉ 

ወይ በዚ ደዊልኩም ትኣትዉ፡ Dial-in number (US): (206) 806-9944

ብናይቲ እትነብሩሉ ናይ ውሽጢ ዓዲ ቴለፎን ደዊልኩም ንምስታፍ ኣብዚ ጠውቝ 

ሽዑ ኣነ ኸምዚ ኢለ መለስኩሎም፡ ኣምላኽ ሰማይ ኬቕንዓልና እዩ እሞ፡ ንሕና ባሮቱ ተንሲእና ኽንዐዪ ኢና” (ነህ 2፡ 20)
እወ፡ ንሕና ባሮቱ ተንሲእና ክንዓዪ ኢና!
ጸልዩ በእንቲኣነ!

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ዝኽሪ ትንሳኤ ምስ ዓውደ ኣዋርሕ እምበር ምስ ሰረተ እምነት ኣይጋጮን’ዩ- ሶርያ

Next
Next

እምነት ግብጻዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብ ጉዳይ ሕደ-ጾታውያን