ዝኽሪ ትንሳኤ ምስ ዓውደ ኣዋርሕ እምበር ምስ ሰረተ እምነት ኣይጋጮን’ዩ- ሶርያ
ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ህንድን ኣርመንን፡ ትማሊ ሰንበት 24 መጋቢት’የን ዕለተ ሆሳእና ጸምቢለን ውዒለን። እዘን ኣሓት ኣብያተ ክርስቲያን ምስ ሶርያ፡ ግብጽን ኢትዮ-ኤርትራን ብዅሉ ሕቡራት ክንሰንሲ፡ ኣብዚ ኣርእስቲ እዚ ደኣ ብኸመይ ተፈላልየን የብዕላ ኣለዋ ዝብል ሓታቲ ኣይሰኣንን ይኸውን።
ድሕሪ ቀዳማይ ጉባኤ ኒቅያ፡ ክሳዕ እቲ ጎርጎሬሳዊ ኣቈጻጽራ ዝተኣታተወሉ 1582፡ ዝኽሪ ትንሳኤ ዝጽምበለሉ ዕለት ብመሰረት እቲ ኣብ ጉባኤ ኒቅያ ዓመተ 325 ዝተዋህበ መምርሒ፡ 21 መጋቢት ነበረ። ኣብ ዓመተ 1054 ምብራቕ ኦርቶዶክስን ካቶሊክን ክፈላለያ ከለዋ’ውን ክሳዕ እቲ ጎርጎሳዊ ኣቈጻጽራ ዝተኣታተወሉ ዓመተ 1582 ክልቲኤን ኣብያተ ክርስቲያን ንዕለተ ጽምብል ዝኽሪ ትንሳኤ ከም ቀደመን፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ይጽምብላኦ ነበራ። ጎርጎሬሳዊ ኣቈጻጽራ ምስ ተኣታተወ ግና፡ እቲ ምፍልላይ ጀመረ።
500 ዓመታት ኣቢሉ ምስ ሓለፈ፡ ምፍልላይ ዒቕ ዝበሎም፡ ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘመን ዝነበሩ ኣቦታት፡ ብኻልእሲ ይትረፍ እንተወሓደ ኣብ ጽምብል ዝኽሪ ትንሳኤ ጐይታና ዘይንሓብረሉ ኸ እንታይ ኣሎ፧ ዝብል ሓሳብ ኣልዓሉ። እቲ ጉዳይ፡ ርሱን ዛዕባ ኰይኑ ዓብለለ’ሞ፡ እታ ማእከል ምብራቕ ኦርቶዶክስ ዝዀነት፡ መንበረ ቍስጥንጥንያ፡(ቱርኪ) ኸኣ፡ እቲ ሓሳብ ኣብ መላእ ኣብያተ ክርስቲያን ምብራቕ ኦርቶዶክስ ክዝተየሉ፡ ብመገዲ ቀዳማይ ፓትርያርክ እቲ መንበር ኣቢላ ሓሳብ ኣቕረበት። እቲ ሓሳብ፡ ኣብ ገለ ካብተን ምስ ምብራቕ ኦርቶዶክስ ዝዳወባ ኣብያተ ክርስቲያን ኦሬንታል ኦርቶዶክስ’ውን ለሓመ።
ቤተ ክርስቲያን ኣርመን ነቲ ዝነበረ ጥንታዊ ጁልየሳዊ ኣቈጻጽራ ዘመን ሓዲጋ፡ ንጽምብል ዝኽሪ ትንሳኤ ጐይታና ብዝምልከት፡ ካብ 6 ሕዳር 1923 ኣትሒዛ በቲ ዘመናዊ ጎርጎሳዊ ኣቈጻጽራ ክትስዕብ ወሰነት። ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ማላንካራ ህንዲ’ውን ከምቲ ናይ ኣርመን ውሳነ ብምውሳድ፡ በዓለ ትንሳኤ፡ በቈጻጽራ ጎርጎሬዎስ ክኸውን ብምግባር፡ ትማሊ ሰንበት፡ ሆሳዕና ጸምቢላ’ላ፡ ጽባሕ ሰንበት ድማ ምስ መላእ ካልኦት ኣብያተ ክርስቲያን ዓለም ብምሕባር፡ ዝኽሪ ትንሳኤ ጐይታ ክትጽምብል እያ።
ሲኖዶስ ቤተክርስቲያን ሶርያ፡ ነቲ ብተደጋጋሚ ክቐርበሉ ዝጸንሐ፡ ሕቶ ዕለተ ጽምብል በዓለ ትንሳኤ፡ ካብ 22 ክሳዕ 26 ሰነ 2021 ኣብ ዘካየዶ ጉባኤ’ኳ ውዱእ መልሲ ክህብ ምዃኑ ኣፍሊጡ እንተነበረ፡ ዛጊት ግና፡ ውዱእ ውሳነ ክገብር ኣይከኣለን ዘሎ። ሲኖዶስ ዘሶርያ፡ ብዛዕባ’ዚ ኣመልኪቱ፡ ዕለተ ትንሣኤ ጐይታና ኣበየናይ ዕለት ክጽምበል ከም ዝግብኦ፡ ምስ ዓውደ ኣዋርሕ እምበር፡ ምስ ሰረተ እምነት ኣይጋጮን እዩ፡ ከም ዝበለ፡ ኣብቲ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ዝዘርግሖ ዘዋሪ መልእኽቲ ይገልጽ።