ኤርትራውያን ፈለስቲ ምስ ፓትርያርክ ግብጺ

ተጸዋዒት ገዳም ቅድስት ድምያና ኣብ ኤርትራ ኣደይ ኢታይ ወለተ መስቀልን፡ ከምኡ’ውን ወኪል እቲ ገዳም ዝዀና፡ ኣደይ ኢታይ ሰብለማርያምን፡ ሎሚ ሓሙስ 30 ግንቦት 2024 ምስ ፓትርያርክ ዘመንበረ እስክንድርያ፡ ቅዱስ ኣቡነ ቴዎድሮስ ዳግማዊ፡ ኣብ መንበረ ፓትርይርክ ካይሮ ከም ዝተራኸባ፡ ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ዜና ይሕብር። ኣብቲ ርክብ፡ ግብጻዊ ብጹእ ኣቡነ ማርቆስን፡ ግብጻዊት ኣደይ ኢታይ ኣጋቢ ካብ ገዳም ቅድስት ድምያና ግብጽን ተረኺበን ኔረን። ንዝርዝር ትሕዝቶ ርክባት ዛጊት ዝተገልጸ የለን።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ሓጺር ትሕዝቶ መግለጺ መንበረ ጵጵስና ኣሕጉረ ስብከታት ኣብ መላእ ዓለም

Next
Next

ዝኽሪ ትንሳኤ ምስ ዓውደ ኣዋርሕ እምበር ምስ ሰረተ እምነት ኣይጋጮን’ዩ- ሶርያ