ጾመ-ፍረታት፦ዕርቂ
ብምኽንያት እቲ ቅድሚ-ትማሊ 07 ነሓሰ 2023 ዝጀመርን ንዝቕጽሉ ክልተ ሰሙናት ድማ ዝጸንሕን ጾመ ፍልሰታ፡ ንረቡዕ 09 ነሓሰ 2023 ብፍሉይ እናስተንተንና ንገዛእ ርእስናን ንመላእ ቤተ ክርስቲያንን እንጽልዮ፡ እቲ ብሳልሳይ ተጠቒሱ ዘሎ፡ ፍረ መንፈስ እዩ፦ ዕርቂ። ብድምጺ ንምክትታል ኣብዚ ጠውቑ
እቲ ኣገልግሎት ዕርቂ ክእውጅ ዝተላእከ ክርስቲያን፡ ንዓርሱ ዕርቂ ክሕሰም ካብ ምርኣይ ዝኸፍእ ካልእ እንታይ ክህሉ ይኽእል፧! ሓውኻ ሓዚኑልካ ከም ዘሎ እናፈለጥካ፡ ቅድም ምስ ሓውኻ ቅድሚ ምዕራቕሲ፡ ዕርቂ ዘይብሉ ኣገልግሎት ንኸተገልግል ላዕልን ታሕትን ምባል፡ ቅኑዕ ክርስትናዊ እምነት ክብሃል ኣይከኣልን። ብምኽንያት እዚ ሒዝናዮ ዘለና ጾመ ፍልሰታ እምበኣር፡ ዕርቂ ሓቲቱንስ፡ ይቕረ ዘይበልኩሉ ሰብ ዶ ኾን ይህሉ ይኸውን፧! እናበልና ርእስና ክንርኢ፥ በዲለዮ ኽንሰይ ከ፡ ይቕረ ዘይሓተትክዎ ይህሉ ዶ፧ እናበልና’ውን ርእስና ክንምርምር ይግባእ። ኣብ ክርስቶስን ብክርስቶስን ኣለኹ እናበልኩስ፡ ግናኸ ምስ ብጻየይ ዘይተዓርቀ፡ ህይወት ሒዘ ምቕጻለይ፡ እንታይ ክብሃል ይከኣል፧!
እዚ ”ዕርቂ” ተባሂሉ ቀሪቡልና ዘሎ ሓሳብ፡ ኣብቲ መበቈላዊ ጽሑፍ ኰነ ኣብ ቋንቋ ግእዝ’ውን እንተዀነ፡ ”ሰላም” ብዝብል’ዩ ቀሪቡ ዘሎ። ዓርስናን መላእ ክርስቲያናዊ ቤተ ሰብን፡ ሰላም ምስ ኣምላኽ፡ ሰላም ምስ ዓርሲ፡ ሰላም ድማ ምስ ብጾት፡ ክህልወና፡ ስለ ገዛእ ርእስናን ስለ ቤተክርስቲያንናን ብጾምን ጸሎትን ክንጋደል ይግባእ።
ዚንበብ 2 ቈረ 5- ብፍሉይ ከነስተብህለሉ ተደልዩ ዘሎ ኽፍሊ፡ ”ኣባና ኸኣ ቃል ዕርቂ ኣንበረ”
ጸሎት
ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ እቲ ዓለም ክትህቦ ዘይትኽእል ሰላም ምሳኻን ኣባኻን’ዩ ዝርከብ እሞ፡ ከምቲ ንስኻ ነቲ እኩይ ሓጢኣተይ ይቕረ ዝበልካለይ፡ መሊስካ’ውን ዘይትዝክሮ፡ ኣነ’ውን ይቕረ ንምባል ዝቕልጥፍ ልቢ ክህልወኒ፡ ምስኻ፡ ምስ ገዛእ ርእሰይን ምስ ብጾተይን ኣብ ፍጹም ዕርቀ-ሰላም ኰይነ ክነብር ርድኣኒ። ገዛእ ርእሰይን፡ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንን፡ ነቲ ካብ ኩሉ ኣእምሮ ዝበልጽ ሰላምካ ተማቐልቱ ኴንና ክንርከብ፡ ብሂገ እጽሊ’ለኹ። ስለ ዝሰማዕካንን ወትሩ’ውን ስለ እትሰምዓንን ከኣ ደጋጊመ አመስግነካ፡ ሎምን ኩሉ ሳዕን፡ ንዘልኣለመ-ኣለምን፡ ኣሜን!
ለቡ
ኣምላኽ እንተፈቐዶ ብህይወት ድማ እንተጸኒሕና፡ ጽባሕ ሓሙስ’ውን፡ ነታ እትቕጽል ፍረ መንፈስ፡ ማለት፡ ዓቕሊ ብእትብል ከነስተንትንን፡ ክንጽልን ኢና።