ጾመ ፍረታት፡- ዓቕሊ

ብምኽንያት እቲ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ዝጀመረን ንዝቕጽል ሰሙን’ውን ዝጸንሕን ጾመ ፍልሰታ፡ ንሓሙስ 10 ነሓሰ 2023 ብፍሉይ እናስተንተንና ንገዛእ ርእስናን ንመላእ ቤተ ክርስቲያንን እንጽልዮ፡ እቲ ብራብዓይ ተጠቒሱ ዘሎ፡ ፍረ መንፈስ እዩ፦ ዓቕሊ።

ኣብዛ ብፍጥነት እትሕምበብ ዘላ ዓለም፡ ነቲ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ብጊዜኡ ክፍጸም ዘለዎ፡ ብትዕግስቲ ክትሓስቦን ኣብ ልብኻ ከተዋህልሎን ካብ ምኽኣል ዝዓቢ፡ ካልእ መግለጺ ዓቕሊ፡ ክህሉ ዝኽእል ኣይመስልን። ወንጌላዊ ሉቃስ፡ ብዛዕባ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ኣብ ሓደ ምዕራፍ ክልተ ጊዜ ደጊሙ፡ ”ማርያም ግና ነዚ ነገር’ዚ ኹሉ ኣብ ልባ ተዋህልሎን ትሓስቦን ነበረት” ብምባል ጸሓፈ፡ (ሉቃ2.19,51)።

እታ ቀዳመይቲ ፍረ-መንፈስ፡ ፍቕሪ ምዃና፡ ኣብ ዝረአናሉ፡ ኣብኡ ብዝግባእ ኣስተብሂልና እንተዄንና፡ ”ፍቕሪ ዓቃል’ያ” ዝብል ሓሳብ ኣሎ። ፍረ-ፍቕሪ ኣባና እንተልዩ፡ ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ፍረ-ዓቕሊ’ውን ኣይክሰኣነናን’ዩ ማለት’ዩ፡ (1ቈረ 13.4)። ንሙሴ ንዘክሮ። ቆራሕን እቶም 250 ዝዀኑ፡ ”እግዚኣብሄር ብኣኻ ጥራይ ድዩ ዝዛረብ” እናበሉ ከም ዝተቓወምዎ፡ እቶም ብስጋ ኣሕዋቱ ዝነበሩ፡ ኣሮንን ሚርያምን’ውን በዚ ነገር’ዚ ኣይነሓፍዎን።  ”እቲ ሰብኣይ፡ ሙሴ ግና ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኻብ ዘሎ ሰብ፡ ዓቃል ነበረ” ይብለና፡ (ዘሁ12.3)። ንዓቕሊ ብዝምልከት፡ ብዛዕባ እዞም ኣብዚ ዘመን’ዚ ዘለና ክርስቲያን ኮን፡ እንታይ ዝብል ምተጻሕፈ፧!

ዚንበብ፡ መዝ 37፡ ብፍሉይ ከነስተብህለሉ ተደልዩ ዘሎ ኽፍሊ፡ ”ንእግዚኣብሄር ተጸበዮ መገዱ’ውን ሐሉ

ጸሎት

ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ንምድሓንካ ተስፋ ምግባርን ብህድኣት ምጽባይን ኣለማምደኒ። ኣጕባዝ ይደኽሙን ይሕለሉን፡ ኣባጽሕ ድማ ሰንከልከል ኢሎም ይወድቁ’ዮም። እቶም ንዓኻ ዚጽበዩ ግና፡ ሓይሎም ይሕደስ’ዩ’ሞ፡ ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፡ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን፡ ተባሂሉ ኸኣ ከም ዝተጻሕፈ፡ ብትዕቢት ከይጐዪ እሞ ከይወድቕሲ፡ ኣብታ ዝሃብካኒ ፍልጠት፡ ምግታእ ርእሲ፥ ኣብቲ ምግታእ ርእሲ ድማ ዓቕሊ፡ ክትህበኒን ክትውስኸንን፡ ስለይን ስለ መላእ ቤተ ክርስቲያንን እጽሊ ኣለኹ። ስብሓት ለከ፡ ወዕበይ ለመንግሥትከ፡ ይእዜኒ ወዘልፈኒ፡ ወለዓለመ ዓለም ኣሜን!

ለቡ

ኣምላኽ እንተፈቐዶ ብህይወት ድማ እንተጸኒሕና፡ ጽባሕ ዓርቢ’ውን፡ ነታ እትቕጽል ፍረ መንፈስ፡ ማለት፡ ለውሃት ብእትብል ከነስተንትንን፡ ክንጽልን ኢና።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ጾመ-ፍረታት፡ ለውሃት

Next
Next

ጾመ-ፍረታት፦ዕርቂ