ኣቡነ መቃርዮስን ኣቡነ ሲኖዳን መመሓደሪ ሕጊ ኣጽዲቖም

ኣቡነ መቃርዮስን ኣቡነ ሲኖዳን ዝመርሕዎ፡ ካብ መስከረም 1- 3 2023 ዝተኻየደ ጉባኤ፡ ምስ ወጻኢ ሃገራት ዝሳነ ውሽጣዊ መመሓደሪ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ነዲፎም፡ ንምጽዳቝ ክሰርሑ ከም ዝጸንሑ ድሕሪ ምጥቃስ፡ አብ አስመራ ዝርከቡ ”ብፁዓን” ዝበልዎም ጳጳሳት፡ ንዕርቅን ሕውየትን ኢዶም ኪዝርግሑ ዝጽውዕ መግለጺ ከም ዝሃቡ’ውን፡ መርበብ ሓበሬታ www.tewahdo.org ተዋህዶ ዶት ኦርግ ሓቢሩ’ሎ።

ብፍላይ ኣብቲ ብቛንቋ እንግሊዝ ተጻሒፉ ዝወጸ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፡ ዓርቢ፡ ባሕቲ መስከረም 2023 ኣብቲ ዝተነድፈ መመሓደሪ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን፡ ጽዑቕ ዘተ ከካየድ ከሎ፡ ኣብታ ዝቐጸለት መዓልቲ፡ ቀዳም 02 መስከረም 2023 ድማ፡ እቲ ዘተ ቀጺሉ ከም ዝወዓለን፡ ኣብ መወዳእታ እታ መዓልቲ ኸኣ እቲ መመሓደሪ ሕጊ ተቐባልነት ረኺቡ ብወግዒ ከም ዝጸደቐን እቲ መርበብ ሓበሬታ የረጋግጽ።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ቤ/ያን ኢትዮጵያ፡ ሓባራዊ ቅዳሴ፡ ኦሬንታል ተአንግድ

Next
Next

መጽሔት መገዲ ህይወት ቍ 4