መጽሔት መገዲ ህይወት ቍ 4

ራብዐይቲ ሕታም መገዲ ህይወት ሒዝና፡ “ርሑስ ምጅማር ዓመተ 2016 ግእዝ ይግበረልና!” ንብል ኣለና። መጽሔት ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ

“ምንቕቓሕ” ዝብል ኣምር ኣብ ዓጻጽምትና ክኣቱ’ሞ፡ ፍኒሕኒሕ ክንብል ክድርኸና ብዝብል ሓልዮት፡ መንበር እስክንድርያ፡ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ግሪኽ፡ ሰፊሕ ሸፈነ ተዋሂብዎ’ሎ። ሊቀ-ጳጳስ ዘኣኵሱም ዝብል መዓርግን፡ መንበረ ኣኵሱም ዝብሃል ምምሕዳራዊ ክልልን መንበረ እስክንድርያ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ግሪኽ፡ ንኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማልያን ጂቡትን ይጥርንፍ። እታ ካብ ጥቓ ጥፍኣት ተንሲኣ፡ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ መናብር ዘርጊሓ በብጊዜኡ ትፈሪ ዘላ ቤተ ክርስቲያን፡ እቶም ኣህጉረ ስብከታታ፡ ብካርታ ተመቓቒሎም ቀሪቦም ኣለዉ።
ታሪኽ ህይወት ሓምሻይ ፓትርያርክ ዘኤርትራ ዝነበሩ፡ ኣቡነ ቄርሎስ’ውን ቀሪቡ’ሎ። ቦኽሪ ሕታም መጽሔት መገዲ ህይወት፡ ታሪኽ ህይወት እቶም ቀዳሞት ኣርባዕተ ፓትርያርካት ሒዛ’ያ ወጺኣ። ሽዑ፡ ብዛዕባ እቶም ራብዓይ ኰይኖም ዝተሾሙ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ፡ “ዘይሕጋዊ ክንሶም፡ ስለ ምንታይ ፓትርያርክ ክትብልዎም መሪጽኩም፧” ዝብል ሕቱኽቱኽን ገለ-ገሊኡ ድማ ግሉጽ ሕቶን ቀሪቡልና ነበረ። ንሕጋውነትን ዘይሕጋውነትን ብዝምልከት፡ ኪንዮ ንጊዚያዊ ሃልክን ፖለቲካዊ ረብሓን ክብሃል እንተዘይኰይኑ’ምበር፡ ኣብ ምድረ-ሓበሻ (ኢትዮጵያ ወኤርትራ) ዛጊት ፓትርያርካት ኰይኖም ዝሓለፉን ዘለዉን፡ ሕጊ ዘማእከለ፡ ብመንፈሳውነት ድማ ዝተኸለለ፡ መዓርገ ሲመት ኔርዎም ክብሃል ዝከኣል ኣይኰነን። በዚ ዀነ በቲ ግና፡ ነቲ መዓርግ ስለ ዝበቕዕዎ፡ ታሪኽ ህይወቶም ክስነድ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኰይኑ ስለ ዝረኸብናዮ፡ ሕጂ’ውን ናይ ኣቡነ ቄርሎስ ታሪኽ ህይወት ቀሪቡ’ሎ።
ቀዳዊና ዓመት ይግበሮ!

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ኣቡነ መቃርዮስን ኣቡነ ሲኖዳን መመሓደሪ ሕጊ ኣጽዲቖም

Next
Next

ቅዱስ ያሬድ፡ መሠረተ ዜማ ወጢኑ ድዩ፡ ወይስ ኣማእዚኑ፧