ጾመ ፍረታት፦ ህድኣት
ብምኽንያት እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝጀመረን፡ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ድማ ዚቕጽል ዘሎን ጾመ ፍልሰታ፡ ንሰኑይ 14 ነሓሰ 2023 ብፍሉይ እናስተንተንና ንገዛእ ርእስናን ንመላእ ቤተ ክርስቲያንን እንጽልዮ፡ እቲ ብሳምናይ ተጠቒሱ ዘሎ፡ ፍረ መንፈስ’ዩ፦ ህድኣት።
ብዓቕሊ ምጽባይ፡ ብህድኣት ምጽባይ’ዩ። ብሓጐስ፡ ብዘይ ህውከት ምንባር ከኣ፡ ብህድኣት ምንባር’ዩ። እቲ ፍረ-መንፈስ፡ ከመይ ንሓድሕዱ ከም ዝተኣሳሰር እሞ ነስተብህል፧ ንቤተክርስቲያን፡ ከም ሎሚ ጌሩ ህድኣት ዘድልያ ጊዜን ኩነታትን እንተኔሩ ኸኣ እስከ ንሕሰብ። ”እቲ ፍረ መንፈስ ግና” በለ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ”ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ዕርቂ፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ህድኣት፡ ይአኽለኒ ምባል እዩ” (ገላ5.22)። ስለዚ’ዩ ተጊህና ክንጽሊ ዘድልየና ዘሎ።
እቲ ቐዳማይ ሰብ ሓጢኣት ምስ ገበረ፡ ሓይሉ ኣብ ምህዳእን ኣብ ምውካልን ምዃን ተሪፉ፡ ቈጽሊ በለስ ኣለጋጊቡ’ዩ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ክሕባእ ሃቂኑ፡ (ዘፍ3፡8) እዚ ምሕባእ’ዚ፡ ኣብ ውሽጥኻ እናተሽረኽረኸ ስለ ዝህውጸካ፡ ከምቲ ንቃኤል ዝተባህለሉ፡ ኰብላላይን ቀባሕባሓይን’ዩ ዝገብረካ፡ (ዘፍ4.14)። ከምቲ ኣብ መጽሓፈ ምሳሌ ተጻሒፉ ዘሎ ኸኣ፡ ዝሰጐካ ዘየሎስ ግናኸ፡ ትሃድም። (ምሳ28.1)።
ቅዱስ ዳዊት፡ ”ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተኸድኩ፡ ክፉእ ኣይፈርህን’የ” ክብል ከሎ፡ ”እግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ ዝጐድለኒ የብለይን” ድሕሪ ምባሉ’ዩ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ ”ንሱ ነነፍሰይ የህድኣ” ብምባል ዘመረ። ኣነን መላእ ቤተ ክርስቲያንን ከ፡ በየንን ብምንታይን ኩነታት ንሓልፍ ኣለና ብዘየገድስ፡ ብዅሉ ኣምልኾን ምርዛንን ሃዲእና ብዘይ ህውከት ክነነብር ክኢልና ዶ፧!
ዚንበብ፡ መዝሙረ ዳዊት፡ 23
ካብዚ ብፍሉይ ከነስተብህለሉ ተደልዩ ዘሎ ኽፍሊ፡ ”ንሱ ንነፍሰይ የህድኣ” ዝብል’ዩ።
ጸሎት
ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ነፍሰይን ነፍሲ ኩሎም እቶም ካብቲ ሰማያዊ ጽውዓ ግደ ዘሎዎም ቅዱሳን ኣሕዋተይን፡ ብኣኻ ሃዲእና ምንባር ከተለማምድና እጽሊ ኣለኹ። ከምቲ ኣብ ዘሌዋውያን 25.18 ”ሕጋጋተይ ግበሩ ፍርድታተይ’ውን ሐልዉን ግበርዎን። ኣብታ ሃገር ድማ ብህድኣት ክትነብሩ ኢኹም” ዝበልካና፡ ካብ ቃልካ ንየማን ወይስ ንጸጋም ከየግለስና፡ ንምድሓንካ ተስፋ ክንገብርን ብህድኣት ክንጽበየካን ርድኣና። ደድሕሪ ጽድቂ፡ ኣምልኾ፡ እምነት፡ ፍቕሪ፡ ትዕግስቲ፡ ህድኣት ምስዓብ ክዀነልና እጽሊ ኣለኹ፡ ይእዜኒ ወዘልፈኒ ወለዓለመዓለም ኣሜን!
ለቡ
ኣምላኽ እንተፈቐዶ ብህይወት ድማ እንተጸኒሕና፡ ጽባሕ ሰሉስ’ውን፡ ነታ ኣብ መወዳእታ ተጠቒሳ ዘላ ፍረ መንፈስ፡ ማለት፡ ይኣኽለኒ ምባል፡ ብእትብል ከነስተንትንን፡ ክንጽልን ኢና።