ጾመ ፍረታት፦ እምነት
ብምኽንያት እቲ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ዝጀመረን፡ ንዝቕጽል ሰሙን ድማ ዝጸንሕን ጾመ ፍልሰታ፡ ንሰንበት 13 ነሓሰ 2023 ብፍሉይ እናስተንተንና ንገዛእ ርእስናን ንመላእ ቤተ ክርስቲያንን እንጽልዮ፡ እቲ ብሳብዓይ ተጠቒሱ ዘሎ፡ ፍረ መንፈስ እዩ፦ እምነት።
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ከይቀበጽና፡ ዅሉ ሳዕ ክንጽሊ ኸም ዚግብኣና፡ ብምስላ ተዛሪቡ ምስ ወድአ፡ ”ወዲ ሰብ ምስ ዚመጽእ ግና፡እንድዒ እምነት ደዀን ኣብ ምድሪ ኺረክብ እዩ፧” በለ፡ (ሉቃ18.8)። ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን ከኣ፡ ”ርሕራሔኦም ዜውርዩ ብዙሓት እዮም፡ ግናኸ ንእሙን ሰብ መን ይረኽቦ፧” ብምባል ኣስተንከረ (ምሳ20.6)። ንገዛእ ርእስናን፡ ንመላእ ቤተ ክርስቲያንን እስከ በዚ መነጽር’ዚ ጌርና ንርኣየን።
”ፍቁር ሓወይን ብጐይታ’ውን እሙን ኣገልጋልን” ተባሂሉ ንዝተመስከረሉ፡ ንትኪቆስ ንዝክሮ ዶ፧ (ኤፌ 6.21) ብዛዕባና ኾን እንታይ ተባሂሉ ይጽሓፍ ይኸውን፧! ነቲ፡ ”ኣታ እሙን” ተባሂሉ እተመጐሰ፡ ”ሲሲጎስ” ዝተባህለ ኸ፧ (ፊሊ4.3) ነቲ፡ ”ፍቁር መዓይይትናን ምእንታኻትኩም’ውን እሙን ኣገልጋሊ ክርስቶስ” ተባሂሉ ዘሎ ”ኤጳፍራስ” ከ፧ (ቈሎ 1.7) ነቲ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ”ንኣይ ከም ዚመስለኒ እሙን ሓዉና” ብምባል ዝመስከረሉ ስልዋኖስ ከ፧ (1ጴጥ5.12) ነቲ፡ ጐይታ ባዕሉ፡ ”እሙን ምስክረይ” ብምባል ዝመስከረሉ ኣንቲጶስ’ውን ዘይፈለጥናዮ እንተጸኒሕና፡ ንኹሎም ደጊም ንላለዮም’ሞ፡ ርእስናን መላእ ቤተ ክርስቲያንን ከኣ እስከ ንርአ፡ (ራእ2.13)። እምነት ከመይ ኣላ፧ ሓደው፡ እምነት ኣበይ ኣላ፧!
ዚንበብ- እብራውያን፡ 11
ካብዚ ብፍሉይ ከነስተብህለሉ ተደልዩ ዘሎ ኽፍሊ፡ ”ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከኣልን እዩ” ዝብል’ዩ።
ጸሎት
ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ከምቲ ኣብ ኦሪት ዘሁልቍ 12.7፡ ”ባርያይ ሙሴስ ከምኡ ኣይኰነን፡ ንሱ ኣብ ብዘላ ቤተይ እሙን እዩ” ተባሂሉ ዝተጻሕፈሉ፡ ኣነን ኩሎም እቶም ካብቲ ሰማያዊ ጽውዓ ግደ ዘሎዎም ቅዱሳን ኣሕዋተይን ከኣ፡ እሙናት ኴንና ክንርከብ፡ ጸጋ ከተብዝሓልና እጽሊ ኣለኹ። ፍቕሪ፡ ”ኲሉ ትጸውር፡ ኲሉ ትኣምን፡ ኲሉ ተስፋ ትገብር” ተባሂላ’ያ ተገሊጻ ዘላ’ሞ፡ ኣባይን ኣብ መላእ፡ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንን፡ ”እታ ብፍቕሪ እትገብር እምነት” ህያው ኰይና ክትርአ፡ ብሂገ እጽሊ’ለኹ። ስለ ዝሰማዕካንን ወትሩ’ውን ስለ እትሰምዓንን፡ ደጋጊመ አመስግነካ፡ ሎምን ኩሉ ሳዕን፡ ንዘልኣለመ-ኣለምን፡ ኣሜን!
ለቡ
ኣምላኽ እንተፈቐዶ ብህይወት ድማ እንተጸኒሕና፡ ጽባሕ ሰኑይ’ውን፡ ነታ እትቕጽል ፍረ መንፈስ፡ ማለት፡ ህድኣት ብእትብል ከነስተንትንን፡ ክንጽልን ኢና።