ጾመ-ፍረታት፡ ሕያውነት
ብምኽንያት እቲ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ዝጀመረን ንዝቕጽል ሰሙን’ውን ዝጸንሕን ጾመ ፍልሰታ፡ ንቐዳም 12 ነሓሰ 2023 ብፍሉይ እናስተንተንና ንገዛእ ርእስናን ንመላእ ቤተ ክርስቲያንን እንጽልዮ፡ እቶም ብሓምሻይን ሻድሻይን ተጠቒሶም ዘለዉ፡ ፍረ መንፈስ እዮም፦ ለውሃትን ሕያውነትን።
ትማሊ ከም ዝተጠቕሰ፡ ለውሃትን ሕያውነትን ነጻጺልካ ክትርእዮም ዳርጋ ዝከኣል ኣይመስልን። እቲ ለዋህ ዝባህርዩ፡ ንሱ፡ ብባህሪኡ ሕያዋይ’ዩ። እቲ ሕያዋይ ዝባህሪኡ ድማ፡ ንሱ’ውን ብባህሪኡ ለዋህ’ዩ። ትማሊ ነቲ “ለውሃት” ዝብል ስለ ዝረአናዮ፡ ሎሚ፡ ኣብቲ ”ሕያውነት” ዝብል ኣድሂብና ኢና ከነስተንትን።
እግዚኣብሄር ሕያዋይ እዩ (1ጴጥ2.2) ሕያውነቱ ድማ ንደቂ ሰብ ናብ ንስሓ ይስሕብ (ሮሜ2.4)። ሕያዋይ ማለት፡ ሄር፡ ርህሩህ፡ ፈቃር፡ ወዘተ ማለት’ዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ”እቲ ሕያዋይ ሰብ ካብቲ ጽቡቕ መዝገብ ልቡ ጽቡቕ የውጽእ። ክፉእ ሰብ ከኣ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ ኽፉእ እዩ ዜውጽእ” ብምባል ንትርጉም ሕያውነት ግልጽ ኣቢሉ ኣረድኣና (ማቴ12.35)። ኣብ ካልእ ስፍራ ኸኣ፡ ካብቲ ክፉእ መዝገብ ልቢ፡ ቅትለት፡ ዝሙት፡ ምንዝር፡ ስርቂ፡ ምስክር ሓሶት፡ ጸርፊ፡ ወዘተ ከም ዝወጽእ ነጊሩና’ሎ (ማቴ 15.9)።
ሕያዋይ ጓሳ፡ ንህይወቱ በጃ ኣባጊዑ ከሕልፍ ከሎ፡ እቲ ሕያዋይ ዘይኰነ ብዓል ዓስቢ ግና፡ ተዅላ ኺመጽእ ከሎ እንተ ረአየ፡ ነተን ኣባጊዕ ሓዲግወን ይሃድም (ዮሃ10.11)። ብክርስቶስ ክርስቲያን ተሰምየ ከብቅዕ፡ ከምቲ ንሱ ሕያዋይ ዝነበሮ፡ ኣስ-ኣሰሩ እንተዘይስዒበ፡ ክርስትናይ ኣብ ምንታይ’ዩ ዘሎ፧ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን፡ ”ወደየ፡ ምንዋሕ መዓልትታትን ዓመታት ህይወትን ሰላምን ኪውሰኸልካ እዩ እሞ ድሕሪ ምባል፡ ”ሕያውነትን ሓቅን ካባኻ ኣይፈለያ፡ ኣብ ክሳድካ እሰረን፡ ኣብ ጽላት ልብኻ’ውን ጽሐፈን” እናበለ መኺሩ’ሎ (ምሳ3.1-3)። ህይወተይን ህይወት መላእ ቤተ ክርስቲያንን፡ ሕያውነት ዝመለለይኡ ዶ ኰይኑ’ሎ፧!
ዚንበብ፡ ቈሎ3.5-17
ካብዚ ብፍሉይ ከነስተብህለሉ ተደልዩ ዘሎ ኽፍሊ፡ ”ብሰሪ እዚ ነገር’ዚ እቲ ቝጥዓ ኣምላኽ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ይወርድ እዩ” ዝብል’ዩ።
ጸሎት
ቅዱስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ እዝራ 3:11 ”ንሱ ሕያዋይ እዩ እሞ፡ ምሕረቱ ኸኣ ኣብ እስራኤል ንዘለኣለም እዩ፡ እናበሉ ንሓድሕዶም እናተቓባበሉ” ብመዝሙር ዘኽበሩኻን ዝወደሱኻን፡ ኣነ’ውን ነቲ ናብ ንስሓን ናብ ዘልኣለማዊ ህይወትን ዝስሕበኒ ሕያውነትካ እናዘከርኩ፡ አኽብረካን እውድሰካን ኣለኹ። ቍጥዓኻ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ይወርድ’ዩ’ሞ፡ ነቶም ኣመንቲ ኰነ ንኹሎም እቶም ኣብ ከባብየይ ዘለዉ፡ ብቓል፡ በኻይዳ፡ ብፍቕሪ፡ ብእምነት፡ ብንጽህናውን ኣርኣያ ሕያውነትካ ክኽተል፡ ብሰናይ ኣካይዳ ኸኣ ንዓኻ ከኽብር ርድኣኒ፡ ይእዜኒ ወዘልፈኒ ወለዓለመ-ዓለም፡ ኣሜን!
ለቡ
ኣምላኽ እንተፈቐዶ ብህይወት ድማ እንተጸኒሕና፡ ጽባሕ ሰንበት’ውን፡ ነታ እትቕጽል ፍረ መንፈስ፡ ማለት፡ እምነት ብእትብል ከነስተንትንን፡ ክንጽልን ኢና።