ህደም!

“ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡” ብምባል’ዩ ዝጠቕሶ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ። ናይ ኣምላኽ ሰብ ክዀኖ ዝግብኦ ክምዕዶ ከሎ ድማ “ካብዚ ህደም” ይብሎ። እታ “ካብዚ” እትብል ቃል፡ ሓቝፋቶ ዘላ ሓሳባት፡ ሰፊሕ ዝርዝር ዝሓዘ’ዩ።
- በቲ ጥዑይ ቃል ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ በቲ ኣምልኾ ዘለዎ ምህሮን ዘይተታሕዘ

- ብኽትዕን ብዜብእስ ዘረባን ዝሓመመ

-ቕንኢ፡ ባእሲ ጸርፊ፡ ሕሱም ጥርጥር

-ኣምልኾስ መገባብሮ ረብሓ ኸም ዝዀነ ዝመስሎ

-ብፍቕሪ ገንዘብ ዝተጠቕዐ

ንጢሞቴዎስ ዝተዋህቦ ምኽሪ “ካብዚ ህደም!” ዝብል’ዩ። ክሃድም ከሎ፡ ኣንፈት ጉዕዞኡ ምእንቲ ከይደናገር ድማ፡ “ደድሕሪ ጽድቂ፡ ኣምልኾ፡ እምነት፡ ፍቕሪ፡ ትዕግስቲ፡ ህድኣት ሰዓብ” ብምባል ተሓበሮ። ኣንፈት ጉዕዞና ናበይ ኣቢሉ ይመርሓና’ሎ፧!

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ጾመ-ፍረታት፡ ሕያውነት

Next
Next

ጾመ-ፍረታት፡ ለውሃት