ኣገናዕ! እታ ኣብ እስራኤል እትርከብ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ

ደጋፍን ተቓዋምን ዘይብሉ፡ ኣኽራርን ተሓድሶን ዘይንበሃሃለሉ፡ ከምቲ ክንፍጠር ከለና፡ ከምቲ ጐይታ ብደሙ ክዕድገና ከሎ፡ ከምቲ እታ ቤተ ክርስቲያን ክትስረት ከላ ዝነበረቶ፡ ሓባራዊ ጾምን ጸሎትን ንሳልስቲ ክግበር፡ ብወገን እስራኤል ተበሲርና ኣለና!

ካቶሊካዊ ቅዱስ ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማዊ “As the family goes, so goes the nation and so goes the whole world in which we live.” ቢሎም፡ ሓደ ተረካብ ዘረባ ሓዲጎም ነበሩ። ሓርፋፍ ትርጕሙ “ሃገርን፡ እዛ እንነብረላ ዘለና መላእ ዓለምን፡ ኣብ ኣሰር እቲ ስድራ እትኸዶ ይስዕባ፡” ዝብል’ዩ። ካብዚ ብምብጋስ፡ “ህዝብን ሃገርን፡ ኣብ ኣሰር እታ ቤተ ክርስቲያን እትኸዶ’ዮም ዝስዕቡ” ክንብል ዚከኣል’ዩ። ድሮ’ውን ሓያሎ ጸሓፍቲ፡ ከምኡ ቢሎም ዝቐለሙ ሒደት ኣይኰኑን።

ኣብ እስራኤል እትርከብ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ኣብ ተልኣቪቭ ትሃሉ ኣብ የሩሳሌም፡ ኣብ ኣሽዱድ ትደኰን ኣብ ኣሽከሎን፡ ኣብ ኤላት’ውን ይኹን፡ ዝተፈላለየት ዘይኰነትስ፡ ሓንቲ’ያ። መድሃኔ ኣለም በሉ ስላሴ፡ ኪዳነ ምሕረት በሉ ገብርኤል፡ ተኽለሃይማኖት በሉ ድንግል ማርያም፡ እዚ መስመዪ ደኣ እምበር፡ መፈላለዪ ኣይኰነን፥ ክኸውን’ውን ኣይግብኦን።  

ከም ሕብረት ኣብያተ ክርስቲያን ጌሩ ንእግዚኣብሄር ዘሐጉሶ ካልእ ክህሉ ኣይክእልን። እታ ቤት ንሓድሕዳ ስለ ዝተፈላለየት’ዮም፡ እቶም ደቃ ድማ ከምኡ ንሓደሕዶም ተፈላልዮም ዝጸንሑ። ደጊም፡ እቲ ምፍልላይ ጠቕሊሉ ምእንቲ ከብቅዕ፡ ኣብዚ ንሳልስቲ ተጸዊዑን ተኣዊጁን ዘሎ፡ ሓባራዊ ጾምን ጸሎትን ኵልና ብንጥፈት ንሳተፍ! ብስም ጐይታና ኢየሱስ ሓቢርናን ተሰማሚዕናን ክሳዕ ዝጸለና፡ ጐይታና ኣብ ማእከልና ክነግስ፡ እግዚኣብሄር ኣቦ ድማ ክሰምዓና ምዃኑ፡ ቃሉ እሙን’ዩ።

ኣቦታት ካህናት ኣሕዋት ዲያቆናት፡ መምህራንን መዘምራንን ኩላትኩም ኣብ እስራኤል እትርከቡ፡ ነዚ ንልብና ዘዕረፈ ውሳነ ከተሕልፉ ምብቃዕኩም፡ ስሌኹም ንኣምላኽ ክብሪ እህብ ኣለኹ።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

“ሓዘን” ሕራይ ዶ እምቢ፧!

Next
Next

ድምጺ ደም ሓውኻ፦ ሃገራዊ ጸሎት