ድምጺ ደም ሓውኻ፦ ሃገራዊ ጸሎት

እግዚኣብሄር ከኣ ንቃየል፥. . . እንታይ ጌርካ ኢኻ፧ ድምጺ ደም ሓውኻ ኻብ ምድሪ ናባይ ይጠርዕ አሎ” በሎ (ዘፍ4.9-10)።

ክልተ ምርጫ’ዩ ዘሎና። ከም ህዝብና ኢደ እግርና ኣጣሚርና ክንግረም፣ ወይ ከኣ፡ ”ሰራዊት ኣምላኽ’የ” ብዝብል ርድኢት፡ ተንሲእና ነቲ ተላዒሉና ዘሎ ብትብዓት ክንገጥሞ። እግዚኣብሄር ሰራዊት ኣሎዎ፣ ንድምጺ ቓሉ ዝእዘዙ፡ ንቓሉ ዝፍጽሙ ሓያላትን ስልጡናትን ሰራዊት። እወ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ፍቓዱ ዝፍጽሙ ሰራዊት ኣሎውዎ (መዝ103.21)። እቲ ሕቶ፡ ”ሰራዊት ኣምላኽ ዶ ኢኻ፧” ዝብል’ዩ።

ሰሉስ 03 ጥቅምቲ 2023 ካብ ሰዓት 21.00-22.30 ብሽወደን፡ ሓቢርና ገጽ ኣምላኽ ክንደሊ፡ ሓቢርና ድማ ነቲ መቃልስትና ንሱ ከኣ ሰይጣንን ሰራዊቱን ክንገጥመሉ ተዳሊና ኣለና።

·       መሪሕ ጥቕሲ- “ድምጺ ሓውኻ ኻብ ምድሪ ናባይ ይጠርዕ ኣሎ” ዘፍ 4.10

·       እንግልገለሉ ዙም፡ መጋቢ ዑቕባስላሴ (ቀጥታ ብዩትዩብን ፈይቡክን ከም ዝመሓላለፍ ንገብር)

·       መራሕን ኣዋሃሃድን መደብ፡ ቀሺ ዮናስ 10 ደቒቕ

·       መኽፈቲ ጸሎት፡ ኣባ ተወልደ፡ ጸሎት ብዛዕባ ፍቕርን ሰላምን ( 20 ደቒቕ)

·       ወ/ሮ ኣበባ፡ ጸሎት ብዛዕባ ዕርቂ (20 ደቒቕ)

·       መጋቢ ዑቕባስላሴ፡ መዝሙርን ቃል ኣምላኽን (30 ደቒቕ)

·       መዕጸዊ ጸሎት (10 ደቒቕ)- ኣባ ተወልደ 2 ደቒቕ፣ ኣበባ 2 ደቒቕ፡ ቀሺ ዮናስ 2 ደቒቕ መጋቢ ዑቕቢት 2 ደቒቕ)

እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ኣብቲ ሽጉርን ድቑስን መንፈስ ዘሎዎን ብቓል እግዚኣብሄር ድማ ዝርዕድን ሰብ እዩ ዝጥምት እሞ፣ ሓደ ካባና ንሽሕ፡ ክልተ ድማ ንዓሰርተ ሽሕ፡ ከነሳጕግ ንኽእል ኢና ብዝብል ድርኺት (ዘዳ32.30) ተበራቲዕና ንተንስእ!

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ኣገናዕ! እታ ኣብ እስራኤል እትርከብ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ

Next
Next

ልኡኻን መንበረ ኣዅሱም ናብ ኣስመራ ክበጽሑ’ዮም