ልኡኻን መንበረ ኣዅሱም ናብ ኣስመራ ክበጽሑ’ዮም

ኣርባዕተ ኣባላት መንበረ ኣዅሱም ዘኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ግሪኽ፡ ካብ 22 ክሳዕ 28 መስከረም 2023፡ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ክፍጽሙ ምዃኖም፡ ሊቀ ጳጳስ ዘመንበረ ኣዅሱም፡ ብጹእ ኣቡነ ዳንኤል፡ ካብ ኣዲስኣበባ ኣብ ዝዘርግሕዎ ሓበሬታ ኣፍሊጦም።

እቶም ብዕመ መንበረ ፓትርያርክ ኤርትራ ዝገሹ ዘለዉ ልኡኻት፡ ኣብ ኣስመራን ከረንን ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ግሪኽ ክጽልዩ ምዃኖምን፡ ኣብ መንፈሳዊ ኮሌጃት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ክበጽሑን ንተመሃሮ ኣስተምህሮ ከቕርቡ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዝተፈላለየ ቅዱሳን መካናት ክበጽሑን ኣብ ክብረ በዓል መስቀል’ውን ክሳተፉን ምዃኖም ከኣ ተፈሊጡ’ሎ።

መንበረ ኣዅሱም ዘኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ግሪኽ፡ ኣባል እተን ብምብራቕ ኦርቶዶክስ ዝፈልጣ ኣብያተ ክርስቲያን ኰይኑ፡ ኣብ መንበረ ቅዱስ ማርቆስ ዘእስክንድርያ ዝጥቕለል ሃገረ ስብከት እዩ። መጽሔት መገዲ ህይወት፡ ቍ4 ምስ ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ግሪኽን መንበረ ኣዅሱምን ዘላሊ ሰፊሕ ትሕዝቶ ትሕዝቶ ንምክትታል ኣብዚ ክትጥውቑ ትኽእሉ

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ድምጺ ደም ሓውኻ፦ ሃገራዊ ጸሎት

Next
Next

ብርጌድ ንጸሎቱ