ጾመ ፍረታት- ፍቕሪ
ፍረ መንፈስ ዘይረኣየሉ ክርስትና፡ ”ክርስትና’ዩ” ክብሃል ዝከኣል ኣይኰነን። “እቲ ፍረ መንፈስ ግና፡ ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ዕርቂ፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ህድኣት፡ ይአኽለኒ ምባል እዩ” (ገላ5.22)። ብምኽንያት እቲ ሎሚ፡ 07 ነሓሰ 2023 ዝጅምርን፡ ንዝቕጽሉ ክልተ ሰሙናት ድማ ዝጸንሕን ጾመ ፍልሰታ፡ ካብዞም ”ፍረ መንፈስ” ተባሂሎም ዘለዉ፡ መዓልታዊ እናስተንተንናን እናጸለናን፡ ንገዛእ ርእስናን መላእ ቤተ ክርስቲያንን፡ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ከነማዕቍብ ኢና። ብድምጺ ንምስማዕ ኣብዚ ጠውቑ
ንሎሚ ሰኑይ፡ 07 ነሓሰ 2023፡ ብፍሉይ እናስተንተኖን ንገዛእ ርእስናን ንመላእ ቤተ ክርስቲያንን ድማ እንጽልዮን፡ እታ ቀዳመይቲ ተጠቒሳ ዘላ፡ ፍረ እያ፦ ፍቕሪ። ንገዛእ ርእስናን ንቤተ ክርስቲያንናን ንርአ- ናይ ዕለት እንጌራ ኰይኑ ዘሎ፡ መኣዲ ጽልኢ ዶ ወይስ መኣዲ ፍቕሪ እዩ፧! “ፍቕሪ፡ ማእሰር ኩሉ ፍጻመ እያ” ተባሂላ ኣላ (ቈሎ3.14)። እቲ ማእሰር እንተተፈቲሑ፡ እቲ ትሕዝቶ ተዘርዩ ምፍሳሱ ኣይተርፎን’ዩ።
ነህምያ፡ መካበብያ ኢየሩሳሌም ከም ዝፈረሰ፡ ሓቲቱ ብሰማዒት እዝኒ ጥራይ’ዩ፡ ብጾምን ጸሎትን ገጽ ኣምላኽ ዝደለየ። ኣነን ንስኻትኩምን ግና፡ ነቲ ጥፍኣትን ዕንወትን ኣብ ቅድሚ ዓይንና እናረአናዮ ኢና፡ ተዓዚምና ዘለና። እቲ ፍልልይ እሞ ንርኣዮ! እታ ኣብ ነህምያ ዝነበረት ፍቕሪ፡ ኣባና በጺሓ ኣበይ ተሰወረት፧! ደጊም ንንቃሕን ንጠንቀቕን፡ ብጾምን ጸሎትን ከኣ፡ ፍቕሪ እግዚኣብሄርን ፍቕሪ ብጻይን ኣብ ልብና ፉሕ-ፉሕ ክብል፡ ገጽ እግዚኣብሄር ንድለ፦
ብዘይ ፍቕሪ ዝቐርብ ጸሎት፡ ብዘይ ፍቕሪ ዝቐርብ ኣገልግሎት፡ ብዘይ ፍቕሪ ዝቐርብ መዝሙር፡ ምርዳእ ጽጉማት፡ ወዘተ፡ ከም ዜድሂ ኣስራዚ ወይስ ጭልጭል ከም ዚብል ጸናጽል፡ ከንቱ፡ ሓደው ሓንቲ’ኳ ዘይጠቅምን ከንቱነትን ጥራይ እዩ። ፍቕሪ እግዚኣብሄርን ፍቕሪ ብጻይን ዘይብሉ ክርስትና፡ ክርስትና ኣይኰነን። ብሓቂ ዶ ኣብ ፍቕሪ እየ ዝነብር ዘለኹ፧!
ዚንበብ፡ 1ቈረ 13
ካብዚ ክፍሊ’ዚ፡ ብምስትውዓል ክንርእዮ ዝተሓርየ ”ካብዚኣተን እትዐቢ ግና ፍቕሪ እያ” ዝብል’ዩ። ንጸሊ፦
ጸሎት
ዎ ኣምላኽ፡ ብዘይ ፍቕሪ፡ ብኸንቱን ንኸንቱን ከይጐዪ፡ ንዕርቂ ቅልጥፍ ኢለን ብርክኽ ዝብላ ኣብራኽ፡ ምሕረት ንምግባር ድማ፡ ቅልጥፍ ኢላ ምሕረትካ እትዝክር ልቢ ክትህበኒ እጽሊ ኣለኹ። ብመጠን እቲ ዝተሓድገለይን ብመጠን እቲ ዘፍቀርካንን፡ ንዓኻ ብዘይሓልፍ ፍቕሪ ከፍቅረካ፡ ንብጾተይ`ውን ተጕላባ ብዘይብላ፡ ንጽሕቲ ፍቕሪ ከፍቅር ርድኣኒ። እዚ፡ ንዓይን ንቤተ ክርስቲያንን ክትገብረልና፡ ብስም እቲ እተፍቅሮ ሓደ ወድኻ፡ መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እጽሊ። ስለ ዝሰማዕካኒ ድማ ደጋጊመ አመስግነካ፡ ሎምን ኩሉ ሳዕን፡ ንዘልኣለመ-ኣለምን፡ ኣሜን!