ሲኖዶስ- ንመንፈስ ቅዱስ ኣይተዐይግዎ

“ብመንፈስ ቅዱስ ዝምራሕ ቅዱስ ሲኖዶስ. . .” ዎ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ! ኣብ ዕያግኩም፡ ንመንፈስ-ቅዱስ ኣይትጸንብርዎ፥ ደጊመ እብል ኣለኹ፡ ቂም ኰሊስኩም በቐል እናተፋእኩምሲ፡ “ብመንፈስ ቅዱስ ዝምራሕ፡ ቅዱስ ሲኖዶስ” እናበልኩም፡ ነቲ ሓቒቕን ብጽሩይ ማይ ዝምሰልን መንፈስ ቅዱስ፡ ኣብ ዕያግኩም ኣይትጸንብርዎ። ዕያግ ማለት፡ ሰቢቡ ዝጨነወ፡ ዕቋር ማይ ማለት’ዩ።

ሎሚ ኣብ ዝተዘርግሐ ዜና፦ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ብኣቦታት ትግራይ ኣብ ቀረባ እዋን ”መንበረ ሰላማ” ብዝብል ዝቖመ ኣዋውማ፡ ”ዘይሕጋዊ” ብምባል፡ ንኹሎም እቶም ሸየምትን ተሸይምትን ጳጳሳት፡ ከምኡ’ውን ንቆሞስ ኣባ ሠረቀብርሃን ወልደሳሙኤልን መምህር ተስፋይ ሓደራን፡ ከም ዝወገዞም፡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ’ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልትታት፡ ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝገበርክዎ ቃለ-መሕትት ከብርሆ ከም ዝፈተንኩ፡ እቶም ካብ ደገ ናብ ዓዲ፡ ቂም ተተኽቲኾም ዝኣተዉ ኣባላት ሲኖዶስ፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት፡ ከም መፍደይ-ሕነ፡ ከም በቐል እቲ ንዓመታት ኣብ ኣመሪካ ብስደት ክጽንሑ ምኽንያት ኰይንዎም ዝነበረ ስርዓት ስለ ዝቘጸርዎ፡ ነቲ ኲናት ከጐሃህሩ እምበር፡ ዕርቀ-ሰላም ዘውርድ ተግባር ክፍጽሙ ኣይተራእዩን።

ኣድላይነት ምዕቃብ ሓድነት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቦታኡ ከሎ፡ ሎሚ 02 ነሓሰ 2023፡ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ፡ ዘሕለፎ ውሳነ ግና፡ ትርፎ ቂምን በቐልን፡ ጭላፍ መንፈሳውነት፡ ዝተራእዮ ኰይኑ ኣይረኽብክዎን። ቤተ ክርስቲያን ቅድምን ድሕርን ኲናት ንሰላም ከም ዝጸዓረት ጥራይ ደኣ’ምበር፡ ነቲ ኲናት ንምንህሃር ዝበደለቶ፡ ይትረፍ ብይቕረታስ ንዝኽረ-ስም’ውን ክጠቕስዎ ኣይደለዩን።

ነዚ ጉዳይ’ዚ፡ ለባማት ኣትዮም፡ ብዕርቀ-ሰላም ዝውድኣሉ ኣንፈት እንተዘይኣትሒዞሞ፡ ቤተ ክርስቲያን ናብ ምብትታትን እምበር፡ ናብ ሓድነት ገጻ ከተምርሕ ኣይትኽእልን እያ። ጸልዩ በእንተ ሰላመ ቤተ ክርስቲያን!

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ጾመ ፍረታት- ፍቕሪ

Next
Next

TV OTEBE-ስለምንታይ ኰረኻ፧