ሻድሻይ ዕዮ ገዛ፡ መጽናዕቲ መልእኽቲ ናብ ሰብ ቈሎሴ
ዝቐረቡ ሕቶታት
ብመሰረት ቈሎሴ ምዕራፍ 2 ፣ 8-17 ብዘሎ መሰረት ነዘን ዝስዕባ ሕቶታት ሓጺር መልሲ ሃቡ።
ባህሊ ሰብን ኣተሓሳስባ እዛ ዓለም እዚኣን ብመንጽር እግዚኣብሄር ከመይ ትርእዮ፧
ጳውሎስ ብክርስቶስ ተገዚርኩም ኢኹም ኪብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፧
ነቲ ሓጢኣተኛ ስጋኹም ወይ ናይ ስጋ ሰብነት ኪብል ከሎ እንታይ ማለቱ ምዃኑ ግለጾ ኢኻ፧
ነቲ ብሕጋጋት ዚቃወመናን ዚበኣሰናን ዝነበረ ብኢድ እተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ ኪብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፧
ኣብ ሓድሽ ኪዳን ጕዳይ ብልዕን መስተን ከመይ ትርእዮ ፣ ከምኡ ከኒ ምብዓል በዓላት ከመይ ትርእዮ፧
ጉጅለ ሓደ ዝመለስዎ
1. ባህሊ ሰብን ኣተሓሳስባ እዛ ዓለም እዚኣን ብእግዚኣብሄር ኣንጻር ከመይ ትርእዮ፧
ኣብ ትንቢተ ኢሳይያስ፡ ከምዚ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ፦ «ቃል እግዚኣብሄር ንኣታቶም፡ ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፡ ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፡ ባህሊ ኣብ ልዕሊ ባህሊ፡ ባህሊ ኣብ ልዕሊ ባህሊ፡ ሒደት ኣብዚ፡ ሒደት ኣብቲ ኪዀኖም እዩ» (ኢሳ28.13)።
ንሓደ ነገር፡ ብሓደ ስሩዕ ኣገባብ፡ ብተደጋጋሚ ከተዘውትሮ ከለኻ፡ እቲ ነገር ባህሊ ይኸውን። ኣመጋግባ፡ ኣከዳድና፡ ኣዘራርባ፡ ኣቈጻጽራ ጊዜ፡ ኣበዓዕላ፡ ጽምብል መርዓ ይኹን ሓዘን ወዘተ፡ ተደሚሮም’ዮም ንሓደ ባህሊ ዘቝምዎ። እቲ «ንመዓልቲ ሰንበት ክትቅድሳ ዘክር» ብምባል ትእዛዝ ዝሃበ ጐይታ፡ ብዕለተ ሰንበት፡ ሕሙማት ኣሕወየ እሞ፡ እቶም ነቲ ቓል ዝሓዙ፡ ንመንፈስ እቲ ቓል ግና ዘይተረድእዎ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ተቓወምዎ። ስለዚ ድማ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ «ንስኻትኩም ምእንቲ ስርዓትኩም ትእዛዝ ኣምላኽ ተፍርሱ ኣሎኹም» ብምባል ወቐሶም፡ (ማቴ 15.3)።
ኣተሓሳስባ ዓለም፡ ተባሂሉ ዘሎ ኸኣ፡ ኣብቲ ካልኣይ ትርጉም፡ ከንቱን መዐሸውን ፍልስፍና ተባሂሉ ዘሎ እዩ። ዓለም፡ ዘገርም ጥበብን ፍልጠትን ከም ዘሎዋ’ኳ ዘይከሓድ እንተዀነ፡ ግናኸ ብጥበባ ንኣምላኽ ክትፈልጦ ኣይከኣለትን፡ (1ቈረ1.21)። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ፡ ብዛዕባ ጐይታ ክዛረብ ከሎ፡ «ኣብ ዓለም ነበረ፡ ዓለም’ውን ብእኡ ኰነት፡ ዓለም ግና ኣይፈለጠቶን” በለ፡ (ዮሃ 1:10)። እዚ ብዛዕባ’ቶም ጠቕሊሎም ዘይኣምኑ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ትንቢተ ኤርምያስ ከኣ ”እንሆ፡ ንቓል እግዚኣብሄር ወጊዶምሲ፡ ከመይ ዝበለ ጥበብ ደኣ ዀን አለዎም እዩ፧» ብምባል ዝቐረበ ሕቶ ኣሎ፡ (ኤር8.9)። ስለዚ’ዩ እምበኣር፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ንሰብ ቈሎሴ ድማ፡ « ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኰነስ ብልማድ ሰብ፡ ከም ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ከይማርኸኩምሲ፡ ተጠንቀቑ» ዝብሎም (ቈሎ2.8)።
2. ጳውሎስ ብክርስቶስ ተገዚርኵም ኢኹም ኪብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፧
ብመሰረቱ፡ ግዝረት፡ ምልክት ኪዳን እዩ። «ስጋ ዕልቦኹም ግዘሩ፡ እዚ ድማ ነቲ ኣብ መንጎይን መንጎኹምን ዘሎ ኪዳን ምልክት ክኸውን እዩ» (ዘፍ17.11)። ዘይተገዝረ ተማቓሊ በረኸት እቲ ኪዳን ኣይከውንን ነበረ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ «ብኣበሳኹምን ብዘይ ግዝረት ስጋኹምን መዊትኩም ንዝነበርኩም፡ ንኣኻትኩም’ውን ምስኡ ህያዋን ገበረኩም» ናብ ዝብል መደምደምታ ንምብጻሕ፡ «ንስኻትኩም ድማ ብግዝረት ክርስቶስ ነቲ ናይ ስጋ ሰብነት ቀንጢጥኩም፡ ብኢድ ብዘይኰነት ግዝረት ብእኡ ተገዘርኩም። ብጥምቀት’ውን ምስኡ ተቐበርኩም፡ ብግብሪ እቲ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣምላኽ ድማ ምስኡ ተንሳእኩም፡» በለ (ቈሎ2.11-13)።
3. ነቲ ሓጢኣተኛ ስጋኹም ወይ ናይ ስጋ ሰብነት ኪብል ከሎ እንታይ ማለቱ ምዃኑ ግለጾ ኢኻ፧
ካብ ስጋ ዝተወልደ ስጋ እዩ (ዮሃ3.6)። እዚ «ስጋ» ተባሂሉ ዘሎ፡ እቲ ኣብ ሮሜ 12፡ «ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዘብልን» ምእንቲ ክኸውን፡ መስዋእቲ ጌርና ከነቕርቦ ከም ዝግባእ ተነጊሩና ዘሎ እዩ። እቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ’ዩ፡ ንሱ ኸኣ ምንዝር፡ ርኽሰት ዕብዳን፡ ኣምልኾ ጣኦት፡ ጥንቈላ፡ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቍጥዓ፡ ሻራ፡ ምፍልላይ፡ ዝርግርግ፡ ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ስኽራን፡ ጓይላ፡ ከምዚ ዘኣመሰለን ኻልእ’ውን እዩ (ገላ5.19-21)። ከም ስጋ ክንነብር፡ ነቲ ስጋስ ሰብ ዕዳኡ ኣይኰንናን። ስለዚ ድማ እዩ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ቈሎሴ ድማ ”ብግዝረት ክርስቶስ ነቲ ናይ ስጋ ሰብነት ቀንጢጥኩም ብኢድ ብዘይኰነት ግዝረት ብእኡ ተገዘርኩም» ብምባል ዘዘኻኽሮም ዘሎ።
4. ነቲ ብሕጋጋት ዚቃወመናን ዚበኣሰናን ዝነበረ ብኢድ እተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ ኪብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፧
«ኣብ ንብረት ስጋ ኸሎና፡ ንሞት ዚኸውን ፍረ ኺፈሪ ብሕጊ ተናቓኒቑ፡ ኣብ ኣካላትና ትምኒት ሓጢኣት ይዓዪ ነበረ» (ሮሜ7.5) ኣብቲ ብክርስቶስ ዘይተገዝረ፡ ኣብ ንብረት ስጋ ዝነበርናሉ ህሞት፡ እቲ ንህይወት ክኸውን ዝተዋህበና ሕግን ትእዛዝን፡ ብኣንጻሩ፡ ጽሕፈት ዕዳ ኰይኑ’ዩ ዝተረኽበ። ብቓላት ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ «እቲ ንህይወት እተዋህበ ትእዛዝ፡ ንኣይ ንሞት ኰይኑኒ ረኸብክዎ» (ሮሜ7.11)። ሕጊ ብምፍጻም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክንቀርብ ብዘይምኽኣልና፡ ነቲ ብሕጋጋት ዚቃወመናን ዚበኣሰናን ዝነበረ ብኢድ እተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ ደምሲሱ ኸኣ፡ ንእኡ ኣብ መስቀል ሸንኪሩ ኻብ ማእከል ኣርሐቖ (ቈሎ2.14)። ደጊም ኣብቲ ማእከል ዘሎ፡ እቲ ሕጊ ዘይኰነስ፡ ባዕሉ እቲ ማእከላይ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ምስቲ ማእከል እንተሓበርና ድማ፡ ነቲ ሕጊ ዝጠልቦ ዘበለ ክንፈሪ ዘኽእለና ጸጋ ንቕበል።
5. ኣብ ሓድሽ ኪዳን ጕዳይ ብልዕን መስተን ከመይ ትርእዮ ፣ ከምኡ ከኒ ምብዓል በዓላት ከመይ ትርእዮ፧
ኣብ ሓድሽ ኪዳን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዋላ ኣብ ብሉይ ኪዳን’ውን፡ «ብልዒ ግና ኣብ ኣምላኽ ኣየብጽሓናን እዩ፡ እንተ በላዕና፡ ኣይንውስኽ፡ እንተ ዘይበላዕናውን ኣይንንክን ኢና» (1ቈረ8.8) ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ምዕራፍ 6’ውን «ብልዒ ንኸብዲ፡ ከብዲ ኸኣ ንብልዒ እዩ፡ ኣምላኽ ግና ነዝን ነትን ኬጥፍኦም እዩ» ብምባል ጽሒፉ ኔሩ’ዩ፡ (1ቈረ6.13)። «መንግስቲ ኣምላኽሲ ብመንፈስ ቅዱስ ጽድቅን ሰላምን ሓጐስን እያ እምበር፡ ብብልዕን መስተን ኣይኰነትን» (ሮሜ14.16-17)። ብኻልእሲ ይትረፍ፡ ብስጋን ደምን ጐይታ’ኳ ሰብ ቈረንቶስ ናብ ኣምላኽ ክቐርቡ ኣይከኣሉን። ንዓኣቶም «ብጊዜ ብልዕኹም ነፍሲ ወከፍኩም ተቓዳዲሙ ድራሩ ይበልዕ፡ እቲ ሓደን ይጠሚ እቲ ሓደን ይሰክር አሎ እሞ፡ ከምኡ እቲ ብሓደ ምእካብኩም ንምብላዕ መኣዲ ጐይታ ኣይኰነን» ተባሂሉሎም ኣሎ (1ቈረ11.20-21)።
ኣብ ምብዓል ብዓላት’ውን ከምኡ። ኣብ ኦሪት ዘዳግም 16.16 ከም እንርእዮ፡ «ተባዕታይካ ዘበለ ሰለስተ ሳዕ ኣብ ዓመት፡ በብዓል ቅጫን በብዓል ሰሙናትን ብበዓል ዳስን፡ ኣብታ ንሱ ዝሐረያ ቦታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ይርኤ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርሲ ጥራይ ኢዱ ኣይርኤ» እዩ ዝብል። እቲ ዕላማ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክትርአ ምኽኣል እዩ። ነዚ ረሲዕና፡ ነቲ ብዓል ጥራይ እንተሓዝና ግና፡ ናብታ ቀዳመይቲ ሕቶ፡ ናብ ባህሊ ሰብን ናብ ኣተሓሳስባ ዓለምን ንምለስ ኣለና ማለት’ዩ።
ጉጅለ ክልተ ዝመለስዎ
1. ባህሊ ሰብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ገለ'ኳ ዘይጠቅም ከንቱ'ዩ፡ ብባህሊ ንእግዚኣብሄር ምኽባር ፡ብባህሊ ንኣምላኽ ምፍራሕ ኣይከኣልን ፡(ኢሳይያስ 29፥13) ክሳብ ንባህሊ ኢልካ ትእዛዝ ኣምላኽ ምፍራስ፡ ከምቲ ጐይታ ኣብ (ማርቆስ 7፡2)ዝበሎም፥ ንባህሎም ክብሉ ንጐይታ ክሳብ ክቀትልዎ ኣብጺሕዎም፡ባህሊ ሰብ ኣብ ኣምላኽ ከብጽሕ ወይ ውን ንኣምላኽ ከርኤና ኣይክእልን'ዩ ነፍሲ ወከፍ ሕብረተሰብ ባህሊ ኣለዎ እንተኾነ ናብ ኣምላኽ ዘራኽብ እምነት ደኣ እንበር ባህሊ ኣይኮነን።ባህሊ ሰብ ብኹነታት ወይ ውን በገጣሚታት ዝፍጠር ሰብኣዊ ሓሳብ ጥራይ እዩ።
2. ግዝረት ኣብ ብሉይ-ኪዳን ንኣብርሃምን ዘርኡን ክሕልውዎ ዝተዋህበ ኪዳን እግዚኣብሔር እዩ፡(ዘፍ 17፥11)ዘይተገዝረ ካብ ማእከል ህዝቢ ኣምላኽ ክምንቆስ ምዃኑ ውን ኣምላኽ ተዛሪቡ፡ከይተገዝረ ኸኣ ህዝቢ ኣምላኽ ክኸውን ወይ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ክሓብር ኣይከኣልን ነበረ(ዘፍ 17፥1-17)።
ኣብ ሓድሽ-ኪዳን ብክርስቶስ ምግዛር ማለት እንበኣር፦ብክርስቶስ የሱስ ውሉድ ኣምላኽ ምዃን፡
ብዝርአ፡ ወይ ውን ብስጋ ግዝረት ግና ኣይኮነን፡ብመንፈስ ቅዱስ ደኣ እዩ ፊልጲ 3:3፤ ንሕና ንኣምላኽ ብመንፈስ እነገልግሎ፡ ብየሱስ ክርስቶስ ተመኪሕናውን ብስጋ ዘይንእመን ግዝረት ንሕና ኢና፡፡
3. ስጋ ኩሉ ግዜ ሓጢኣት ጥራይ ዝሕልን፡ማለት ሓሳብ ስጋ ምስ ኣምላኽ ምጽራር ኢዩ(ሮሜ 8፥2-8)።ስለዚ እንበኣር ሓጢኣተኛ ስጋኹም ክብል እንከሎ ነቲ ውዱቅ ስጋና ቅድሚ ብእየሱስ ክርስቶስ ምእማንና ዝነበረ ፡ ንጽድቂ ክዓዪ ግዲ ዘይነበሮ ስጋና፡ድሕሪ ብእየሱስ ክርስቶስ ምእማንና ግና ሓድሽ ፍጥረት ኮይንና ስጋና ንጽድቂ ይግዛእ(ሮሜ 6፥17-18)።
4. እግዚኣብሄር ኣቦ ንደቂ እስራኤል ትእዛዝ ሃቦም ሓደ እኳ ክፍጽሞ ከምዘይክእል ይፈልጥ እዩ፡እቲ ትእዛዝ ማለት ብጽሑፍ ዝተዋህበ ሕጊ ሓጢኣት ከም ዝገበርካ ደኣ'ዩ ዝሕብረካን ዝቃወመካን እንበር ነቲ ዝጠብቀካ ሓጢኣት ክቃወም ዓቅሚ የብሉን፡(እብ 7፡11-19) እቲ ሕጊ ንሓደ ኣብ ፍጻመ ኣየብጽሐን ኣየብጽሕን ውን፡-እንተኾነ እግዚኣብሄር ኣቦ ኩሉ ሰብ ሓጢኣተኛ ምዃኑ ክፈልጥ እሞ መድሓኒ (ዝብጀዎ) ከምዘድልዮ ክፈልጥ ኢዩ ጽሒፉ ሕጊ ዝቃወምን ዝበኣስን ዝሃበ።
5. ኣብ ብሉይ ኪዳን ብዙሓት ርኹሳት ህዝቢ ኣምላኽ ክበልዕዎም ዘይብሎም ክትንክፍዎም ዘይብሎም ንረክብ ኢና(ዘሌዋውያን 11፥1-47)ከብዕልዎ ዝተዋህቦም በዓላት ውን ነበሮም (ዘጸ 12፥14-20)(ዘሌዋውያን 23፥4-8)
ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ብዙሕ ብዛዕባ በዓላትን፡ብልዕን ተዛሪቡ ኣሎ፦ (ገላትያ 4:10-11)መዓልትታትን ኣዋርሕን ጊዜታትን ዓመታትን ትሕልዉ አሎኹም።
ኣባኻትኩም ምናልባሽ ንኸንቱ ጽዒረ ኸይከውን፡ ብዛዕባኹም እፈርህ አሎኹ። ስለዚ በዓላት ምኽባር ብልዕን መስተን ካብ ኣምላኽ ኣይፈሊ ናብ ኣምላኽ ኣየቕርብ፡ እቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝተዋህቦም ጽላሎት ደኣ እዩ እንበር ንሱ እቲ መፈጸምታ ኣይነበረን፡ወይ ውን ፎቶኮፕይ (photocopy) እዩ ዝነበረ፥ እቲ ቐንዲ ግና ክርስቶስ የሱስ እዩ ኣብ ሓድሽ ኪዳን።
ጉጅለ ሰለስተ ዝመለስዎ
1. ባህሊ ሰብን ኣተሓሳስባ እዛ ዓለም እዚኣን ብእግዚኣብሄር ኣንጻር ከመይ ትርእዮ፧
ባህሊ ሰብን ኣተሓሳስባ እዛ ዓለም እዚኣን፥ ምህሮ ቆልዕነትን ከንቱን ብምኻኑ፥ ኣመንቲ ካብኡ ምስ ክርስቶስ ሞይቶም እዮም( ቆሎ 2፥8,20-22)። ከንቲ ዘረባን መስሓትን እዩ (ኤፈ 5፥6)። ሕማቅን ድካን እዩ (ገላ 4፥9)። ኣመንቲ ፍቃድ ኣምላክ ንምፍላጥ ካብ ጥበብ ዓለም ክፍለዩ የድልዮም(ሮሜ 12፥2)። ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ኣምላኽ ዕሽነት እያ (1ቆረ 3፥18-20)። ባህሊ ደቂ ሰባት ጽቡቕ መዳያት ክህልዎ ዝኽእል እኳ እንተኾነ፡ ብመንጽር ጽድቂ ክርኤ ከሎ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ንሰባት ካብ ሓቂ ኣምላኽ ከም ዘርሕቖም ንርዳእ።
2. ጳውሎስ ብክርስቶስ ተገዚርኩም ኢኹም ኪብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፧
ብክርስቶስ ምግዛር ማለት፥ ከምቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ኣብ ስጋን ብኢድን ዝግበር ዘይኮነስ፥ ኣብ ልቢ ብመንፈስ፥ ኩልንትናና፥ ኣምላክ ብጥምቀት ጌሩ ካብቲ ቅድሚ ምእማንና፥ እንመላለሰሉ ዝነበርና ኣረጊት፥ ኣዳማዊ ሰብና፥ ብክርስቶስ ብምእማንና ካብ ሓጢኣትና ምጽራይና ይሕብር። (ቈሎሴ 2፥11-12, ሮሜ 2፥29,6፥6-7, ፊልጲ 3፥3, ኤፎ 4፥22, ገላ 5፥24)። እታ ምልክት ኪዳን ዝኮነት ግዝረት፥ ብክርስቶስ ንምጻህና ጽላሎት ምኻኑ ንርዳእ (ዘፍ 17፥10-14)።
3. ነቲ ሓጢኣተኛ ስጋኹም ወይ ናይ ስጋ ሰብነት ኪብል ከሎ እንታይ ማለቱ ምዃኑ ግለጾ ኢኻ፧
ነቲ ሓጢኣተኛ ስጋኹም፥ ዝብል ነቲ ኣብ ትሕቲ ምልኪ ሓጢኣት ዝነበረ ሓጢኣተኛ ባህርይ ወይ ኣረጊት ሰብ ዝገልጽ እዩ። ከምቲ ጎይታ ኣብ የው 3፥6 "ካብ ስጋ ዝተወልደ ስጋ እዩ" ዝብለና፥ ሰብ ቅድሚ ብክርስቶስ ምድሓኑ፥ ውሉድ ኣዳም፥ ባርያ ሓጢኣት ምንባሩ፥ ምስ ኣመነ ግን፥ ምስ ክርስቶስ ምስቃሉ የረድእ። (ሮሜ 6፡6)፡ ብትምኒስ ስጋ ዝመላለስ ((ገላ 5፥16-17)፥ ኣረጊት ሰብ (ኤፌ 4፥22-24) ዝገልጽ እዩ።
4. ነቲ ብሕጋጋት ዚቃወመናን ዚበኣሰናን ዝነበረ ብኢድ እተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ ኪብል ከሎ እሙን ማለቱ እዩ፧
ብሕጋጋት ዚቃወመናን ዚበኣሰናን ዝነበረ ብኢድ እተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ፥ ዝብል፥ ንሕጊ ሙሴን ነቲ ኣብ ልቢ ሰብ ዝተጻሕፈ ሕጊ ግብርን ዝገልጽ እዩ(ኤፈ 2፥14-16, ሮሜ 2፥14-15)።
ነቲ ብሰንኪ ሕጊ ኣምላኽ ምጥሓስና ዝፈጸምናዮ ሓጢኣት ዝመጽእ መንፈሳዊ ዕዳ፥ እሞ ፍርዲ ኣምላኽ ዝግብኦ ዝነበርናዮ ኩነታትና ዝገልጽ እዩ። "ብኢድ እተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ" ንሓጢኣትናን ሳዕቤናቱን ዝገልጽ ዝዝርዝር ሕጋዊ ሰነድ ጌርና ክንርድኦ ንክእል። ክርስቶስ ነዚ ኩሉ ዕዳና ብስጋኡ ኣብ መስቀል ሸንኪሩ፥ ዕዳና ከፊሉልና። (ኢሳ 53፡5, 2ቆሮ 5፡21)።
5. ኣብ ሓድሽ ኪዳን ጕዳይ ብልዕን መስተን ከመይ ትርእዮ ፣ ከምኡ ከኒ ምብዓል በዓላት ከመይ ትርእዮ፧
ብልዕን፡ መስተን ምብዓል በዓላትን ጽላሎት ክርስቶስ እዮም( ቆሎ 2፥16-17)። ብክርስቶስ ፍጻሜ ስለ ዝረከቡ፥ ሕጂ ኣይቅዩድናን እዮም።
ክርስቶስ "ንሰብ ዘርክሶ ናብ ኣፍ ዝኣቱ ኣይኮነን ካብ ኣፍ ዝወጽእ እዩ" ይብል(ማቴ 15፡11)፥ ኣብ ሮሜ 14፡16-17: መንግስቲ ኣምላኽሲ ብብልዕን መስተን ኣይኰነትን" ብምባል መግብን መስተን ንጽድቂ ተራ ከም ዘይብሉ ንርዳእ።
ኣመንቲ በዓላት ኸኽብርዎ ወይ ከየኽብርዎ ናጻ እዮም፣ ደስ ዝበሎም ክበልዑን ዘይክበልዑን ውን ይክእሉ (ሮሜ 14፡5-6) እምነት ብምጉዳል፥ እናተዋላወልካን፥ ሓውካ ዝዕንቀፈሉን መግቢ ምብላዕ ኣይግባእን (ሮሜ 14፥21,23)።
ጉጅለ ኣርባዕተ ዝመለስዎ
1. ባህሊ ሰብን ኣተሓሳስባ እዛ ዓለም እዚኣን ብእግዚኣብሄር ኣንጻር ከመይ ትርእዮ፧
ባህሊ ፍርያት ፈጠራን ብዙሕነትን ደቂ ሰባት ኢዩ፣ ባህሊ ቋንቋ፡ ሓሳባት፡ እምነታት፡ ልምድታት፡ ኮዳት፡ ትካላት፡ መሳርሒታት፡ ሜላታት፡ ስነ-ጥበባዊ ስርሓት፡ ስርዓታትን ስነ-ስርዓትን ካልኦት ባእታታትን የጠቓልል። ባህሊ ካብ እምነት፡ ከባቢ፡ ታሪኽ፡ ትምህርቲ፡ ሕጊን ቊጠባን ይምንጩን ብኣኣቶም ኪጽሎን ከሎ ገለ ግን ውጽኢት ናይ ዝምባለ ሓጢኣት፡ ባዕዳዊ ኣምልኾ ወይ ማሪታዊ ልምምዳት ኢዩ። ኣምላኽ ባህልን ኣተሓሳስባ ሰባትን ምስ ጽድቁን፡ ፍቓዱን ዚሳነን ንኽብሩን ኪኸውንን ይደሊ፡ ንባህሊ ንባዕሉ ኣይነጽጎን እንታይ ደኣ ንሰባት ክቕይርዎን ክብጀውዎን፡ ፍቕሩን ፍትሑን ቅድስናኡን ንምንጽብራቕ ኪጥቀመሉ ይጽውዕ፡ ባህሊ ኣብ ህይወት ኣመንቲ ልዕሊ ቃል ኣምላኽ ቦታ ኪሕዝውን ኣምላኽ ኣይደልን። ገለ ባህላዊ ልምድታትን ኣተሓሳስባታትን ንኣምላኽ ዘኽብር ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ገሊኡ ግን ምስ ፍቓዱ ንኽሰማማዕ ምቕያሩ ወይ ምሕዳጉ ከድሊ ይኽእል እዩ።
2. ጳውሎስ ብክርስቶስ ተገዚርኵም ኢኹም ኪብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፧
ኣብ ቈሎሴ 2፡11 "ብክርስቶስ ዝተገዝረ" ምዃን ማለት መንፈሳዊ ለውጢ እምበር ስጋዊ ለውጢ ማለት ኣይኮነን። ማለት፡ ብእምነት ብክርስቶስ፡ ኣመንቲ ይነጽሑን ይሕደሱን፡ ሓጢኣታዊ ባህርያቶም (እቲ "ኣረጊት ሰብነት") ይእለን። እዚ "ግዝረት" እዚ ካብ ባርነት ሓጢኣት ነጻ ምዃን፡ ጸጋ ኣምላኽን ሓድሽ ህይወት ብክርስቶስን ዘርኢ እዩ። ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝነበረ ስጋዊ ግዝረት፡ ምልክት ቃል ኪዳን ኣምላኽ ምስ እስራኤል ኪኸውን ከሎ፡ እዚ መንፈሳዊ ግዝረት እዚ ድማ ኣብ ልብን ነፍስን ውሽጣዊ ለውጢ ዝውክል እዩ።
3. ነቲ ሓጢኣተኛ ስጋኹም ወይ ናይ ስጋ ሰብነት ኪብል ከሎ እንታይ ማለቱ ምዃኑ ግለጾ ኢኻ፧
ነቲ ሓጢኣተኛ ስጋኹም ወይ ናይ ስጋ ሰብነት ኪብል ከሎ ነቲ ካብ ኣዳም ዝወረስናዮ ኣረጊት ሰብነት የመልክት።
4. ነቲ ብሕጋጋት ዚቃወመናን ዚበኣሰናን ዝነበረ ብኢድ እተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ ኪብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፧
እቲ ኣብ ቈሎሴ 2:14 “ነቲ ብሕጋጋት ዚቃወመናን ዚበኣሰናን ዝነበረ ብኢድ እተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ” ኪብል ከሎ ናይቲ ኣካል ብሉይ ኪዳን ዝነበረ ሕግታትን ስርዓታትን ብፍላይ ድማ ሕጊ ሙሴ የመልክት። እዚኣቶም ሰባት ምስ ኣምላኽ ዘለዎም ርክብ ንምዕቃብ ክኽተልዎ ዝነበሮም ክሳዕ ጐይታ ዚመጽእ ዚነበሩ ሕግታት እዮም።
5. ኣብ ሓድሽ ኪዳን ጕዳይ ብልዕን መስተን ከመይ ትርእዮ ፣ ከምኡ ከኒ ምብዓል በዓላት ከመይ ትርእዮ፧
በዓላት ጽላሎት ክርስቶስ ስለ ዝነበሩ (ቈሎሴ 2፡16-17)፡ኣብ ሓድሽ ኪዳን ኣመንቲ ከም ናይ ብሉይ ኪዳን በዓላት ከኽብሩ ኣይግደዱን እዮም፣ ጳውሎስ ክርስትያናት በዓላት፡ ሰንበት ወይ ሕግታት ኣመጋግባ ብምኽባር ወይ ብዘይምኽባር ክፍረዱ ከምዘይብሎም ይምህር ምኽንያቱ እዚኦም ናብቲ ፍጻሜኦም ዝኾነ ክርስቶስ ዘመልክቱ እዮም። እብራውያን 10፡1 እውን እቲ ሕጊ ጽላሎት ናይቲ ዝመጽእ ሰናይ ነገር ጥራይ እምበር እቲ ክውንነት ባዕሉ ከም ዘይነበረ ትገልጽ።