ሓምሻይ ዕዮ ገዛ፡ መጽናዕቲ ናብ ሰብ ቈሎሴ
ዝቐረቡ ሕቶታት
መልእኽቲ ናብ ሰብ ቈሎሴ ምዕራፍ 2፣1-7 ብምንባብ፡ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት፡ ሓጺር መልሲ ኣዳልዉ፦
ጳውሎስ “ምስጢር ኣምላኽ” ኢሉ ጸዊዕዎ ዘሎ ንመን እዩ?
ኣብ ክርስቶስ ተሰዊሩ ዘሎ፡ እንታይ እዩ?
ዕላማ ናይ ምጥባር እንታይ እዩ?
”ብእኡ ንበሩ” ክብል ከሎ፡ እንታይ ማለቱ እዩ?
ጉጅለ 2 ዝጸሓፍዎ
ጳውሎስ ‘’ምስጢር ኣምላኽ’’ ኢሉ ጸዊዕዎ ዘሎ፡ ንክርስቶስ ኢየሱስ እዩ። ናይ ሓድሽ ኪዳን መጽሓፍቲ ከም ዝምህሩና፡ እቲ ንዘልኣለም ተሰዊሩ ዝነበረ ምስጢር ኣምላኽ፡ ብክርስቶስ ጐይታና፡ ኣጸቢቑ ከም ዝተጋህደ፣ ኣብ ብሉይ ኪዳን፡ ኣምላኽ ንህዝቡ ብነብያት እዩ ዝገልጸሎም ነይሩ። ኣብዘን ዳሕረዎት መዓልታት ግና፡ በቲ ወራሲ ዅሉ ዝገበሮ፣ ብወዱ ገይሩ፡ ንሃዋርያት ብምልኣት ተገልጸሎም (ማቴ፣ 13፡11-17)።
ኣብ ክርስቶስ ተሰዊሩ ዘሎ እንታይ እዩ ንዝብል፡ ኣብ ቈሎ 2፡3 ‘’ብዘሎ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ኣብ ክርስቶስ ተሰዊሩ ከም ዘሎ እዩ። “ሕቡእ ወይ ስውር” ማለት፡ ዘይፍለጥ ማለት ኣይኮነን። ከምቲ ኣብ ምዕራፍ 1፡26 ዝረኣናዮ፡ እቲ ኻብ ዘለኣለምን ካብ ውሉድ ወለዶን ተሰዊሩ ዝነበረ፡ ሎሚ ግና ንቕዱሳኑ ተገሊጹ እዩ። እምበኣርከስ፡ ክርስቶስ፡ ምንጪ ጥበብን ፍልጠትን እዩ።
ዕላማ ናይ ምጥባር እንታይ እዩ፧ ምጥባር ክንብል ከሎና፡ ንግዚኡ ብግዚያዊ ዝኾነ ዕግበት ወይ ረብሓ ምርካብ ማለት እዩ። ንክርስቶስ ዘይኮነስ ከም ብልማድ ሰብ፡ ከም ምህሮ ቁልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ እናመሃሩ ካብ ዘታልሉ ንምጥንቃቕ ድማ እዩ ከምኡ ዝበለ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ኣብ ምሉእ ምዕራፍ 1ን 2ን ነቶም ኣመንቲ፡ ናብ መንፈሳዊ ብስለት ንምብጻሕ፡ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ፡ 1.10 ”ሓጥኣን እንተ ሓባበሉኻ፡ ሕራይ ኣይትበሎም” ዝብል ጽሑፍ ዘሎ ጌሩ ዘጠንቅቕ።
”ብእኡ ንበሩ” ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፡ ንዝብል ሕቶ ድማ፡ ከምቲ ኣብ [ቈሎ 2፡6] ‘’ደጊም ከምቲ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እተቐበልኩምዎ፡ ከምኡ ኢልኩም ብእኡ ተመላለሱ” ዝብል፡ ምስኡ ሓደ ሓሳብ እዩ ዝህበና። እዚ ድማ ንፍቓድን ሓሳብን ክርስቶስ ተቐቢልካ፡ ምምልላስ ማለት እዩ።
ጉጅለ 1 ዝጸሓፍዎ
1. ጳውሎስ “ምስጢር ኣምላኽ” ኢሉ ጸዊዕዎ ዘሎ ንመን እዩ?
ቀጥታዊ መልሲ ቅድሚ ምሃብና፡ ኣብ ዕዮ ገዛ ቍ4፡ እቲ ቅድም ተሰዊሩ ዝነበረ፡ ሕጂ ግና ንቕዱሳኑ ዝተገልጸ ምስጢር፡ እንታይ ምዃኑን፡ ክብሪ ናይቲ ዝተገልጸ ምስጢር ከኣ ማዕረ ኽንደይ ምዃኑን፡ ብሰፊሑ ገሊጽናዮ ምንባርና፡ ከነዘኻኽር ንፈቱ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ኣብ ቈሎሴ 2.2 ገሊጽዎ ከም ዘሎ፡ «ምስጢር ኣምላኽ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ» ስለ ዝብል፡ እቲ ”ምስጢር ኣምላኽ” ተባሂሉ ተጸዊዑ ዘሎ፡ ክርስቶስ እዩ። ኣብቲ ዝሓለፈ ዕዮ፡ እቲ እተገልጸ ምስጢር፡ ”ንሱ’ውን ክርስቶስ ኣባኻትኩም፡ ተስፋ ኽብሪ እዩ” ዝብል ምዃኑ፡ ኣብሪህና ኔርና ኢና። እዚ ምስጢር እዚ፡ ኣህዛብ፡ ብወንጌል ክርስቶስ፡ መዋርስቲ፡ መማቕልቲ ሓደ ስጋ ከም ዝዀኑ የበስር። ኣብ ሮሜ 16፡25 ከም ዝነግረና ኸኣ፡ ‘’ነቲ ብወንጌለይን ብስብከት የሱስ ክርስቶስ ብምግሃድ እቲ ካብ ዘልኣለም ተሰዊሩ ዝነበረ፡ ሕጂ ግና እተገልጸ ምስጢር ....” ብምባል ይገልጾ።
2. ኣብ ክርስቶስ ተሰዊሩ ዘሎ እንታይ እዩ?
ኣብ ክርስቶስ ተሰዊሩ ዘሎ፡ ብዘሎ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን እዩ። ”ሓጺን እንተ ጎደመ፡ ንብልሑ ኸኣ እንተ ዘይሰሓልካዮ፡ ሓይልኻ ብዙሕ ይደክም። ጥበብ ግና ንምስላጥ ይጠቅም” ተባሂሉ ኣብ መጽሓፈ መክብብ ከም ዝተጻሕፈ፡ (መክብብ 10:10) ፍልጠት፡ ንቓል ክውክለልና ከሎ፡ ጥበብ ድማ፡ ንመዓላ እቲ ቓል ክውክለልና ይኽእል’ዩ። ቀለዮጳ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ክገልጾ ከሎ፡” ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኵሉ ህዝብን፡ ብግብርን ቃልን ከኣሊ ነብዪ ዝነበረ ሰብኣይ» እዩ ዝብል፡ (ሉቃ 24፡19)። ሃዋርያ ዮሃንስ ድማ፡ ”ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። እቲ ቓል’ውን ኣምላኽ ነበረ» ድሕሪ ምባሉ፡ ” እቲ ቓል ስጋ ኰነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሓደረ” እዩ ዝብሎ፡ (ዮሃ1.14)። ስለዚ እምበኣር፡ ብዘሎ መዘገብ ጥበብን ፍልጠትን ኣብ ክርስቶስ እዩ ተሰዊሩ ዘሎ።
3. ዕላማ ናይ ምጥባር እንታይ እዩ?
ዕላማ ማለት፡ እቲ ክውቃዕ ዘሎዎ ሸቶ ማለት ስለ ክኸውን ከሎ፡ ምጥባር ማለት ከኣ፡ ምትላል፡ ምዕሻው፡ ወዘተ ማለት ስለ ዝዀነ፡ ዕላማ ምጥባር፡ ኣብቲ ጽሑፍ ኣብ ፍቕዲ 4፡ ተነጊሩና ከም ዘሎ፡ «ሓደ እኳ ብቓል ቅብጥር ከየስሕተኩም» እዩ ዝብል። እቲ ዕላማ እምብኣር፡ ምስሓት፡ ምግጋይ፡ ካብ ዕላማኻ ምእላይ፡ ወዘተ ማለት ምዃኑ፡ ክንርዳእ ንኽእል። ኣብ ፍቕዲ 8 ኸኣ፡ ”ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኰነስ፡ ብልማድ ሰብ፡ ከም ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ብጥበብ ዓለምን፡ ብኸንቱ ምጥባርን፡ ሓደ’ኳ ከይማርኸኩምሲ፡ ተጠንቀቝ» ብምባል፡ ዕላማ ምጥባር፡ ምምራኽ ማለት ምዃኑ ይሕብር። ምምራኽ ማለት ከኣ፡ ዕላማኻ ሓዲግካ፡ ነቲ ክትዋግኦ ዝጸናሕካስ፡ ምቅላሱ ሓዲግካ፡ ብምሕላል ኢድካ ከተልዕል ከለኻ ማለት’ዩ።
4. «ብእኡ ንበሩ» ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ?
እታ ”ብእኡ” እትብል ዘላ፡ ነቲ ኣቐዲምና፡ ብዘሎ መዝገብ ጥበብን ፍልጠን ኣብኡ እተሰወረ ዝበልናዮ፡ ነቲ «ምስጢር ኣምላኽ» ብምባል’ውን ዝገለጽናዮ፡ ንክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታና እያ እትውክል። ብእኡ ሓደው ብክርስቶስ ንበሩ ዝብል ሓሳብ እምበኣር፡ ኣብ ፍቕዲ 2፡ ብፍቕርን ብዅሉ ሃብቲ ናይ ምሉእ ኣእምሮን ንፍልጠት እቲ ምስጢር ኣምላኽ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ፡ ብሓደ ሰሚሮም፡ ልቦም ምእንቲ ኺጸናናዕ፡ ክሕብሮም ከሎ፡ ኣብ ፍቕድታት 5-7 ድማ፡ ስርዓቶምን ጽንዓት እምነቶም ብክርስቶስን፡ ከምቲ ንጐይታና ክርስቶስ ኢየሱስ እተቐበልዎ፡ ከምኡ ኢሎም ብክርስቶስ ክመላለሱ ከም ዘሎዎም፡ ብተወሳኺ’ውን ኣብ ክርስቶስ ተሰሪቶምን፡ ተሃኒጾምን፡ ብምስጋና መሊኦምን፡ ከምቲ እተመሃርዎ ኰይኖም ብእምነት ክጸንዑ ከም ዘሎዎም ዝነግር’ዩ።
ጉጅለ 3 ዝጸሓፍዎ
1. ጳውሎስ “ምስጢር ኣምላኽ” ኢሉ ጸዊዕዎ ዘሎ፡ ኣብ ቈሎሴ 2፥2: ብፍቕርን ብዅሉ ሃብቲ ናይ ምሉእ ኣእምሮን፡ ንፍልጠት እቲ ምስጢር ኣምላኽ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ... ብምባል ገሊጽዎ’ሎ። ስለዚ እቲ ምስጢር ኣምላኽ ተባሂሉ ዘሎ፡ ክርስቶስ ምዃኑ ብሩህ እዩ። ምስጢር ዝተባህለሉ ምኽንያት ድማ፥ ከምቲ ኣብ ቈሎሴ 1፥26 ”እቲ ኻብ ዘለኣለምን ካብ ውሉድ ወለዶን ተሰዊሩ ዝነበረ ሎሚ ግና ንቕዱሳኑ እተገልጸ ምስጢር” ዝብሎ፡ መደብ ምድሓን ኣምላኽ፡ ቅድሚ ሕጂ ምስጢር ከም ዝነበረ፥ ሕጂ ግና ብክርስቶስ ስለ ዝተገልጸ እዩ። ከምቲ ብዘሎ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ኣብ ክርስቶስ ተሰዊሩ ኣሎ ዝብለና (ቈሎሴ 2፥3)፥ ክርስቶስ፡ ንኣምላክ ብምልኣት ከም ዝገለጾ ክንርዳእ ንኽእል።
2. ኣብ ክርስቶስ ተሰዊሩ ዘሎ፡ እንታይ እዩ፡ ንዝብል ከኣ፡ ብመሰረት ቈሎሴ 2፡3 "ብዘሎ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ኣብ ክርስቶስ ተሰዊሩ አሎ።" እዚ ማለት፡ ክርስቶስ ምሉእ ምግላጽ ጥበብ፡ ሓቅን ምስትውዓልን ኣምላኽ እዩ። ክርስቶስ፡ ምንጪ መለኮታዊ ጥበብ እዩ። ንሱ ነቶም ጽዉዓት፡ ንኣይሁድ ኰነ፡ ንጽርኣውያን ኰነ፡ ክርስቶስ፡ እቲ ሓይሊ ኣምላኽን ጥበብ ኣምላኽን እዩ (1ይ ቈረ 1:24)። ከምቲ ኣብ ምሳሌ 2፡6 "እግዚኣብሄር ጥበብ ይህብ እዩ እሞ፡ ፍልጠትን ምስትውዓልን ካብ ኣፉ እየን ዚወጻ" ዝብል፥ ክርስቶስ ብስጋ ዝተገልጸ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ምንጪ ኩሉ ሓቀኛ ጥበብ፡ ክርስቶስ እዩ። ኩሉ ጥበብን ፍልጠትን ኣምላኽ፥ ድሕነትን ህይወትን ኣብ ክርስቶስ ከም ዝርከብ፥ ንክርስቶስ ምፍላጥ ማለት፡ ነቲ ዝዓበየ ሃብቲ፡ ማለት ነቲ መለኮታዊ ጥበብን ሓቅን ምርካብ ማለት ምዃኑ የረድእ።
3. ዕላማ ናይ ምጥባር እንታይ እዩ፡ ንዝብል ከኣ፡ ኣብ ቈሎሴ 2፡4 ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ሓደ እኳ ብቓል ቅብጥር ከየስሕተኩም ኢለ እየ እዚ ዝብል ዘሎኹ” ኢሉ የጠንቅቕ። ብሓፈሻ እቶም ዝጥብሩ፡ ረብሓ ገዛእ ርእሶም ንምድላብ (ሮሜ 16፡17-18)፡ ኣገልገልቲ ሰይጣን ስለ ዝኾኑ፡ (2ቈረ 11፡13-15)፡ እቲ ዕላማ ምጥባር ከኣ እንታይ ከም ዝዀነ ብኸምዚ ዝስዕብ ይገልጾ፦
ሀ. ንኣመንቲ ካብ ክርስቶስ ንምፍላይ
ለ. ወንጌል ንምጥምዛዝን እምነት ኣመንቲ ንምድኻምን (ቈሎሴ 2፡8)።
ሐ. ንኣመንቲ ንምድንጋርን ንምትላልን፡ ካብቲ ሓቀኛ እምነት ክርስቶስ ንምርሓቕን (2ቈረ 11፡3)።
መ. ብናይ ሓሶት ትምህርቲ ስዓብቶም ብምግባር፡ ባሮት ጌርካ ካብ ዓስቢ ዓወት ክርስቶስ ንምምንዛዕ (ገላትያ 2፡4፡ ቈሎሴ 2፡8)።
4. ”ብእኡ ንበሩ” ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፡ ንዝብል ሕቶ ኸኣ፡ ኣብ ቈሎሴ 2፡6-7 ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ "ደጊም ከምቲ ንጐይታና ክርስቶስ የሱስ እተቐበልኩምዎ፡ ከምኡ ኢልኩም ብእኡ ተመላለሱ። 7: ኣብኡ ተሰሪትኩምን ተሃኒጽኩምን ብምስጋና መሊእኩምን፡ ከምቲ እተመሃርኩምዎ ዄንኩም ብእምነት ጽንዑ" ብምባል፡ ንኣመንቲ ይላቦ፡ ንክርስቶስ ክእዘዙን ምስኡ ጥቡቕ ርክብ ክገብሩን፥ በቲ መጀመርታ ዝተማህርዎ ወንጌል፥ ንክርስቶስ እናኣመስገኑ ክነብሩን ይመክር። ኣብ ክርስቶስ ምንባር ማለት፡ ልክዕ ከምቲ ጨንፈር ወይኒ፡ ካብቲ ጕንዲ ወይኒ፡ ህይወት ዝቕበል፡ ከምኡ ኸኣ ክርስቶስ፡ ህይወትካ ክመርሕን ክቕይርን ምፍቃድ ማለት እዩ፡ (ዮሃ 15፡4-5)። እምነትካ ብተግባራትካ ዘንጸባርቐሉ ሕይወት ክትመርሕ ምኽኣል ማለት ድማ እዩ (1ዮሃ 2፡6)። ንክርስቶስ ኣብነት ጌርካ፥ ብፍቕርን ቅድስናን ትስዕቦ ማለት፡ (ኤፌሶን 4፡1, ገላትያ 2፡20)። ብቐጻሊ ብክርስቶስ ምዕባይን ንዕኡ ብቑዕ ኴንካ ምምልላስን ማለት ድማ እዩ።
ጉጅለ 4 ዝጸሓፍዎ
1. ጳውሎስ “ምስጢር ኣምላኽ” ኢሉ ጸዊዕዎ ዘሎ “ንክርስቶስ” ኢዩ፡ (ቈሎሴ 2፡2)።
2. ኣብ ክርስቶስ ብዘሎ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ተሰዊሩ ኣሎ፡ (ቈሎሴ 2፡2-3)።
3. ዕላማ ናይ ምጥባር ከምቲ ኣብ ቈሎሴ 2፡8 ተጠቒሱ ዘሎ ብናይ ሓሶት ትምህርቲ፡ ብናይ ሰብ ባህልን፡ ኣብ ክርስቶስ
ብዘይተሰረተ ዓለማዊ ፍልስፍናን ንኣመንቲ ንምድንጋርን ንምሓዝን እዩ። እዞም መደናገርቲ ሓሳባት እዚኣቶም፡ እምነት ከዳኽሙ፣ ኣመንቲ ካብ ሓቂ ክርሕቑን፣ ኣብ ክንዲ ኣብ ጥበብ ኣምላኽ፡ ኣብ ሰብኣዊ ጥበብ ክምርኰሱን ይገብሩ። ጳውሎስ፡ ኣመንቲ ኣብ ክርስቶስ ሱር ሰዲዶም ክጸንሑን እቲ ኣብኡ ዘለዎም ናጽነትን ድሕነትን ከይስእኑ፡ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ምጥባር ኪርሕቑ የጠንቅቕ።
4. “ብእኡ ምንባር" ማለት ኣብኡ ተሰሪትናን ተሃኒጽናን ብምስጋና መሊእናን፡ ከምቲ እተመሃርናዮ ዄንና ብእምነት ምቕጻል ማለት ኢዩ፡ (ቈሎሴ 2:7)። ብሰናይ ግብሪ ዘበለ፡ ፍረ እናፈረናን እናዓቤናን፡ ንእኡ ብቑዓት ኴንና ክንመላለስን ማለት ድማ ኢዩ፡ (ቈሎሴ 1:10፣ ዮሃ 15፡5) ከምኡ’ውን ክንእዘዞን፡ ንትምህርቱ ኣብ ዕለታዊ ህይወትና ክንነብረሉን ልክዕ ከምቲ ብእምነት ዝተቐበልናዮ፡ ኣብነቱ ክንስዕቦን (1ጴጥ 2:21፣ ዮሃ 13፡14-15)፡ ንእኡ መሲልና ክንነብርን (1ዮሃ 2፡6)፡ ከምቲ ናቱ ሓሳብ ክህልወናን (ፊሊጵ 2፡5) ማለት ኢዩ። ብተወሳኺ፡ ኣብኡ ምጽጋዕ፡ ንሓሳባትናን ተግባራትናን ውሳኔታትናን ንሱ ክመርሖ ምፍቃድ ማለት’ውን እዩ።